ቲክቶክ ናይ ብሓቂ ሓደገኛ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ባይቶ ኣሜሪካ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ንክዕጾ እማመ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ቻይና ንውሳነ እቲ ባይቶ ዘይፍትሓዊ ብምባል ተቓዊማቶ።
ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ ብቻይናዊ ኩባንያ ባይትዳንስ ዝውነን ቲክቶክ ኣመልኪቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት’ዮም ተኻቲዖም።
ሰብ መዚ፡ ፖለቲከኛታትን ሰብ መዚ ጸጥታን ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ናይ ስራሕ ቴለፎናቶም መተግበሪ ቲክቶክ ከይጽዕኑ ብወግዒ ተኸልኪሎም’ዮም።
እቶም ቀንዲ ብዛዕባ ቲክቶክ ብስግኣት ዝጥመቱ ሰለስተ ነጥብታት እንታይ ዝብሉ’ዮም፡ ትካል ቲክቶክ እንታይ መልሲ ይህበሎም?
1. ቲክቶክ ልዕሊ ዓቐን’ዩ ‘ዳታ’ ወይ ሰነዳት ዓማዊሉ ዝኽዝን
ቲክቶክ፡ እቲ መተግበሪ ልክዕ ከም ካልኦት መተግበሪታት እቲ ዘድሊ ሰነዳት ጥራይ ከምዝሕዝ’ዩ ዝገልጽ።
ነቀፈቲ ቲክቶክ፡ ትካል ቲክቶክ ብዙሕን ምስቲ መተግበሪ ምትሕሓዝ ዘይብሎምን ሰነዳት ዓማዊሉ ከምዝኽዝን’ዮም ዝነቕፉ።
ኣብ ሓምለ 2022 ንድሕነት ሳይበር ኣምልኪቱ ዝተሓተመ ጽሑፍ፡ ቲክቶክ ኣዝዩ ብዙሕ ሰነዳት ዓማዊሉ ከምዝሕዝ’ዩ ኣቓሊዑ።
እዚ ጸብጻብ እዚ ከም መርትዖን መወከስን ኮይኑ ኣብ ዝተፈለላየ ንቲክቶክ ዝነቕፍ ጽሑፋት ስለዝወጽእ ንቲክቶክ ሕማም ርእሲ ኮይንዎ ይርከብ።
ካልኦት ተመራመርቲ ዘካየድዎ ዳህሳስ’ውን ቲክቶክ ናይ ዓማዊሉ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከምዝእክብን፡ መተግበሪ ቲክቶክ ኣብ ዝተጸዓነት ቴሌፎን ዝግበሩ ኩሎም ንጥፈታት ከምዝስንዶምን ኣቓሊዖም፡ እዚ ማለት ቲክቶክ ኣብ ዝተጸዓና ቴሌፎን ዝውልዑ ወይ ዝተጠቐምካሎም ካልኦት መተግበሪታት’ውን ቲክቶክ ብቐሊሉ’ዩ ዝፈልጦም።
እንተኾነ ካልእ 'ሲቲዝን ላብ' ዝተብሃለ ትካል ዘካየዶ ምርምር ከኣ “ቲክቶክ ምስ ካልኦት መተግበሪታት ብምንጽጻር ልክዕ ከም ካልኦት መተግበሪታት ባህርን ድሌታትን ዓማዊሉ ንምፍላጥ ዝሕግዞ ሰነዳት ጥራይ’ዩ ዝኽዝን” ይብል።
ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ጆርጅያ’ውን “እቲ ሓቂ ዝበዝሑ መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚድያ ከምኡ’የን ዝገብራ” ብምባል’ዩ ደምዲሙ።
2. መንግስቲ ቻይና ንቲክቶክ ከም መሰለሊ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ
ቲክቶክ ምሉእ ንምሉእ ነጻ ምዃኑ ብምግላጽ “ንመንግስቲ ቻይና ሰነዳት ዓማዊልና ሂብና ኣይንፈልጥን ኢና እንተተሓቲትና’ውን ኣይክንህብን ኢና” ይብል።
ከምዝፍለጥ ዋላ ድኣ ኣይረድኣና፡ ንሓደ መተግበሪ ካብ ሽምና ጀሚርና ዝርዝር ሓበሬታና ክንህቦ እንከለና ምስቲ ትካል ውዕል ኢና ንኣቱ ዘለና።
