ኣብ መጻወድያ ትራምፕ ተቐርቂሩ ዝነበረ መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጐ ኣመሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነበረ ወጥሪ ንምህዳእ ዝዓለመ ኣኼባ እዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ሃገር ፀዓዱ ሓረስቶት ይቕተሉን "ይፀንቱን" ኣለዉ ብዝብል ዝቐፀለ ክሲ፡ መዘንኡ ንዓርሱ ክከላኸል ስለ ዝተገደደ፡ እቲ ርክብ ናብ ዝገደደ ወጥሪ ከየምርሕ ተሰጊኡ ነይሩ።
ኣመሪካ ንኣስታት 60 ፀዓዱ ኣፍሪቃውያን ዑቕባ ካብ እትህብ ገና ሓደ ሰሙን እዩ ኰይኑዎ።
ብሮቡዕ፡ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ናብ ዋይት ሃውስ ብምብጻሕ ዝምድና እተን ሃገራት ዳግማይ ንምትዕርራይ ሃቂኑ ነይሩ።
ኣብ ክንድኡ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ቀጥታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ "ምጽናት ፀዓዱ" ይካየድ ኣሎ ዝብል ብሰፊሑ ሓቃዊ ከምዘይኰነ ዝንገረሉ ፀለመ ኣዝኒቡሉ።
ንሱ፡ ኣብ ሓደ ጽርግያ ዝተሰለፉ ሓያሎ ሰባት ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምርኢት ዘርኢ ቪድዮ ከፊቱ - መቓብር እቶም ዝተቐትሉ ፀዓዱ ሓረስቶት ምዃኖም ይዛረብ።
እንተዀ፡ ትራምፕ እቲ ምስሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣበይ ከም ዝተቐድሐ ኣይፈልጥን።
እቶም ዝረአዩ መስቀላት ብሓቂ ጭቡጣት መቓብራት ኣይኰኑን።
ኣብ 2020 ኣብ ኣውራጃ ክዋዙሉ-ናታል ሓረስቶት መጻምድቲ ድሕሪ ምቕታሎም ኣብ ዝተገብረ ተቓውሞ ዝወፁ ይመስሉ።
ኣዳለውቲ ኣብቲ እዋን፡ ንዓመታት ንዝተቐትሉ ሓረስቶት ዝውክሉ ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም።
መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስ ኣመሪካ ዘሎ ንግዳዊ ዝምድና ምምሕያሽ ቀዳምነቱ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ዝለኣኽ ሰደድ ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓድሽ ግብሪ ትራምፕ እንትጅምር 30% ቀረጽ ይጽበዮ።
ራማፎሳ ናብቲ ኣኼባ፡ ክልተ ፍሉጣት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ጎልፍ ሒዙ ብምምጻእ፡ ሜዳታት ጎልፍ ሃገሩ ዘርኢ ዓቢ መጽሓፍ ህያብ ሂቡዎ።
እቲ ኣኼባ፡ 59 ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናብ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ፡ መሰል ስደተኛ ምስ ተዋህቦም ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ተኻይዱ።
ራማፎሳ ኣብቲ እዋን "ግናያት" ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
ብኸመይ እናኸረረ ከይዱ?
እቲ ኣኼባ ኦቫል ኦፊስ ካብ ዝጅመር ክሳብ ደሓር ፅቡቕ እዩ ነይሩ።
ትራምፕ፡ መብራህቲ ክጠፍእ ብምሕታት፡ እቲ ፊልም ምፅዋት ምስጀመረ፡ ኣብ'ቲ ገዛ ዝነበረ ስሚዒት ተቐየረ።
ኣብታ ፊልም ድምጺ ፍሉጥ ተቓዋሚ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጁልየስ ማሌማ "ንቦር [ኣፍሪካነር] ተኲስካ በሎም፡ ነቲ ሓረስታይ ተኲስካ ቅተሎ" ዝብል ተንቀሳቓሲ ምስሊ ክስማዕ ተገይሩ።
ብድሕሪኡ መስቀላት ዘለዎ ግራት ይረአ ነይሩ፤ ትራምፕ ብዛዕባ እቶም ምስልታት ክዛረብ ከሎ፡ መቓብር ጸዓዱ ሓረስቶት ምዃኑ ገሊጹ።
ቀፂሉ ድማ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸዓዱ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ዝገልጽ ዛንታታት ዝሓዘ መፅሓፍ ዝመስልን ሰነድ ንራማፎሳ ኣረከቦ።
ትራምፕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ "ምፅናት ፀዓዱ"ብዝምልከት ካብ ጋሻኡ "መብርሂ" ክሓትት ምዃኑ ገሊጹ።
ራማፎሳ ኣብቲ ቪድዮ ንዝቐረበ ናይ ተቓወምቲ ድምፂ ኣመልኪቱ ምላሽ ሂቡ።
"እቲ ዝረኣኻዮ - ዝተገብረ መደረታት... እዚ ፖሊሲ መንግስቲ ኣይኮነን። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰባት ሓሳቦም ክገልጹ ዘኽእል ብዙሕ ውድባዊ ዲሞክራሲ ኣለና" ኢሉ።
"ፖሊሲ መንግስትና ፍጹም ኣንጻር እቲ ንሱ [ማሌማ ዝበሃል] ኣብ ባይቶ ከይተረፈ ዝብሎ ዝነበረ ኮይኑ፡ ንሳቶም ድማ ንኡሳን ሰልፊ እዮም፡ እዚ ድማ ብመሰረት ቅዋምና ክህሉ ይፍቀደሉ።"
