ንግዳዊ ኲናት ቻይናን ኣመሪካን ናበይ ከምርሕ ይኽእል? መጻኢኸ እንታይ እዩ ክወልድ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት ገና ኣሰር ምዝሓል ኣይርኣየን ዘሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዳርጋ ብዕጽፊ ዝውስኽ ቀረጽ ክስልዕ ምዃኑ ድሕሪ ምፍርራሑ፡ ቻይና ድሕሪ ሰዓታት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ክሳዕ መወዳእታ ክትቃለስ፡" ምዃና ተሓንያ።
ንመብዛሕትኡ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቝሑ 104% ዘስደምም ቀረጽ ስለ ዝስልዖ፡ ኣብ መንጎአን ዝህሉ ምትፍናን ሰማይ ክዓርግ እዩ።
ተለፎናት፡ ኮምፕዩተራት፡ ሊትየም-ኣዮን ባተሪታት፡ ባምቡላታት፡ መጻወቲ ቪድዮታት ወዘተ እቶም ብብዝሒ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ እዮም። ብዙሓት ካልኦት'ውን ኣለዉ - ካብ ቪተ ክሳብ 'ቦይለራት' (ዓበይቲ መፍልሒ ማይ መሳርሒታት)።
ትራምፕ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ንዝሰልዖ ቀረጽ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ምዃኑ ኣፈራሪሑ፣ ኣብ ዋሽንግተን'ውን ናይ መወዳእታ ግዜ ይቕርብ ኣሎ። ዝስዕብ፡ መን እዩ መጀመርታ ኢዱ ክህብ ምዕዛብ እዩ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣብ ማእከል ሓሰብቲ ቻይና ኣልፍሬዶ ሞንቱፋር-ሄሉ፡ "ቻይና ንድሕሪት ተመሊሳ፡ ባዕላ ቀረጽ ከተጕድል እያ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ፡" ይብል።
"ቻይና ንድሕሪት ግልጽ እንተ ኢላ ድኽምቲ ከም እትመስል፣ እዚ ድማ ንኣመሪካ ካልእ ክትጠልብ ዝያዳ ዕድል ክህባ እዩ። ሕጂ ኣብ ዕጽዋ በጺሕና ኣለና፣ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ቍጠባዊ ቃንዛ ከስዕብ ይኽእል እዩ፡" ክብል ይውስኽ።
እማመ ቀረጽ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ ዕዳጋ ዓለም ምጕዳል ኣርእዩ ኣሎ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ድሕሪ ምቕናዩ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸፍአ ምንቍልቋል ዘመዝገበ ኣክስዮናት እስያ፡ ካብ ትማሊ ሰሉስ ቍሩብ ሕውየት ምርኣዩ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቻይና ከም መልሰ-ተግባር 34% ቀረጽ ብምስላዕ መልሲ ሂባ ኣላ። ትራምፕ ድማ ቤጂንግ ንድሕሪት እንተ ዘይተመሊሳ፡ ብተወሳኺ 50% ቀረጽ፡ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ሓያሎ ዘይርጉጽነት ኣሎ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ገሊኡ ልዕሊ 40% ተወሳኺ ቀረጽ፡ ብመዓልቲ ረቡዕ ክጅምር ቀሪቡ ኣሎ። ብዙሓት ካብዞም ቀረጻት ንቝጠባ እስያ ክጸልዉ እዮም። ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝኽፈል ቀረጽ ናብ 54% ክዓቢይ እንከሎ፡ ኣብ ቬትናምን ካምቦድያን ድማ ናብ 46%ን ከምኡ'ውን 49%ን ክውስኽ እዩ።
እዚ ጕዳይ ብቕልጡፍ ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ ንኽኢላታት ኣሻቒሉ ይርከብ። መንግስታት፡ ንግዳውያን ትካላትን ኣውፈርትን እዚ ንቝጠባ ዓለም ዝጸሉ ዓቢይ ክስተት ክገጥሙ ወይ ምትዕርራይ ክገብሩ ውሑድ ግዜ እዩ ዘለዎም።

ምንጪ ስእሊ, AP
