ደቡብ ኣፍሪቃ ኣመሪካ ንጸዓዱ ኣፍሪቃውያን ከም ስደተኛታት ክትቅበል ዝሓሰበቶ መደብ ትነቅፍ

ትራምፕ ንእቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቕመጡ ጸዓዱ ናብ ሃገሩ ክወስዶም ዝወሰነ 'ዓሌታዊ ኣድልዎ' ይበጽሖም ከምዘሎ ብምጥቃስ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ዋሽንግተን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ንጸዓዱ ኣፍሪቃውያን ከም ስደተኛታት ክትቅበሎም ከምእትኽእል ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣብ ዝቕልቀሉሉ ዘለዉ እዋን ደቡብ ኣፍሪቃ ንኣመሪካ ነቒፋታ።

ቢቢሲ ዝረኣዮ ሰነድ፡ እቲ ዝተሓሰበ መደብ ዳግመ-ምጥያስ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ "ቀዳምነት" ዝተውሃቦ ርእሰ ጉዳይ ከምዝኾነ ይገልጽ። ይኹን እምበር እቲ ዝትግበረሉ ግዜ ብዋይት ሃውስ ብንጹር ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተባህለ ስጉምቲ "ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን ቅዋማዊ ዲሞክራሲ ደቡብ ኣፍሪቃ" ንምድኻም ዝተዳለወን'ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ለካቲት፡ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መምርሒ 'ኣፍሪካነርስ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቕመጡ ጸዓዱ ኣፍሪቃውያን ግዳያት "ዓሌታዊ ኣድልዎ" ክብል ገሊጽዎም ነይሩ፡ እዚ ድማ ኣብ ኣመሪካ ንኽሰፍሩ ዕድል ከፊቱሎም።

ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቶም ንዳግመ ምጥያስ ዝተመርጹ ሰባት ካብ ምኻድ ከምዘይዓግትዎ እኳ እንተገለጹ፡ እቶም ዝተሓረዩ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተመርመሩን ኣብ ከይዲ መስርሕ ዝርከብ ገበናዊ ክሲ ከምዘይብሎምን ግን ካብ ኣመሪካ መረጋገጺ ከምዝሓተቱ ገሊጾም።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ጸዓዱ እታ ሃገር 'ዓሌታዊ ኣድልዎ' ይበጽሖም'ዩ ዝብል ነቐፌታ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑን፡ መረዳእታ ገበናት ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ሕርሻታት ዝፍጸም ዓመጻዊ ገበናት ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዘይኮነ'ዩ ዘመልክት ኢሉ።

ገለ ንመሰል ጸዓዱ ሓረስቶት ዝውክሉ ጉጅለታት ብሰንኪ ዓሌቶም ኮነ ተባሂሉ ይቕተሉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣመሪካ ክሰፍሩ ዝደልዩ ውልቀሰባት ቃለ መሕተት ይግበረሎም ከምዘሎን "ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ግዳያት ዘይፍትሓዊ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንዝኾኑ ኣፍሪቃውያን" ቀዳምነት ይህቡ ከምዘለዉን ገሊጹ።

እቲ ምጥያስ መዓስ ከም ዝጅምር ግን ዛጊት ኣይተረጋገጸን ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይ ካሕሳ ካብ ጸዓዱ ሓረስቶት መሬት ሒዛ ኣላ ክብል'ውን ከሲሱ'ሎ፡ እዚ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝነጸገቶ ነገር'ዩ።

ኣብ እዋን ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ፡ ኣማኻሪ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኾነ ኤሎን ማስክ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ሓረስቶት "ምጽናት ዓሌት" ተካይድ ኣላ ብምባል ክነቕፋ ጸኒሑ'ዩ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ነቶም ናይ መጀመርታ ተጉዓዝቲ ንምቕባል ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዱለስ ቨርጂንያ ጋዜጣዊ መግለጺ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎም ሲቢኤስ ዝረኣዮም ሰነዳት ይሕብሩ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ 54 ጸዓዱ ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ናይ ፈለማ ጉዕዞ ተኻቲቶም ኣለዉ።

ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ከም ስደተኛታት ንምቕባል ዝተወሰደ ውሳነ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ዳርጋ ኩሉ ሕቶታት ዑቕባ ስደተኛታት ደው ኣብ ዘበለሉ እዋን'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ ጸዓዱ ኣፍሪቃውያን ንምጥያስ ዝኽፈት መምርሒ ትራምፕ ነቒፋቶ ከምዝነበረት ይዝከር።

እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣመሪካ ነቶም ናይ ብሓቂ ተቓላዓቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነጺጋ "ካብቶም ብቑጠባ ዝሓሸ መነባብሮ ዝነበሮም ክፋል ሕብረተሰብ ክትቅበል ድልውቲ ምዃና ዘስሕቕ'ዩ" ኢላ።