ቻይና፡ ጃክ ማ ድሕሪ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ናብ ዓይኒ ህዝቢ ምምጽኡ እንታይ የመልክት?

ጃክ ማ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ገለ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ንግዲ እታ ሃገርን ዝተኻየደ ርክብ፡ መስራቲ ዓሊባባ ጃክ ማ ኣብቲ መደብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ህንጡይነትን ግምታትን ኣስዒቡ'ሎ።

እቲ ሓደ ካብ ፍሉጣት ሰብ-ዋኒን ዝዀነ ጃክ ማ፡ ኣብ 2020 ንፋይናንሳዊ ጽላት ቻይና ድሕሪ ምንቃፉ ካብ ኵሉ መድረኻት ተኸዊሉ እዩ ጸኒሑ።

ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኻየደ መደብ ምስታፉ ድማ ንዝተፈላለየ ትንታነታት ዓዲሙ።

ክኢላታትን ተንተንትን ድማ ንዕኡ ኰነ ንጽላት ቴክኖሎጂ ቻይና፡ ብፍላይ ድማ ንቝጠባ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ከሰላስሉ ገይሩዎም ኣሎ።

ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ግብረ-መልሲ እወታዊ እዩ ነይሩ፣ ኣክስዮናት ቴክኖሎጂ - ናይ ዓሊባባ ሓዊሱ - ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ንእለቱ ወሲኹ።

እቲ ዓቢይ ትካል ኢ-ኮመርስ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ መወዳእታ ናይቲ መዓልቲ ንግዲ ብልዕሊ 8 ሚእታዊት ወሲኹ።

ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ድማ ብ60 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ስለዚ፡ ጃክ ማ ምስ ከም መስራቲ 'ዲፕሲክ' ሊያንግ ዌንፈንግ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ኣብቲ ዋዕላ ምርኣዩ፡ ተንተንቲ እንታይ እዮም ካብዚ ፍጻመ'ዚ ከንብቡ ዝኽእሉ?

ጃክ ማ ናብ ንቡር ህይወቱ ተመሊሱ ድዩ?

ተንተንቲ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ናይቲ ፍጻመ ኣሳእል ክዝርግሓ ምስ ጀመራ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይቲ ኣኼባ ፍንጪ ክደልዩ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቻይናዊ ተንታኒ ቢል ቢሾፕ፡ "ጃክ ማ ዋላ'ኳ መደረ ኣየስምዕ እምበር፡ ኣብ ቅድሚት መስርዕ ምቕማጡን ምስ ሺ ኢድ ምጭብባጡን ናብ ንቡር ከም ዝተመልሰ ንጹር ምልክታት እዩ፡" ክብል ጽሒፉ።

ጃክ ማ ዳግማይ ናብ ከምዚ ዝኣመሰል ኣጋጣሚታት ምምጽኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብልዑል ቍጽሪ ሞገስ ረኺቡ።

ሓደ ተጠቃሚ ዌይቦ - ቻይናዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "ምምላስ ጃክ ማ ንቝጠባ ቻይና ድርኺት'ዩ፡" ይብል።

ጃክ ማ ናብ ዓይኒ ህዝቢ ምቕልቃሉ፡ ብተዓዘብቲ ብዙሕ ትርጕም እንተ ተዋህቦ ዘገርም ኣይኰነን።

እቲ ኣብ መድረኻት ቴክኖሎጂ ፍሉጥ ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ፋይንናሳዊ ዋዕላ፡ እተን ብመንግስቲ ዝውነና ባንክታት ቻይና "ናይ ስሉጥ መኽሰብ ኣተሓሳስባ" ከም ዘለወንን ርሑቕ ከም ዘይጥምታን ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ "ሕጽረት ምህዞ" ከም ዘለወን ነቒፉ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ከኣ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ ጸኒሑ።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ 34.5 ቢልዮን ዶላ ዝግመት ዝሰርሖ ዝነበረ ዕዳጋ ኣክስዮን ንኽስረዝ ምኽንያት ኰይኑ።

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ቻይና ነቲ ኣዝዩ ደርማስ ዝዀነ ኩባንያን ግሉሕ ዝዀነ ሓሳቡ ብንጹር ዝገልጽ መራሒኡን ንምውራድ ዝገበረቶ ፈተን ገይሩ ተቘጺሩ።

