ስደተኛታት ዝጸልኡን ዝሰጕን ፖለቲከኛታት ስለምንታይ ይበዝሑ ኣለዉ?

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጥልያን ጆርጂያ ሜሎኒ [ጸጋም]፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ [ማእከል] መራሒት'ቲ ሰልፊ ኤኤፍዲ ኣሊስ ዋይደል [ጀርመን]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Reuters/EPA

መግለጺ ስእሊ, ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ [ጸጋም]፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ [ማእከል] መራሒት ሰልፊ ኤኤፍዲ ኣሊስ ዋይደል [ጀርመን]

ኵላትና፡ ኣመሪካ ናይ "ስደተኛታት ሃገር'ያ" ዝብል ሓረግ ሓደ ግዜን ልዕሊኡን ሰሚዕናዮ ኢና።

ሜሪ ኣን ድማ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ መጀመርታ ዓመታት ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ናብ ኣመሪካን ካናዳን ዝግዓዙ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስኮትላንዳውያን ሓንቲ እያ።

ንሳ፡ ካብ ደሴት ስኮትላንድ ሉዊስ ናብ ኒውዮርክ ቅድሚ ምስዳዳ ዝተፈለየ ህይወት እዩ ነይሩዋ።

ብ1912 [ኣ.ኤ] ቶንግ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተወሊዳ።

ሓረግ ስድራ ሜሪ ኣን ዘጽንዐ ተመራማሪ ስነ-ትውልዲ፡ ኣቦኣ ማልኮም ኣብ መጀመርታ 19 ክፍለ-ዘመን፡ ንእሽቶ ድኳን ከም ዝነበረቶን ቤት ጽሕፈት ፖስታ የመሓድር ከም ዝነበረን ይገልጽ።

ሜሪ ኣን፡ ብ1930 ጓል 18 ዓመት እንከላ ኣገልጋሊት ስራሕ ገዛ ክትደሊ እያ ናብ ኒውዮርክ ኣምሪሓ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ወዲ ጀርመናውያን ስደተኛታት ዝዀነን፡ ድሒሩ ሓደ ካብቶም ኣብ ኒውዮርክ ጐባልል ሰብ-ሃብቲ ሪል ስቴት ንምዃን ዝበቕዐን ፍረደሪክ ትራምፕ ዝተባህለ ሰብኣይ ተመርዕያ።

ክልቲኦም ስሙር ሓዳር መስሪቶም፤ ሃብቲ'ውን ኣጥሪዮም።

ካብ ሓሙሽተ ደቈም እቲ ራብዓይ ዶናልድ ጆን - ኣብታ ደሴት ዝጽውዓሉ ሽም - ይበሃል።

ዶናልድ፡ እቲ ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ተመሪጹ ዘሎ'ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ቃለ-መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ሓያሎ ትእዛዛት ፈጻሚ ብምፍራም፡ ድሮ ኣብ ልዕሊ ካልኦት መንግስታትን ብዙሓት ስድራቤታትን ቍጥዐን ሕርቃንን ክፈጥር ይርኣይ ኣሎ።

ሓደ ካብኣቶም፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ ኣዝዩ የካትዕን ሓያሎ ምስንኻላት ጕዕዞ ይፈጥርን ኣሎ።

ብዙሓት፡ ካብታ ሃገር ክስጐጕን ክእሰሩን ጀሚሮም ኣለዉ።ስደተኛታት ዝጣየስሉ ፕሮግራም 'ዌልካም ኮር' እውን ደዉ ኣቢሉዎ።

'ትራምፕ ክጭክን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን' ዝበለ ሓደ ኢትዮጵያዊ'ውን ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራኡ እቲ ንሎሚ ሰሉስ ትኬት ዝተቘረጸሉ ጕዕዞኡ 'ንግዚኡ' ተሰሪዙ ኣሎ።

