ንማሕበራዊ ሚዲያታት ምኽፋል የዋጽእ'ዶ?

ማሕበራዊ ሚዲያታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሜታ ዝውነኑ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ክህልዎም ዝኽእል ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ኣሉታዊ ጽልዋ ንምፍላጥ ይምርምሮ ከም ዘሎ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሜታ ግን፡ ንቈልዑ ካብቶም ኣሉታዊ ጽልዋታት ንምድሓን ልዕሊ 50 ንዋያት ከም ዘማዕበለ ይምጉት።

“እዚ መላእ እቲ ኢንዱስትሪ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆ'ዩ፤ ዝርዝር ስራሕና ድማ ምስ ኮሚሽን ኣውሮጳ ከነካፍል ብሃንቀውታ ንጽበ” ኢሉ።

ብርክት ዝበላ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ፡ ነቲ ተሪር ሓድሽ ሕጊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኣውሮጳ (DSA) ክጥሕሳ ይኽእላ ድየን ዝብል ምጽራይ ይግበር ዘሎ ኰይኑ፡ ክሳብ 6 ሚኢታዊት ካብ ዓመታዊ ዓለማዊ ዕዳጋ ክቕጽዓ ከም ዝኽእላ ድማ ይግለጽ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኤክስ [ናይ ቀደም ትዊተር] ኰነ ሜታ ዝውንኖም ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ዓማዊሎም ገንዘብ ከፊሎም ፍሉያት ተጠቀምቲ ንክዀኑ ዝተፈላለዩ መስርሓት ከም ዘተኣታተው ይፍለጥ።

"ከፊለ ኣባል ኤክስ ኢለን መስክ ኰይነ’የ" ትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዞይ ክሌንማን።

ሰባት ስለ ምንታይ ገንዘብኪ ንሃብታም ዓለም ትህቢ? ዝብሉ ሕቶታት እኳ እንተኣቕረቡላ፡ ንሳ ብኽልተ ምኽንያታት ክትከፍል ከም ዝወሰነት ትዛረብ።

እቲ ቀዳማይ፡ "ናይ ሓሶት ኣካውንታተይ ንክንክዩ ከም ዝሕግዘኒ ስለ ዝፈለጥኩ ሰማያዊ ባጅ ክረክብ ደልየ" ትብል።

ካልኣይ ድማ፡ ኤክስ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝዀነ ግሮክ ብቐሊሉ ንምርካብ ዝሕግዝ መገዲ ስለ ዝዀነ’ዩ ትብል።

ኣብ ኤክስ፡ ዓሚል ኰይንካ ምምዝጋብ ሕውስውስ ዝበለ ጥቕሚ’ዩ ዘለዎ።

ምስ ተመዝገብኻ፡ ጐድና ጐድኒ ሽምካ ዝርኣይ “ሰማያዊ ምልክት” ንምሕባእ ኣማራጺ’ውን ይህብ’ዩ ትብል።

ኣብ መንጐ ገለ ተጠቀምቲ “ቕቡልነት ንምግዛእ” ዝኸድሉ መገዲ ዓሚቕ ናይ ጽልኣት ስምዒት ፈጢሩ’ዩ።

ቁውምነገር ብምጥቃዕ ዝያዳ ትኹረት ንምርካብ ክፍሊት ምፍጻም’ዩ እቲ ቅርታ።

ዞይ፡ ነዚ ካብ ዘለዋ ተሞክሮ ተበጊሳ ክትገልጾ እንከላ፡ “ከምኡ ብምግባረይ ብዙሕ ለውጢ ክመጽእ’ዩ ኢለ ኣይተጸበኹን። ግን ዝተመሓየሹ ነገራት ኣለው” ትብል።

ነዋሕቲ ጽሑፋት ክትጥቅዕ ከምኡ’ውን ክትእርም ትኽእል። ብዝሒ መወዓውዒታት ድማ ነክዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ነቲ ኣገልግሎት ገንዘብ እናኸፈልካ’ውን እንተዀነ፡ ዘየድልዩን መሽን ዝሰርሖም ሓበሬታታትን ብብዝሒ’ዮም ዝመጽኡ።