ተንተንቲ፡ ጃክ ማ ኣብቲ ባዕሉ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ዝመርሖ ዋዕላ ምስታፉ ንዕኡ ጽቡቕ ምልክት ምዃኑ ይሰማምዑ።

ሓድ ሓደ ግን፡ ኣብ መንጐ እቶም መደረ ዘስምዑ ብዘይምንባሩ፡ ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ 2020 ዝነበሮ ከም ዘይተመልሰ ዘርኢ እዩ ይብሉ።

ማዕከናት ዜና ቻይና ንተሳትፎኡ ኣመልኪተን ሽፋን ዘይምግባረን፡ ነዚ ዳሕረዋይ ነጥቢ ዘራጕድ ምዃኑ ዝገልጹ'ውን ኣለዉ።

ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ቴክ ክግበር ዝጸንሐ ጸቕጢ ተላዒሉ ድዩ?

ሺ ጂንፒንግ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቻይና "ግዝያዊ" ከምኡ'ውን "ከባብያዊ" ክብል ዝገለጾ ቍጠባዊ ብድሆታት እኳ እንተ'ለዋ፡ ኵባንያታቶም፡ ምህዞታት ከተኣታትዋ፡ ክዓብያን ርእሰ-ተኣማንነት ክህልወንን ከም ዘለወን ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ውልቃውያን ሰብ ዋኒንን ዋኒናትን ምሉእ ብምሉእ ክእለቶም ንኸንጸባርቑ ልክዕ ግዜኡ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ዘረባኡ ድማ ንግላውያን ትካላት ቴክኖሎጂ፡ መንግስቲ'ውን ናብ ጽቡቕ መንገዲ ተመሊሱ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ ኢሎም ዝወስዱዎ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ጃክ ማ ዝተወስደ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ቻይና ዓቢይ ውድቀት'ዩ ነይሩ።

ኩባንያታት ኣብ ድሕነት 'ዳታ'ን ሕጊ ውድድርን ቍጽጽር በዚሑወን። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ ድጂታላዊ ንብረታት ምቍጽጻር ከጋጥመን ጀሚሩ።

ካልኦት ኵባንያታት ግሊ፡ ከም ትምህርቲን ህንጻን ዝኣመሰላ ዒላማ ብምዃን፡ ኣብቲ "ሓባራዊ ብልጽግና" ተባሂሉ ዝፍለጥ ወፍሪ ከም ዝኣትዋ ኰይነን።

ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ገለ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ንግዲ እታ ሃገርን ዝተኻየደ ርክብ

ምንጪ ስእሊ, Xinhua

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ገለ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ንግዲ እታ ሃገርን ዝተኻየደ ርክብ

እዚ ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ነቶም ቢልዮነራት ወነንቲ ዓበይቲ ኩባንያታት ቻይና ንምግታእ ዝሕግዝ መንገዲ ኰይኑ፡ ኣብ ዋጋ ገለ ኩባንያታት፡ ብፍላይ ድማ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት፡ ብቢልዮናት ዝቝጸር ዶላራት ጠፊኡ።

እዚ ድማ ንኣህጉራውያን ኣውፈርቲ ኣሻቒሉዎም።

እዚ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ከምኡ'ውን ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተደማሚሩ ቍጠባዊ ኵነታት ቻይና ርኡይ ለውጢ ከምጽእ ኣበርክቶ ገይሩ።

ቍጠባዊ ዕብየት ዛሕቲሉ፡ ንመንእሰያት ዝኸውን ዕዮ ውሒዱ፡ ሰባት ካብ ምሕንሻሽ ይድረቱ ኣለዉ።

ጃክ ማ ኣብቲ ናይ ሰኑይ ዋዕላ ከም ዝሳተፍ ምስ ተወርየ፡ ባና ተስፋ ክርአ ጀሚሩ።

ብዘይካ ጃክ ማ ከምኡ'ውን ሊያንግ፡ ስሙያት ሰባት ካብ ሁዋዌ፡ ኤለክትሪክ-ተሽከርከርቲ (EV)፡ ትካል ቢዋይዲን [BYD] ካልኦትን ተሳቲፎም።