ንበዓልቲ ቤቱ ኣብ ዓራት-ሞታ ዝቐብአ ሰኣሊ

ምንጪ ስእሊ, Norman Gilbert
ኖርማን ጊልበርትን፡ በዓልቲ ቤቱ ፓትን ኣብ 1940ታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነጥበብ ግላስኮ እዮም ተራኺቦም።
ሓዳር መስሪቶም ድማ ብሓባር 65 ዓመታት ኣሕሊፎም እዮም።
ኣብ መወዳእታ ግን ፓት ወቕዒ ኣጋጢምዋ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ ሆስፒታል ዓራት ክትሕዝ ተገዲዳ።
ስነ-ጥበባዊ በዓል ቤታ ኖርማን ጊልበርት ድማ ኣብ ጎድኒ ዓራታ ኮፍ ኢሉ እናሰኣለ ሓደ ሰሙን ኣሕሊፉ።
እዚ 91 ዓመት ዝዕድሚኡ ስነ-ጥበባዊ ወትሩ ስድርኡ ኣብ ስራሕቱ የካትት እዩ።
ካብቲ ዝተራኸቡሉ ግዜ ኣትሒዙ ንበዓልቲ ቤቱ ፓት ኣብ ኣሳእሉ የካትታ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, BBC
ኣብ ነሓሰ 2016 መበል 65 ዓመት ዝኽሪ መርዓኦም ኣኽቢሮም፤ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ድማ ፓት ካብዛ ዓለም ተፈልያ።
ፓት ንሓያሎ ዓመታት ብሕማም ረስዒ ክትሳቐ ጸኒሓ’ያ። በዓል ቤታ ኖርማን እውን ክሳብ ከቢድ ወቕዒ ኣጋጢምዋ ናብ ሆስፒታል እትውሰድ ክከናኸና ጸኒሑ እዩ።
"ምሉእ ለይቲ ከይደቀስኩ ኣብ ጎና የሕልፍ ነይረ" ይብል ኖርማን።

ምንጪ ስእሊ, Norman Gilbert
"ካብታ ቀዳመይቲ ለይቲ ክትሓልፍ እያ ኢለ ኣይሓሰብኩን ግን ጸኒሓ፤ ሽዑ ንመዓልትታት ክትጸንሕ ከምእትኽእል ተነጊሩኒ።"
ኖርማን ኣብታ ካልኣይቲ ምሸት ኣብ ገዛ ደቂሱ ሓዲሩ። ድሕሪኡ ግን ምእንቲ ኩሉ ግዜ ምስ ፓት ክኸውን ኣብቲ ክፍሊ ሆስፒታል መንበር ከምዘዳለወ ይዛረብ።
"ኽልተ ሰለስተ መዓልታት ኣብኡ ምስ ጸናሕኩ፡ ናይ ንድፊ መጽሓፈይ ኣምጺአ እንተሰኣልክዋ ገለ ግዜ መሕለፊ ክዀነኒ’ዩ ኢለ ሓሲበ" ይብል።
"ሓደ ካብቶም ሓካይም ኣትዩ ስእሊ ክስእል ርእዩኒ፤ 'ጽቡቕ’ዩ፡ ህድኣት እህበኒ'ዩ፡ ንሳ'ውን ሕማቕ ኣይስምዓን'ዩ፡ ርግጸኛ'የ' ኢለዮ።"

ምንጪ ስእሊ, Norman Gilbert
ኖርማን፡ ፓት ይስእላ ከምዝነበረ ትፍለጥ ኣይትፍለጥ ርግጸኛ ኣይኰነን።
"ኣብተን ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ኢዳ እንተ ጨቢጠያ መሊሳ ትጭብጠኒ ነይራ፤ ድሕሪኡ ግን ኣቋሪጻ። ስለዚ ክሳብ ክንደይ ከምእትፈልጥ እርግጸኛ ኣይኰንኩን፡ ግን ብቐጻሊ የዛርባ ነይረ።"