ራማፎሳ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትራምፕ ኣብዚ ጉዳይ ድምጺ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክሰምዕ ተስፋ ከምዝነበሮ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ ንጸዓዱ ኣባላት ልኡኹ፡ ማለት ተጻወትቲ ጎልፍ ኤርኒ ኤልስን ረቲፍ ጉሰንን፡ ከምኡ'ውን ዝሃብተመ ሰብኣይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዮሃን ሩፐርትን ኣመልኪቱ።
"ህልቂት እንተዝፍጸም እዞም ሰለስተ ለዋሃት ኣብዚ ኣይምሃለዉን" ይብል ራማፎሳ።
ትራምፕ ንራማሳ ብምኹላፍ፡ "ግን መሬት ክወስዱ ትፈቕደሎም ኢኻ፡ ድሕሪኡ ነቲ መሬት ምስ ወሰዱ ነቶም ፀዓዱ ሓረስቶት ይቐትሉዎም፡ ካምኡ ምስ ገበሩ ድማ ዝዀነ ነገር ኣይሕተተቱን" ኢሉዎ።
"ኣይፋልን" ራማፎሳ መለሰሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ መራሒ ኣመሪካ፡ ማሌማን ኣካል መንግስቲ ዘይኰነ ውድቡን፡ ካብ ጸዓዱ ሓረስቶት መሬት ናይ ምምንዛዕ ስልጣን ኣለዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣይኰኑን ዝብል መወከሲ ዝገብር ይመስል።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብራማፎሳ ዝተፈረመ ኣካታዒ ሕጊ፡ መንግስቲ ኣብ ገለ ኩነታት ብዘይ ካሕሳ ብውልቂ ዝውነን መሬት ክሕዝ ዘፍቅድ እዩ። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመሰረት እቲ ሕጊ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ መሬት ከም ዘይተታሕዘ ይገልጽ።
ራማፎሳ ብርግጽ "ኣብ ሃገርና ገበን ከም ዘሎ... ብገበናዊ ንጥፈታት ዝቕተሉ ሰባት ጸለምቲ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ መብዛሕትኦም ጸለምቲ ሰባት" ምዃኖም ኣሚኑ'ዩ።
ትራምፕ ነቲ ኣብቲ ቪድዮ ዘሎ መስቀላት ብምጥቃስ "እቶም ሓረስቶት ጸለምቲ ኣይኰኑን። እዚ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ኣይብልን እየ፡ እቶም ሓረስቶት ግን ጸለምቲ ኣይኰኑን..." ኢሉ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ኣሃዛት ገበን ኣይትዝርግሕን እያ።
እንተዀነ እቲ ዳሕረዋይ ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጐ ጥቅምትን ታሕሳስን 2024 ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይሕብሩ።
ካብዚኦም ኣስተታት ዓሰርተ ዝዀኑ ኣብ መጥቃዕቲ ሕርሻ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብቶም 12 ድማ እቲ ሓደ ሓረስታይ፡ ሓሙሽተ ነበርቲ፡ ኣርባዕተ ድማ ሰራሕተኛታት ኰይኖም፡ ፀዓዱ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock
"ብሓቂ ዘሕፍር ኣኼባ"
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምጽናት ዓሌት ጸዓዱ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ክሲ ኣብ የማናውያን ጉጅለታት ንዓመታት ክጉስጐስ ፀኒሑ እዩ።
ትራምፕ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዝጸቕጠሉ ዝነበረ እዋን፡ ራማፎሳ ህድእ ኢሉ ጸኒሑ።
ንሱ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዓሌታዊ ዕርቂ ተወፋይነት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣንጻር-ኣፓርታይድ ዝነበረ ኔልሰን ማንዴላ ኣልዒሉ።
ትራምፕ ግን ፡ ኣብ ልዕሊ ራማፎሳ ዝጀመሮ ኣፍኣዊ መጥቃዕቲ ደው ኣየበለን።
ንሱ ኣብቲ ጸወታ ካብ ምእታው ዝተቘጠበ ይመስል። እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዘጋጠመ እዩ።
ድሕሪ እቲ ዘገርም ኣኼባ፡ ማሌማ ንክልቲኦም ኣላጊፁሎም።
"ክልተ ኣረግቶት ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባይ ክሓምዩ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺቦም" ።
ብዛዕባ "ምጽናት ዓሌት ጸዓዱ ዝኾነ ጭቡጥ መርትዖ የለን" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኣብ እዋን ፕረዚደንት ናይቲ እዋን ባራክ ኦባማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣመሪካ ነበር ፓትሪክ ጋስፓርድ፡ ነቲ ኣኼባ "ብሓቂ ዘሕፍር" ክብል ገሲፁዎ።
"ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ መጻወድያ ከም ዝተፍሓሰሉ ንጹር'ዩ። ንደቡብ ኣፍሪቃ ንምውራድ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ንምሕፋር ዝዓለመ እዩ ነይሩ" ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







