ፌስቡክ ኣብ 20 ዓመቱ ንዓለም ዝቐየሮም ኣርባዕተ ነገራት

ምንጪ ስእሊ, NIALL KENNEDY
ቅድሚ 20 ዓመት ማርክ ዙከርበርግን ውሑዳት ኣዕሩኽቱን ክጅምርዎ ከለዉ ከምዚ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ ይመስል ነይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ዕዙዝ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብዓሰርተታት ግዜ ዳግማይ ተመሐይሹ እዩ።
ዕላማኡ ግን ከም ቀደሙ እዩ፡ ንሰባት ብኢንተርነት ምትእስሳር፤ ካብ መወዓውዒ ድማ ርብሕ ዝበለ ገንዘብ ምእካብ።
ፌስቡክ ካብ ዝጅምር 20 ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ እዋን፡ ንዓለም ዝቐየሮም ኣርባዕተ መንገድታት እነሆ።
1. ጸወታ ማሕበራዊ ሚድያ ቀይርዎ

ምንጪ ስእሊ, MYSPACE
ከም 'ማይስፔስ' ዝበሃሉ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት ቅድሚ ፌስቡክ ነይሮም እኦም። እንተዀነ መርበብ ሓበሬታ ማርክ ዙከርበርግ ኣብ 2004 ምስ ተጀመረ ብቕጽበት ተወንጪፉ።
እዚ ድማ ከምዚ ዓይነት መርበብ ሓበሬታ ኦንላይን ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ክዓቢ ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ።
ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሓደ ሚልዮን ተጠቀምቲ ረኺቡ።
ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ንማይስፔስ ዓብሊሉ - ከም ኣብ ኣሳእል ሰባት "ምልክት" ምግባር ዝኣመሰሉ ምህዞታት ድፍኢት ኰይንዎ።
ኣብ ምሸታዊ ምውጻእ ዲጂታዊ ካሜራ ተጠቒምካ ስእሊ ምልዓልን፡ ድሕሪኡ ንኣዕሩኽትኻ ብዓሰርተታት ስእልታት ምልክት ምግባር፡ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ንእስነት ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ ነይሩ።
ኣብ 2012፡ ፌስቡክ ኣብ ወርሒ ሓደ ቢልዮን ተጠቀምቲ ሓሊፉ፡ ኣብ መወዳእታ 2021 - መዓልታዊ ንጡፋት ተጠቀምቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝወረደሉ እዋን ገዲፍካ - እቲ መድረኽ ዕቤቱ ቀጺሉ።
ናብ ውሑድ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ብምስፋሕን ነጻ ኢንተርነት ብምቕራብን፡ እቲ ኩባንያ ቍጽሪ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዓቂቡን ኣዕብዩን ኣሎ። ኣብ መወዳእታ 2023፡ ፌስቡክ 2.11 ቢልዮን መዓልታዊ ተጠቀምቲ ከም ዘለዎም ጸብጺቡ።
ፌስቡክ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንእሰያት ዝነበሮ ተፈታውነት እናነከየ መምጽኡ ይእመን። ከምኡ ኰይኑ’ውን ግን፡ ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ስሙይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፤ ኣብ ኢንተርነት ድማ ሓድሽ ዘመን ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣበጊሱ ኣሎ።
ገሊኦም ፌስቡክን መወዳድርቱን ከም ሓይሊ ዝህቡ መሳርሒታት ምትእስሳር ይርእይዎ። ካልኦት ድማ ከም ወልፊ መጋበርያታት ጥፍኣት ገይሮም እዮም ዝርእይዎም።
2. ፌስቡክ ውልቃዊ መረዳእታና ክቡር ክኸውን ገይሩዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፌስቡክ ‘ላይክ’ ምእካብ ኣዝዩ ኣታዊ ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ ቅንያት ወናኒ ፌስቡክ፡ ኩባንያ ሜታ፡ ጐድኒ ጐድኒ ከም በዓል ጉግል፡ ካብ ዓለማዊ ገንዘብ መወዓውዒ ዝለዓለ ብጽሒት ዝወስድ ኰይኑ ኣሎ።