ኣባል ኣብ ቤት ምኽሪ ሲቪል ናጽነታት ኣይሪሽ ዝዀነ ፈጻሚ ስራሕ መወዓውዒታት ነበር ጆኒ ሪያን፡ ኣብ ገለ ኩነታት ካብ ዝተመዝገቡ ዓማዊል ንላዕሊ ንመወዓውዒታት ዝሰዱ ኣካላት ምሕጓስ ቀሊል ከም ዝዀነ ይዛረብ።

“ብሓፈሻ እቲ መወዓውዒታት ዝሰድድ ኣካል ብዛዕባ እቲ ዝሰዶ ትሕዝቶ ዝዀነ ግዲ የብሎምን” ይብል።

“ነቲ ፍርያት እንተዘይኸፊልካሉ፡ ንስኻ እቲ ፍርያት ኢኻ” ዝብል ዝጸንሐ ኣበሃህላ ኣሎ’ውን ኢሉ።

እዚ ማለት፡ ሓደ ነገር ብነጻ ትጥቀመሉ እንተሃሊኻ፡ ዋና እቲ ኩባኒያ ንዓኻ ኣብ ክንዲ ምኽፋል እቲ እትጥቅዖ ሓበሬታ ብምውሳድ ካልኦት ትካላት ከፊሎም ንከወዓውዕሉ ይገብር።

እዚ ኽኣ፡ ልሙድን ከስቢ ዝርከቦን ስልቲ ንግዲ’ዩ።

ኤክስ ብበዓል ሃብቲ ኢለን መስክ ይውነን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ “ዳታ ሓድሽ ነዳዲ’ዩ!” ዝብል ዓብዪ ኣበሃህላ ኣብ ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ ብሰፊሑ ዝስማዕ ኰይኑ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ነዚ ነዳዲ ከም ዕቑር ሃብቲ ናይ ምጥቃም ዝንባለ ብዝተወሰነ መልክዑ ዝንኪ ዘሎ ይመስል።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ምዝገባ ዓማዊል ከም ኣማራጺ ክርእይኦ ምጅማረን’ዩ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ሜታ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ካብ መወዓውዒታት ናጻ ዝዀነ ሞዴል ምዝገባ ዓማዊል ኣተኣታትዩ።

ነዚ ድማ፡ ብሞባይል 14 ዶላር ዝኸፈሎ ኰይኑ፡ ንኣገልግሎት ኢንተርነት ዝውዕል ክፍሊት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እዚ ዓብዪ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ተጠቀምቲ ከም ዝተመዝገቡ ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ዞይ ትገልጽ።

እዚ ንምርጫ ዓማዊል ዝምልከት ኣሰራርሓ ምስቲ ሓድሽ ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ ዝሰማማዕ ተገይሩ ዝወጽአ ይመስል።

እንተዀነ ሙሉእ ንሙሉእ ዕውት ኣይኰነን።

ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ገንዘብ ወይ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ክልትኣዊ ውሳነ ጥራይ እኹል ክኸውን ኣይኽእልን ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሜታ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።

ካብ መወዓውዒታት ናጻ ዝዀነ ስናፕቻት፡ ብ2022 ምስ ተጀመረ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንታት ሓደ ሚሊዮን ተጠቐምቲ ረኺቡ።

ብ2023፡ ዩትዩብ ፕሪምየም ካብ መዓውዒ ናጻ ዝዀኑ 100 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ነይሮምዎ።

“ኣብ ህይወተይ ዘድልየኒ ነገር ‘መወዓውዒ መዓዝ ይመጽእ ይኸውን’ ካብ ዝብል ስግኣት ናጻ ኰይነ ብቐሊሉ ክሕጐስ ምኽኣል’ዩ” ይብል መስራቲ ሶሻሊ ፓወርፉልን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዩትዩብ ዝተመዝገበን ጄምስ ሃኪንግ።

ኔትፍሊክስ ብወገኑ፡ መወዓውዒታት ዘካተተ ሕሳር ምዝገባ ዓማዊል ክጅምር እንከሎ፡ ኣማዞን ፕራም መወዓውዒታት ኣብ ገጻት ቪድዮታት ካብ ምልላይ ብዝሰገረ፡ ተጠቀምቲ [ምምዝጋብ ሓዊሱ] መወዓውዒ ንምእላይ ተወሳኺ ኽፍሊት ይሓትት ኣሎ።

