ጸለምቲ ሰባት 'ሃዲኑ' ዝቐትል ዝነበረ ውልቀሰብ እንታይ ይብል?

ሉዊስ ቫን ሾር

ኣብ እዋን ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓሰርታት ዝቝጸሩ ጸለምቲ ብምቕታል ገበነኛ ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ እቲ ተግባር ብትእዛዝ ፖሊስ ዝፈጸምኩዎ'ዩ ኢሉ።

ሉዊስ ቫን ሹር፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ዋርድያ እንከሎ ንዝፈጸሞ ቅትለት ካልኦት'ውን ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ይብል።

ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ምስ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ዝርዝራት ከልዕል ጸኒሑ ኣሎ።

ኣስናን እዚ፡ "ቀታሊ ኣፓርታይድ" ብዝብል ዝጽዋዕ ውልቀሰብ ረጊፎመ ተወዲኦም'ዮም። ጥዕናኡ'ውን ይምህምን'ዩ ዘሎ።

መደቀሲ ዓራቱ፡ ጽሩይን ተስታሪሩ ዝተነጽፈን'ዩ ዝመስል፤ ኣብቲ ገዛ ዘሎ ኣየር ግን ጨና ሽጋራ ስለ ዝበዝሖ ክብድ ይብል።

ወቕዒ ልቢ ምስ ሓመመ፡ ኣብ ቀረባ ክልተ እግሩ ተቘሪጹ፤ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ከቢድ በሰላ ገዲፉሉ ኣሎ።

ሓካይም እግሩ ክቘርጽዎ እንከለው፡ እቲ መስርሕ ንኽርእዮ ምሉእ ብምሉእ መደንዘዚ ክወስድ ኣይደለየን።

"ክቘርጽዎ እንከለው ርእየዮም . . . ብዓጽመይ'ዩ ሓሊፉ።"

ቫን ሾር፡ ከምቲ "ሰባት ዝብሉዎ ጨካን ኣይኰንኩን" እዩ ዝብል።

ኣብ 1980ታት፡ ንሰለስተ ዓመታት ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣወጆ ንጸዓዱ ሓለፋ ኣብ ትሕቲ ዝህብ ኣዝዩ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ፡ ቫን ሾር ኣስታት ኣስታት 39 ሰባት ቀቲሉ።

ኵሎም እዞም ግዳያት ጸለምቲ'ዮም፤ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ወዲ 12 ዓመት ነይሩ።

እዚ ቅትለት፡ ኣብ ከተማ ኢስት ለንደን'ዩ ተፈጺሙ።

ቫን ሾር፡ ኣብቲ እዋን 70 ሚእታዊት ብጸዓዱ ዝውነኑ ትካላት ንግዲ፡ ኣብያተ መግቢ፡ ድኳናት፡ ፋብሪካታትን ኣብያተ ትምህርትን ንኽሕለው ኣብ ትሕቲ ዝገብር ኣሰራርሓ ዋርድያ ነይሩ።

ንነዊሕ እዋን፡ ኵሎም እቶም ዝቐተልኩዎም፡ ኣብዞም ህንጻታት ክሰርቁ ኢድ ብኢድ ዝተታሕዙ "ገበነኛታት" እዮም ነይሮም ክብል ክምጕት ጸኒሑ።

“ንሱ ሓደ ቀታሊ'ዩ ነይሩ" ትብል ን20 ዓመታት ንጉዳይ ቫን ሹር ክትምርምር ዝጸንሐት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋዜጠኛን ኣፍራዪት ፊልምን ኢሳ ጃኮብሰን።

“[እቶም ግዳያት] ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተስፋ ዝቘረጹ ዝዀነ ገበን ስርቂ ክፍጽሙ ዝሐሰቡ'ዮም ነይሮም- ምናልባት፡ ሃሰው ኢሎም ገለ መግቢ ነገር ዝሰርቁ . . . ንኣሽቱ ገበነኛታት።”

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቫን ሹር ዝፈጸመሞም ቅትለታት- ሓሓሊፉ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ሓያሎ - ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ነበርቲ ምብራቕ ለንደን ቀሊል ዘይበሃል ራዕዲ ዝፈጠረ'ዩ ነይሩ።

