ምስ ሞትና ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣካውንትና እንታይ ይኸውን?

ዝተፈላለዩ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተፈላለየ መስርሕ'ዩ ዘለዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝተፈላለዩ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተፈላለየ መስርሕ'ዩ ዘለዎም

“ገለ ሰባት ማቲው ከም ዝሞተ ኣይፈልጡን፤ ሕጂ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኡ እንቋዕ ተወለድካ ኢሎም ይጽሕፍሉ። ጽቡቕ ኣይኰነን።"

በዓልቤት ሃይለይ ስሚዝ ዝዀነ ማቲው፡ ብመንሽሮ ካብ ዝመውት ልዕሊ ክልተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ሽዑ ወዲ 33 ዓመት ነይሩ።

ብዛዕባ ማሕበራዊ ሚዲያታቱ ግን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ትጭነቕን ትጽገምን ኣላ።

“ፌስቡክ ማቲው፡ ናብ ናይ ዝኽሪ ገጽ ክቕይሮ ፈቲነ፤ እዚ ሰርቲፊኬት ሞት ጥራይ ከተእቱ እዩ ዝሓተካ። እዚ ልዕሊ 20 ግዜ ከእትዎ ፈቲነ፤ ግን ኣይተቐበሎን። ኣይተቐየረን። ንፌስቡክ ሓቲተ ክፈትሖ ክፍትን ከኣ ደኺመ እየ” ትብል ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዀነት ሃይለይ።

ናይ መዘክር/ ዝኽሪ ኣካውንት እንታይ’ዩ?

ቴክኖሎጂ ይምዕብ ኣሎ፤ ቢልዮናት ሰባት ዓለም ከኣ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጥቀሙ ኣለው።

ሰብ ምስ ሞተ ግን ኣብ ኦንላይን ዘለዎ ህላወ እንታይ’ዩ ዝኸውን? ዝብል ኣዝዩ ኣዘራራቢ ጉዳይ’ዩ።

መቕርብ እቲ ብህይወት ዘየለ ሰብ፡ ንማሕበራዊ መራኸቢታት እቶም ዝጥቀመሎም ዝነበረ ኣካውንታት እቲ ውልቀሰብ ሞይቱ’ዩ ኢሎም እንተዘይሓቢሮም እቶም ኣካውንታት ኣይጠፍኡን።

እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ብወግዒ ምስ ተሓበሮም፡ እቲ መጥቀሚ (ፕሮፋይል) ንኽዕጾ ኣማራጺ ከቕርቡ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ ካልኦት ኣማራጺታት ይህቡኻ።

ንኣብነት እቲ ንፌስቡክን ኢንስታግራምን ዘመሓድር ሜታ፡ ናይ ሞት ሰርተፊኬት ከተቕርበሉ እንከለኻ፡ ኣካውንት እቲ ዝሞተ ሰብ ይጠፍእ ወይ’ውን “ናይ ዝኽሪ” ኣካውንት ይኸውን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ማለት እቲ ኣካውንት፡ ደስኪሉ እቲ ተጠቃሚ ናብ ዝዝከረሉን ሰባት ስእልን ዝኽርታንን ናብ ዝጥቅዕሉን ገጽ ይቕየር።

ድሕሪኡ፡ “in memoriam” ዝብል ዘንብብ መልእኽቲ ኣብ ጐድኒ ስም ተጠቃሚ ይረአ እሞ፡ እቲ መበቆላዊ ተጠቃሚ “legacy contact” - ኣባል ስድራቤት ወይ ከመሓድር ፍቓድ ዘለዎ ዓርኪ - እንተዘይሂቡ ናብቲ ኣካውንት ኣትዩ ከካይዶ ወይ እቲ ፕሮፋይል ዘይንጡፍ ንክኸውን ክሓትት ዝኽእል ሰብ ኣይህሉን።

