ቻይና ምስ ኣመሪካ ኣትያቶ ኣብ ዘላ ቍጠባዊ ኲናት ክትመዞም እትኽእል 5 ካርድታት

ትራምፕ ብዘተኣታተዎ ሓድሽ ናይ ቀረጽ ፖሊሲታት ምኽንያት ሃገሩ ምስ ቻይና ኣብ ቁጠባዊ ኵናት ክትጽመድ ገይርዋ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብ መንጐ ክልተ ዓበይቲ ቍጠባታት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት ሕጂ ኣብ ምሉእ ናህሪ ይርከብ።

ቻይና ናብ ኣመሪካ እትልእኾ ሰደድ ክሳብ 245 ሚእታዊት ቀረጽ ዘጋጥሞ ኰይኑ በይጂን ድማ ካብ ኣእትዎት ኣሜሪካ 125 ሚእታዊት ቀረጽ ብምኽፋል ግብረመልሲ ሂባ።

ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ድቀት ከይፍጠር ስግኣት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ተጠቀምቲ፡ ትካላት ንግድን ዕዳጋታትን ከጋጥም ካብ ዝኽእል ዘይተገማቲ ሳዕቤናት ተዳልዮም ኣለዉ።

መንግስቲ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ንዘተ ቅሩብ ምዃኑ ብተደጋጋሚ እኳ እንተገለጸ፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ግን "ክሳብ መወዳእታ ክቃለስ" ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ቻይና ንቐረጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንምብዳህ ክትጥቀመሎም እትኽእል ነገራት ድማ ተዘርዚሮም ቀሪቦም ኣለዉ፤

ቻይና ነቲ ቃንዛ ክትጻወሮ ትኽእል እያ

ቻይና ካልኣይቲ ዝዓበየት ቍጠባ ዓለም ብምዃና፡ ካብ ካልኦት ንኣሽቱ ሃገራት ብዝበለጸ ጽልዋታት ናይቲ ቀረጽ ክትጸሮ ትኽእል እያ።

ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ዘለዋ ቻይና፡ ገለ ካብቲ ካብ ጸቕጢ ወሰኽ ታሪፍ ከውጽእ ዝኽእል ዓቢ ውሽጣዊ ዕዳጋ እውን ኣለዋ።

ከምኡ'ውን ትራምፕ ዝወሰዶ ቀረጽ፡ ንኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና፡ ዓቕሚ ሃለኽቲ እታ ሃገር ንምኽፋት ዝያዳ ሓያል ድርኺት ሂብዎ ኣሎ።

መሪሕነት ቻይና፡ "ብሰንኪ እቲ ኣመሪካ ዘንቀደቶ ሓሳብ ኢዱ ንዘይምሃብ ነቲ ቃንዛ ክጻወር ኣዝዩ ድሉው ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ክትብል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ትካል ፒተርሰን ክኢላ ንግዲ ኣመሪካን ቻይናን ሜሪ ላቭሊ ንቢቢሲ ኒውስኣወር ገሊጻ።

ቻይና ምልካዊ ስርዓት ከምእትኽተል ሃገር ተጻብኦታት ናይ ምጽዋር ዓቕማ ልዑል'ዩ፤ ምኽንያቱ ካብ ህዝቢ ክመጽእ ዝኽእል ርእይቶ ዘሰክፋ ኣይኰነን። ዕድል መራሕቲ ቻይና ክውስን ዝኽእል መረጻ'ውን የለን።

ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ቀጻሊ ቅልውላው ንብረትን ሽቕለት ኣልቦነትን ዘይዕግበት ስለዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ናዕቢ ከይፍጠር ዘተሓሳስብ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ቀረጽ ዘሎ ቍጠባዊ ዘይርጉጽነት፡ ነቶም ሃገሮም ቻይና ትዓቢ ከምዘላ ጥራይ ዝፈልጡ መንእሰያት ካልእ ነውጺ እዩ።

ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝኣወጀቶ ቀረጽ ሕነ ንምፍዳይ ሃገራዊ ስምዒታት ክቖሳቑስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ድማ ሰባት ከጋጥም ዝኽእል ጽልዋታት ብሓባር ክጻወሩ ይጽውዓ።

ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ክጭነቕ ይኽእል ይኸውን'ዩ፤ እንተዀነ ሃገሩ ክሳብ ሕጂ ተጻራሪን ርእሰ ተኣማንነትን ዝመልኦ ቃና ኣውጺኣ ኣላ። ሓደ በዓል ስልጣን እታ ሃገር "ሰማይ እንተኾነ ኣይወድቕ" ክብል ተዛሪቡ'ዩ።

መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሃገሩ ነቲ ካብ ኣመሪካ ከጋጥማ ዝኽእል ቁጠባዊ ጽልዋታት ንምብዳህ ድልውቲ ምዃና ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ኣብ መጻኢ ወፍሪ ክትገብር ጸኒሓ እያ

ቻይና ፋብሪካ ዓለም ተባሂላ እትፍለጥ ሃገር'ውን እንተዀነት፡ ወናኒት ምዕቡል ፋብሪካታት ንምዃን ግን ቢልዮናት ዶላር ከተፍስስ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ እዩ።

ቻይና ኣብ ትሕቲ ሺ ጂንፒን ኣብ ቴክኖሎጂ ካብ ኣመሪካ ጸብለልታ ንምውሳድ ክትወዳደር ጸኒሓ እያ። ካብ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ቺፕስ ክሳብ ሰብ ሰርሖ ብልሒ [AI] ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዝዓበየ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ወፍሪ ገይሩ እዩ።

ኣብነት ናይዚ ድማ፡ እቲ ንቻትጂፒቲ መወዳድርቲ ኮይኑ ዝኽበር ዝነበረ ቻትቦት ዲፕሲክ፡ ከምኡ'ውን ዝሓለፈ ዓመት ንቴስላ ስዒሩ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰራሒ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ (EV) ዝዀነ BYD ይርከብዎም።

ኣፕል፡ ብከም በዓል ሁዋዌን ቪቮን ዝኣመሰሉ ናይ ውሽጢ ዓዲ መወዳድርቲ ክስእን ጸኒሑ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን በይጂን ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 1 ትሪልዮን ዶላር ንምህዞታት ኪነታዊ ብልሒ ማለት'ውን AI ንምድጋፍ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ ነይራ።

ኩባንያታት ኣመሪካ ቀረብ ሰንሰለተን ካብ ቻይና ንምርሓቕ ፈቲነን እኳ እንተነበራ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ግን ተመሳሳሊ ደረጃ ትሕተ ቅርጽን ክኢላታት ጉልበትን ንምርካብ ተጸጊመን እየን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ዝርከቡ ቻይናውያን ኣፍረይቲ፡ ነታ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ብልጫ ሂቦምዋ እዮም።

እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ክእለት ቀረብ ሰንሰለትን ደገፍ መንግስትን ንቻይና ኣብዚ ንግዳዊ ኲናት ሓያል ተጋጣሚት ክትከውን ኣኽኢልዋ'ዩ። በይጂን ካብቲ ዝሓለፈ እብረ ስልጣን ትራምፕ ጀሚራ ነዚ ክትዳሎ ጸኒሓ እያ።

ቻይና ብኤሌክትሪክ ንዝሰርሓ መካይን መስርሒ ዝኸውን ኣገዳሲ መዓድን ዝርከባ ሃገር እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቻይና ብኤሌክትሪክ ንዝሰርሓ መካይን መስርሒ ዝኸውን ኣገዳሲ መዓድን ዝርከባ ሃገር እያ