ኣብታ ከተማ ብዛዕባ ሓደ ጭሕሚ ዘለዎ ብቋንቋ ቘሳ “ጭሕሚ ድሙ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰባት ብለይቲ ከም ዝጠፍኡ ዝገበረ ሰብኣይ ክውጋዕ ጀሚሩ።

እቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ቅትለት ግን ሕቡእ ኣይነበረን።

ካብ 1986 ክሳብ 1989 ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ባዕሉ ቫን ሹር ናብ ፖሊስ ይሕበር ነይሩ።

ኣብ 1990 መራሒ ቃልሲ ጸረ ኣፓርታይድ ኔልሰን ማንዴላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍታሑ ግን፡ እዚ ተግባራት ከም ዘብቅዕ ምልክት ዝህብ ነበረ።

ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ማዕበል ለውጢ መጽአ፤ ብሰንኪ ጸቕጢ ደለይቲ ፍትሕን ጋዜጠኛታትን ከኣ፡ እቲ ዋርድያ ዝነበረ ብ1991 ኣብ ቀይዲ ኣተወ።

መስርሕ ፍርዲ ቫን ሹር፡ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝዓበዩ ፍርዲ ቅትለት ኰይኑ፡ ዓሰርተታት መሰኻኽርን ኣሽሓት መርትዖታት መርመራ ኣስክሬንን [ፎረንሲክ] ዘካተተ'ዩ ነይሩ።

ይዅን'ምበር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ብዓቢኡ ኣብ ቤት ፍርዲ ፈሺሉ።

ኣብ እዋን ፍርዲ፡ መብዛሕትኡ መሓውር ስርዓት ኣፓርታይድ ገና ካብ ውሽጢ ስርዓተ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣየልገሰን ነይሩ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ብውሕዱ 39 ሰባት'ኳ እንተቐተለ፡ ብቅትለት ሸውዓተ ሰባት ጥራይ'ዩ ተፈሪዱ። በዚ ድማ ማእሰርቲ 12 ዓመት ጥራይ'ዩ ክፍረዶ።

እቶም ካልኦት 32 ቅትለታት ክሳብ ሕጂ ፖሊስ “ምኽኑይ ቅትለት” ኢሉ'ዩ ኣስፊሩዎም ዘሎ።

ኣብ ዘመነ ኣፓርታይድ ዝነበረ ሕጊታት፡ ሰባት ንማእሰርቲ እንተተቓዊሞም ወይ ሓንሳብ ምስ ተታሕዙ እንተሃዲሞም፡ ኣብ ልዕሊ ፈተነ ስርቂ ዝገበሩ ሰባት ክሳብ ምቕታል ዝበጽሕ ስጕምቲ ክወስዱ መሰል ዝህቡ ነይሮም።

ቫን ሹር፡ እቶም ግዳያት ክቐትሎም እንከሎ ይሃድሙ'ዮም ነይሮም ብምባል ናጻ ክብሃል ይምጕት።

ሉዊስ ቫን፡ እቶም ግዳያት ክሰርቁ ዝፍትኑ ዝነበሩ'ዮም ይብል

እዚ ዓመታት ዝወሰደ መርመራ፡ ኣብ ከተማታት ኢስተርን ኬፕ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ መዘክር ዝርከቡ ኣገደስቲ ሰነዳት ዝዳህሰሰ እዩ።

ነቲ ጕጅለ መርመራ ዝመርሐት ጋዜጠኛ ኢሳ ጃኮብሰን፡ “ኵሉ ነገር ኣዝዩ ይገርም፤ ቤት ፍርዲ ነዚ እናርኣየ ምሕላፉ ኣዝዩ ዝግርም’ዩ” ትብል።

