ኤክስ ኣብ 2024፡ ኢሎን ማስክ ኣብ 'ሰብኣውነት ዝገበሮ ማሕበራዊ ፈተነ'

ኢሎን ማስክ ንትዊተር ብ2022 ከም ዝዓደጐ ይዝከር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢሎን ማስክ ንትዊተር ብ2022 ከም ዝዓደጐ ይዝከር

ቢልየነር ኢሎን ማስክ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንትዊተር ካብ ዝዕድጐ ኣትሒዙ፡ እቲ ማሕበራዊ መድረኽ ሓሳብካ ብናጽነት ዝግለጸሉ ዕርዲ ኰይኑ'ዩ እናበለ ክንእዶ ይስማዕ።

ትዊተር፡ ኣብ 2023 ሽሙ ናብ ኤክስ ተቐይሩ'ዩ።

እዚ ቅርዓት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኰይኑ ዝርኣይ ዝነበረ መድረኽ ግን፡ ዝያዳ ኣካታዕቲ ኣረኣእያታትን ጽሑፋትን ናብ ዝውዝዓሉ ማእከል ኣዝዩ ዝተኸፋፈለ ኣተሓሳስባታት ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያትን ዜናታትን ግጕይ ሓበሬታ ዘካፍሉ መጥቀሚ ኣካውንታት ኣለው።

ገሊኦም እዚኦም ጽልኢ ብምልዕዓል ይኽሰሱ።

ኤክስ፡ ከም ገለ ካልኦት ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሓት ተጠቀምቲ ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ።

እንተዀነ፡ ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ መንግስታትን ሓይልታት ጸጥታን መግለጺታቶምን ርኢይቶታቶምን ዘካፍልሉ መድረኽ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ዋና ኤክስ ማስክ'ውን ፖለቲካዊ ጸግዑ ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምዃኑ ብወግዒ ዘርኣየ ብምዃኑ፡ ሓለፍቲ ካልኦት መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ምስቲ ፕረዚደንት ክህልዎም ዝኽል መጻኢ ርክባት ዝጸሉ ከይኰነ ኣይተርፍን።

ብምዃኑ ድማ፡ ኤክስ ኣብ ፖለቲካዊ ፍጻሜታት ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ይመስል።

ስለዚ፡ ድሕሪ እዚ ሓድሽ ማዕበል ለውጢ እንታይ ኣሎ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዲሞግራፊ ናይቶም ኤክስ ዝጥቀሙ ሰባት ለውጢ ተራእዩ ድዩ - ወይስ ውጽኢት ናይቲ ሓለፍቲ እቶም ትካላት ዝወስዱዎ ዘለው ውሳነታት ዘምጽኦ ክኸውን ይኽእል?

ትዊተር ከም 'ሚዲያ'

ቅድሚ ክልተ ወርሒ፡ 'Inevitable West' ዝብል ኣካውንት ኣብ ኤክስ [X] ኣይነበረን።

ሕጂ ግን እዚ ንነብሱ "ተሓላቒ ክብርታትን ባህልን ምዕራባውያን" ምዃኑ ዝገልጽ ኣካውንት ልዕሊ 131 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዎ (እዚ ኣሃዝ ብቕልጡፍ'ዩ ዝዓቢ ዘሎ)።

መዓልታዊ ኣብዚ ገጽ ዝጥቅዑ ጽሑፋት 30 ሚልዮን ሰባት ከም ዝርእዩዎ ዋና እዚ ኣካውንት ይገልጽ።

ኢሎን ማስክ ንከይተረፈ ኣብዚ ኣካውንት መልሲ ሂቡ ይፈልጥ እዩ።

እዚ ኣካውንት ዝዘርግሖም ጽሑፋት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቅዲ መጠንቀቕታ ዝሓዙ'ዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ትራምፕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ "ሃገርካ ወሪርካ ንብሪጣንያ ዳግማይ ዓባይ ግገብራ" ከም ዝበሎ ዘርኢ ናይ ሓሶት ቪድዮ ዘርጊሑ ነይሩ።

