ቻይና ኣንጻር ቀረጽ ኣመሪካ ትወስዶ ዘላ ሓሙሽተ ስጕምትታት

ወደብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ነቲ ብኣመሪካ ዝተሰልዓላ ቀረጽ ግብረ-መልሲ ብምሃባ፡ ኣብ መንጐ እዘን ብቝጠባ ዝዓበያ ሃገራት ዝጸንሐ ንግዳዊ 'ኲናት' ይጋደድ ኣሎ።

ቻይና፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያት 10 ሚእታዊት ቀረጽ ድሕሪ ምስልዑ፡ ሕነኣ ንምፍዳይ ንዝተወሰኑ ኣቑሑት ኣመሪካ ዒላማ ገይራ ቀረጽ ከተንብረሉ ነቒላ ኣላ።

ብሓደ ወገኑ፡ እዚ 'ኣድጊ ንዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ' ኣካይዳ ሓድሽ ኣይኰነን፣ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ውግእ እዩ። ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ቀረጽ ተገይሩን ቍጠባዊ ምትእስሳረን ኣብ ሓደጋ ወዲቑን።

ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ክዘራረብ መደብ ከም ዘለዎን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉን ገሊጹ።

ቻይና ከምቲ ወጢናቶ ዘላ ኣብ 10 ለካቲት ግብረ-መልሲ እንተ ሂባኸ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ እዩ?

ከሰል፡ ነዳድን ጋዝን

ከሰል ዝጽዕና መካይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ካብቲ ቻይና ክትገብሮ እትኽእል፡ ኣብ ልዕሊ ከሰልን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ኣመሪካ 10 ሚእታዊት፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ዘይተጻረየ ነዳዲ 15 ሚእታዊት ቀረጽ ከም እትስልዕ ምእዋጅ እዩ።

እተን ካብ ኣመሪካ ቅራይ ነዳዲ ከእትዋ ዝደልያ ኩባንያታት ዝተሰልዓለን ቀረጽ ክኸፍላ ክግደዳ እየን።

እታ ከሰል ናብ ሃገራ ብምእታው ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ዝዀነት ቻይና፡ ኣብዝሓ ጠለባታ ካብ እንዶነዥያ ትረኽቦ እኳ እንተዀነት፡ ሩስያ፡ ኣውስትራልያን መንጎልያን እውን ካብተን ንጠለባታ ዝመልኣ እየን።

ቻይና ካብ ኣመሪካ እተእትዎ ከሰልን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ክውስኽ ጸኒሑ እዩ፣ ካብቲ ኣብ 2018 ዝነበረ ዳርጋ ብዕጽፊ ከም ዝዓበየ ኣሃዛዊ መጽናዕቲ ጉምሩክ ቻይና ይሕብር።

ይዅን'ምበር፡ ብሓፈሻኡ ንግዲ ቅራይ ነዳዲ እዘን ሃገራት ትሑት እዩ። ቻይና ኣብ 2023 ካብ ኣመሪካ ዘእተወቶ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ 1.7 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ። እዚ ዘመልክቶ፡ ቻይና ኣብ ኣመሪካ ስለ ዘይትምርኰስ፡ ጽልዋ እቲ ቀረጽ ኣብ ቍጠባኣ ንኡስ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ክኢላ ንግድን ዋና ኣካያዲት ማእከል ቍጠባዊ ድሕነትን ምርምርን ዝዀነት ረበካ ሃርዲንግ፡ ሩስያ ወጻኢታት ኲናት ንምምላእ ኣብ ትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ እታ ነዳዲ ብሕሱር ካብ ሩስያ ክትገዝእ ዝጸንሐት ቻይና፡ ዝያዳ ቀረብ ክትረክብ ትኽእል እያ ትብል።

ብኣንጻሩ'ውን፡ እታ ብሰደድ ከሰልን ዘይተጻረየ ነዳድን ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ዝዀነት ኣመሪካ፡ ብዙሓት ካልኦት ዓማዊል ኣለዋኣ - ብፍላይ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን።

ማሽነሪታት ሕርሻ፡ ፒክኣፕን ዓበይቲ መካይንን

ቻይና፡ ከምቲ ኣብ ነዳዲ፡ ኣብ ማሽነሪታት ሕርሻ፡ ፒክኣፕን ዓበይቲ መካይንን 10 ሚእታዊት ቀረጽ ብምስላዕ መልሰ-ተግባር ሂባ ኣላ።