እቲ ውልቀሰብ ተኲሱሎም ዝሃደሙ ውልቀሰባት ዝሃብዎ ርእይቶ ድማ ኣግሪሙ። እዚኦም፡ ምስቲ ንሱ ዝብሎ ዝቃደው ኣይኰኑን።

ዋርድያ እንከሎ፡ 9 ሚሊሜትር ብኸፊል ኣውቶማቲክ ዝዀነ ብረት’ዩ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። እዚ ብረት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ከቢድ ጕድኣት ብምውራድ ይፍለጥ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር ዘይተዓጠቐ ሰብ ትሸዓተ ጥይት ከም ዝተኰሰ መርትዖታት የመልክቱ።

ብፍላይ ብ11 ሓምለ 1988 ቫን ሹር ዝርዝር ሳንቲም ደልዩ ኣብ ልዕሊ ዝኣተወ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ ምትኳሱ ጭካነኡ ዘርኢ’ዩ።

እዚ ንድሕነቱ ብምባል ስሙ ዘይንጠቕሶ ቈልዓ፡ ኣብቲ እዋን ቫን ሹር ብረት ሒዙ ክመጽእ እንከሎ ኣብ ሽቓቕ ከም ዝተሓብአ ይዛረብ።

ካብቲ ዝተሓብኣሉ ቦታ ኣውጺኡ ኣብ መንደቕ ኣጸጊዑ ብተደጋጋሚ ከም ዝተኰሰሉ ድማ ገሊጹ።

ዋላ’ኳ እቲ ግዳይ ካብ ሞት እንተተረፈ ዝኣምኖ ሰብ ኣይረኸበን፤ ናብቲ ህንጻ ጥሒሱ ብምእታው ብገበን ተኸሲሱ።

ብዙሓት ጸለምቲ መንሰያትን ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ቫን ሹር እንተተኰሰሎም’ውን ዕጫኦም ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝተፈለየ ኣይነበረን።

መስርሕ ፍርዲ እቲ ውልቀሰብ ክካየድ እንከሎ፡ ብዙሓት መንእሰያት ምስክርነት ሂቦም፤ ዳኛ ግን “ማይ ዘይዓቝሩ” እዮም ብምባል ነጺጕዎም።

ብዙሓት ጸዓዱ ክኣ ንዕኡ ይድግፉ ነይሮም። ሓደ ነጋዳይ “ንሉዊስ እፈትዎ’የ” ዝብል ወረቐት ሒዙ ይርአ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ኢሳ ጃኮብሰን፡
መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ኢሳ ጃኮብሰን፡ ንዓመታት ኣብ ጕዳይ እቲ ተኸሳሲ መርመራ ክትገብር ጸኒሓ

መብዛሕትኦም ንብረቶም ዝሕለወሎም ነጋዶ ድምጺ ዘይብሉ “ኣላርም” ዘለዎም ኰይኖም፡ ሓደ ሰብ ሓጹር ጥሒሱ ክኣቱ እንከሎ ንቫን ሹር መልእኽቲ ይሰድሉ።

“ጥራሕ እግረይ እየ ዝንቀሳቐስ፤ ጸጥ ዝበለ እዩ። ጫማ ስለ ዘይወዲ፡ ዝዀነ ዓይነት ድምጺ ኣየስምዕን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መብራህቲ ኣየብርህን፤ ኣብ ክንድዩ እናሽተተ ነቶም ግዳያት ይረኽቦም።

“ሓደ ሓጹር ጥሒሱ ዝኣቱ ሰብ ዝዀነ ጨና ሒዙ’ዩ ዝመጽእ። ንዕኡ ተኸቲለ ክኸይድ ይኽእል።”

ቫን ሹር፡ ሓደ መዓልቲ “ንጸለምቲ ክቐትል እየ ኢለ ሓሲበ ዝገበርኩዎ ነገር የለን” ብምባል ዓሌታዊ ኣይኰንኩን ይብል።

ግን ድማ ኣብ ጸልማት ንጸለምቲ ሃዲንካ ምቕታል “ዘሐጕስ” እዩ ይብል።

እቲ ውልቀሰብ ዋርድያ ኰይኑ ቅድሚ ምስርሑ ን12 ዓመታት ኣብ ኢስት ለንደን ፖሊስ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