ኣብ ፌስቡክ፡ ናይ ዝኽሪ ኣካውንታት ኣብቲ “ክትፈልጥዎም እትኽእሉ ሰባት” ዝብል ኣማራጺ ናብቶም ብህይወት ዘለው ኣዕሩኽ ኣይመጽእን።

ኣብ ዝርዝር ኣዕሩኽ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ዘለዉ ተጠቀምቲ ድማ ብዛዕባ ዕለተ ልደት እቲ ተጠቃሚ ዝሕብር መልእኽቲ ኣይበጽሖምን።

ዋና ዩቱዩብ፡ ጂመይልን ጉግል ፎቶስን ዝዀነ ጉግል፡ ተጠቀምቱ ንዝተወሰነ ግዜ ዘይንጡፋት እንተዀይኖም ኣካውንቶምን መረዳእታኦምን እንታይ ከም ዝኸውን ንምውሳን፡ “ዘይንጡፍ ኣካውንት” ዝብል ቅጥዕታት ክቕይሩ ኣማራጺ ይህቦም።

ኤክስ (ትዊተር ነበር) ነቲ ፕሮፋይል ኣብ ዝኽሪ ናይቲ መዋቲ ናይ ምዕቃብ ኣማራጺ ኣይህብን እዩ፤ እቲ ተጠቃሚ ምስ ሞተ ወይ እቲ ዋና ነቲ ኣካውንት ክጥቀመሉ ምስ ዘይክእል ጥራይ ንክቋረጽ ወይ ዘይንጡፍ ክኸውን ኣማራጺ ይህብ።

“ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ፤ ኵለን ኩባንያታት ግን ንብሕትውና ናይቲ ዝሞተ ሰብ ቀዳምነት ይህባ” ይብል ተንታኒ ቴክኖሎጂ ቢቢሲ ዎርልድ ጆ ቲዲ።

ወሲኹ፡ “ዝዀነ ዝርዝር መእተዊ ኣይካፈልን፤ ከምኡ'ውን ሓሓሊፉ ፍሉይ ሕቶ ምስ ዝህሉ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ሒዝካ ዝተወሰኑ መረዳእታታት ከም ስእልታትን ቪድዮታትን ጥራይ ኢኻ ክትረክብ እትኽእል” ኢሉ።

ከም ቲክቶክን ስናፕቻትን ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ማሕበራዊ መድረኻት ግን ዝዀነ ድንጋገ ከም ዘይብሎም ሓቢሩ።

ኑዛዘ ዲጂታላዊ ውርሻ ከነዳሉ’ዶ ኣለና?

መረዳእታ፡ ኣሳእል ወይ ካልእ ትሕዝቶ ንጡፍ ፕሮፋይላት ዝሞተ ሰብ ኣብ ዘይግቡእ ኢድ እንተኣትዮም ጸገም ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ክኢላ ገበናት ሳይበርን ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሰርብያ ሓላፊት ክፍሊ ላዕለዋይ ቴክኖሎጂ ገበናት ነበርን ሳሳ ዚቫኖቪች የጠንቅቕ።

እዚ፡ ገለ ካብ መረዳእታ ናይቲ ፕሮፋይል ብምውራድ ከጋጥም ከም ዝኽእል፤ እንተዀነ ንብምሉኡ ኣካውንት ብምቍጽጻር’ውን ክግበር ከም ዝክኣል የረድእ።

“ስእሊ፡ መረዳእታን ቪድዮን ብስም እቲ ዝሞተ ተጠቃሚ ናይ ሓሶት ኣካውንት ንምፍጣር፡ እቲ ውልቀሰብ ከም ዝሞተ ካብ ዘይፈልጡ ሰባትን ፈተውትን ገንዘብ ንምትላልን ክውዕሉ ይኽእሉ’ዮም” ይብል።

ፕረዚደንት ማሕበር ዲጂታላዊ ሕድሪ ዓባይ ብሪጣንያ ጀምስ ኖሪስ፡ ኵሉ ሰብ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሰቕሎ ዘሎ ትሕዝቶ ክሓስብን ግዜ ክረክብ እንከሎ መኽዘን ክገብርን ኣገዳሲ ምዃኑ የገንዝብ።

