ብኸመይ'ዮም ቈልዑ ሰለስተ ዓመት ብኢንተርነት ንጾታዊ ምዝመዛ ዝቃልዑ ዘለው?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጾታዊ ተግባራት ዝልእኩ ሰባት፡ ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዀኑ ህጻናት ብተሌፎን ወይ ዲጂታላዊ ካሜራ “ዘሰክፍ” ተግባራት ክፍጽሙ ይገብሩ ኣለው ክብል ሓደ ትካል ኣጠንቂቑ።
ኢንተርነት ዎች ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ 2023 ጥራይ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ ክልተ ሽሕ ህጻናት ብኢንተርነት ጾታዊ ምዝመዛ በጺሑዎም እዩ ኢሉ።
ኣብ ቀረባ፡ ኦፍኮም ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ብርክት ዝበሉ ዕድመኦም ካብ 5 ክሳብ 7 ዝዀኑ ህጻናት ናይ ባዕሎም ዘመናዊ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ከም ዘለዎም የመልክት።
ነዚ ስዒቡ፡ ሚኒስትሪ ድሕነት ብሪጣኒያ ቶም ቱጌንዳት ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ምዝመዛ ህጻናት ደው ንምባል ክሰርሑ ኣለዎም ኢሉ።
ወሲኹ፡ ስድራቤት “ንህጻናት ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ክነግሩዎም ይግባእ፤ ምኽንያቱ ሰላማዊ እዩ ዝበልዎ ማሕበራዊ ሚድያ ሓደጋ ክህልዎ ይኽእል’ዩ” ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ።
ኢንተርነት ዎች ፋውንዴሽን (IWF)፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጾታዊ ምዝመዛ ዘብጽሑ ምስልታት ኣብ ምእላይ ዝተዋፈረ ትካል እዩ።
እቲ ትካል ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ መግለጺ፡ ኣብ 2023 ጥራይ ኣብ ኢንተርነት 2401 ዕድመኦም ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣብ ዝዀኑ ህጻናት “ሰልፍ ጀነሬትድ” ምስሊ ከም ዝረኸበ ገሊጹ።
‘ሰልፍ ጀነሬትድ’ ዝበሃል ምስሊ፡ ህጻናት ብምእማን ወይ ብምትላል ግቡእ ዘይኰኑ ጾታዊ ተግባራት ክፍጽሙ ዝገብርሉ መገዲ እዩ።
ካብ ሸውዓተ እዞም ምስሊታት እቲ ሓደ ህጻናት ኣዝዩ ዘሰክፍ ዝበሃል ጾታዊ ተግባር ክፍጽሙ ዘርኢ ኰይኑ፡ ብፍላይ ህጻናት “ዕርቃኖም” ኰይኖም ዝርኣይሉ ይርከቦ።
ተንተንቲ፡ እዞም ምስልታት ዝወስዱ ህጻናት ኣብ ገዛኦም ንበይኖም ከም ዝርእዩዎም ወይ’ውን፡ ኣብ ሽቓቕ ኰይኖም ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ህጻናት (ሓፍቲ፣ ሓው፣ መሓዛ) ኰይኖም ከም ዝረእዩዎም ይገልጹ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ህጻናት ምስሎም ይቕዳሕ ከም ዘሎ ኣይፈልጡን።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል፡ ከምዚኦም ዝበሉ ምስልታት ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ብ22 ሚእታዊት ከም ዝወሰኹ የመልክት።
ሰብ መዚ ብሪጣኒያ፡ ህጻናት ምሕላው ሓላፍነት ስድራን ኣለይትን ጥራይ ዘይኰነ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ’ውን ናይ ባዕሎም እጃም ክጻወቱ ይግባእ ይብሉ።
ኣብ ልዕሊ ህጻናት ብኢንተርነት ዝወርድ ጾታዊ ምዝመዛ ንምዕጋት ምህዞ ሰብሰርሖ ብዝልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ኣብ ረብሓ ከም ዝውዕል ኦንላይን ሴፍቲ ገሊጹ።
ይዅን’ምበር ኢንተርነት ዎች ፋውንዴሽን (IWF)፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክውሰድ ኣለዎ፤ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ነዚ ስቕ ኢሎም ክሓልፍዎ ኣይግባእን ይብል።
ገለ ገዘፍቲ ኩባኒያታት፡ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ብምጥቃም ምዝመዛ ህጻናት ዝኣመስሉ፡ ካልኦት ሕጊ ኣጠቓቕማ ዝጥሕሱ ትሕዝቶታት ከጻርዩ ጀሚሮም ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







