ቀረጽ ትራምፕ ንግዚኡ ደው ኢሉ፣ መን ስዒሩ- ሜክሲኮ፡ ካናዳ?

ፕረዚደንት ሜክሲኮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ጐረባብቲ ኣመሪካ ዝዀና ካናዳን ሜክሲኮን ዘንበሮ ቀረጽ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ኣፈራሪሑ ምንባሩ ይዝከር።

ትማሊ፡ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ዝገበሮ ዘተ ግን፡ እዚ ከቢድ ቀረጽ ን30 መዓልታት ደው ኣቢልዎ ኣሎ።

ኣብ ዶባትን ምኽባር ገበንን ዝግበር ሕድገታት ከም ዓወት ከልዕሎ ይኽእል።

ቀዳማይ ምኒስተር ጀስቲን ትሩዶን ሜክሲኮኣዊት ክላውድያ ሸንባምን'ውን ፖለቲካዊ ዓወት ኣመዝጊብና ኢና ክብሉ ይኽእሉ'ዮም።

ሕጂ፡ ንግዚኡ'ውን እንተዀነ እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ክንዮኡን ቍጠባዊ ስንባደ ክፈጥር ዝኽእል ንግዳዊ ኲናት ተቛሪጹ ኣሎ።

ስለዚ መጀመርታ መን ኣጥቂዑ፡ ድሕሪኡኸከ እንታይ'ዩ ክኸውን?

መስመር

ምፍርራሕ ትራምፕ ፍረ ዘምጽአ ይመስል

ብኮርትኒ ሱብራማኒያን፡ ቢቢሲ ኒውስ፡ ዋሽንግተን ዲሲ

ካናዳ፡ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ እያ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘንበሮ ልዑል ክሳራ ከምጽእ ዝኽእል ምፍጣጥ፡ ጸቕጢ ፈጢሩ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ክልቲአን ዝያዳ ጽኑዕ ድሕነት ዶባት ክገብራን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ፈንታኒል ንምፍታሕ ዝዓበየ ስጕምትታት ክወስዳን ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ቍጠባ ኣመሪካ፡ ከም መዋገዪ ተጠቒምካ ካልኦት ሃገራት ሕድገታት ንኽገብራ ንምግዳድ ዝዓለመ ስትራተጂ፡ እቲ "ቀዳምነት ንኣመሪካ" ዝብል ኣጀንዳ ትራምፕ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ኣመሪካውያን ተጠቀምቲ ቍጠባዊ ሳዕቤናት ኣህጉራዊ ንግዳዊ ኲናት ከይተሰምዖም ኣብ ቀንዲ ዘቤታዊ ጕዳያት ከተኵሮ ይሕግዞም።

ትራምፕ፡ ቀረጽ ከም መዋገዪ ክጥቀም እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይኰነን።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ሜክሲኮ፡ ካናዳን ሕብረት ኣውሮጳን ዝኣቱ ፍርያት ሓጺንን ኣሉሚንየምን ቀረጽ ኣንቢሩ ነይሩ።

ክኢላታት ስነ-ቍጠባ ግን እቶም ስጕምትታት ብዓቐን ዝያዳ ድሩታት ከም ዝነበሩ ይዛረቡ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ትራምፕ ካብ ሜክሲኮን ካናዳን ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ኣቝሑ ብኣልማማ'ዩ ቀረጽ ኣንቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝኣወጆ ቀረጽ 10 ሚእታዊት ሕጂ'ውን ኣብ ቦታኡ ኣሎ።

ትራምፕ፡ ምስ ካናዳን ሜክሲኮን ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ ነቲ ውሳነኡ ን30 መዓልታት ደዉ ከብሎ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ክቕጽሎ ድዩ ዝብል ንጹር ኣይኰነን።

እዚ ዘይርጕጽነት፡ ትካላት ንግዲ ኣብ ዕዳጋታት ኣመሪካ ዘለዎም ጽግዕተኛነት ከጕድላ፡ ክሳብ እቲ ንግዳዊ ምትፍናን ዝያዳ ግልጺ ዝኸውን፡ ሓደስቲ ፋብሪካታት ኣብ ምህናጽ ወፍሪ ወይ ሰራሕተኛታት ምቝጻር ክዓግታኦ ይኽእላ።

ትሩዶ፡ ግዝያዊ ምቍራጽ ወጠጥ ንግዲ መሪጹ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጀሲካ መርፊ፡ ቢቢሲ ኒውስ፡ ቶሮንቶ

እዚ ዝህንደድ ዝነበረ ኲናት ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ን30 መዓልታት ደው ምባሉ፡ ኣብ ፖለቲከኛታትን ነጋዶን ካናዳ ልዑል ሩፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ስግኣት ቀረጽ መሊኡ ኣይጠፍአን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ግን ኣብቲ ኣዕናዊ ንግዳዊ ኲናት ግዝያዊ ዕርቂ ክመጽእ ብምግባር፡ ፖለቲካዊ ዓወት ረኺበ እየ ክብል ይኽእ፤ ክብል ይኽእል እዩ።