ቻይና ኣምጻኢት ናይ ኣመሪካ ፒክኣፕ ኣይኰነትን። መብዝሕትአን መካይና ካብ ኤውሮጳን ጃፓንን እያ እተእትወን። ስለዝዀነ፡ ብዓንተቦኡ'ውን ውሑድ ዝቝጽረን መካይን ካብ ኣመሪካ ስለ እትገዝእ፡ እቲ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ንተጠቀምቲ ዝሃስዮም ኣይኰነን።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት፡ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ንምውሓድን ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ኣፍራይነት ንምዕባይ ኣብ ማሽነሪታት ሕርሻ ልዑል ወፍሪ እያ ኣካዪዳ።

ስለዚ፡ እዚ ብኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሕርሻዊ ማሽነሪታት ዝተሰልዓላ ቀረጽ፡ ዘቤታዊ ኢንዱስትሪኣ ንምዕባይ ተወሳኺ ድፍኢት ክዀና ይኽእል እዩ።

ኣብ ትካል ሞያዊ-ምኽሪ ርእሰ-ማላዊ ቍጠባ ሓላፊ ምጣነ-ሃብቲ ቻይና ጁልያን ኢቫንስ-ፕሪትቻርድ፡ ኵሎም ዝተወስዱ ስጕምትታት ቀረጽ፡ "ምስ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምትታት ክነጻጸሩ ከለዉ ብመጠኑ ልኡማት እዮም፡" ይብል።

እቲ ቻይና ዒላማ ዝገበረቶ ኣቑሑት ክሳዕ 20 ቢልዮን ዶላር ንዓመት ከም ዝግመት ይእምት። እዚ ኣሃዝ ድማ 12 ሚእታዊት ካብቲ ጠቕላላ ቻይና ካብ ኣመሪካ እተእትዎ እዩ።

"እዚ ድማ ካብቲ ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረቶ ልዕሊ 450 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣቑሑት ቻይና ኣዝዩ ዝርሓቐ እዩ።"

ቻይና፡ ብዙሕ ጕድኣት ከየስዓበት፡ ናብ ኣመሪካን ህዝባን ብጥንቃቐ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ትፍትን ከም ዘላ ድማ ይገልጽ።

መርመራ ጉግል

ትካል ጕግል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰብመዚ ቻይና፡ ካብ ቀረጽ ወጻኢ ዝውሰዱ ካልኦት ስጕምትታት'ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካዊ ትካል ቴክኖሎጂ ጉግል ዝካየድ መርመራ ጸረ ዕብለላ ሓደ ካብዚ እዩ።

እቲ መርመራ እንታይ ከም ዘጠቓልል ንጹር ኣይኰነን ዘሎ። ጉግል ካብ 2010 ኣትሒዙ ኣብ ቻይና ካብ ኣገልግሎት ተኣጊዱ እዩ።

እቲ ኩባንያ፡ መተግበሪታትን ጸወታታት (ጌምስ)ን ንቻይናውያን ክኢላታት ብምቕራብ፡ ንግዳዊ ህላወኡ ኣብ ቻይና ብመጠኑ ይቕጽሎ ኣሎ።

ይዅን እምበር ቻይና፡ ካብ ጠቕላላ መሸጣ ጉግል ኣስታት 1 ሚእታዊት ጥራሕ ስለ እትሕዝ፡ እቲ ንግዳዊ ምትእስሳር እንተ ተበትከ'ውን ዘውርዶ ከቢድ ሳዕቤን የሎን።

ካልቪን ክላይን ኣብ ዝርዝር "ዘይእሙናት ኣካላት" ይርቋሕ

ስረታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ነቲ ካልቪን ክላይን ከምኡ'ውን ቶሚ ሂልፊገርን ዝበሃሉ ምልክታት ንግዲ (ብራንድታት) ዝውንን ኣመሪካዊ ኩባንያ PVH፡ ኣብ ዝርዝር "ዘይእሙናት ኣካላት" ጸሪሓቶ። ኣብ ልዕሊ ትካላት ንግዲ ቻይና ድማ ዘይፍትሓዊ ኣድልዎ ኣካዪዱ ብምባል ትኸሶ።