ብተወሳኺ ንሕሉፍ የማናዊ ቶሚ ሮቢንሰን ዝድግፍ ሓያሎ ጽሑፋትን ካልኦትን ይዝርግሕ።

'ኢንኤቪታብል ዌስት' ግጕይ ሓበሬታ፡ ግህሰት ወይ ዓመጽ ብምልዓል ንዝቐርበሉ ክስታት ይነጽጐም።

"ዕላማ እዚ ኣካውንት ድምጺ እቲ ድምጺ ኣልቦ ዝዀመ ምዕራባዊ ዓለም ንምዃን'ዩ" ክብል ነዚ ኣካውንት ዝፈጠሩ ውልቀሰብ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ንሶም፡ መንነቶም ከካፍሉ ፍቓደኛ ኣይኰነን፤ ግን ከኣ "ጄን-ዚ" (Gen Z) እምበር "ሩስያዊ ኣይኰንኵን" ኢሎም።

"ምመያ ዘይተገብረሎም ሓበሬታን ርእይቶታትን ኣመሪካን መላእ ምዕራብን ኤውሮጳን ዝያዳ ንየማን ክግዕዙ ምዃኖም ዘይተርፍ'ዩ፡ [እዚ ድማ] ዶናልድ ትራምፕ ብምምራጹን ኣብ ኤውሮጳ ብዝሒ ሕሉፍ የማናውያን ምውሳኹን ኣረጋጊጹልና ኣሎ፤ብደረጃ ዓለም ክኣ ብልሹዋት ፖለቲከኛታትን መራሕትን ክመጽኡ'ዮም ማለት'ዩ"።

እዚ ኣካውንት ይዓቢ ምህላው፡ እቲ "MSM" ወይ ስሩዕ ሚድያ ዝበሃል "ይመውት" ምህላው ዘርኢ እዩ ይብሉ።

እዚ ምናልባት ዘገርም ኣይኰነን፤ ድሕሪ መረጻ ኣመሪካ፡ ኢሎን ማስክ ንተጠቀምቲ ኤክስ "ንስኻትኩም ሕጂ ሚድያ ኢኹም" ምባሉ ይዝከር።

ካብ 'ብሉ ቲክ' ክሳብ 'ላይክስ'፡ ኣብ ኤክስ ዝተገብሩ ጽገናታት

ብ2023፡ ማስክ ሽም ትዊተር ናብ ኤክስ ቀይሩዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብ2023፡ ማስክ ሽም ትዊተር ናብ ኤክስ ቀይሩዎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ማስክ መጀመርታ ንትዊተር ምስ ዓደጐ፡ ኵሉ ፖለቲካዊ ርእይቶታት ምትእንጋድን መንግስታትን ኵባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣንፋር ምመያ ክደፍኡን ከም ዘድሊ ተዛሪቡ ነይሩ።

ጃምላዊ ምንካይ ሰራሕተኛታት ሓዊሱ፡ ከም ፖለቲካዊ ግጕይ ሓበሬታታት ዝኣመሰሉ ጕዳያት ኣብ ምቁጽጻር ትሕዝቶ ዝነበሩ ፖሊሲታት ክቕየሩ ዝገብር ስጕምቲታት ወሲዱ።

"ፎሎዊንግ" [ሓደ ተጠቃሚ ዝኽተሎም ኣካውንታት ዝስርዕሉ] ከምኡ'ውን "ፎር ዩ" ብፍሉይ በቲ ኣልጐሪዝም ዝተሓረዩ [ልክዕ ኣብ ቲክቶክ ዘሎ ኣሰራርሓ] ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ መልክዓት ድማ ኣተኣታትዩ።

ኣብ 2024 ካልእ ዝያዳ ዝቐየረ ዝመስል ካልእ ማዕበል ለውጢታት እዩ ተራእዩ።

'ብሎክ' ዝብል ኣማራጺ ተቐይሩ፤ እዚ ማለት፡ ንሓደ ኣካውንት 'ብሎክ' እንተገበርካዮ'ውን እቲ ኣካውንት ብዛዕባ እትጥቅዖም ነገራት ምርኣይ ይኽእል እዩ።