ካብ ትራምፕ ዝተወሰደ ተመኵሮ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ኣብ 2018 ንሶላር ፓነላት ቻይና ብቐረጽ ካብ ዝወቅዕ ኣትሒዙ፡ በይጂን ክንዮ ብኣመሪካ ዝምራሕ ዓለማዊ ስርዓት ንመጻኢ ዝምልከት መደባታ ንኸተቀላጥፎ መንቅሒ ደውል'ዩ ነይሩ።

ምስቲ ግሎባል ሳውዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝምድናኣ ንምድልዳል ኣካታዒ መደብ ንግድን ትሕተ ቅርጽን ቢልዮናት ኣውፊራትሉ እያ። ቻይና ምስ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፡ ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዘለዋ ንግዳዊ ርክባት ብምስፍሕፋሕ ሃለዋት ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ ከተህስስ እያ ጽዒራ።

ኣብ ሓደ እዋን ሓረስቶት ኣመሪካ 40 ሚእታዊት ጠለብ ኣዳጉራ ቻይና የቕርቡ ነይሮም። እዚ ኣሃዝ ሕጂ ናብ 20 ሚእታዊት ጐዲሎ'ሎ።

ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ንግዳዊ ኲናት፡ በይጂን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምህርቲ ኣዳጉራ ብምዕባይ ካብታ ሕጂ ዝዓበየት ኣቕራቢት ኣዳጉራ ዝዀነት ብራዚል ክብረወሰን ዝሰበረ ብዝሒ ኣዳጉራ ዓዲጋ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ኣብ ትካል ርክብ ኣውስትራልያን ቻይናን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ማሪና ዩ ዣንግ፡ "እቲ ሜላ 'ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ' ከምዝበሃል ኰይኑ ካብቲ ኣብ ሓደ እዋን ንሕርሻ ኣመሪካ ምሱጥ ዝነበረ ዕዳጋ ገጽ ዝኸልአን ንናይ ቻይና ውሕስነት መግቢ መረጋገጺ ዝሃበን'ዩ" ኢላ።

ኣመሪካ ድሕሪ ሕጂ እታ ዝዓበየት ናብ ቻይና ምህርታ እትሰድድ ሃገር ኣይኰነትን። እቲ ቦታ ሕጂ ናይ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ገጹ ዘይሩ እዩ። ቻይና ኣብ 2023 ን60 ሃገራት ዝዓበየት ናይ ንግዲ መሻርኽቲ እያ ነይራ - እዚ ድማ ካብ ኣመሪካ ዳርጋ ብዕጽፊ ዝዛይድ'ዩ።

ቻይና ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰደድ ዝገብሩ ትካላት እትውንን ሃገር ኰይና ኣብ መወዳእታ 2024 ክብረወሰን ዝሓዘ ሕልፊ [ሳርፕለስ] 1 ትሪልዮን ዶላር ኣመዝጊባ።

እዚ ማለት ግን እታ ዝዓበየት ቍጠባ ዓለም ዝዀነት ኣመሪካ ንቻይና ወሳኒት ናይ ንግዲ መሻርኽቲ ኣይኮነትን ማለት ኣይኮነን። ዋሽንግተን ንቻይና ናብ ሓደ ወሰን ክተጸግዓ ግን ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ ማለት እዩ።

ኣመሪካ ንቻይና ንምንጻል ክልተኣዊ ንግዳዊ ዘተ ክትጥቀም ምዃና ዝገልጽ ጸብጻባት ስዒቡ፡ ቻይና፡ ካልኦት ሃገራት "ብዋጋ ዕዳጋ ቻይና ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓ" ኣጠንቂቓ። እዚ ንመብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ዘይከኣል ምርጫ እዩ።

ሚኒስተር ንግዲ ማሌዥያ ቴንግኩ ዛፍሩል ዓዚዝ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክንመርጽ ኣይንኽእልን ኢና፡ [ኣብ መንጐ ቻይናን ኣሜሪካን] ፈጺምና ኣይንመርጽን ኢና" ኢሉ።