ቻይና ነቲ ቀረጽ ብኸመይ ምላሽ ትህበሉ ኣላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ቀረጽ ትራምፕ ኣብ ዝተወሰኑ ፍርያት ኣመሪካ ናይ ገዛእ ርእሳ ግብሪ ብምስላዕ፡ ፈዳዪ ስጕምቲ ወሲዳ። ብተወሳኺ፡ ፍሉያት ኣብ ዝዀኑ ሓጻውን ገደብ ገይራ። ኣብ ከም ብዓል ጉግል ዝኣመሰላ ኩባንያታት ኣመሪካ ድማ ጸረ-ዕብለላ ዘለወን ኣሰራርሓ ንምፍላጥ መርመራ ጀሚራ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ቻይና ከም ግብረ-መልሲ ናይ ገዛእ-ርእሳ ቀረጽ እኳ እንተ ሰልዐት፡ ዝሓየለ ስጕምቲ ንምውሳድ ንጽንኵር እዋን ዝተዳለወት ትመስል።
ቻይና ንባጤራኣ - ዩዋን - ከም ዝደክም ብምግባር፡ ንሰደዳ ዝያዳ ሰሓቢ ክኸውን ገይራ ኣላ። ብተወሳኺ፡ ብመንግስቲ ዝውነና ኩባንያታት፡ ነቲ ዕዳጋ ንምርግጋእ ዝሕግዝ ኣክስዮን ክገዝኣ ጸኒሐን ኣለዋ።
እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ጃፓንን ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ዝወረዶም ክሳራ ክምለሱ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣውፈርቲ ዘሐጕስ ዜና ይመስል።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ብምእታውን ብሰደድን ኣገዳሲት ዝዀነት ኣመሪካን ዝፍጠር ዘሎ ግጭት ክሳዕ ሕጂ ንብዙሓት ሰባት የሻቕሎም ኣሎ።
"እዚ ንርእዮ ዘለና መን ዝያዳ ቃንዛ ክጻወር ከም ዝኽእል ንምርኣይ ዝግበር ቃልሲ እዩ። ዛጊት፡ ብዛዕባ ዝዀነ ረብሓ ኣይንዛረብን ኣለና፡" ክትብል ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ፒተርሰን ኢንስቲትዩት ክኢላ ንግዲ ኣመሪካን ቻይናን ሜሪ ላቭሊ ምስ መደብ ኒውስሃውር ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ዋላ'ኳ ቍጠባኣ እናዝሓለ እንተ መጽአ፡ "ኣመሪካ ትፍጽሞ ዘላ ዓመጽ እዩ ኢላ ብምእማን፡ ነቲ ቃንዛ ክትጻወሮ ኣዝያ ድልውቲ ክትከውን ትኽእል እያ፡" ክትብል ወሲኻ።
ነዊሕ እዋን ብዝጸንሐ ቅልውላው ዕዳጋ ንብረት ከምኡ'ውን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነት ተናዊጹ ዘሎ ህዝቢ ቻይና፡ ወጻኢታት ካብ ምግባር ጥራሕ እዩ ክሕየብ። ዕዳ ዘለወን ውሽጣውያን መንግስታት ወፍሪ ኰነ መርበባት ማሕበራዊ ድሕነት ንምስፋሕ ክቃለሳ ጸኒሐን እየን።
ኣንድሪው ኮሊየር - ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ኬነዲ፡ "እቲ ቀረጽ ነዚታት ጸገም ዘጋድዶ እዩ፡" ይብል።
ሰደድ ቻይና እንተ ጐዲሉ፡ እታ ሃገር ገንዘብ ክትረኽበሉ ዘኽእላ ኣገዳሲ መንገዲ ክህሰ እዩ። ሰደድ ንነዊሕ እዋን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ቅልጡፍ ዕብየት ቻይና ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።
ቻይና ኣብ ላዕለዋይ ቴክኖሎጂ ማኑፋክቸሪንግ ትዅረት ብምግባርን ሰባት ኣብ ገዛኦም ዝገዝኡዎ ነገራት ብምውሳኽን ቍጠባኣ ንምሕያል ትሰርሕ እኳ እንተ ሃለወት፡ ሕጂ እውን እንተዀነ ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም።
እቲ ቀረጽ ከቐንዝወሉ ዝጅምር ግዜ ብልክዕ ንምቕማጥ ከም ዘጸግም እዩ ኮሊየር ዝገልጽ። "[ፕረዚደንት ሺ] ቍጠባ እታ ሃገር ይዝሕትል ስለ ዘሎን ጸጋታት እናነከየ ስለ ዝመጽአን፡ ዝኸበደ ውሳነ እዩ ዘጓንፎ ዘሎ፡" ይብል።
እቲ ሃስያ ብኽልተኡ እዩ
እቲ ጽልዋ ዝስምዓ ቻይና ጥራሕ ኣይኰነትን።
ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ንግዲ ኣመሪካ፡ ኣብ 2024 ኣመሪካ 438 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣቝሑ ካብ ቻይና ኣእትያ። ብኣንጻሩ፡ 143 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ድማ ናብ ቻይና ሰዲዳ። እቲ ዘእተወቶ ምስቲ ዝሰደደቶ ክነጻጸር ከሎ ናይ 295 ቢልዮን ዶላር ፍልልይ ኣለዎ።