ምስ ሞትካ ኣካውንታት ማሕበራዊ መራኸቢታትካ እንታይ ክዀኑ ከም እትደሊ ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ተጠቀምቲ ኑዛዘ ዲጂታላዊ ውርሻ ከዳልው ከም ዘለዎም ይምዕድ።

ንኣብነት ኣብ ፌስቡክ ምሉእ ማህደር ስእልታትካን ቪድዮታትካን ኣውሪድካ ናብ ቀረባ ዘመድካ ከተመሓላልፎ ከም እትኽእል ይሕብር።

“ስለዚ፡ ንሞት ዘብቅዕ ሕማም ከም ዘለኒ እንተተረጋጊጹን ፌስቡክ ዘይጥቀም ውላድ እንተሃልዩንን፡ ኵሉ ስእልታተይን ቪድዮታተይን ከውርድ፣ መልእኽታት ከጥፍእ ይኽእል እየ፤ ምኽንያቱ ወደይ ናይ ብሕቲ መልእኽታተይ ክርኢ ኣይደልን። ኣብ ዙርያ ዝፈትዎም ኣሳእል ከኣ ዛንታ ጽሒፈ ምገደፍኩ” ይብል።

ጀምስ ኖሪስ፡ ሰባት ዲጂታላዊ ኑዛዘ ውርሻ ከዳልው ከም ዘለዎም ይምዕድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀምስ ኖሪስ፡ ሰባት ዲጂታላዊ ኑዛዘ ውርሻ ከዳልው ከም ዘለዎም ይምዕድ

“ኣብ መወዳእታ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንግዲ እዩ። እዞም መድረኻት እዚኦም ሓለውቲ ዲጂታላዊ ውርሻኻ ኣይኰኑን፤ ዋርድያ ዲጂታላዊ ውርሻኻ ንስኻ ኢኻ” ኢሉ።

እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን እቲ መስርሕ ንኣዝማድ ሕዙናት ዝቐለሉ ክገብሩዎ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ግምት ኣለዎ።

“ዲጂታላዊ ውርሻ ዓቢ ኣርእስቲ እዩ” ትብል ተመራማሪት ትካል ገባሪ ሰናይ ብሪጣንያ ዝዀነ ማሪ ኪዩሪ ሳራ ኣታንሊ።

እዚ ትካል ኣብታ ሃገር ንሞት ዘቃልዕ ሕማም ዘለዎም ሰባትን ንዝፈትውዎም ሰባትን ክንክንን ደገፍን ዝህብ እዩ።

ሰባት ብዛዕባ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካውንቶም ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዲጂታል ዝውንንዎ ኵሉ እንተሞይተ እንታይ’ዩ ክኸውን ዝብል ኣቐዲሞም ክሓስቡ ከም ዘለዎም ትዛረብ።

“ዲጂታላዊ ስእልታትን ቪድዮታትን ብዙሕ ተዘክሮታት ክሕዝ ይኽእል እዩ፤ ሕጂ ብመንጽር ባንክታት ብዙሕ ናይ ኦንላይን ፋይናንሳዊ ምሕደራ ንገብር ኢና። ድሕሪኡ ዝርዝር ደርፍታት ንምፍጣር ዝፍጠሩ ናይ ሙዚቃ ኣካውንታት ኣለዉ፤ ሰባት ኣብ ኦንላይን ነባሪ ዝዀነ ነገር ንምፍጣር ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ዘውጽኡሉ ኵነታት ክውስኽ ርኢና ኢና። ስለዚ፡ እቲ ዲጂታላዊ ውርሻ ብዛዕባ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ ኣይኰነን ምባል ዝክኣል ይመስለኒ” ትብል።

