ኢሎን መስክ ሓድሽ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ከምዝመስረተ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቢልዮነር ኢሎን መስክ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምጉርፋጡ፡ ድሕሪ ውሑዳት ሰሙናት ሓድሽ ፖቲካዊ ሰልፊ ከምዝመስረተ ኣፍሊጡ።
ኢሎን መስክ ኣብቲ ባዕሉ ዝውነኖ ማሕበራዊ ሚድያ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ንሱ ዝመስረቶ ሰልፊ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ሪፓብሊካን ዲሞክራትስ ዝብል ስርዓት ክልተ ሰልፊ ዝብድህ ከምዝኰነ ኣፍሊጡ።
እንተኰነ እቲ ሰልፊ ብወግዒ ኣብ ሰብ መዚ መረጻ ኣመሪካ ተመዝጊቡ ድዩ ኣይተመዝገበን ኣየፍለጠን።
ኢሎን መስክ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ስለዝተወለደ፡ ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ ንፕረዚደንትን ክወዳደር ኣይፍቐዶን'ዩ፡ ኢሎን መስክ ከኣ ነቲ ሰልፊ መን ከምዝመርሖ ኣይሓበረን ዘሎ።
ኢሎን መስክ መጀመርታ ምስ ትራምፕ ክሰሓሓብ ኣብ ዝጀመረሉ ሰልፊ ናይ ምምስራት ጥሙሕ ከምዘለዎ የፍእም ነይሩ'ዩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ኤክስ ንዝርከቡ ሰዓብቱ፡ ኣብ ኣመሪካ ሓዲሽ ሰልፊ ዘድሊ እንተኰይኑ ሓቲትዎም ምንባሩ ይዝከር።
ነቲ ኣብ ኤክስ ዝረኸቦ ደገፍን ተቓውሞን ከም መወከሲ ብምውሳድ ትማሊ ቀዳም "ክልተ ንሓደ ብዝኰነ ድምጺ ሓድሽ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ከምዘድሊ ገሊጽኩም ኣለኹም፡ ክህልወኩም ድማ'ዩ" ኢሉ።
ኢሎን መስክ ብምስዓብ "ኣብ ዲሞክራሲ ዘይኰንና ኣብ ስርዓተ ሓደ ሰልፊ ኢና ንነብር ዘለና፡ ሎሚ 'ሰልፊ ኣመሪካ' ተመስሪቱ ኣሎ፡ እዚ ሰልፊ እዚ ከኣ ነጻነትኩም ክመልሰልኩም'ዩ" ኢሉ።
ክሳብ ትማሊ ቀዳም ኮምሽን መረጻ ኣመሪካ፡ ነቲ ኢሎን መስክ ዝብሎ ዘሎ 'ሰልፊ ኣመሪካ' ዝምልከት ዝኰነ ሕቶ ምዝገባ ከምዘይመጽኦ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣመሪካ ካብዘን ክልተ ሰልፍታት ኣዝዩ ንነዊሕ ዓመታት ባይታ ዘንጸፋ ሰልፍታት፡ ካልእ ሰልፊ ባይታ ተቐባልነት ረኺቡ ንክልቲአን ሰልፍታት ስግኣት ዝኰነሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃነ'ዮም ብዙሓት ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ሊበሪቲ ፓርቲ፡ ግሪን ፓርቲ ከምኡ ከኣ ፒፕልስ ፓርቲ ብሓባር ብምጥማር ንትራምፕን ንካማላ ሃሪስን ንምብዳህ ፈቲኖም ነይሮም'ዮም ኣብ ባይታ ግን ውጽኢት ከመዝግቡ ኣይክኣሉን።
ክሳብ'ዚ ቀረባ እዋናት ቀንዲ ደጋፊ ትራምፕ ዝነበረን ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ ንትራምፕ ናይ 250 ሚልዮን ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገበረሉን ኢሎም መስክ፡ ትራምፕ ዘየድሊ ወጻኢታት መንግስቲ ንኽንኪ ኣብ ዝመስረቶ ዶጅ [Department of Government Efficiency] ዝሰመዮ ሓዲሽ ቤት ጽሕፈት ከምላዕለዋይ ሓላፊ ኰይኑ ክሰርሕ መዝነት ተዋሂብዎ ነይሩ'ዩ።
ኢሎን መስክ ገደብ መዝነቱ ኣብ ግንቦት የብቕዕ ስለዝነበረ ካብ መዝነቱ ወሪዱ ንትራምፕ ኣብ ግብሪ ዝኽተሎ ኣካይዳ ብትሪ ክነቕፎ ምስ ጀመረ፡ ዓይንን ሓመድን ክዀኑ ጀሚሮም።
ቢልዮነር ኢሎን መስክ ወናኒ ብኤልትሪክ ዝሰርሓ ተስላ ዝብሃል መካይንዩ።
ትራምፕ ንኢሎም መስክ ኣመልኪቱ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ "ኢሎን መስክ ብዘይ ድጎማ፡ ምናልባት ዶኳናቱ ዓጽዩ ናብታ መበቆሉ ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ ምኸደ" ብምባል ሓጪጭሉ ምንባሩ ይዝከር።
ኢሎን መስክ ብዘይካ ተስላ ከም ስፔስ ኤክስ ዝተብሃል ንኣመሪካ ናብ ህዋ ሮኬታት ክትውንጭፍ ዝሕገዛ ትካልን ንምክልኻል ኣመሪካን ኣውሮጳን ናይ ሳተላይት ኣገልግሎት ዝህብ ስታርሊንክን ዝውንን ብዓል ጸጋ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