'ላይክ' ዝምልከት ክኣ ብሕታዊ ኰይኑ ኣሎ [ካልኦት ተጠቀምቲ ኣይርእዩዎን]።

ቅድሚ ሕጂ ሓደ ተጠቃሚ ትኽክለኛ ኣካውንት ሓደ ተጠቃሚ ንምርግጋጽ ዝወሃብ ዝነበረ መረጋገጺ 'ብሉ ቲክ' ክኽፈሎ ጀሚሩ።

ሕጂ ግን ምልክት ምልክት ንምርካብ ኣብ ኤክስ ፕሪምየም ሳብስክራይብ ንምግባር ምኽፋል የድሊ።

'ፕሪምየም ኣካውንታት' - ካብ ካልኦት መረጋገጺ ምልክት ካብ ዘለዎም ኣካውንታት ብዝረኽቡዎ ብዝሒ 'ላይክ' ገንዘብ ዝረኽቡ ዝነበሩ ኣካውንታት ንምርካብ'ውን ከኽፍል ጀሚሩ።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ድማ፡ ኤክስ ሕግታቱ ቀይሩ፤ ናይ ውልቃዊ ኣካውንታት እረኽቡዎ ኣታዊ ኣብ ክንዲ ካብ መወዓውዒታት ዝምርኰስ ዝኸውን ካብ ካልኦት ፕሪምየም ኣካውንታት ዝመጽእ 'ላይክ፡ ሼርን ኮመንትን' ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ገይሩ።

ብርግጽ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኻተ'ውን ተጠቀምቲ ካብ ጽሑፋት ገንዘብ ክረኽቡን 'ስፖንሰር' ዝግበረሎም ትሕዝቶታት ከካፍሉን የፍቅዱሎም እዮም።

መብዛሕትኦም ዓበይቲ መርበባት ሓበሬታ ግን፡ ግጕይ ሓበሬታ ዝጥቅዑ ኣካውንታት ከይኽፈሎም ወይ ደው ክብሉ ዝገብር ሕግታት ኣለዎም።

ኤክስ ግን፡ ዋላ'ውን ተጠቀምቲ ግጕይ ሓበሬታ ንዝውዝዑ ሰባት ዝምልከት ሓበሬታ ክህቡ ዝገብር ኣሰራርሓ እንተሃለዎ፡ ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት ዘካፍሉ ኣካውንታት ገንዘብ ከይኽፈሎም ዝገብር ሕጊ የብሉን።

ከምኡ'ውን "ኣብ ህዝባዊ ጕዳያት ሰፊሕ ምድንጋር ከስዕብ፡ ኣብ ልዕሊ ድሕነት ህዝቢ ጽልዋ ከሕድር ወይ ከቢድ ጕድኣት ከስዕብ ዝኽእል" ስኑዕ ቪድዮታት ክጥቃዕ ኣየፍቅድን።

'ኢንኤቪታብል ዌስት' ከም ዝብሉዎ እንተዀይኑ፡ ኤክስ ሕጂ ስራሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሸውዓተ ጽሑፋት 'ፖስት' ክገብሩ እንከለዉ ብውሑድ"2500 ዶላር ኣብ ወርሒ" ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ካልእ ወርሓዊ "25 ሽሕ ዶላር" ዝረክብ ኣካውንት ከም ዝፈልጡ'ውን ጠቒሶም።

እቲ ኣካውንት 500 ሽሕ ሰዓብቲ ከም ዘለውዎን ኣብ መዓልቲ "ብግምት 30" ግዜ ከም ዝጽሕፍን ይግለጽ።

እቲ 'ኣልጐሪዝም' ድዩ ተቐይሩ?

ሓሓሊፉ፡ ተበጻሕነት ገለ ጽሑፋት ንምዕባይ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ነቲ ኣልጎሪዝም (ወይ ስርዓታት ለበዋ) ብገለ መንገዲ ክቕይሮ ይኽእል።

ኣብ መዳይ ኤክስ ግን ከምዚ ዓይነት ለውጢ ተገይሩ ድዩ ዝብል ንጹር ኣይኰነን።

ብርግጽ፡ ምስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብቲ "ፎር ዩ" ዝብል ክፍሊ ኣብ ዝመጽኡ ሓበሬታታት ፍልልይ ከም ዘሎ ቢቢሲ ክዕዘብ ክኢሉ እዩ።