ጆኒ ሪያን፡ እዚ ሕውስውስ ዝበለ ሞዴል ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝኸፍአ’ዩ ክብል ይምጉት።

መወዓውዒታት ምርኣይ ኰነ ምኽፋል “ዝገርም ነገር’ዩ” ኢሉ።

ብሓፈሻ፡ ምዝገባ ዓማዊል ኣካል “ካብ ሓድሽ ዕዳጋ ወጺእኻ ናብ ዝተለምደ ዕዳጋ ዝዓቢ ዘሎ መስርሕ’ዩ” ክብል መስራቲ ጋዜጣ ኤክፕሽን ቪው ኣዜም ኣዝሃር ይዛረብ።

“ሓደሽቲ ዓማዊል ምርካብ ስለ ዘይክኣል፡ እቶትካ ከመይ ክውስኽ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣድላዩ’ዩ። ቀልጢፎም ንምኻድ፡ ንምኽፋል ፍቓደኛታት ዝዀኑ ተጠቀምቲ መገዲ ኣየር ኣለው’ዮም። ብኡ ልክዕ ንምኽፋል ፍቓደኛታት ዝዀኑ ተጠቀምቲ ኢንተርነት’ውን ኣለው” ይብል።

እንተዀነ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም የገንዝብ።

“ኩሉ ሰብ ክኸፍል እንተዀይኑ፡ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣዝዩ ዝወሓደ ክኸውን’ዩ። ስለዚ ተሳትፎ ይንኪ፤ ኣድላይነት እቲ መድረኽ’ውን ይጐድል። ኣብ መንጐ፡ ሓበሬታታት ዘካፍሉን ትሕዝቶታት ዝፈጥሩን ነጻ ተጠቀምቲ ከምኡ’ውን ቁሩብ ዝሐሸ ኣገልግሎት ንምርካብ ክኸፍሉ ዝደልዩ ሰባት ሚዛን ኣሎ’ዩ” ይብል።

‘ሰብስታክ’ ካብ ምዝገባ ዓማዊል 10 ሚኢታዊት ኮሚሽን ይወስድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤክስ ካብዚ ተሞክሮ ረኺቡ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ምዝገባ ዓማዊል ምስ ጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለዎም ኣካውንታት ነጻ መለለዪ ፕሪምየም ሂቡ’ዩ።

ኣብ ቀረባ ድማ፡ ልዕሊ 2500 ሰዓብቲ ፕሪምየም ንዘለዎም ተጠቀምቲ ክፉት ገይሩዎ።

ኢንስቲትዩት ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ 33 ሚኢታዊት ስዊድናውያን ካብ ኢንተርነት ንዝርከብ ዜና ክፍሊት ከም ዝፍጽሙ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣዝሃር፡ ኣብ ‘ሰብስታክ’ ልዕሊ 100 ሽሕ ተመዛገብቲ ኣለውዎ፤ እዚ ብናጻ ክትጥቀመሉ ትኽእል።

‘ሰብስታክ’ ካብ ምዝገባ ዓማዊል 10 ሚኢታዊት ኮሚሽን ይወስድ።

ከም ሓበሬታ ‘ሰብስታክ’ እንተዀይኑ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ብነጻ ንምርካብ ተመዝጊቦም እዮም።

ተጠቀምቲ፡ መወዓውዒታት ከእትው ግን ኣየፍቅድን።

መስራቲ ‘ሰብስታክ’ ሃሚሽ ማኬንዚ፡ ሚስጢር ዓወቱ “ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ኣንበብትኻ ተደላዪ እትዀነሉ መገዲ ምፍጣር ኣድላዪ’ዩ። በዚ ምሳኻ ጽቡቕ ርክብ ክሃንጹ ይኽእሉ” ይብል።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ መንጐ ትሕዝቶታቶም ንምርካብ ምዝገባ ዓማዊል ዝወስዱ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ከም ሰብስታክ ዝበሉ ሞዴላት ምህዞ ውልቀሰባትን “ዓብዪ ንሕንሕ” ከም ዝህሉ ማኬንዚ ይዛረብ።

“ተመልከትቲ፡ ኣብ ክንዲ ፍርያት ዓማዊል ክዀኑ እንከለው፡ ዝሓሸ ዓለም’ዩ ዝፍጠር” ኢሉ።