ሜታ፡ ናብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንዝጽንበሩ ቲክቶከራት ብገንዘብ የስድዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓርሞሸሽ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ሜታ፡ ኣብ ኣመሪካ ናብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንዝጽንበሩ ጸለውቲ ፈጠርቲ ትሕዝቶታት ክሳብ 5000 ዶላር ክኸፍል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ካብ መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚድያ "ሳልሳይ ወገን" ዝጽንበሩ ሰባት ዘለዎም ማሕበራዊ ጽልዋ ብምግምጋም ገንዘብ ከም ዝኽፈሎም ይገልጽ።
ሜታ፡ ዋላ'ውን ንቲክቶክ ብስም እንተዘይጠቐሶ፡ ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ዝገጠሞ ሕጋዊ ብድሆ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንተጠቀምቲ ኣመሪካ ዝዕቅበሉ መገዲ ክረክብ ድዩ ዝብል ሕቶታት ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉጽነት ክብለጸሉ ይጽዕር ከምዘሎ ግን ምግማት ይክኣል።
ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ 170 ሚልዮን ተጠቀምቲ ከም ዘለዉዎ ይገልጽ።
መብዛሕትኦም መነባብሮኦም ካብቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝረኽቡዎ እቶት ይምርኰስ።
እዚ ማለት፡ እቲ ማሕበራዊ መድረኽ ኣብታ ሃገር እንተተዓጽዩ ትሕዝቶታቶም ዝጥቅዕሉ ካልእ ኣማራጺ ክደልዩ'ዮም ማለት'ዩ።
ሜታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ትሕዝቶ፡ እቶም "Breakthrough bonus programme" ብዝብል መተባብዒ ገንዘብ ንምሃብ ዝቕበሎም ተጠቀምቲ፡ ኣብተን ቀዳሞት 90 መዓልቲታት ኣብቲ መተግበሪ ብመጠን ዘሕልፉዎ ግዜን ዝጥቅዑዎ ትሕዝቶን ዝውሰን ከም ዝዀነ የመልክት።
በዚ መሰረት፡ ተጠቀምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 30 መዓልታት፡ ብውሕዱ 20 ሪል (ሓጺር ቪድዮ) ኣብ ፌስቡክ፡ 10 ሪል ድማ ኣብ ኢንስታግራም ክጥቅዑ ኣለዎም።
እዚኦም ግን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልኦት መድረኻት ዘካፈሉዎም ቪድዮታት ዘይኰነስ፡ ሓደስቲ ክዀኑ ከም ዘለዎም'ውን ይእዝዝ።
ኣብዚ ፕሮግራም ግን፡ ኵሉ ሰብ ክጽንበር ኣይክእልን እዩ - እቲ ጥረ ገንዘብ ነቶም ኣብ ፌስቡክ ወይ ኢንስታግራም ሓደስቲ ንዝዀኑ ጥራይ'ዩ ዝኽፈል።
ተጠቀምቲ ኣብቲ መደብ ተቐባልነት ንምርካብ ከመልክቱ ስለዘለዎም፡ እቲ ትካል ንመን ከም ዝቕበል መምዩ ክውስን'ዩ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ከም ነጻ ምዝገባ ስርዓት ሰማያዊ መረጋገጺ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፋታት'ውን ክህብ'የ ይብል።
ሜታ ደድሕሪ ተጠቀምቲ ባይትዳንስ ክኸይድ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይኰነን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ እቲ ትካል 'ኤዲትስ' ዝተባህለ ምስ ባይትዳንስ ቪድዮ ኤዲት ዝግበረሉ መተግበሪ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።
እዚ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቲክቶክ ዝተገብረ እገዳ ምስ ተላዕለ ድሕሪ ሰዓታት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይኑ።
ከምኡ'ውን ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ሜታ ክልተ ጸለውቲ ብምጥቃም ናይ ገዛእ ርእሱ ስሪት ናይቲ ኣዝዩ ዕዉት ዝዀነ 'ቲክቶክ ሾፕ' ንምምዕባል ዝገበሮ ፈተነ ዝዝቲ ቪድዮ ጠቂዑ ነይሩ።
ኣብዚ ሓድሽ ስርዓት፡ ተጠቀምቲ ሜታ፡ ብልክዕ ከምቲ ኣብ ቲክቶክ ዘሎ፡ መላግቦታት ኣብ ክንዲ ኣብ መውሃቢ ርእይቶ ብቐጥታ ኣብ ቪድዮታቶም ክውስኹ ዘኽእል እዩ።
ሜታ ነዚ ጥራይ ኣይኰነን ለዊጡ፤ መልክዕ ኢንስታግራም'ውን ቀይርዎ ኣሎ።
ምናልባት ድማ እቲ ብዓይኒ ዝረአ ዘሎ ቀጥታዊ ለውጢ ኢንስታግራም፤
ጽሑፋትን ቪድዮታትን ኣብ ፕሮፋይላት ተጠቀምቲ ኣብ ክንዲ ትርብዒታዊ [ሬክታንግል] ቅርጺ ዝህልዎም፡ ቅኑዕ ርቡዕ ኵርናዕ [ስኴር] ክሕዙ ገይሩ ኣሎ - እዚ ድማ ካብ ቲክቶክ ዝወሰዶ እዩ።
እዚ ኣብ ገለ ተጠቀምቲ ቍጥዐ ዘልዓለ ኰይኑ፡ ሓላፊ ኢንስታግራም ኣዳም ሞስሪ፡ "ሓደ ካብቲ ዝገበርክዎ ጌጋታት፡ ንሰባት እኹል ምድላው ክገብሩ ዕድል ዘይምሃበይ'ዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