ነዚ ንምርግጋጽ፡ ጋዜጠኛ መርመራ ማሕበራዊ ሚዲያ ቢቢሲ ዝዀነት ማሪያና ስፕሪንግ "Undercover Voter project" ብዝብል ልዕሊ 20 ኣብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ማእከል ዝገበሩ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ፖለቲካ ዘንጸባርቑ ልበ ወለዳዊ ገጸ ባህሪያት ዝጥቀምሉ ኣካውንታት ማሕበራዊ ሚዲያ ፈጢራ።

እዞም ገጸ ባህርያት ኣብ ኤክስ ሓዊሱ ኣከውንት ዘለዎም ኰይኖም፡ እቶም ኣካውንታት ናይ ብሕቲ ኰይኖም ናብ ካልኦት ሰባት መልእኽቲ ክሰዱ ኣይክእሉን፤ መሓዙት'ውን ኣይነበሮምን።

እዚኦም ዋላ'ውን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እንተሃለዎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ እቲ ዝመጽኦም ዝነበረ ሓበሬታ ብኣዝዮም ዝኸፋፍሉ ጽሑፋት ዝተዓብለለ ኰይኑ።

ብተወሳኺ ዝያዳ ንትራምፕ ዝድግፍ ወይ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ንዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ሰባትን ዝቃወም ጽሑፋት ብብዝሒ ይመጽኦም ነይሩ።

እዚ ኩሉ ግን፡ ኣብቲ ኣልጎሪዝም ዝግበር ቀሊል ምትዕርራይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሳዕቤን ዝተፈላለየ ለውጥታት ክኸውን ይኽእል።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቲክቶክ ተንታኒ ድሕነት ተጠቀምቲ ዝነበረን ኣብ ሜታ እውን ዝሰርሐን ኣንድሪው ካውንግ፡ እዞም ስርዓታት ለበዋታት ብኸመይ ክመሓየሹን ክቕየሩን ከም ዝኽእሉ ንዓመታት ክዕዘብ ጸኒሑ እዩ።

"ኣብ ኤክስ ዝረኣናዮ፡ ኣልጐሪዝም ምቕያር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስም ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ኣገባባት ድሕነት ብዘይምህላዉ'ውን'ዩ" ይብል።

ኒና ጃንኮቪች ዝተባህለት ኣብ ቦርድ ምሕደራ ግጕይ ሓበሬታ ኣመሪካ ፈጻሚት ስራሕ ነበር፡ ኣልጐሪዝም ኤክስ "ንኸፋፋልን ዘደናግር ተረኻትን" ዕድል ሂቡ'ዩ ብምባል ኣካታዒ ዘይኰነ ትሕዝቶ ዝልጥፉ ተጠቀምቲ ዝረኽቡዎ ብዝሒ ርእይቶታት ከም ዝነከየ ትዛረብ።

እዚ ቦርድ እዚ ኣብ 2022 ንሚኒስትሪ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ጕዳይ ግጉይ ሓበሬታ ንምምካር ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ድሒሩ ግን ኣብ ዙርያ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ግሉጽነትን ብዝተፈጥረ ስክፍታታት ህዝቢ ተበቲኑ።

"ናይዚ ሳዕቤን ድማ እቲ ንነብሱ ከም ህዝባዊ መድረኽ ዝርኢ መድረኽ፡ ሓቀኛ ጸሊም መስተዋት ናይቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ክፋላት ተፈጥሮ ወዲ ሰብ'ዩ ኰይኑ" ኢላ።

ማስክ ኣብ ሓድሽ ካቢኔ ትራምፕ መንግስታዊ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማስክ ኣብ ሓድሽ ካቢኔ ትራምፕ መንግስታዊ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ኣሎ

ትጽቢት ዘይተገብሮም ጸለውቲ

ቢቢሲ፡ ናብ ካልኦት ካልኦት ዓሰርተታት ዓበይቲ ኣካውንታት መልእኽቲ ሰዲዱ፤ ንሳቶም ድማ ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ከም ዘለዎም ይገልጹ።

እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይተጸበዩዎ መገዲ ዝመጽአ ምዃኑ ድማ ይጠቕሱ።