ፖለቲከኛታት ካናዳ፡ ትራምፕ ብልክዕ እንታይ ከም ዘዕግቦ ንምፍላጥ ላሕ ክብሉ'ዮም ቀንዮም።

እንተዀነ፡ ዘቤታዊ ፖለቲካ እታ እዚ ኵነታት ብውሽጣዊ ፖለቲካ ኣይሓገዘን።

ትሩዶ ኣብ ስልጣን ዝተረፋኦ ናይ መወዳእታ ሰሙናት ውጽኢታዊ ዘይኰነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ'ዩ ዘሕልፈን ዘሎ።

እቶም ትማሊ፡ ኣብ ዶባት ዝተኣወጁ ስጕምቲታት ጸጥራ ዶባት ሓደሽቲ ኣይኰኑን።

ኣብ ታሕሳስ፡ ካናዳ ንግዲ ፈንታኒል ንምዝራግ ዝግበር ጻዕርታት፡ ንኣኽበርቲ ሕጊ ሓድሽ መሳርሒታትን ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ዝዓበየ ምውህሃድን ዘጠቓለለ ስጕምትታት ንምሕጋዝ ዝውሕል 900 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰልዐት ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስለያን ክትትልን ካናዳ ከምኡ'ውን ክልተ ሄሊኮፕተራትን ክዀላ ጀሚረን እየን።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ንሻቕሎት ዶባት ትራምፕ ብዕቱብ ይወስድዎ ከም ዘለው ንምርግጋጽ ንሰሙናት ነቶም ጻዕርታት እናልዓሉ ክዛረቡ'ዮም ቀንዮም።

ንውዱብ ገበንን ፈንታኒልን ንምምካት ድማ 200 ሚልዮን ካናዳ ዶላር ዝግመት ስለያዊ መምርሒ ኣመሓላሊፎም።

ሕጂ፡ እቲ ኣብ መንጐ እዘን መሓዙት ሃገራት ዝጸንሐ ሽርክነት ብሰንኪ ቍጠባዊ ስግኣታት ትራምፕ ነውጺ ኣትዩዎ ኣሎ።

ሓደ ከይተመለሰ ዝተረፈ ሕቶ እዚ ንመጻኢ ዝምድና ካናዳን ኣመሪካን እንታይ ማለት እዩ ዝብል እዩ።

ሜክሲካዊት ሸይንባም ንነብሳ ግዜ ትገዝእ

ብዊል ግራንት፡ ወኪል ቢቢሲ ማእከላይ ኣመሪካን ኩባን፡ ሜክሲኮ

ኣብ ውሽጢ እዚ ንግዳዊ ቅልውላው፡ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ክላውድያ ሸንባም፡ "ንረጋጋእ" ከምኡ'ውን "ንህዳእ" ክትብል እያ ጸኒሓ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑ ሜክሲኮ ዝተነብረ ቀረጽ 25 ሚእታዊት ከም ዘይትግበር ርግጸኛ ምዃና ገሊጻ ነይራ።

ትማሊ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ደሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ ስልኪ፡ ከምኡ ድማ ኰይኑ።

ድሕሪኡ ነቲ ዝበጽሑዎ ስምምዕ ወግዓዊ ገይራ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ገጻ ዝነበረ ፍሽኽታ ክትሓብኦ ዳርጋ ኣይከኣለትን።

ደገፍታ ድማ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ከመይ ጌርካ ከም እትዛተ መርኣያ እያ ክብሉ ንኢዶምዋ።

እወ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ፈንታኒል ንምቍጽጻር ናብ ዶብ ሰራዊት ሃገራዊ ሓለዋ ክትሰድድ ተሰማሚዓ እያ፤

እቲ ዘገድስ ግን፡ ካብ ትራምፕ ዝደለየቶ ዘውሓሰቶ ምዃና እዩ።

እቲ ቀረጽ ንግዚኡ'ውን እንተዀነ ደው ኢሉ ኣሎ።

ካብዚ ብዝሰገረ ግን፡ ትራምፕ፡ ካብ ኣመሪካ ናብ ሜክሲኮ ዝግበር ምዝውዋር ኣጽዋር ንምምካት ቍጽጽር ንኽትገብር "ቃል ክኣቱ" ገይራቶ እያ።

ንርእሳ ግን ካልእ ኣገዳሲ ነገር'ውን ከሲባ ኣላ፤ ግዜ።

እቲ ብተሌፎን ዝበጽሓቶ ስምምዓት ናብ ቀዋሚ ውዕል ንኽትቅይሮ ሓደ ሰሙን ኣለዋ።

ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሜክሲኮ ብምኻድ ብዛዕባ እዚ ጉዳያት ክዘራረብን ምስ ሰበስልጣን ጥዕናን ጸጥታን ሜክሲኮን ኣመሪካን ብዛዕባ ፈንታኒል ዝምልከት ሓባራዊ ጕጅለ ክምስረት እዩ።