ስለዝዀነ ኣመሪካ፡ ነቲ ካብ ቻይና እተእትዎ ዝነበረት ኣቝሑ ብኸመይ ካልእ ኣማራጺ እያ ኣብ ሓጺር ግዜ ክትረኽቦ ንጹር ኣይኰነን።
ክልቲአን ሃገራት "ብብዙሕ መንገዲ ብቝጠባ ዝተኣሳሰራ እየን። ብኽልተኡ ወገን ሰፊሕ ወፍሪ ኣሎ፣ ብዙሕ ድጂታላዊ ንግድን ዋሕዚ መረዳእ (ዳታ)ን ኣሎ፡" ትብል ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝርከብ ሂንሪች ፋውንደሽን ሓላፊት ፖሊሲ ንግዲ ዲቦራ ኤልምስ።
"ንዝተወሰነ ግዜ ጥራሕ ኢኻ ቀረጽ ክትገብር እትኽእል። ክልቲአን ሃገራት ግን ክተሃሳሰያ ዝኽእላሉ ካልእ መንገድታት ኣሎ። ስለዚ፡ ክገድድ ኣይክእልን'ዩ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን ብዙሕ መንገድታት ኣሎ።"
ካብ ዕዳጋ ኣመሪካ ዝተዓጽወ ሰደድ ቻይና ናበይ ከም ዝኸይድ ንምርኣይ፡ ካልእ ክፋል ዓለም ዓይኑ ከፊቱ ይከታተሎ ኣሎ።
"ናብ ካልኦት ዕዳጋታት ክኸዱ እዮም፣ ከምቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዘሎ፡" ትብል ሚስ ኤልምስ። "እዘን ሃገራት'ዚኣተን'ውን ምስ ናይ ገዛእ ርእሰን ቀረጽ ይጋጠማ ስለ ዘለዋ፡ ፍርያተን ኣበይ ክሸጣ ከም ዝኽእላ ክሓስባ ኣለወን።"
"ስለዚ ኣብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኣድማስ ኢና ዘለና፣ ናይ ብሓቂ ጸልማት እዩ፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ብኸመይ እዩ ከብቅዕ?
ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣን ትራምፕ፡ እቲ ምስ ቻይና ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ኲናት ዘተ የሰንዮ ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ዝተፈልየ ኵነታት እዩ ዘሎ።
"ነዚ ቀረጽ ዝድርኽ ዘሎ ንጹር ኣይኰነን። ካብዚ ንላዕሊ ድማ ነገራት ናበይ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ንምግማት ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ይብል ሮላንድ ራጃህ፡ ካብ ስነቝጠባዊ ኢንስቲትዩት ሎዊ።
ቻይና ሕነ ንምፍዳይ "ብዙሕ መንገዲ" ከም ዘለዋ ይውስኽ - ዋጋ ባጤራኣ ዝያዳ ምጕዳል ወይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኣመሪካ ጸቕጢ ምግባር ዝኣመሰሉ።
"እቲ ሕቶ ክሳዕ መዓስ ልጓም ክገብሩ እዮም ዝብል ይመስለኒ? ምስልኻ ንምክልኻል ሕነ ምፍዳይ ኣሎ፣ ምሉእ ኣጽዋራትካ ምውጻእ ድማ ኣሎ። ቻይና በቲ መንገዲ ክትጓዓዝ ትደሊ እንተዀይና ንጹር ኣይኰነን። ክትጓዓዝ ድማ ትኽእል እያ።"
ገለ ክኢላታት ኣመሪካን ቻይናን ሓድሕደን ናብ ዘተ ክምለሳ ከም ዝኽእላ ይኣምኑ። ዋላ እኳ በይጂንግ ንምዝርራብ ድልውነታ ብተደጋጋሚ እንተ ገለጸት፡ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር ገና ምስ ፕረዚደንት ሺ ኣይተዘራረበን።
ብኻልእ መንገዲ ግን ተስፋ ዘለዎ ኣይኰነን።
"ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ገዛእ-ርእሳ ብዙሕ ጸቕጢ ትገብር ዘላ ይመስለኒ፡" ትብል ኤልምስ። ዕዳጋ ኣመሪካ ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝዀነ፡ ቻይና ትዅን ካልእ ሃገር ኣብ መወዳእታ ኢዳ ክትህብ እያ ዝብል ሓሳብ ትራምፕ ዘጠራጥር እዩ።
"እዚ ብኸመይ ክውዳእ እዩ? ዝፈልጥ ማንም የሎን" ከኣ ትብል። "ብዛዕባ ቅልጣፈን ምዕራግን ናይቲ ጉዳይ ብሓቂ የሻቕለኒ'ዩ። መጻኢ ኣዝዩ በዳሂ ክኽውን እዩ፣ ሓደጋታቱ ድማ ኣዝዩ ልዑል'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