ብዲጂታል እንታይ ከም እንውንን ብእኡ እንታይ ክንከውን ከም እንደሊን ክንሓስብ ምጅማር ኣገዳሲ ምዃኑ ትሰማማዕ።

“ንማሕበራዊ መራኸቢታትና ሓደ ሰብ ክሕዞ ንደሊ ዲና? ሓደ ሰብ ክዝክሮም ንደሊ ዲና? ዲጂታላዊ ኣሳእል ዝሓዘ ኣልቡም ንደቅና ከነመሓላልፍ ንደሊ ዲና? ወይስ ከምቲ ሰባት ዝገብርዎ ዝነበሩ ከነሕትሞን ድሕሪ ሞትና ንሓደ ሰብ ከነመሓላልፎ እንኽእል ከም ጽቡቕን ዝተሓትመን ኣልቡም ስእሊ ክህልወና ንደሊ? ዲጂታላዊ ውርሻ ብርግጽ ክሕሰብን ክዝረበሉን ዘለዎ ነገር እዩ። ዲጂታላዊ ውርሻ ክንዘራረበሉን ክንሓስበሉን ዘለና ኣርእስቲ’ዩ” ክትብል ተገንዝብ።

ንሃይሊን ማቲውን ግን ቀሊል ኣርእስቲ ኣይነበረን።

“ማት ክመውት እንከሎ ብዛዕባ እዚ ኣየዛረብኩዎን፤ ምኽንያቱ ብዛዕባ ሞት ክዛረብ ኣይደልን ነይሩ። ክንድ’ቲ ዝኽኣሎ ክነብር’ዩ ዝደሊ ነይሩ፤ ብኸቢድ ምስ ሓመመ ግን ካልእ ሰብ’ዩ ኰይኑ። ንሕቶታተይ ክምልስ ኣይደልን ነይሩ” ትብል።

ማቲው፡ ኣብ መበል 28 ዓመቱ ብደረጃ ኣርባዕተ ግሊዮብላስቶማ ከም ዝሓመመ ክንገሮ እንከሎ፡ ካብ ዝምርዓዉ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሮም ነይሮም።

ሓኪም፡ ማቲው፡ ኣብ ሓንጐሉ ሕበጥ ከም ዘለዎን ብኡንብኡ ህይወት ዘድሕን መጥባሕቲ ከም ዘድልዮን ብምግላጽ፡ “ህይወትኩም ንሓዋሩ ክቕየር’ዩ፤ ናብ ዝሓሸ ግን ኣይኰነን” ኢሉዎ።

እቲ መጥባሕትን ስዒቡ ዝመጽአ ኬሞቴራፒን ጽቡቕ እኳ እንተኸደ፡ ምስ ግዜ እቲ ሕበጥ ተመሊሱ ዓብዩ፤ ማቲው ብህይወት ዝጸንሓሉ ሓደ ዓመት ጥራይ ምዃኑ ተነግሮ።

“ስሙ ኣብ ኵሉ ነገር፡ ኣብ ሕሳብና፡ ፍጹም ኣብ ኵሉ ነገር’ዩ ነይሩ። እዚ ንከሰጋግሮ ድማ ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ። ኵሉ እቲ ክገብሮ ዝግበኣኒ ዲጂታላዊ ኣድሚን ንምስራሕ ኣስታት 18 ኣዋርሕ ወሲዱለይ” ትብል ሃይሊ።

ንሳ፡ ሕጂ’ውን ንገጽ ፌስቡክ ማቲው ናብ ዝኽሪ ክትቅይሮ ድልየት ኣለዋ፤ ቀሊል ግን ኣይኰነን። “ብቐጻሊ ነቲ ምስክር ወረቐት ሞት ምርኣይ ኣዝዩ’ዩ ዘሕምም። ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተሓላለኸ መስርሕ'ዩ ዝመስለኒ፤ ኩባንያታት ድማ እዚ ንሕዙናት ዝቐለለ መስርሕ ክገብራኦ ኣለወን” ኢላ።