"ጸላዊ ክኸውን'የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን" ይብል ሓደ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ኣንዲ ዝብል ኣካውንት ዝጥቀም ውልቀሰብ።

"እዚ መድረኽ ስለ ዘለኒ ግን ንናይ ገዛእ ርእሰይ ዕላማታት ንምስጓም ክጥቀመሉ ክፍትን ከም ዘለኒ እግምት"።

ንሱ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ክህልዋ ይኽእል እዩ ብዝብል ስክፍታ ዝተቐትለት ምጽጹላይ ምስ ሰምዐ፡ ብዛዕባኣ ሓደ 'ሚም' ኣካፊሉ።

እዚ ሕጂ 45 ሚልዮን ሰባት ርእዮምዎ ኣለው።

ኣንዲ ነቲ ዝበጽሖ ደረጃ ምስቲ ኣብ ኤክስ 14.5 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ህቡብ ፖድካስተር ጆ ሮጋን የነጻጽሮ።

"ኣነ ጆ ሮጋን ኣይኰንኩን፤ እቲ ዝጥቅዑ ነገር ዳርጋ ክንዲ ናቱ ተዓዘብቲ ክረክብ ምኽኣሉ ግን ናይ ብሓቂ ፍሉይ'ዩ"።

ኣንዲን ካልኦት ናይ ኤክስ ኣካውንታትን፡ ሕጂ ፈጺሞም ክግምትዎ ዘይክእሉ ጽልዋ ስለ ዘለዎም፡ እቲ ኣብ ኤክስ ዝመጽእ ለውጢ ጽቡቕ ነገር ምዃኑ ይኣምኑ።

ክስታት ሻራዊ ምቍጽጻር ትሕዝቶ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጀርመን ኣብ ሓደ ዕዳጋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መኪና ምኽንያት ሞት ሓሙሽተ ሰባት ክዀኑ እንከለው ካልኦት ልዕሊ 200 ቈሲሎም።

እዚ ኣብ ኤክስ ሰፊሕ ክትዕ ኣልዒሉ'ዩ።

መብዛሕትኡ እቲ ክትዓት ኣብ ዙርያ እቲ ጥርጡር ትዅረት ዝገበረ ኰይኑ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝመጽአ ጀርመናዊ ነባሪ ምዃኑ ፖሊስ ገሊጾም'ዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን እቲ መርመራ ይቕጽል ከም ዘሎ እኳ እንተገለጹ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኰይኖም'ዮም ካብ ዝብሃሉ ነገራት እቲ ሓደ ግን "ኣብ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስዑዲ ዓረብ ዘሎ ኣተሓሕዛ ዘስዓቦ ዘይዕግበት ክኸውን ከም ዝኽእል" ዝገልጹ ሓሳባት ክወሃቡ ቀንዮም።

'Inevitable West' ሓደ ካብቶም ርኢይቶ ዝሃቡ ኣካውንታት ኰይኑ፡ "ንመሳጊድ ዝመቱ። ቁርዓን ይተኣገድ። ጃምላዊ ምስጓግ ይካየድ፤ ትዕግስትና ተጸንቂቑ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ኣካውንት ንኢሚግሬሽንን ሃይማኖትን ሓዊሱ ጽልኣት ዘለዓዕሉ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ይኽሰስ።

ካልኦት ተጠቀምቲ'ውን እዚ ዓመጽ ከለዓዕል ከም ዝኽእል ገሊጾም።

እቲ ኣካውንት ግን "ድሕነት" ክህሉ ኢና ንገብር ዘለና ብምባል መልሲ ሂቡ።

ብዛዕባ እዚ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ክቐርበሎም እንከሎ፡ ብዛዕባ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ከምኡ ከም ዝብሉ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ዝጠቅዑዎ ጽሑፍ ሓቂ እንተዘይኰይኑ'ውን ካብቲ ገጽ ከም ዘይኣልዩዎ ገሊጾም።

እዚ ኣካውንት ዝዝርግሖም ትሕዝቶታት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጠቀምቲ ኤክስ እዮም ዝርእዩዎ።

ትዊተር፡ ቅድሚ ኢሎን ማስክን ድሕሪኡን ኣብ ኣገባባት ምቍጽጻር ትሕዝቶ ሻራዊ ከም ዝዀነ ወይ ወገናውነት ከም ዘርኢ ዝገልጽ ክስታት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።

