ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ጉዳይ ቪዛ ተምሃሮ ዘመሓላለፎ ሓድሽ ትእዛዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ናብ ኣመሪካ ከይዶም ንኽመሃሩ ንዘመልክቱ ተመሃሮ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር መርመራ ንምስፋሕ ምድላዋት ይግበር ስለዘሎ፡ ኤምባሲታት ንቪዛ ተመሃሮ ቆጸራታት ምሓዝ ደው ከብሉ ኣዚዙ።
ሚኒስተር ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ቅዳሕ ናይቲ ናብ ዲፕሎማስያዊ ጽፍሕታት ዝተላእከ ሰነድ፡ እቲ ምቁራጽ "ክሳብ ተወሳኺ መምርሒ ዝወሃብ ክጸንሕ'ዩ" ኢሉ።
እቲ መልእኽቲ፡ ንተመሃሮን ናይ ወጻኢ ሸርፊን ቪዛ ኣብ ልዕሊ ዝሓቱ ምጽራይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዓቢ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ኣብ ኤምባሲታትን ቆንስላትን "ዓቢ ጽልዋ" ከም ዘለዎን ይገልጽ።
ትራምፕ ምስ ገለ ካብተን ኣዝየን ጸጋማውያን እየን ኢሉ ዝኣመነለን ኮለጃት ኣመሪካ ተፋጢጡ ኣብ ዘለሉ ግዜ'ዩ እቲ ውሳነ ኣሕሊፉ ዘሎ።
ገለ ካብኣቶም ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ጸረ-ሴማውነት ከምዘፍቀዱን ኣድልዎ ዝተመልኦ ፖሊሲታት ምቕባል ይትግብሩ ከምዘለዉን ይዛረብ።
እቲ ብናይ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ዝተራእየ፡ ሰነድ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኤምባሲታት ኣመሪካ ቪዛ ንዝደልዩ ተማሃሮ ዘይተመልአ ቆጸራ ካብ መስርሕ ቆጸራኦም ከውጽእዎ ብሰሉስ መምርሒ ዝሃበ ኮይኑ፡ እቶም ድሮ ቆጸራ ዘለዎም ግን ኣብቲ ዘትሓዝዎ መዓልቲ ቆጸራኦም ክተኣናገዱ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኩሉ ሕቶታት ቪዛ ተመሃሮ ዝምልከት "ዘድሊ መርመራን ምጽራይን ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምስፋሕ" ይሸባሸብ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ኣመሪካ ክመሃሩ ዝደልዩ ወጻእተኛታት ተማሃሮ መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ሕቶኦም ምጽዳቑ ኣብ ዓዶም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ቃለ መሕትት ክገብሩ ይግደዱ።
ብዙሓት ትካላት ትምህርቲ ኣመሪካ ቀንዲ ፋይናንሳዊ ኣታዊታተን ኣብ ወጻእተኛታት ተማሃሮ ዝተሞርኮሰ እዩ።
ወሃቢት ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ታሚ ብሩስ፡ ብዛዕባ ቪዛ ተማሃሮ ምስ ተሓተተት፡ ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እቲ ናብታ ሃገር ዝመጽእ መን ምዃኑ ንምፍታሽ ዝግበር መስርሕ ኣዝዩ ብዕቱብ ኢና ንወስዶ፡ ከምኡ'ውን ክንቅጽሎ ኢና" ኢላ።
ምምሕዳር ትራምፕ ንዩኒቨርሲቲታት ዝውዕል ዝነበረ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ምወላ ደው ኣቢሉ ተማሃሮ ናብ ምስጓግ'ዩ ተሰጋጊሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ ቪዛታት ድማ ሰሪዙ። ብዙሓት ካብዞም ውሳነታት ብቤት ፍርዲ ተዓጊቶም እዮም።
ዋይት ሃውስ ንገለ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ንዝነበረ ደገፍ ፍልስጤም ዝኾኑ ንጥፈታት ብጸረ-ሴማውነት ክጭወዩ ፈቒዶም ክብሉ ከሲሱ።
ኮሌጃት ምምሕዳር ትራምፕ መሰል ናጻ ምዝራብ ክጥሕስ ይፍትን ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።
ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ፡ ዒላማ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ዓለምለኻውያን ተማሃሮ ናይ ምምዝጋብ ወይ ናይ ወጻኢ ተመራመርቲ ናይ ምእንጋድ ዓቕሙ ሰሪዝዎ። ፌደራል ዳኛ ድማ ነቲ ውሳነ ዓጊትዎ።
እቲ ስጉምቲ እንተተፈቒዱ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ርብዒ ካብ ተማሃሮአን ወጻእተኛታት ዝገበራ ዩኒቨርሲቲታት ኣዕናዊ ውጽኢት ከስዕብ ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







