ምፍጣጥ ቻይናን ኣመሪካን ናበይ ከምርሕ ይኽእል?

ትራምፕ ምስ መራሒ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቻይና በቲ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተሰልዓላ ቀረጽ ድሕሪ ምህራማ፡ "ዝዀነ ዓይነት" ኲናት ንምግጣም ድልውቲ ምህላዋ ንኣመሪካ ኣጠንቂቓ።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ኣቑሑት ቻይና ዝያዳ ቀረጽ ድሕሪ ምስልዑ፡ እዘን ካብ ዓለም ብቝጠባ ዝዓበያ ክልተ ሃገራት ናብ 'ንግዳዊ ኲናት' ተቓሪበን ይርከባ፤ ቻይና ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ሕርሻ ኣመሪካ ካብ 10-15 ሚእታዊት ቀረጽ ኣንቢራ።

ኤምባሲ ቻይና፡ ብሰሉስ ንዝወጽአ መግለጺ መንግስቲ ዳግማይ ኣብ ኤክስ ብምልጣፍ፡ "ኣመሪካ ንዂናት ትደልዮ እንተዀይና፡ እንተስ ኲናት ቀረጽ ይዅን፡ እንተስ ንግዳዊ ኲናት ኰነ ካልእ ዓይነት ኲናት፡ ክሳዕ መወዳእታ ክንቃለስ ድሉዋት ኢና፡" ኢሉ።

እዚ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ቻይና ብሓይለ-ቓል ዝሃበቶ መልሰ-ተግባር ኰይኑ፡ ኣብቲ መራሕቲ ንሃገራዊ ባይቶ ህዝቢ ቻይና ኣብ ዝተኣከብሉ ዝተዘርበ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ቻይና ሊ ቺያንግ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ንምክልኻል እትገብሮ ወጻኢታት ኣብዚ ዓመት ብ7.2 ሚእታዊት ከም እተዕብዮ ኣፍሊጡ፡ "ኣብ ዓለም፡ ኣብ ሓደ ክፍለ-ዘመን እኳ ዘይተራእየ ለውጢ፡ ሎሚ ብዝቐልጠፈ ናህሪ ይገሃድ ኣሎ፡" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ። እዚ ወሰኽ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኰይኑ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገልጸ ዝዛመድ እዩ።

መራሕቲ ቻይና ንህዝቦም ኣብ ዘመሓላልፉዎ ዘለዉ መልእኽቲ፡ ዋላ ንግዳዊ ኲናት እንተ ሃለወ'ውን ቍጠባኦም ክዓቢይ ምዃኑ ብርእሰ-ተኣማንነት ንምግላጽ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ቻይና፡ ዘይ ከምታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታት ኢዳ ብምእታው እትኽሰስ ኣመሪካ፡ ርግእትን ሰላማዊትን ሃገር ምዃና ከተርኢ ድሌት ነይሩዋ።

ቻይና ምስተን ብቐረጽ ትራምፕ ዝተሃስያ ከም ካናዳን ሜክሲኮን ዝኣመሰላ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝነበራ ሃገራት ዝምድናኣ ንምዕባይ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ።

ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ትማሊ ረቡዕ ኣብ በይጂን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ቻይና ማዕጾኣ ዝያዳ ብምርሓው፡ ወፍሪ ወጻኢ ዝያዳ ክትስሕብ ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናብ ኲናት ክትኣቱ ድልውቲ ምዃና ኣስሚራትሉ እያ።

ፕረዚደንት ሺ ኣብ ዙርያ እታ ባዕላ እትመሓደር ደሴት ታይዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሰራዊቱ ድልውነቶም ንዂናት ከሐይሉ ጸዊዑ ነይሩ። ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ድልውነትን ናብ ውግእ ናይ ምኻድ ቅርቡነትን ግን ፍልልይ ኣሎ።

ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ብእንግሊዝኛ ዝወጽአ መግለጺ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምጥቃስ፡ ኣመሪካ ብዋሕዚ መድሃኒት ፈንታኒል ንቻይና ምውቃሳ ከሲሱ።

ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ "ጉዳይ ፈንታኒል፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እትዋት ቻይና ቀረጽ ንምውሳኽ ዝዓለመ ድኹም መመኽነይታ'ዩ፡" ኢሉ።

"ምፍርራሕ ኣየፍርሓናን እዩ። ጸርፊ ኣብ ልዕለና ኣይሰርሕን እዩ። ምስ ቻይና ንምግጣም፡ ጸቕጢ፡ ምግዳድ ወይ ምፍርራሕ ቅኑዕ ኣገባብ ኣይኰነን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ርክብ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣካታዕቲ ጉዳያት ሓደ እዩ። እዚ ኣብ ኤክስ ተጻሒፉ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ካቢነ ምኒስተራት ትራምፕ ዝርከቡ ቻይናውያን፡ በይጂን ዝዓበየት ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ቍጠባዊ ስግኣትን ዋሽንግተን ምዃና ከም መርትዖ ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም።

ቻይና ወተሃደራዊ ወጻኢታታ ብልዕሊ 7 ሚእታዊት ከተዕብዮ እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቻይና ወተሃደራዊ ወጻኢታታ ብልዕሊ 7 ሚእታዊት ከተዕብዮ እያ

ሰበስልጣን በይጂን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንፕረዚደንት ቻይና ሺ ኣብ ጽንብል ሽመቱ ምስ ዓደሞ፡ ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ብጽቡቕ ክጅምር ተስፋ ኣንቢሮም ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ቅድሚ ናብ ዋይት ሃውስ ምእታዉ ምስ ሺ ንዝገበሩዎ ናይ ተለፎን ርክብ፡ ጽቡቕ ከም ዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።

ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዳግማይ ብተለፎን ክራኸቡ ምዃኖም ዝገልጽ ጸብጻባት ወጺኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ዛጊት ኣይተራኸቡን።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ህዝቢ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ዓቕሙ ብምጕዳሉ፡ ዕዳጋ ኣባይቲ ለጠቕ ብምባሉን ሽቕለት ኣልቦነት ብምዕባዩን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት እዩ ተጸሚዱ ጸኒሑ።

ቻይና ናብቲ ዝተጐድአ ቍጠባኣ ቢልዮናት ዶላራት ከተፍስስ ቃል ኣትያ ኣላ። መራሕታ ድማ ነቲ ውጥን ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ሃገራዊ ባይቶኦም ኣብ ውሳነ በጺሖም ኣለዉ።

እታ ካብ ዓለም ብወተሃደራዊ ወጻኢታታ ካልኣይቲ ምዃና ዝንገረላ ቻይና፡ ዓመታዊ 254 ቢልዮን ዶላር ትስልዕ። እንተዀነ፡ ካብ ናይ ኣመሪካ ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ።

ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ከም ዝሕብሮ፡ ቻይና ካብ ጠቕላላ ሃገራዊ ምህርቲ (GDP) 1.6 ሚእታዊት ኣብ ወተሃደራዊ ሓይላ ትጥቀመሉ፣ እዚ እውን ካብቲ ኣመሪካ ወይ ሩስያ ዘውጽእኦ ይንእስ።

እንተዀነ፡ ቻይና እቲ ንምክልኻል ኣውጺአዮ እትብሎ፡ ካብቲ ኣብ ግብሪ እተውዕሎ ዝነኣሰ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።