ወልፊ ፌስቡክን ቲክቶክን ንምንካይ ኣማራጺ ኮይነን ዘለዋ ስልክታት

ስልክታት ዝሓዙ ክልተ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምናልባት ከይደለኹምዎ፣ ዘይሓሰብኩምዎ፣ ከይተፈለጠኩም ወይ’ውን ደሊኹም ፈቒድኩምን በታ ዘመናዊት ስልክኹም ኣቢልኩም ኣብ ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ቲክ ቶክ ወይ ኣብ ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ግዜ ተሕልፉ ዘለኹምዶ ይመስለኩም?

ወይስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግዜይ ዘጥፍእ ሰብ ኣይኮንኩን ኢልኩም ኢኹም ትሓስቡ?

ነዞም ሕቶታት መልሲ ቅድሚ ምሃብኩም ኣብ ሞባይልኩም ናብ ‘ሰቲንግስ ['Settings'] ብምእታው ‘ስክሪን ታይም’ ['Screen Time'] ዝብል ፈትሹ።

ምናልባት ኣብ መዓልቲ ስልክኹም እናተጠቀምኩም ወይ እናተናኸፍኩም እተሕልፎ ሰዓታት ዘይተጸበኹምዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዘን ኣገደስቲ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ዝኾና ዘመነዎት ‘ስማርት’ ሞባይላት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ክንገድፎ ዘይንኽእል ወልፊ ይኾናና እየን ዘለዋ።

ወዲ 16 ዓመት ካናዳዊ ሉክ ማርቲን፤ “ማሕበራዊ መራኸብታት እንተዘይሪኤ ገለ ነገር ዝጎደለኒ ኰይኑ ይስምዓኒ” ይብል።

"ደው ከብሎ እኳ ኣይክእልን እየ" ክብል ንቢቢሲ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ገለ ሰባት ድማ ምስ ስማርት ስልክታት ዘለዎም ምትእስሳር ነተን ዘመነዎት እናገደፉ እተን ንምድዋልን መልእኽቲ ንምጽሓፍን ጥራይ ዘገልግላ ስልክታት ክጥቀሙ ጀሚሮም ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብቶም ካብ 5 ክሳብ 7 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እታ ሃገር እቶም ርብዒ ዝዀኑ ‘ስማርትፎን’ ኣለዎም።

ገለ መጽናዕትታት ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምጥቃም ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።

ህጻናት ካብ ዘመነዎት ስልክታት (ስማርትፎናት) ክርሕቁ ንምግባር ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ስማርትፎናት ናይ ዕድመ ገደብ ክቕመጥ ኣለዎ ክብሉ ዝሙጕቱ ተጣበቕቲ መሰላት እውን ኣለዉ።

ከም በዓል ሉክ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ግን ብፍቓዶም ንምዕቡላት ስልክታቶም ብናይ ቀደም (ስማርት ዘይኮና) ስልክታት እናተክእወን እዮም።

ሓዳስ ስልኪ ሉክ፡ ከም ምድዋል፣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምቕባልን ምልኣኽን፣ ሕሳብ ምቕማርን ካልእን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥራይ እያ ትህብ።

“መሓዙተይ ኣብዚ ሕዚ ካብ 4 ክሳብ 5 ሰዓታት ኣብ ቴለፎኖም የሕልፉ። ኣነ እውን ከምኡ እየ ነይረ። ሕጂ ግን ኣብ መዓልቲ 20 ደቓይቕ ጥራይ እየ ዝጥቀም” ይብል።

ዓበይቲ ሰባት እውን ንገዛእ ርእሶም፣ ንስድራቤቶምን ንስራሕን ግዜ ንምሃብ ብዝብል ንዘመነዎት ስልክታቶም ብናይ ቀደም ስልክታት ይትክኡ ኣለዉ።

ኣደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ዝኾነት ሊዚ ብሮውተን ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ቀደም ዓይነት ኖክያ ስልኪ ገዚኣ ክትጥቀም ምጅማራ ትዛረብ።