“ዘጥቅዑ ኣኽላባት” ሒዙ ብምንቅስቓስ ዝፍለጥ ቫን ሹር፡ ተቓወምትን ገበነኛታትን ብኸልቢ የሳድዶም።

ፖሊስ እንከሎ ዳርጋ ኵሎም ግዳያት ጸለምቲ’ዮም ነይሮም።

ፈጺመ “ብጃምላ ዝቐትል” ኣይኰንኩን ዝብል እዚ ውልቀሰብ እቲ ዝገበረ ብምሉኡ “ሕጊ ዝተኸተለ” እዩ ኢሉ ይኣምን።

ብምኽንያት እቲ ቅትለት ዝተቐየሙ ሰባት እንተሃልዮም ድማ ንፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ክነቕፉ ከም ዘለዎም ይዛረብ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ፖሊስ ነቒፉዎ ወይ መጠንቀቕታ ሂቡዎ ኣይፈልጥን። ኣብ ክንድኡ ነቲ ተግባር ክፍጽም እንከሎ ብተደጋጋሚ የተባብዖ ነይሩ።

“ኵሎም ፖሊስ ኢስት ለንደን እንታይ ይፍጸም ከም ዝነበረ ይፈልጡ’ዮም። . . . ኵሎም ፖሊስ ይፈልጡ’ዮም።”

ጋዜጠኛ ጃኮብሰን፡ ወግዓዊ ካብ ዝዀኑ ሰነዳት ብዝረኸበቶ መረዳእታ፡ ገለ ቅትለታት ኣብ ዝፍጸምሉ ዝነበረ እዋን ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝነበሩ፤ ግን ድማ ንቫን ሹር ጥርጡር ገይሮምዎ ከም ዘይፈልጡ የመልክቱ።

ኣብ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ቅትለት ምስ ተፈጸመ ንመርትዖ ዝኸውን ስእሊ ስኢሎም ወይ መርመራ ገይሮም ኣይፈልጡን።

“ቫን ሹር ቀታሊ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ማሕበረሰብ የተባብዖ ብምንባሩ’ዩ” ትብል።

ስድራ ግዳያት፡ እቲ ውልቀሰብ ብናጻ ይንቀሳቐስ ምህላው ከምኡ’ውን ቤት ፍርዲ ግቡእ መርመራ ዘይምግባሩ ዓቢይ ቃንዛ ይስምዖም።

ገሊኦም ክሳብ ሕጂ ኣስክሬን ረኺቦም ኣይቀበሩን።

ቫን ሹር ፍርዲ ክወሃቦ እንከሎ፡ ብገበን ቅትለት ማእሰርቲ 90 ዓመታት እንተተፈረደ፡ ዳኛ ኵሉ መቕጻዕቲ ብሓደ ክቕጻዕ ስለ ዘፍቀደ ብ2004 ተፈቲሑ።

ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም ብ2022 ኣብ ጆሃንስበርግ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ ነይሩ።

ቫን ሹር ሕጂ መብዛሕትኡ ግዜ ጸወታ ራግቢ እናርኣየ’ዩ ዘሕልፎ፤ ትምባኾ የትክኽ፤ ብሩተስ ምስ ዝተባህለ ከልቡ ይጻወት።

መብዛሕትኦም ዝፈጸሞም ገበናት ከም ዘይዝክሮም ይዛረብ።

ዋላ’ውን ንምጽራይ ኣዝዩ ዝኸብድ እንተዀነ፡ ገለ ጸብጻባት እቲ ውልቀሰብ ኣስታት 100 ሰባት ከም ዝቐተለ ይገልጹ። ቫን ሹር ግን፡ እዚ ኣሃዝ ልክዕ ኣይኰነን፤ ልዕሊ 39 እዮም ኢሉ ይኣምን።

“ሓቂ ንምዝራብ ክንደይ ሰብ ከም ዝቐተልኩ ኣይዝክሮን። ገሊኦም 100 ይብሉ። . . . ገሊኦም ድማ 40 . . . ንዘረባ ክጥዕም ግን 50’ዮም ንበል” ኢሉ።

“ዝዀነ ናይ ገበን ስምዒት ኣይስምዓንን። ኣብ ውሽጠይ ጣዕሳ ዝበሃል የለን” ይብል።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።