ምንጪ ስእሊ, Norman Gilbert
እቲ ስነጥበባዊ ኣስታት 30 ስእልታት ከምዝነደፈ ይዛረብ። "ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ካብኣተን ገለ ዝሓዝኩ ይመስለኒ።"
እቶም ንድፍታት ቀለልቲ፡ ቅኑዓትን ኣዝዮም ስምዒት ዘሕድሩን እዮም። ኣብ መወዳእታ መዓልታት ኣብ ጎኒ ዓራት ኮፍ ኢሉ ሞት ናይ ዝፈትዎ ሰብ ንዘሕለፈ ዝዀነ ሰብ ኣዝዩ ናይ ቀረባ ስምዒት ዘሕድሩ ንድፍታት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Norman Gilbert
ኖርማን፡ "ነቶም ንድፍታት ብምስኣለይ ዝዀነ ጣዕሳ ኣይስምዓንን" ይብል።
"ምሳይ ስለዘለዉ ደስ’ዩ ዝብለኒ፡ የኽብሮም’ውን።"
እቶም ንድፍታት ኖርማን ኣብቲ ሕማቕ እዋን ጸኒዑ ኣብ ጎኒ በዓልቲ ቤቱ ክጸንሕ ሓጊዞምዎ እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ግን ንኣርባዕተ ደቁ’ውን ኣገደስቲ እዮም። ብፍላይ እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ክልተ ደቁ ሙሉእ ግዜ ኣብ ጎኒ ዓራት ኣዲኦም ክዀኑ ኣይከኣሉን።
ሕሳስ ልደ ወዱ ዶክተር ማርክ ጊልበርት ከም ኣቡኡ ስነጥበባዊ'ውን እዩ። ከም ስነጥበባዊ ኰይኑ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ምስ ተሓከምትን ኣለይቲ፡ ሓካይምን ክሕግዝ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ለንደን እንከሎ፡ ቅድሚ፡ ኣብ እዋንን ድሕሪን መጥባሕቲ ዳግመ ህንጸት ዝተገብረሎም ኣሳእል የዳልው ነይሩ።
"ብተመኩሮይ ኣቢለ፡ ስነ-ጥበብ ብዛዕባ ሕማምን ስቓይን ሓልዮትን ሰባት ዘሎ ጦብላሕታ ክሕብረሉ ዝኽእል ብዙሕ መገድታት ክፈልጥ ክኢለ'የ" ይብል ዶክተር ማርክ ጊልበርት።

ምንጪ ስእሊ, Norman Gilbert
ይኹን’ምበር፡ ኣቡኡ ንኣዲኡ ክስእል ከምዝጸንሐ ምስ ፈለጠ ከምዝሰንበደ ይዛረብ።
"ንሓደ ካብቲ ኣብ ህይወተይ ኣዝዩ በዳሂ ዝዀነ እዋን ንምምካት ካብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ስእሊ ክጥቀም ማለት'ዩ" ይብል።
ኣብ 2017፡ ብዛዕባ ሕማም ረሲዕን ክንክን መወዳእታ ዕድመን ዝግበር ዘተ ንምስፋሕ፡ ነቶም ንድፍታት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንዝርከቡ ሞያውያን ምሁራት ተዓዘብቲ የቕርቦም ነይሩ።
ማርክ ሕጂ ነቲ ኣርእስቲ ናብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ከብጽሕ ክፍትን ጸኒሑ እዩ።
"እቲ ዝቕጽል ዝሰርሓሉ ዘለኹ ነገር፡ ብጭቡጥ እቶም ንድፍታት ኣብ ምርኢት ንኽቐርብ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Norman Gilbert
ኣብ 2018 ኣብ ኒውፖርት-ኦን-ቴይ ኣብ ዝርከብ ታታ ጋለሪ ዝቐረበ ናይ መወዳእታ ምርኢት ስእልታት ኖርማን፡ ስእልታት ፓት ዘየጠቓለለ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ምርኢት ዝቐረቡ 24 ስእልታት ብርግጽ ካልኦት ስድርኡ ዘካትቱ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Norman Gilbert
ስእልታቱ ንኽዛዘሙ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ከምዝወስድ ኖርማን ይዛረብ፤ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕብሪ ምውሳኹ ከመይ ከምዝኸውን ብጻዕሪ ምቕማሩ ጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ እዩ ዝጥቀም።
ብዛዕባ ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሖ ስእሊ ፓት ግን፡ እቲ እንኮ ዘጣዕሶ ነገር፡ ከርእያ ዘይምኽኣሉ እዩ።
"ፓት ንደቅና ክስእሎም ደስ ከምዝብላ ነጊራትኒ’ያ፡ ምኽንያቱ ገለ ዘልኣለማውነት ስለዝህቦም።"
"እዞም ስእልታት ኸም በዓል ማርክ ዝኣመሰሉ ሰባት ክጥቀሙሎም እንተኽኢሎም" ድማ ንፓት ገለ ዘልኣለማውነት ዝህባ ከምዝመስሎ ድማ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







