ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኤውሮጳ ቀረጽ ከም ዝስልዕ ገሊጹ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ንብረታት (ሸቐጣት) ቀረጽ ከም ዝስልዕ ኣፍሊጡ። ትራምፕ ጽባሕ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ካናዳ፡ ሜክሲኮን ቻይናን ኣካታዒ ቀረጽ ኣብ ዘንበረሉ እዩ ነዚ ውሳነ እዚ ዘፍለጠ።

"ተጠቒሞምልና እዮም። መካይንና ኣይወስዱን፣ፍርያት ሕርሻና ኣይወስዱን። ዋላ ሓደ ኣይወስዱን። ንሕና ግና ካብ ሚልየናት መካይን ጀሚሩ ሰፊሕ መግብን ፍርያታት ሕርሻን ኢና ንወስድ፡" ብምባል፡ መንግስቱ ኣብ ልዕሊ ሸቐጣት ሕብረት ኣውሮጳ "ኣብ ቀረባ እዋን" ቀረጽ ከም ዘንብር ሓቢሩ።

"ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ነፍስ-ወከፈን ንኣመርካ ኣብ ንግዳዊ ርክባት ተበሊጸናላ እየን። ዳርጋ ብሕድሕድ ሃገር ክሳራ (ልዕሊ እቲ ሰደድ ዝግበር ኣታዊ ዝኸውን ሸቐጣት) ኣጋጢሙና ኣሎ። ኵለን ሃገራት ኣይኰናን፣ ግና ዳርጋ ብዅለን። ነዚ ድማ ክንቅይሮ ኢና፣ ፍትሓዊ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

እዞም ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንብሮም ቀረጻት ንዓባይ ብሪጣንያ ዝሕውስ እንተዀይኑ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ዶናልድ ትራምፕ፡ እታ ሃገር "ዘይምኽንያታዊት እያ" (ኣብ ጉዳይ ንግዲ ምስ ኣመሪካ ዘይቃደው ስጕምትታት ወሲዳ) ይብል። እንተዀነ፡ ዘለዎም ፍልልይ ምስቲ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎም ዝገለጾ ቀዳማይ ምኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ከር ስታርመር ብምልዛብ ክፍትሑ ከም ዝኽእሉ ተተስፍዩ።

ትራምፕ ሎሚ ሰኑይ ምስ መራሕቲ ካናዳን ሜክሲኮን ከም ዝዘራረብ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ካናዳን ሜክሲኮን 25 ሚእታዊት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝጸዓኖም 10 ሚእታዊት ቀረጽ ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ካናዳን ሜክሲኮን እቲ ፕረዝደንት ኣብ ልዕሊአን ብዘንበሮ ቀረጽ፡ ዓጸፋዊ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ ከም ዝወስዳ ዘፍለጣ ኰይነን፡ ቻይና ድማ እዚ ጉዳይ ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ብምውሳድ ከም ትኸስስ ገሊጻ።

ትራምፕ፡ ምስ ሜክሲኮ "ጽብቕ ልዝብ" ከም ዝገበሩ ብምሕባር፡ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ኣመርካ ንዝኣትዉ ስደተኛታትን ፈንታኔልን እንተ ዘይገቲኡ፡ "ዝሓሰመ ቀረጽ" ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝስልዕ ኣጠንቂቑ።

"ብሜክሲኮን ካናዳን ኣቢሎም ሚልየናት ሰባት ናብ ሃገርና ይውሕዙ ኣለዉ። ነዚ ድማ ኣይክነፈቅድን፡" ኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ እብረ ናብ ዋይት ሃውስ ብምምላስ፡ መሻርኽቲ ንግዲ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ዝዀና ሃገራት ካናዳ፡ ሜክሲኮ፡ ቻይና፡ ከምኡ'ውን ሕብረት ኣውሮጳ ቀረጽ ኣብ ዘንብረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስትር ጉዳይ ወጻኢ አመርካ ማርኮ ሩቢዮ ድማ ኣብ ካልእ ምስ ንግዲ ዝዛመድ ወጠጥ ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ትራምፕ ካብ ዝሽየም ፈላማይ ምብጻሕ ዝገበረ ሩቢዮ፡ ነታ ኣብ ማእከል አመርካ ትርከብ ሃገር ፓናማ፡ ኣብቲ ቀንዲ መስመር ዝዀነ መትረብ ፓናማ ዘሎ ኣሰራርሓ "ቅልጡፍ ለውጥታት" እንተ ዘይገይራ ኣመሪካ ስጕምቲ ከም ትወስድ ኣጠንቂቑ። ፓናማ ነቲ አመርካ ምሉእ ቍጽጽር እቲ መትረብ ክህልዋ ዝፈቅድ ውዕል ብምጥሓስ ድማ ከሲሱ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቻይና ንመትረብ ፓናማ ተካይዶ ከም ዘላን ፓናማ ንዘይሻራውነት ዝኣተወቶ ቃል ከም ዝዓጸፈትን ይኸስስ። ቤንዢንግን ፓናማን ግና ንኽሲ እቲ ፕረዝደንት ይነጽግኦ። እንተዀነ ትራምፕ፡ ነቲ መትረብ ብሓይሊ ንምውሳድ ተሓንዩ እዩ።

አመርካ፡ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ሓላፍነት ህንጸት እዚ መትረብ ምስ ወሰደትን ንዓሰርተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተን ብ1999 [ኣ.ኤ] እቲ መትረብ ምሉእ ንምሉእ ንፓናማ ኣረኪባታ።

ትራምፕ፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ብምግላጽ፡ እቲ መትረብ ክምለስ ከም ዝደሊ ይገልጽ ኣሎ።

እቲ መትረብ ካብ ዘተኣናግዶ ጠቕላላ ኣገልግሎት ጽዕነት፡ ዝበዝሐ ናይ አመርካ ኰይኑ፡ 72 ሚእታዊት ይሽፍን።

ቻይና ኣብ ፓናማ ገዚፍ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣለዋ።

ብመሰረት ብዓልመዚ መትረብ ፓናማ ድማ ጽዕነት ቻይና ኣስታት 22 ሚእታዊት ጥራይ ከም ዝዀነ የመልክት።