ንሕና መን ምዃንና ነቲ መተግበሪ ንነግሮ ብነጻ ከኣ ኣገልግሎት ንረክብ።
እቲ ትካል ከኣ፡ እቲ ድሌታትን ንኣዋዓዋዕቲ ትካላት ብምሕባር መተግበሪ ኣብ ዝኸፈትናሉ እቲ ንሕና ንደልዮ ነገር ኣብቲ መተግበሪ ተቐሪቡ ከምዝጸንሓና ይገብር።
ኣብ ቲክቶክ ጸገም ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ብቻይናዊ ትካል ዝውነን ስለዝኾነ’ዩ።
ልክዕ ከም ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ስናፕቻትን ዩትዩብን ብኣሜሪካ ዝውነን እንተዝኸውን ክንድዚ ነቀፌታ ኣይምበጽሖን ዝብሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ከም መርትዖ ከቕርቡ እንከለዉ ከኣ ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ስናፕቻትን ዩትዩብን’ውን ልክዕ ከም ቲክቶክ ሰነዳት ዓማዊሎም ይሕዙ’ዮም ይብሉ።
ንዝሓለፈ ዓመታት ኣሜሪካውያን ሓገግቲ ኣካላት ብዝተፈላለየ መተግበሪታት ዝትሓዝ ሰነዳት ዓማዊል፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከይከውን ስክፍትኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም፡ ኣብቲ ብቻይናዊ ትካል ዝውነን ቲክቶክ ምስ በጽሑ ግን ትዕግስቶም ዝጸንቐቑ ይመስሉ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2020 እቲ ብቲክቶክ ዝኽዘን ሰነዳት ዓማዊል፡ ቻይና ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ናይቲ ትደልዮ ሰብ ንኽትፈልጥ ዘኽእላ ዕድል’ዩ ብምባል ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ክዕጾ ይጉስጉስ ነይሩ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምዕራባውያን ሃገራት ከም ቀንዲ ስግኣት ዝርእያኦ ኣብ 2017 ቻይና ዘተኣታተወቶ ሓዲሽ ሕጊ’ዩ።
ኣብቲ ኣብ 2017 ቻይና ዘተኣታተወቶ ንሃገራዊ ድሕነት ዝምልከት ኣብ ዓንቀጽ ሸውዓት ሰፊሩ ዘሎ ሓዲሽ ሕጊ፡ ኩለን ቻይናውያን ትካላትን ዜጋታት ቻይናን ንስለያ ቻይና “ክሕግዛን ክትሓባበራን” ኣለወን ዝብል ይርከቦ።
ካብዚ ብምብጋስ ሃገራት ምዕራብ ንቲክቶክ ጥራይ ዘይኮነ ንዝኾነ ቻይናዊ ትካል ብስግኣት’የን ዝጥምትኦ።
እንተኾነ ትካል ቲክቶክ ካብ 2020 ጀሚሩ ብተደጋጋሚ፡ መንግስቲ ቻይና ካብ ቲክቶክ ቻይናውያን ዘይኮኑ ሰባት፡ ሰነዳት ብፍጹም ከምዘይረክብ’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
እንተኾነ ንቲክቶክ ዝውንን ትካል ባይትዳንስ፤ ኣብ 2022 ክልተ ጋዜጤኛታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ሰራሕተኛታት ቲክቶክ ምስጢራዊ ሰነዳት ንምርካብ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣበይን መዓስን ተንቀሳቒሶም ይከታተሎም ምንባሩ ተኣሚኑ’ዩ።