ብሓቂ ሸንባም ተወሳኺ ንግዳዊ ተጻብኦታት ክትከላኸል እንተኽኢላ፡ ነቲ ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ሓድሽ መንግስታ ናይ መጀመርታ ርኡይ ዓወት ኰይኑ ክምዝገበሉ'ዩ።

ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን ምምሕዳሩን ንዝግበር ርክባት ዓቢይ ኣሰር ከቐምጥ ይኽእል።

ትራምፕን ዢን ብ2019ን ተራኺቦም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕን ዢን ብ2019ን ተራኺቦም ነይሮም

ትራምፕ ይሻቐል፡ ዢ ዕድላት ይርኣዮ

ኣመሪካ፤ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ካብ ቻይና ዝኣትዉ ፍርያት ቀረጽ 10 ሚእታዊት ገይራ ኣላ።

ቻይና በዚ ተቘጢዓ እንተዀይና፡ እቲ ሓቃዊ ስምዒታ ሓቢኣቶ ኣላ ማለት'ዩ።

ኣብ 2018 ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ኣቝሑ ዘተኣታተዎ ቀረጽ ስዒቡ፡ በይጂን "ንግዳዊ ኲናት ከም ዘይትፈርሕ" ኣዊጃ ነይራ።

ሕጂ፡ ዝርርብ ክግበርን "ንቻይና ኣብ ፍርቂ መገዲ ክትረኽባን፡" ኣተሓሳሲባ።

ትራምፕን ሺ ጂንፒንን ኣብዚ ሰሙን ብስልኪ ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ ማለት ግን እቲ ስጕምቲ ክተርፍ እዩ ማለት ኣይኰነን።

ብፍላይ እቲ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ኣቝሑ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ።

ሕጂ መንግስቲ ቻይና ዓው ዓው ዝብል መልሲ ኣይሃበን ዘሎ፤ እዚ ምናልባት ድሮ ብዛዕባ'ቲ ድዅም ቍጠባ ንዝሻቐሉ ዘለዉ ዜጋታቱ ከጨናንቘም ስለ ዘይደለየ ይኸውን።

ቍጠባ ቻይና ግን፡ ከምቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ኣብ ቍጠባ ኣመሪካ ዝምርኰስ ኣይኰነን።

በይጂን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ ኣመሪካን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ዘለዋ ንግዳዊ ስምምዓት ከተሐይል'ያ ጸኒሓ።

ሕጂ ምስ ልዕሊ 120 ሃገራት ዝዓበየ ንግዳዊ ዝምድና ዝመስረተት ሃገር ኰይና ኣላ።

ስለዝዀነ ድማ፡ ትራምፕ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ብምድንጋግ ዝደለዮ ነገር ከፈጽም ዝኽእለሉ ዕድል ዘይክህልዎ ይኽእል'ዩ ክብሉ ክኢላታት ይዛረቡ።

ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ካልእ ምኽንያት'ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ፤ ዕድል ክርእየሉ ዝኽእል።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣውሮጳ ከይተረፈ ቀረጽ ከም ዘንብር'ዩ ዘፈራርሕ ዘሎ።

እዚ ኵሉ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምታት እዩ።

እዚ ውሳነታት፡ ካልኦት መሻርኽቲ ኣመሪካ እንታይ'ዩ ዝሓስበልና ዘሎ ኢለን ክዳለዋ ክገብረን ይኽእል።

ብኣንጻሩ ቻይና ህድእቲ፡ ርግእቲ ምናልባት'ውን ዝያዳ ሰሓቢት ዓለማዊ ንግዳዊ መሻርኽቲ ኰይና ክትረአ ክትደሊ እያ።

ኣብ ማእከል ስቲምሰን ዳይረክተር ፕሮግራም ቻይና ዩን ሱን፡ "ትራምፕ ቀዳምነት ንኣመሪካ ብዝብል ዝኽተሎ ፖሊሲ ዳርጋ ኣብ ኵለን ሃገራት ዓለም ብድሆታትን ስግኣታትን ከምጽእ'ዩ፡" ይብል።

ወሲዅ፡ "ብዓይኒ ስትራተጂያዊ ውድድር ኣመሪካን ቻይናን፡ ምብስባስ መሪሕነትን ተኣማንነትን ኣመሪካ ንቻይና ክጠቅም እዩ። ብደረጃ ክልተኣዊ ዝምድናታት ንቻይና ክቕይሮ ዝኽእል ጽቡቕ ተኽእሎ የብሉን፡ እንተዀነ በይጂን ነዚ ክትጾምቈ ክትፍትን እያ፡" ኢሉ።