ጐና ጐኒ፡ እቲ መድረኽ ቅድሚ ሕጂ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝድርት ድዩ ነይሩ ዝብል ሕቶታት'ውን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ይቐርብ ነይሩ።

ብዛዕባ እዚ ኣብቲ ብ2023 ዝተመሓላለፈ መርመራ ፓኖራማ ኵባኒያ ንዝሰርሑ ሰባት ኣዘራሪብና ነይርና።

ንሳቶም ድማ፡ እቲ ኵባንያ ተጠቀምቲ ካብ ዝበጽሖም ተጻብኦታት፡ ብመንግስቲ ዝቐርብ ዝተዋደደ ግጕይ ሓበሬታን ጾታዊ ምዝመዛ ህጻናትን ንምክልኻል ከም ዝሰርሕ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኤክስ ነቲ ዝተላዕለ ነጥብታት መልሲ ኣይሃበን።

ብድሕሪኡ ግን ማስክ ብዛዕባ ቢቢሲ ፓኖራማ ዘዳለዎ ጽሑፍ ገይሩ፡ "ትዊተር ካብ ገነት ናብ... [ንሰባት ዘቈጥዑ ርኢይቶታት ዝህቡ] ዘለዎ ቦታ ብምቕያርና ይቕሬታ። እዚኦም ገለ መዘናግዒ እዮም" ክብል ጽሒፉ።

ብፍሉይ ማስክ ብሰንኪ ፋይናንሳዊ ክሳራ፡ ብዝሒ ሰራሕተኛታት እቲ ኵባኒያ ካብ ምንካይ "ካልእ ኣማራጺ" የብልናን ምባሉ'ውን ይዝከር።

ክሳብ 2022 ኣብቲ ኵባኒያ ዝሰርሐት ኣብ ኤክስ ሓላፊት ዲዛይን ትሕዝቶ ዝነበረት ሊዛ ጀኒንግስ ያንግ፡ "ኩላትና ሰፊሕ ማሕበራዊ ፈተነ [ኣብ ሰብኣውነት] ኣብ ዝካየደሉ እዋን ንነብር ዘለና ኰይኑ ይስምዓኒ" ትብል።

ንጹር ዕላማ የብሉን ትብል።

የግዳስ፡ ከምቲ ንሳ እትብሎ እንተዀይኑ፡ "ቁጽጽር ዘይግበረሉ ግን ድማ ኵላትና እንሳተፈሉ ፈተነ ማሕበራዊ ሳይንስ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ዝፈልጥ የለን" ኢላ።

ኢሎን ማስክ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ኣመሪካ ደጋፊ ትራምፕ ኰይኑ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢሎን ማስክ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ኣመሪካ ደጋፊ ትራምፕ ኰይኑ ቀሪቡ

ገለ ተጠቀምቲ ኤክስ፡ ካብቲ ኣብ 2019 ብሓላፊ ትዊተር ነበር ጃክ ዶርሲ ዝተፈጥረ'ብሉስካይ' ሓዊሱ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክሰጋገሩ ከም ዝወሰኑ ተዛሪቦም።

'ብሉስካይ' ሕጂ ልዕሊ 20 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣለዉዎ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ትኽክለኛ ኣካውንታት ኤክስ ካብቲ መድረኽ ክወጽኡ ከም ዝመረጹ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።

ኤሎን ማስክን ኤክስን ኣብዚ ጽሑፍ ንዝተለዓሉ ነጥብታት፡ ከምኡ'ውን ቃለ መሕትት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ኣይሃቡን።