ውሃቢ ቃል ቲክቶክ እቶም ነቶም ጋዜጠኛታት ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ቲክቶክ ነቲ ስራሕ ብዘይኣፍልጦ ቲክቶክ ከምዘካየድዎ ብምግላጽ ካብ ስራሕ ከምዝተሰጎጉ ሓቢሩ።
3. ቶክቶክ ከም መሳርሒ ሕጽበተ ኣእምሮ ክውዕል ይኽእል’ዩ
ቲክቶክ፡ ማሕበራዊ መምርሒታቱ “ንማሕበረሰብና ወይ ኣብ ዝበዝሐ ህዝቢ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ግጉይ ሓበሬታ ዝከላኸል ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝተዋደደ ዘይሓቀኛ ባህርያት ምክልኻል ዘጠቓልል’ዩ” ብምባል ይምጉት።
ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ክሪስቶፈር ወራይ ኣብ ሕዳር 2022 ንሓገግቲ ኣካላት ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ መደረ “መንግስቲ ቻይና ነቲ ‘ኣልጎሪዝም’ ናይ ቲክቶክ ብምቁጽጻር ሰባት ንምጽላው ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ” ንእትብል ምልእቲ ሓሳብ ደጋጊሙ ተዛሪብዋ።
ነዚ ንምድራዕ ከኣ ኣብ ቻይና ጥራይ ዝሰርሕ ዳውይን ዝተብሃል መሓዛ ቲክቶክ ዝኾነ መተግበሪ ብመንግስቲ ቻይና ሳንሱር ከምዝግበርን መንግስቲ ንዝደልዮም ነገራት ብብዝሒ ከምዘዋዓውዕን መግለጺ ተዋሂቡ።
ኣብ ቻይና መብዛሕትአን ማሕበራዊ ሚድያታት መንግስቲ ሳንሱር ይገብረን’ዩ። ንመንግስቲ ቻይና ዝነቅፍን ፖለቲካዊ ናዕቢ ከላዕል ይኽእል’ዩ ዝብሃል ጽሑፋት ‘ፖሊስ ኢንተርነት’ ተባሂሎም ብዝጽውዑ ክፍሊ መንግስቲ ከምዝድምሰስ ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክልሰ-ሓሳባዊ ሓደጋታት
እቲ ሓፈሻዊ ስእሊ እምበኣር፡ ቲክቶክ ክልሰ-ሓሳባዊ ፍርሒታት ከምኡ'ውን ክልሰ-ሓሳባዊ ሓደጋ ከኸትል ከምዝኽል’ዩ ዝድምደም።
ነቐፍቲ ቲክቶክ ንቲክቶክ "ፈረስ ትሮጃን" ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ።
ዋላ'ኳ ጐዳኢ እንተዘይመሰለ፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ግጭት፡ ሓያል ኣጽዋር ምዃኑ ክረጋገጽ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ህንዲ ቲክቶክን ካልኦት ዓሰርታታት ዝኾኑ ብቻይናውያን ትካላት ዝውነኑ መተግበሪታትን ኣብ 2020 ምሉእ ንምሉእ ኣጊዳቶም’ያ።
እንተኾነ ኣሜሪካ ንቲክቶክ እንተኣጊዳቶ እቲ ጽልዋ ኣዝዩ ክዓቢ’ዮ ምኽንያቱ መሓዙት ኣሜሪካ ዝኾና ሃገራት እግሪ እግራ ስዒበን ኣሜሪካ ዝገበረቶ ክገብራ ቅድሚ ሕጂ ተራእየን’የን።
ኣሜሪካ ኣይትገብሮን’ያ ኣይብሃልን’ዩ፡ ቅድሚ ሕጂ ንቻይናዊ ትካል ሞባይል ሃዋወይ ናብ 5ጂ ንኸይዓቢ ከልኪላቶ’ያ ነዚ ክትብር እንከላ ከኣ ኣብ ክልሰ-ሓሳባዊ ሓደጋታት ምርኩስ ብምግባር’ያ።
ኣሜሪካ’ያ ብቻይና ከይትስለል ትሰግእ’ምበር ቻይና ክንዲ ቅንጣብ ዝኸውን ስግኣት የብላን ምኽንያቱ ዜጋታታ ብኣሜሪካ ዝውነን መተግበሪታት ከይጥቀሙ ካብ ትኽልክሎም ዓመታት ኣቑጺራ’ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







