ኢሎን መስክ ኩንትራቱ ኣብቂዑ ካብ ዋይትሃውስ ተሰናቢቱ

ትርምፕ ምስ ኤሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ከም ተቘጻጻሪ ክፍሊ ብቕዓት መንግስቲ ገይሩ ዝመዘዞ ቢልዮነር ኢሎን መስክ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ተፋንዩ።

ኢሎን መስክ፡ ኣብ እዋን ስልጣኑ ኣሽሓት መንግስታዊ ስርሓት ከምዘዕጸወን፡ ኣመሪካ ትልግሶ ዝነበረት ቢልዮናት ዶላራት ደው ከምዘበሎን'ዩ ዝግለጽ።

ኢሎን መስክ ብኤክስ ከምዝገለጾ፡ ብዶናልድ ትራምፕ ንዝተወሃቦ መዝነት ብምምስጋን፡ ዋላ ድኣ ስራሕ ደው የብል'ምበር እቲ ዝቘመ ዶጅ [Department of Government Efficiency] ዝተባሃለ መንግስታዊ ትካል ግን ከምዝቕጽል ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኢሎን መስክ ብረቡዕ ካብ ዋይትሃውስ ግቡእ ፋንዋ ከምዝተገበረሉ'ውን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኢሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢሎን መስክ

እቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ግዝያዊ መዝነት ብምውድኡ፡ ምውጽኡ'ውን ትጽቢት ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ ንኣጀንዳታት ትራምፕ ብቕሉዕ ድሕሪ ምንቃፍ ምዃኑ ግን ኣዘራራቢ ገይርዎ ኣሎ።

ኢሎን ኣብቲ ዝውንኖ ኤክስ "ከምቲ መደበይ ከም ሓደ ፍሉይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ግዜይ ዝውድኣሉ ኣኺሉ፡ መንግስቲ ዘባኽኖ ገንዘብ ኣብ ምጕዳል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዝሃበኒ ዕድል ኣዝየ አመስግን" ኢሉ።

እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተወልደ ቢልዮነር፡ ከም ሓደ ፍሉይ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ በቲ ዝተወሃቦ ሓድሽ መዝነት ኣብ ዓመት 130 መዓልታት ክሰርሕ'ዩ ሓላፍነት ተዋሂብዎ።

ካብታ ዶናልድ ትራምፕ ቃለ መሓላ ዝፈጸመላ 20 ጥሪ እንተተጸብጺቡ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ካብ መዝነቱ ክእለ ትጽቢት ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

እንተዀነ ኢሎን መስክ ቅድሚ መዓልታት፡ ትራምፕ ትሪልዮናት ዶላራት ካብ ቀረጽን ግብርን ብምእካብ ኣብ ምክልኻል ከውዕሎ ምውሳኑ ብትሪ ነቒፍዎ ነይሩ'ዩ።

ንሱ ምስ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እቲ ትራምፕ ዘቕረቦ እማም ነቲ መንግስቲ ፈደራል ዘለዎ ሕጽረታት መሊሱ ዘጋድድ ከምዝዀነ ብምምጓት፡ እቲ ውሳነ ነቲ ንሱ ዝመርሖ ክፍሊ መንግስቲ 'ዶጅ' ዘነኣእስ'ዩ ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስ ገለ ኣባላት ካቢነ ትራምፕ ብውልቁ ክሰሓሓብ ዝጸንሐ ኢሎን መስክ፡ ኣብ መጀመርታ ካብ ባጀት መንግስቲ ፈደራል "ብውሑዱ 2 ትሪልዮን ዶላር" ከጕድል ምዃኑ'ዩ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ጸኒሑ ነቲ እማመ ብፍርቂ ኣጕዲልዎ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ 150 ቢልዮን ካብ ባጀት መንግስቲ፡ በቲ ንሱ ዝብሎ 'ካብ ምብኻን' ከምዘድሓነ'ዩ ዝገልጽ።

ካብ 2.3 ሚልዮን ኣብ ትሕቲ መንግስታውያን ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ እቶም 260 ሽሕ ከምዝጸንጸሎም ጸብጻባት እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል መንግስቲ ይሕብር።

ዳያኑ መንግስቲ ደው ስለዘበልዎ'ምበር እቲ ናይ ስራሕ ምዕጻው መስርሕ ክቕጽልን ንብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝጸሉን ክኸውን ዝኽእለሉ ዕድል ሰፊሕ ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ።

ኢሎን መስክ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ካብ መዝነት መንግስቲ ወሪዱ ነቲ ዝውነኖ ትካላት ናብ ምምሕዳር ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

ንሱ ብሰሉስ ምስ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ መግስቲ ዝዀነ ጸገም ምስ ዘጋጥም እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ተሓማዪ ይኸውን ከምዘሎ ብምግላጽ ዘይዕግበቱ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።

ኣብ መንግስታዊ መዝነት ኣብ ዝነበረሉ፡ መሸጣ ናይተን ዝውንነን ብኤለትሪክ ዝሰርሓ ተስላ ዝበሃላ መካይን ኣብ መጀመርታ ርብዒ ዓመት ናይ 2025፡ ብ13 ሚእታዊት ከምዝነከየ'ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ መሸጣ ተስላ እቲ ዝኸፍአ ምንቁልቋል ኰይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።

ኢሎን መስክ ብሰሉስ ኣብ ደውሓ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ቍጠባዊ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንትካል ተስላ ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ኰይኑ ከካይዶ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ንጐስጓስ ትራምፕን ሪፓብሊካንን ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጸአ ብምሕባር፡ እቲ ፖለቲካዊ ልግሱ ደው ከብሎ ምዃኑ ተመባጺዑ ምንባሩ'ውን ይዝከር።