ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳን ሜክሲኮን ሓድሽ ቀረፅ ኣንቢሩ፡ እንታይ ከስዕብ እዩ?

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዝደንት አመርካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዓበይቲ መሻርኽቲ ንግዲ ዋሽንግተን ካብ ዝኾና ሰለስተ ሃገራት- ቻይና፣ ሜክሲኮን ካናዳን ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ንብረታት (ሸቐጣት) ሓድሽ ቀረፅ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳን ሜክሲኮን 25 ሚእታዊት፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ድማ 10 ሚእታዊት ቀረፅ ከም ዘንበረን ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውንን ገሊፁ።

ፀዓት ካናዳ ድማ ዝተሓተ 10 ሚእታዊት ቀረፅ ተነቢርዎ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ እተን ሃገራት ንዘሻቕልዎ ጉዳያት ዘይሕጋዊ ስደትን ምስግጋር መዐወኒ ዕፀፋርስን እንተዘይፈቲሐን፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስቲአን ሃገራት ቀረፅ ከም ዘንብር ከፈራርሕ እዩ ፀኒሑ።

ካናዳን ሜክሲኮን፡ ኣብ ልዕሊ ንብረታት (ሸቐጣት) አመርካ ሕነ ዝፈድያሉ ቀረፃት ንምግባር ይዳለዋ ከም ዘለዋ ገሊፀን።

ትራምፕ እዘን ሃገራት እንተድኣ ሕነ-ፈድየን፡ እቲ ግብሪ ክብ ንምባል ድሉው ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።

ቻይና፣ ሜክሲኮን ካናዳን ብሓበራ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ አመርካ ካብ ዝኣወተዉ ሸቐጣት 40 ሚእታዊት ይሕዛ።

ዋይትሃውስ ብቀዳም ብመገዲ ኤክስ ዘውፅኦ መግለፂ፡ "ናይ ሎሚ መዓልቲ ቀረፅ ንቻይና፣ ሜክሲኮን ካናዳን ናብ አሜርካ ንዝኣትው ውሑጅ መዐወኒ ዕፃት ንምግታእ ዝኣተውኦ ቃል ተሓተትቲ ንምግባር ኣገዳሲ እዩ" ይብል።

ትራምፕ ብማሕበራዊ መራኸቢኡ ትሩዝ ኣቢሉ፡ እዚ ስጉምቲ "ብሕጊ ዓለማዊ ናይ ህፁፅ እዋን ሓይልታት ቁጠባ'ዩ ተወሲኑ። ምኽንያቱ ዘይሕጋውያን ወፃእተኛታት ሓዊሱ፡ ንዜጋታትና ዝቐትሉ መድሓኒታት ስለ ዝኣትዉ እዩ" ኢሉ።

እዚ ስጉምቲ፡ ንቁጠባ አመርካ ዘጐልብት፣ ንአመርካውያን ዕድል ስራሕ ዘስፍሕን ካብ ቀረፅ ዝርከብ እቶት ክብ ዘብልን እዩ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ "ኣብዚ ክንከውን ኣይንደልን ነይርና፣ ነዚ'ውን ኣይሓተትናን። ንረብሓ ካናዳውያን ደው ካብ ምባል ግና ንድሕሪት ኣይንብልን" ብምባል፡ ዓፀፋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ገሊፁ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዚ ድማ መንግስቱ፡ 155 ቢልየን ዳላር ኣብ ልዕሊ ዘውፅኡ ንብረታት አመርካ 25 ሚእታዊት ቀረፅ ከም ዘንበር ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ 30 ቢልየን ዳላር ዝግመት ንብረት አመርካ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ቀረፅ ከም ዘኽፍልን፡ ኣብቲ ዝተረፈ 125 ቢልየን ዳላር ዘውፅእ ንብረት አመርካ ከኣ፡ ኣብ ዝቕፅሉ 21 መዓልታት ቀረፅ ከም ዘንብር ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

ቢራ አሜርካ፣ ወይኒ፣ ዊስኪ ዕፉን፣ ፍረምረን ፅሟቓት ፍረምረን፣ ኣሕምልቲ፣ ሽቶታት፣ ክዳውንት ሳእንታትን፣ ናይ ገዛ ኣቑሑት፣ ናይ ስፖርት ንብረታት፣ ጣውላን ፕላስቲክን በዚ ቀረፅ ዒላማ ካብ ዝኾኑ ሸቐጣት አመርካ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ትሩዶ፡ ዶብ ካናዳ ንአመርካ ስግኣት እዩ ንዝብል ክሲ ብምንፃግ፡ ብካናዳ ኣቢሉ ናብ አመርካ ዝኣትው ፌንታኔል ካብ ሓደ ሚእታዊት ዝነኣሰ እዩ ኢሉ።

ፕረዝደንት ሜክሲኮ ክላውድያ ሸንቡም ድማ፡ መንግስቲ ሜክሲኮ ምስ ገበነኛታት ትካላት ሽርክና ኣለዎ ንዝብል ክሲ ዋይት ሃውስ "ጠቐነ'ዩ" ኢላ።

እታ ፕረዝደንት፡ ሚንስትር ቁጠባ እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ አመርካ ቀረፅ ብምንባር ብካልኦት ስጉምትታን ግብረመልሲ ክህብ ኣዚዛ።

ኣብ ልዕሊ ሸቐጣት (ንብረታት) አመርካ 25 ሚእታዊት ቀረፅ ክተንብር ትፅቢት ይግበር።

ቻይና ብወገና፡ ነዚ ስጉምቲ ኣትሪራ ከም ትቃወሞ ብምግላፅ ብዓለምለኻዊ ትካል ንግዲ ኣቢላ ንአመርካ ከም ትኸስስ ኣፍሊጣ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ዲንግ ዡዌዢንግ፡ ሃገሩ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ንግዳዊ ውጥረት ንምግታእ ክልትኣዊ መፍትሒ ተናድይ ከምዝነበረት ተዛሪቡ።

ካናዳ፣ ሜክሲኮን አመርካን ዝተወሃሃደ ቁጠባ ዘለወን እንትኾን፡ ብዶባተን መዓልታዊ ክልተ ቢልየን ዳላር ዝግመት ልውውጥ ኣቑሑት ይገብራ።

ንስጉምቲ ትራምፕ ስዒቡ ሃገራት ነንሕድሕደን ዝወስድኦ ሕነ ናይ ምፍዳይ ቀረፃት ናህሪ ዋጋታት ሰማይ ከዕርጎ ከም ዝኽእል ሰብሞያ ቁጠባ ይገልፁ።