ቻይና ብምልኪ እትመሓደር ሃገር ስለዝኾነት ብሰንኪ ቁጠባዊ ጽልዋታት ከጋጥማ ዝኽእል ህዝባዊ ተቓውሞታት ውሑድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ትራምፕ መዓስ ከምዝበራበር ፈሊጣ ኣላ

ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ስፍሕ ዝበለ ታሪፍ ኣክስዮናት ኣብ ዝወረደሉ እዋን ጽኑዕ መርገጺ ሒዙ።

እንተዀነ ምሉእ ብምሉእ ተጠውዩ፡ ድሕሪ ብርቱዕ መሸጣ ቦንድ መንግስቲ ኣመሪካ፡ መብዛሕትኡ ካብቲ ቀረጽ ን90 መዓልታት ደው ኣቢልዎ።

ትራምፕ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ምስ ቻይና ዝነበረ ንግዳዊ ወጥሪ ክጎድል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ቻይና ዝኽፈል ቀረጽ "ብዓቢኡ ክወርድ'ዩ፡ ግን ዜሮ ኣይክኸውንን'ዩ" ኢሉ።

ስለዚ፡ በይጂን ሕጂ ዕዳጋ ቦንድ ንትራምፕ ከናውጾ ከም ዝኽእል ፈሊጣ ኣላ ይብሉ ክኢላታት። ቻይና 700 ቢልዮን ዶላር ቦንድ መንግስቲ ኣመሪካ ዘለዋ ሃገር እያ።

ገሊኦም እዚ ንቻይና ሓይሊ ክህባ እዩ ይብሉ፡ ማዕከናት ዜና ቻይና ንዕድጊ ቦንድ ኣመሪካ ምሻጥ ወይ ምዕጋት ዝብል ሓሳብ ከም "ኣጽዋር" ብቐጻሊ የቃልሕኦ እየን።

ቻይና ግን ካብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ከይተጐድአት ክትወጽእ ከምዘይትኽእል ዘጠንቀቑ ክኢላታት ንወፍሪታት በይጂን ኣብ ዕዳጋ ቦንድ ዓቢ ክሳራ ከስዕብን ንባጤራ ቻይና ከየረጋግኦን ይኽእል'ዩ።

ቻይና ብቦንድ መንግስቲ ኣመሪካ ጸቕጢ ክትገብር እትኽእል፡ "ክሳብ ሓደ ነጥቢ ጥራይ" እያ ይብል ዶክተር ዣንግ።

ቻይና 7 ኣብታ ሃገር ዝርከቡ መዓድናት ናብ ኣመሪካ ሰደድ ከይግበር ደረት ኣንቢራ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መዓድናት ከርሰ ምድሪ ከም መታኾሲ ኲናት ቍጠባ

ቻይና ኣብ ምውጻእን ምጽራይን ገለ መዓድናት ብብሕቲ ስለእትቈጻጸር፡ ከም መታኾሲ ክትጥቀመሎም ትኽእል እያ። እዞም መዓድናት ድማ ንዝማዕበለ ቴክኖሎጂ ማኑፋክቸሪን ኣገደስቲ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ባእታታት እዮም።

ቻይና ኣብ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርትን ተርባይናት ንፋስን ዝውዕል ዲስፕሮዝየምን ኣብ ሞተር ጀት ንሙቐት ዝጻወር ሽፋን ዝህብ ዪትሪየምን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ መዓድናት ኣለውዋ።

ቻይና ኤኣይ ቺፕ ንምስራሕ ኣገደስቲ ዝዀኑ መዓድናት ዝኣመሰሉ ሸውዓተ መዓድናት ናብ ኣመሪካ ሰደድ ከይግበር ብምድራት ንናይ ትራምፕ ውሳነታት ቀረጽ ምላሽ ሂባትሉ እያ።