ንጸለምቲ እናሃደነ ዝቐትል ዝነበረ ሰብኣይ ሞይቱ

ቢቢሲ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወት እቲ ገበነኛ ምስኣቃልዐ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ዝዓረፈ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቂ እታ ሃገር ዘካየዶ ተኸታታሊ ቅትለት ዘስካሕክሕ ሓድሽ ዝርዝራት ኣቃሊዑ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ግዜ ስርዓት ኣፓርታይድ ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸመ ገበነኛ ሉዊስ ቫን ሹር ሞይቱ።
እቲ ወዲ 72 ዓመት ሰብኣይ፡ ኣብ እግሩ ረኽሲ ስለዝተፈጠረ ኣብ ሆስፒታል ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
ጓሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ብሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ "ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ጸገም ጥዕና" ከምዝሞተ ገሊጻ።
ሓፍቲ ሓደ ካብ ግዳያቱ፡ ዋላ’ኳ ንሱ እንተሞተ፡ ፖሊስ ነቲ ጉዳያት ዳግማይ ንምርመራ ክኸፍቶ ተስፋ ከምዘለዋ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ንጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሓለፋ ዕድል ይህብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ቫን ሹር ኣብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ምብራቕ ለንደን ከም ናይ ብሕቲ ሓላዊ ጸጥታ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ኣብ መንጎ 1986ን 1989ን ብውሕዱ 39 ሰባት ብጥይት ቀቲሉ። ኩሎም ግዳያቱ ጸለምቲ ኮይኖም እቲ ዝነኣሰ ድማ ወዲ 12 ዓመት እዩ።
ኣብ 1991 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ቫን ሹር ብሸውዓተ ክስታት ቅትለት ተፈሪዱ፡ ን12 ዓመታት ጥራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ግን ተፈቲሑ።
ካብ ዝፈጸሞም ቅትለታት እቶም 32 ክሳብ ሕጂ ብፖሊስ “ምኽኑይ ቅትለት” ተባሂሎም ይምደቡ።
ጸብጻብ ቢቢሲ ግን ብዛዕባ’ዚ “ምኽኑይ” ዝተብሃለ ቅትለታት ሕቶታት ኣልዒሉ።
ኣብቲ ቢቢሲ ምስ ቫን ሹር ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት፡ ንንጥፈታቱ “መሳጢ”ን “ሃድንን” ክብል ገሊጽዎ፤ ከምኡ’ውን ኣብ 1980ታት ፖሊስ ኣብ ንጥፈታቱ ከምዝተሳተፍዎ ተኸታታሊ ክስታት ኣቕሪቡ።
ቢቢሲ ብተወሳኺ ንነዊሕ እዋን ዝተረሰዑ ሰነዳት ማህደር ዳግም ዝመርመረ ኮይኑ ካብ መቕተልቲ ቫን ሹር ዝደሓኑ ብዙሓት ሰባት ዝሃብዎ መግለጺ መሰኻኽር ሓዊሱ፡ ኢዶም ምስ ሃቡ ብጥይት ከም ዝቐተሎም ዝገልጽ ስእላዊ ጸብጻብ ሂቡ።
ኣብቲ እዋን ወዲ 14 ዓመት ዝነበረ ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ፡ “ደው ኣቢሉ ኣብ ጠረጴዛ ኣጸጊዑ፡ ኣብ ርእሰይ ተኵሱ” ኢሉ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንቕትለት ዝምልከት ናይ ግዜ ገደብ ስለዘየለ ብዙሓት ኣዝማድ ግዳያት ክሳብ ሕጂ ፍትሒ ንምርካብ ገበናዊ ወይ ሲቪላዊ ክሲ ክጅምሩ ተስፋ ኣለዎም።
ማርሊን ምቩምቢ፡ ናይቲ ኣብ 1986 ብቫን ሹር ዝተቐተለ ኤድዋርድ ሓፍቲ ኮይና ሃንደበታዊ ሞት ቫን ሹር ምስ ሰምዐት ሰንቢዳ።
“ብቐሊል’ዩ ተገላጊሉ!” ኢላ።
“ሕጂ’ውን ነዞም ጉዳያት ዳግማይ ክኸፍትዎም ተስፋ እገብር። እቶም ስድራ ፍትሒ ይግብኦም እዩ። ዝረኸብናዮ ነገር የለን፡ እቲ ቃንዛ ድማ ክሳብ ሕጂ ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ” ክትብል ሓቢራ።
ኣብ 2021 ቫን ሹር ብሰንኪ ጸገማት ዑደት ደም ክልቲኡ ኣእጋሩ ብኸፊል ከምዝተቖረጹ ይንገር።
ቫን ሹር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ቃለ መሕትት፡ ቀታሊ ምዃኑ ክሒዱ፡ እንተኾነ ግን ብሕሉፍ ተግባራቱ "ዝኾነ ጣዕሳ"ን "ናይ ገበን ስምዒትን" ከምዘይብሉን ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