ኤክስ ድምጺ ተጠቀምቲ ምሕላውን ምክልኻልን ቀዳምነት ዝህበሉ ጕዳይ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ተጠቀምቲ "ንኻልኦት ብግህሰት ወይ ምግፋዕ ዒላማ ከይገብሩ ወይ ንኻልኦት ሰባት ከምኡ ክገብሩ ከየተባብዑ" ዝኽልክል መምርሒታት ዘረባ ጽልኣት ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ኤክስ ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኤክስ ነቲ ኣብ ዙርያ ምርጫ ዝካየድ ዝርርብ ንምሕላው ዝተፈላለየ ፖሊሲታትን ባህርያትን ኣቐሚጡ ኣሎ። ንፖሊሲ ሚድያና ዝጥሕስ ትሕዝቶታት ምልክት ክንገብረሉ ኢና። ከምኡ'ውን ኣብቲ መተግበሪ ምትላል ወይ ካልእ ከቢድ ጥሕሰት ኣብ ምፍጻም ንዝተዋፈሩ ኣካውንታት ከነወግድ ኢና" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ዝሃቦ መልሲ'ውን፡ ኤክስ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብምስፋሕን ብምሕላውን ቅርዓት ኢንተርነት ክኸውን ከም ዝጽዕር'ዩ ገሊጹ።

ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ፖለቲካዊ ጽልዋ

ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኒክ ካንዲ፡ ኢሎን ማስክ፡ ኒጀል ፋራግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኒክ ካንዲ፡ ኢሎን ማስክ፡ ኒጀል ፋራግ

ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ 2024 ጀሚሩ፡ ኤክስ ብዛዕባ ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ዝምልከት ሓድሽ ፖለቲካዊ ሓበሬታታት ዝረኽበሉ ቦታ ምዃኑ የርኢ ኣሎ።

ማስክ ኣብቲ መረጻ ደጋፊ ትራምፕ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ሕጂ ድማ ኣማኻሪ ክፍሊ ብቕዓት መንግስቲ ዝበሃል ሓድሽ ክፍሊ ኰይኑ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ።

ሳም ፍሪማን ዝተባህለ ሰራሕተኛ ሜታ ነበር፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሓለፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ሰፊሕ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ይኣምን።

ብፍላይ ኣብ ዙርያ ምቁጽጻርን ድሕነት ኦንላይንን ዝግበረሎም ጸቕጢ እናወሰኸ ዝኸይድ እንተዀይኑ "ምስቲ ዝመጽእ ምምሕዳር ዝያዳ ውልቃዊ ዝምድና ክህልዎም" ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለዎ።

መስራቲ ኵባኒያ ፌስቡክ (ሕጂ ሜታ) ማርክ ዙከርበርግ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ትራምፕ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ድራር ተኣንጊዱ'ዩ።

እቲ ምሩጽ ፕረዚደንት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዙከርበርግ ነቐፌታ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ትራምፕ ሓደ እዋን "ፌስቡክ፡ ጕግልን ትዊተርን [እተን ብልሽዋት ሚድያታት ምልዓል ይትረፍ] ጸግዒ ኣኽረርቲ ጸጋማውያን ዴሞክራትስ እዮም" ክብል ብሻራውነት ከሲሱ ነይሩ።

ክልቲኦም ንድራር ምርኻቦም ምልስላስ ዝምድናታት ከመልክት ይኽእል ድዩ?

ብርግጽ ዙከርበርግ ብውሑድ ምስ ትራምፕ ዝህልዎ ቅርበት ንረብሓኡ ንምሕላው ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል።

ስለዚ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቲክቶክ ሹ ዚ ቸው'ውን ምስ ትራምፕ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ከም ዝተራኸበ ይንገር።

እቲ ኵባንያ ነቲ መተግበሪ ንምእጋድ ብሰበስልጣን ኣመሪካ ዝቐረበ መደብ ይቃለስ ምህላው ይፍለጥ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንቲክቶክ ዘመሓድር ባይትዳንስ ምስ መንግስቲ ቻይና ርክብ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ክልቲኦም ቲክቶክን ባይትዳንስን ነዚ ይነጽጕዎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ካብ ቲክቶክ ዝቐርብ ሕጋዊ ምጕት ክሰምዕ እዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕጊ ድሕነት ኦንላይን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።

በዚ መሰረት እዚ ኵባንያታት ንህጻናት ዝጐድእ ዘይሕጋዊ ትሕዝቶን ጽሑፋትን ብኸመይ ከም ዝምክታ ንተቘጻጻሪ 'ኦፍኮም' ቃል ክኣትዋ ክግደዳ እየን።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ፖለቲከኛታት ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ብምኻድ፡ ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ዝኽልክል መደባት ኣጽዲቖም ኣለው።