ካልኦት ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን'ውን ኣብ ስግኣት ይርከቡ።

ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ፡ "ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝዓበየ ምስጓግ [ስደተኛታት] ክህሉ'ዩ፡" ዝብል ምኽትሉ ኰይኑ ዝተመርጸ ጄዲ ቫንስ'ውን፡ ምስ ኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ፡ "ብሓደ ሚልዮን ንጅምር... ድሕሪኡ ንቕጽል" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ካብ ዶብ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝኽልክሉ ዘለዉ ሓይልታት ጸጥታ ቴክሳስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስደትን ስደተኛታትን - ኵሎም ዝብለጽሉ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሓቂ፡ ጕዳይ ስደት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ'ዩ። ኣመሪካ ካብ መላእ ዓለም ብዙሓት ስደተኛታት ተቐቢላ እያ።

ይዅን'ምበር፡ ወትሩ ክፉት ፖሊሲ ስደት ኣይነበራን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ነዚ ጕዳይ ዝተሓርዩ ፖሊሲታት ብምትእትታዉ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ጨካን ኣድልዎ ብምፍጻም፡ ኢ-ፍትሓዊ፡ ዓሌታውን ጐነጽ ዝመልኦን ታሪኽ እዩ ጸኒሑዋ።

ኣመሪካ፡ ሕጋዊ ረቛሒታት ኣየማልኡን ንዝበሃሉ ከም ምስ ኣመሪካዊ ዜጋ ስድራቤታዊ ዝምድና ዘይብሎም፡ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ንዝሓጽሮም ወይ'ውን ሞያዊ ስራሕ ዘይረኸቡ ሰባት ናብ ግዝኣታ ክኣትዉ ወይ ክጸንሑ ኣብ ምፍቃድ ኣጸጋሚት ኰይና'ያ ጸኒሓ።

መብዛሕትኦም ስደተኛታት፡ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ በዳሂ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ኲናትን ማእሰርትን ንምንጋፍ'ዮም ናብ ስደት ዘምርሑ።

ግን ድማ፡እዞም ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም - ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ተባሂሎም ዝጽውዑ - "ምስጓግ" ዝተባህለ መስርሕ ከም ዝጽበዮም መራሕቲን ፖለቲከኛታት ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻን ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽእሉ እዋንን ክጥቀምሉ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።

ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ሰጒጐም'ዮም።

ትራምፕ ዝወሰዶ ሃንደበታዊ ስጕምቲታት ኣዝዩ መሪር'ኳ እንተዀነ፡ ምምሕዳር ባይደን'ውን ጽኑዕ ፖሊሲታት ጸረ-ኢሚግሬሽን ክኽተል እዩ ጸኒሑ።

ብሰሜን፡ ብደቡብ፡ ብምብራቕን ምዕራብን ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ሰልፊታት ሕሉፋት የማናውያን ብዝተፈላለየ ሕብርን መልክዕን መጺኦም ኣለዉ፤ ገሊኦም ሃገራውያን፡ ገሊኦም ህዝበኝነት ዝዓብለሎም ሃገራውያን፡ ፋሽሽታዊ መርገጺ ዘለዎም ሕሉፍ ሃገራውያን ኰይኖም ይርኣዩ።

ካብዚ ብዝሰገረ ግን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንጕዳይ ስደትን ስደተኛታትን ከም ቀንዲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ገይሮም ዝጕስጕሱ መራሕቲ ናብ ቅድሚት ክመጽኡ ይርኣይን ስግኣታት ይዓብን ኣሎ።

ቅድሚ 25 ዓመታት፡ ኣብ ቪየና ሓደ ማእከላይ የማናዊ ሰልፊ ምስ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ናጽነት ጽምዶ ብምግባር መንግስቲ ክምስርት እንከሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።

ኣመሪካ፡ ብሓለውቲ ዶብ ዝተትሓዙ ሰባት ንምስጓግ ኣባላት ሰራዊት ከም እትጥቀም ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ፡ ብሓለውቲ ዶብ ዝተትሓዙ ሰባት ንምስጓግ ኣባላት ሰራዊት ከም እትጥቀም ትገልጽ

ሕጂ፡ ኣብ ኣውሮጳ ሳልሳይ ዝዓበየ ቍጠባ ዘለዋ ኢጣልያ፡ ብመራሒት ደጋፊ ፋሺዝም ዝዀነ ሰልፊ 'ኣሕዋት ኢጣልያ' ዝዀነት ጆርጂያ ሜሎኒያ እያ ትምራሕ ዘላ።

ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዝዀነት ሜሎኒ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ካብ ሊብያ ስደተኛታት ጽዒነን ኣብ ልዕሊ ዝመጻ ጀላቡ ዕግታ ክግበር ብምጽዋዕ እያ እትፍለጥ።

ቀጻሊ መደባቱ ዶባት ምዕጻውን "ዳግማይ ስደት" [remigration] ዝብል ፖሊሲ ምትግባርን ከም ዝዀነ ዝገልጽ ሰልፊ ኣልተርናቲቭ ፎር ዶይችላንድ (AfD)፡ ኣብ ጀርመን እቲ ካልኣይ ጸላዊ ሰልፊ ኰይኑ ንቕድሚት ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን፡ እቲ ጽኑዕ መርገጺ ጸረ-ኢሚግሬሽን፡ ጸረ ብዙሕነታዊ ባህሊ ዝዀነ ዝዓበየ ሰልፊ ሽወደን ዲሞክራትስ፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ካልኣይ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ።

ግሪኽ፡ ፊንላንድ፡ ስጳኛ . . . እናበለ እቲ ዝርዝር ይቕጽል።

እቲ ብ2024 ዝተፈረመ ውዕል ስደትን ዑቕባን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ተሪር ምቍጽጻር ዶባት፡ ቅልጡፍ ገምጋም ሓተቲ ዑቕባን ንዑቕባ ብቝዓት ኣይኰኑን ዝተባህሉ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ክእለዩ ከም ዘለዎምን ይድንግግ።

ዓዲ እንግሊዝ ከምኡ'ውን ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጽልኢ ዘለዎምን ካብታ ሃገር ክስጐጕ ዝደፍኡን ሓይልታት ዘለዉወን ሃገራት ኣውሮጳ እየን።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ሌበር ሰር ኬር ስታርመር፡ ንሓፈሻዊ መጠን ስደት ከጕድልን ንኣሰጋገርቲ ሰባት ከም ኣሸበርቲ ክሕዞምን ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ኣብ ነሓሰ 2024 ምምጻእ ሕሉፍ የማናዊ ሓይልታት "ግሁድ ስግኣት'ዩ፡" ብምባል፡ ህዝበኝነትን ሕሉፍ ሃገራውነትን ሰፊሑ ክርአ ከም ዝጀመረ ተዛሪቡ ነይሩ።

ንሱ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገርን ሰሜን ኣየርላንድን ኣንጻር ስደተኛታት ዘቕንዑ ሕሉፍ የማናዉያን ዝመርሑዎም ተቓውሞታትን ኣብ ኢንተርነት ዝዝርግሑ ግጕያት ሓበሬታታትን ተራእዮም'ዮም።

'ዋን ፓትሪዮቲክ ኣልተርናቲቭ' [ፒኤ] ዝተባህለ ሕሉፍ-የማናዊ ትካል፡ ብሕቡእ ኣብ ዝተቐድሐ ቪድዮ "ስደተኛታት ክቕተሉ ኣለዎም" ክብል ተሰሚዑ።

ነዚ ቪድዮ ዝመርመረት ኮሚሽነር ጸረ-ግብረ ራዕዲ ነበር ዳሚ ሳራ ክሃን፡ ከም ፒኤ ዝበሉ ጕጅለታት ዘይሕጋዊ ተባሂሎም ክፍረጁ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ኣባላት እዚ ጕጅለ ሰልፊ ናዚ ስልጣን ንምሓዝ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ተመሳሰልቲ ስልቲታት ከይተጠቕመ ኣይተርፍን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሕሉፍ የማናዊ ጕጅለ ብሕቡእ ንሓደ ዓመት ኣብ ዘካየዶ መርመራ፡ኣባላቱ ዓሌታዊ ቃላት ክጥቀሙ ተዓዚቡ።

እቲ ጕጅለ፡ ጐነጽ ከም ዘየተባብዕን ብሰላማዊ መገዲ ንመሰላት ደቀ'ባት እንግሊዝ ከም ዝቃለስን ይገልጽ።

ፒኤ፡ 500 ኣባላት ዘለዎን ኣብ ኦንላይን ኣሽሓት ሰዓብቲ ዘለዎን ጕጅለ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ስደት "ግንዛበ ንምዕባይ" ከምኡ'ውን "ክብርታት ስድራቤት" ንምትብባዕ ከም ዝንቀሳቐስ ይምጕት።

እዚ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ጨናፍር ዘለዉዎ ጒጅለ፡ ኣባላቱ ተቓውሞታት ከካይዱ፡ ጕዳያት ኢሚግሬሽን [ስደት] ከወዓውዑን ንጥፈታቶም ብምቕዳሕ ኣብ ኢንተርነት ክዝርግሑዎምን የተባብዕ።

ስለ ምንታይ ጕዳይ ስደተኛታት ይምዝመዝ ኣሎ?