“ናይ ቀደም መንነተይ ዳግማይ ረኺበዮ ኣለኹ። ሕጂ ምስ ወደይ ጽቡቕ ግዜ ከሕልፍ ክኢለ ኣለኹ” ክትብል ብምንጽጻር ተረድእ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መሸጣ ‘ስማርት’ ዘይኮኑ ዓይነት ስልክታት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ይግለጽ። ኣብ ሎስ ኣንጀለስ መሸጢ ሞባይላት ድኳን ዝውንኑ ዳይዚን ዊልን ነዚ ዘረጋግጽ ሓሳብ ይህቡ።

"ብዙሓት ወለዲ ደቆም በታ ንመጀርምታ ዝገዝኡሎም ስልኪ ኣቢሎም ብዘይ ገደብ ኢንተርነት ክጥቀሙ ኣይደልዩን እዮም" ይብል ዊል።

ወለዲ ድልየቶም እዚ’ኳ እንተኾነ፡ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ኣገደስቲ ዝዀኑ መተግበሪታት (‘ኣፕሊኬሽናት’) ከምዘለዉ ስለዝሕብሩ፡ ንቘልዑ ካብ ስማርትፎናት ምርሓቕ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ሊዝ ትዛረብ።

ወናኒ ድኳን ሞባይላት ዝኾነ ዊል፡ ንከምዚ ዓይነት ጸገማት ንምፍታሕ ክጥቀሙሎም ዝኽእሉ ኣማራጺታት ከምዘለዉ ይገልጽ።

ዊል፡ ህጻናት ‘ስማርትፎናት’ ክጥቀሙ ከለዉ፡ ወለዲ ንኣጠቓቕምኦም ክከታተሉን ንገለ መተግበሪታት ክድርቱን ዘኽእልዎም መተግበሪታት (‘ኣፕሊኬሽናት’) ከምዘለዉ ይሕብር።

ሓደ ካብኣቶም ‘ኣንፕለክ ታግ’ ['Unpluq Tag'] ዝበሃል ከምዝኾነ ይጠቅስ።

እቲ መተግበሪ ከም ማሕበራዊ ሚድያ ዝኣመሰሉ ‘ኣፕሊኬሽናት’ ክድርት መምርሒ እንተሂብናዮ ገደብ ኣብ ምግባር ክሕግዝ ይኽእል።

ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ሰባት ካብ ስማርትፎናት ኣብ ዝርሕቁሉ ዘለዉ እዚ እዋን፡ ኣፍረይቲ ስልክታት ኣብ መንጎ ‘ስማርትን ዘይስማርትን’ ዝርከባ ዓይነታት ስልክታት ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሞባይል ዝሓዘ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Techless

ብክሪስ ካስፓር ዝተጣየሰ ኩባንያ ቴክለስ፡ "ቀልቢ ዘይስህባን ዘሰልችዋን" ዓይነት ስልክታት የፍርይ ኣሎ።

እታ ‘ዋይዝፎን 2’ እትበሃል ስልኪ ኣይፎን እያ ትመስል። ኣገልግሎታ ግን ካብ ኣይፎን ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ።

“ብሕብርታት ዝወቀቡ መተግበርታት የብላን። ንመልእኽትታት ጥራይ እያ ተገልግል። በዓልቲ ሕብሪ ኣይኰነትን፤ ጻዕዳን ጸሊምን ሕብሪ ኣለዋ” ይብል ክሪስ ብዛዕባ እታ ብትካሉ እትፈርይ ስልኪ ከረድእ ከሎ።

‘ዋይዝፎን 2’ ከም ምድዋል፣ መልእኽቲ ምጽሕሓፍ፣ ካርታ፣ ካልኩሌተር፣ ካሜራ፣ መዘኻኸሪ ጽሑፍ መጽሓፊ ዝኣመሰሉ መሰራውያን ኣገልግሎታት ጥራይ ኣለዋ።

ክሪስ “ነዛ ስልኪ ክውጥን ከለኹ ኣብ ዕድመ ንእስነት ንዘላ ጓለይ ኣብ ግምት ብምእታው እየ” ይብል።

ንቖልዑን ዓበይትን ብማዕረ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝሰርሓ ዝገልጽ ክሪስ፤ “ሰባት ኣብ ስማርት ስልክታቶም ነዊሕ ሰዓታት ብምሕላፎም ብዙሕ ገንዘብ ዝረኽቡ ዘለዉ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኽብታትን ትካላት ቴክኖሎጂን ግን ብፍርያትና ሕጉሳት ኣይኰኑን” ክብል ተዛሪቡ።