ሞናሊዛ፡ዓመታት ዝጸንሐ ምስጢር ዝተሳእለትሉ ቦታ ተፈቲሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስእሊ ሞናሊዛ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ኣዝየን ፍሉጣት ዝዀና ቅብኣታት ኰይና፡ ብተደጋጋሚ ተዛራርብ እያ።
እዛ ብ ልዮናርዶ ዳ ቪንቺ ቅድሚ 500 ዓመታት ዝተሳኣለት ቅብኣ፡ በቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝዀነ ፍሽኽታኣ’ኳ ትፍለጥ እንተዀነት፡ ነታ ቅብኣ ዝምልከት ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ክኢላ ስነ-ኵዕታን ተመራማሪት ታሪኽ ዘመነ ተሃድሶን ዝዀነት ኣን ፒዘሮስ ንሓንቲ ካብተን ‘ሞናሊዛ ኣበይ’ያ ተሳኢላ?’ ትብል ሕቶ ክትምልስ ትፍትን ኣላ።
እዛ ተመራማሪት ክእለታ ተጠቂማ፡ ነቲ ኣብ ድሕረ ባሕታ ናይታ ስእሊ ዘሎ ቅርጻ መሬት ከም መርትዖ ብምቕራብ፡ ልዮናርዶ ዳ ቬንቺ ነታ ስእሊ፡ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ሌኮ ኣብ ገምገም ቀላይ ኮሞ ኰይኑ ከምዝስኣላ ገሊጻ።
ኣን ፒዘሮስ ንሓሳባ፡ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ንዝተጋብኡ ክኢላታት እያ ኣቕሪባቶ።
ንሳ ነቲ ዘለዋ ክእለት ስነኵዕታን፡ ታሪኽ ዘመነ ተሃድሶን ምርኩስ ብምግባር ልዮናርዶ ዳ ቪንቺ ‘ዓቢ ክኢላ ጂኦሎጂ’ ምንባሩ ገሊጻ።
ንሳ “ኣነ ከም ኣቦ ጂኦሎጂ’የ ዝርእዮ፡ ኣብ ቅብኣታቱ ንስነ ምድሪ ኣዝዩ’ዩ ኣጕሊሑ ዘውጽእ፡ ዝሰኣሎም ኣዃውሕን ኣእዋምን ልሉያት’ዮም እዚ ከኣ ቀንዲ መለለይኡ’ዩ” ኢላ።
ኣን ፒዘሮስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት፡ “ነቲ ቅድሚ 500 ዓመታት ዝስኣሎ ስእሊ ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ ንሱ ዝስኣሎም ቅርጻ መሬት ኣዝዮም ጕሉሓት’ዮም” ኢላ።
ንዝሓለፈ ዘመናት ተመራመርቲ እታ ብድሕሪ ሞናሊዛ ዘላ ድልድል ኣበይ ቦታ’ያ ኢሎም ንምልላይ ኣዝዮም ተጸጊሞም’ዮም፡ እቲ ምኽንያት ከኣ እቲ ከምኡ ዓይነት ድልድል ዳርጋ ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣዝዩ ልሙድ ስለዝዀነ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣን ፒዘሮስ፡ “ኵሉ ሰብ 'እዛ ድልድል ኣበይ ዘላ’ያ' እናበለ ነቲ በታ ድልድል ክፈልጦ ይጽዕር ምንባሩ ክርዳእ ክኢለ’የ፤ እዚ ከኣ ከምዚ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ኵሉ ቦታ ዘሎ ዓይነት ድልድል ብምዃኑ በታ ድልድል ነታ ቦታ ምልላይ ከምዘይክኣል ክርድኣኒ ክኢሉ፤ ስለዚ እቲ ኣብታ ስእሊ ዘሎ ቅርጺ መሬት፡ ጎቦን ቀላይን ክፍትሾ ምስ ጀመርኩ ነቲ ቦታ ክፈልጦ ክኢለ” ትብል።
ኣን ፒዘሮስ ካብዚ ብምብጋስ፡ እታ ስእሊ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ ገምገም ቀላይ ኮሞ ከምዝተሰኣለት ክትፈልጥ ምኽኣላ ንቢቢሲ ገሊጻ።
እቲ ብድሕሪ ሞናሊዛ ዘሎ ዓበይቲ ኣኽራናት ከኣ እቲ ልዮናርዶ ዳ ቬንቺ ብተደጋጋሚ ይበጽሖ ነይሩ’ዩ ዝበሃል እምባታት ኣልፕስ ከምዝዀነ እታ ክኢላ ትገልጽ።
ኣን ፒዘሮስ፡ ነቲ ልዮናርዶ ዳ ቪንቺ ንሞናሊዛ ዝሰኣለላ ቦታ ንምልላይ ጎጉል ማፕ፡ ጎግል ኣርዝ፡ ኣሳእል ድሮን ከምዝተጠቐመት ብምግለጽ “ኣብ መወዳእታ እታ ቦታ ኣበይ ምዃን ከላልያ ክኢለ” ኢላ።
ኣብ 2011 ዝተገበረ ካልእ መጽናዕቲ እታ ብድሕሪ ሞናሊዛ ዘላ ድልድል ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ቦብዮ’ያ ትርከብ ዝብል መደምደምታ’ዩ ተዋሂቡ ነይሩ።
ገለገለ ተመራመርቲ’ውን ኣብ 2023 እታ ድልድል ኣብ ኢጣልያዊት ዞባ ኣረዞ ትርከብ ቦታ’ያ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም’ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ላተሪና ዝርከብ ድልድል ፖንተ ሮሚቶ እውን ምስ ስእሊ ሞናሊዛ ዝተኣሳሰር እዩ ተባሂሉ ይግለጽ ነይሩ’ዩ።
እታ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝተሰኣለት ቅብኣ ሞናሊዛ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ሉቭር ዝተበሃለ ቤተ መዘክር’ያ ተዓቒባ ዘላ።
ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ቀባኢ ጥራይ ዘይኰነስ ክኢላ ቅርጻ፡ መሃንድስ፡ ሳይንቲስት፡ ክኢላ ሒሳብን መሃዚን እውን እዩ ነይሩ።
እቲ ልዮናርዶ ዳ ቪንቺ ቅድሚ 500 ዓመት ዘበርከቶ፡ ሎሚ እውን እንተዀነ ህይወትና ብኸመይ ከም እንነብሮ መገዲ ጸሪጉ እዩ ሓሊፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