ሜታ ኣብ መወዳእታ ርብዒ ዓመት 2023 ልዕሊ 40 ቢልዮን ዶላር (32 ቢልዮን ፓውንድ) ኣታዊ ከምዝረኸበን እዚ ድማ ብቐንዱ ንመወዓውዒታት ልዑል ዕላማ ዝገበረ ኣገልግሎት መወዓውዒ ካብ ምሃብ ከምዝተረኸበን ተገሊጹ።
ኣስታት 14 ቢልዮን ዶላር ከም መኽሰብ ኰይኑ ኣሎ።
ፌስቡክ ግን ምእካብ መረዳእታ ጸገም ክፈጥር ከምዝኽእል እውን ኣርእዩ እዩ።
ሜታ ውልቃዊ መረዳእታ ብዘይግቡእ ብምሓዙ ብዙሕ ግዜ ተቐጺዑ እዩ።
እቲ ዝያዳ ዕላዊ ዝዀነ ጉዳይ፡ ኣብ 2014 ዘጋጠመ ዕንደራ ካምብሪጅ ኣናሊቲካ ኰይኑ፡ ፌስቡክ ብሰንኪ ርኡይ ጥሕሰት መረዳእታ፡ 725 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተገዲዱ እዩ።
ኣብ 2022’ውን ፌስቡክ ውልቃዊ መረዳእታ ክወጽእ ብምፍቃዱ 265 ሚልዮን ዩሮ (228 ሚልዮን ፓውንድ) ናንሕብረት ኤውሮጳ መቕጻዕቲ ከፊሉ።
ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ኩባንያ፡ ዳታ ተጠቀምቲ ኣውሮጳ ካብ ግዝኣቶም ወጻኢ ብምስግጋሩ፡ ብኮሚሽን ሓለዋ መረዳእታ ኣየርላንድ ዛጊድ እቲ ዝለዓል መቕጻዕቲ- 1.2 ቢልዮን ዩሮ ተፈሪድዎ።
ኣብዚ እዋን ፌስቡክ ይግባይ ይሓትት ኣሎ።
3. ፌስቡክ ኢንተርነት ፖለቲካዊ ገይርዎ
ፌስቡክ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ጎስጓስ መረጻ ዓቢ መድረኽ ኰይኑ ኣሎ።
ንኣብነት ኣብ 2020 ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ኣብ መወዓውዒታት ፌስቡክ ከምዘውጽአ መጽናዕቲ ስታቲስቲክ ይሕብር።
ፌስቡክ ኣብ ምቕያር መሰረታዊ ፖለቲካ እውን ኢድ ነይርዎ እዩ - ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ተጠቀምቲ ክእከቡ፣ ጎስጓስ ክገብሩን ብዓለም ደረጃ ስጕምቲ ክውሰድን ብምግባር።
ፌስቡክን ትዊተርን ኣብ እዋን ጽድያ ዓረብ፡ ተቓውሞታት ንምውህሃድን ኣብ ባይታ ዝፍጸም ዝነበረ ዜና ንምዝርጋሕን ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ከምዝነበረ ተገሊጹ።
ፌስቡክ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ጽልዋ ዝርከቦም ገለ ሳዕቤናቱ ይንቀፍ ኣሎ። ኣብ 2018፡ ፌስቡክ ምስቲ ኣብ ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሮሂንጋውያን "ዓመጽ ንምልዕዓል" ሰባት ነቲ መድረኽ ከምዝመዝመዝዎ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
4. ፌስቡክ- ሜታ ዓብላሊ ኰይኑ ክቕጽል ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ማርክ ዙከርበርግ ብዓቢ ዓወት ፌስቡክ፡ ብመንጽር ተጠቀምትን ሳዕቤኑ ዘለዎ ሓይልን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓርሞሸሽ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ቴክኖሎጅን ሃኒጹ።
ዋትስኣፕ፡ ኢንስታግራምን ኦኩሉስን ዝርከብዎም ንቕድሚት ዝስጕሙ ኩባንያታት፡ ኵሎም ኣብ ትሕቲ ጽላል ኩባንያ ፌስቡክ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ ኣብ 2021 ስሙ ናብ ሜታ ቀይሩ።
ሜታ ሕጂ ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ሰባት መዓልታዊ እንተወሓደ ሓደ ካብ ፍርያቱ ከም ዝጥቀሙ ይገልጽ።
ከምኡ'ውን መወዳድርቱ ክገዝኦም ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን፡ ሜታ - ዓብላልነቱ ንምዕቃብ ብዙሕ ግዜ እቲ ሓድሽ ሜላ ብምቕዳሕ ይንቀፍ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