እቲ ካልኦት ኣመሪካውያን ትካላት'ውን ዝሓወሰ ዝርዝር፡ ቻይና ንግዳዊ ወጥሪ ከሪርሉ ኣብ ዝነበረ ዓመተ 2020 እያ ኣዳልያቶ።

ካልቪን ክላይንን ቶሚ ሂልፊገርን ኣብቲ ዝርዝር ምእታዎም፡ ኣብታ ሃገር ንጥፈታት ንግዲ ንምክያድ ኣዝዩ ከጸግሞም እዩ። መቕጻዕቲ ዝተሓወሶ እገዳ'ውን ከጋጥሞም፣ ከምኡ'ውን፡ ዜጋታት ወጻኢ ዝዀኑ ሰራሕተኛታቶም ቪዛኦም ክስረዝ ይኽእል።

ኣንድያስ ሾተር - መምህር ኣህጉራዊ ንግዲ ኣብ ዌስተርን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኦንታርዮ ካናዳ - ተቘጻጸርቲ ናብተን ትካላት ብምኻድ ንስርሓተን ክምርምሩ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣመሪካ ናይ ገዛእ ርእሳ "ዝርዝር ኣካላት" ኣለዋ። እዚ ድማ ዝተወሰና ትካላት ካብ ዋሽንግተን ፍቓድ ከይረኸባ ካብ ኩባንያታት ኣመሪካ ፍርያት ከይገዝኣ ይኽልክል።

ሾተር ወሲኹ፡ "ቻይና ከምቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ንኹባንያታት ቻይና ዝወቕሰን ዘሎ፡ ብተመሳሳሊ እያ ግብረ-መልሲ ትህብ ዘላ። እዚ ድማ ከም ኣካል ናይቲ ብኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ምልሕላሕ ቍጠባዊ ምትእስሳር ናይዘን ክልተአን ሃገራት እዩ፡" ይብል።

ኣብ ገለ ንጥረ-ነገራት ዝግበር ቍጽጽር ሰደድ

ኣብ ልዕሊ እተን ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣቑሑት ከእትዋ ዝደልያ ኩባንያታት ቀረጽ ክግበር እንከሎ፡ ቻይና ድማ ኣብ ልዕሊ 25 ፍሉያት ንጥረ-ነገራት (ሓጻውን) ቍጽጽር ሰደድ ኣንቢራ ኣላ።

ገለ ካብቶም ንጥረ-ነገራት ንብዙሓት ፍርያት ኤለክትሪክን ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ወሰንቲ ዝዀኑ እዮም።

ቻይና ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ንጥረ-ነገራት ንምጽራይ ብግቡእ መሊኻቶ ኣላ፣ ዳርጋ 90 ሚእታዊት ብድረጃ ዓለም ንዝፈርዩ ድማ ካብኣ ዝተረኽቡ እዮም።

ታንግስተን ሓደ ካብቶም ዝተዘርዘሩ ንጥረ-ነገራት ኰይኑ፡ ንምርካቡ ኣጸጋምን ኣብ ኢንዱስትሪ 'ኤሮስፔስ' ድማ ወሳንን እዩ።

ኣብ ሰደድ ገደባት እኳ እንተ'ለዉ፡ እቶም ቻይና ካብ ኣመሪካ እተእትዎም ወሰንድቲ ንጥረ-ነገራት ከም ንዝተራቐቑ 'ቺፕስ'፡ 'ሰሚኮንዳክተር' ማሺነሪታት፡ መድሃኒታትን ናይ 'ኤሮስፔስ' መሳርሒታትን ንምስራሕ ዝውዕሉ ነገራት ኣብ ዝርዝር ገደብ ዘይምእታዎም፡ ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ ኢቫንስ-ፕሪትቻርድ ይገልጽ።

ተመኵሮ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ገደባት ከም ዘመልክቶ፡ ኩባንያታት ፍቓድ ንምርካብ ኣብ ዝጓየያሉ፡ እቲ መስርሕ ሓያሎ ሰሙናት ስለ ዝወስድ፡ ሰደድ ክጐድል እዩ።

ኣመሪካ ነቲ ቻይና ከተንብሮ እትኽእል ገደብ ዝተዳለወትሉ ትመስል። ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩክረይን ኣምሳያ ናይቲ ኣንጻር ሩስያ ንምግጣም ዝወሃባ 300 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ፡ ፍሉያት ንጥረ-ነገራት ንኽትቅርብ ውሕስነት ክትህብ ከም ዝደሊ ገሊጹ።