ዶ/ር ተስፋኣለም ሃብተ የማነ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል ተሓጋጋዚ መጽናዕቲ ፕሮጀክት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታት ሓተትቲ ዕቝባን እዩ።

ኣብዚ እዋን፡ መንግስታት ኣብ ዙርያ ስደተኛታት ኣመልኪቶም ዘውጽእዎ ፖሊሲን ዝህቡዎ ግብረ መልስን ከምኡ'ውን ጽልዋታቱ የጽንዕ ኣሎ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ፖሊሲ ስደት ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ወይ ኣህጕር ፍልልያት ክህልዎ ይኽእል።

"ብዓለማዊ መዐቀኒ ግን ተመሳሳሊ ዝዀነ ጸረ ስደተኛታት ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ ተበግሶታትን ፖሊሲታትን እዩ ዘሎ" ይብል።

መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ምስ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት ዝተሓሓዝ ኰይኑ፡ ህዝቢ ኣብ ዙርያ ስደት [ስደተኛታት] ዘለዎ ኣረኣእያን ፖሊሲታት መንግስትን ክብ ለጠቕ ከም ዝብል የረድእ።

"ሓሓሊፉ፡ ሊበራል ዝዀኑ ሓይልታት ሰጓማይ ፖሊሲ ስደት ይኽተሉ፤ እዚ ኣድላዪ ኣብ ዘይኰነሉ ድማ ቀያዲ ዝዀነ ፖሊሲታት ይኽተሉ።"

ርግጽ'ዩ፡ ካብ 1960ታትን 1970ታትን ጀሚሩ ጸረ ስደተኛታት ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ዝርኣይ ዘሎ ሕሉፍ ጸረ ስደተኛታት ፖሊሲታት፡ ፖለቲካዊ ፕሮጀክታትን ምንቅስቓሳትን ግን ኣብ ኣውሮጳ ብዝያዳ 2014/15 ዝነበረ 'ዓለምለኻዊ ቅልውላው ስደተኛታት' ዝተባህለ ኵነታት ዘንቀሎ ከም ዝዀነ ዶ/ር ተስፋኣለም ይጠቅስ።

እዚ፡ "ንዓይ ብሓቂ ክርአ እንከሎ ቅልውላው ፖሊሲ ኣውሮጳ'ዩ" ዝብል እቲ ክኢላ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ብብዝሒ ናብ ኣውሮጳ ምምጽኦም ህዝባዊ ስንባደ [ፐብሊክ ፓኒክ] ከም ዘስዓበ ገሊጹ።

እዚ ድማ፡ ሰባት ኣዝዩ ናብ ሕሉፍ የማናውያን፡ ህዝበኝነት ዘሰጕሙ ሓይልታት ናብ ፖለቲካዊ መድረኻት ክመጽኡ ዕድል ፈጢሩ።

እዚኦም፡ "ነዚ ዝደልዩዎ ተረኽ ንምፍጣር [ጕዳይ ስደተኛታት] ተጠቂሞምሉ፤ ኤውሮጳ ትውሓጥ ኣላ፤ ዶባትና ተኸፊቱ፡ ልኡላውነት ኣውሮጳ ተደፊሩ፡ ባህላዊ መንነትና ይብረዝ ኣሎ፡ ባህሎም፡ ሃይማኖትምን ኣነባብሮኦም ፍሉይ ዝዀኑ ሰባት እናመጽኡ ባህላዊ መንነትና [ጻዕዳ ኣውሮጳ] ይብረዝ ኣሎ ዝብል መጐተ ነይሩዎም፡" ክብል የረድእ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ዓለም'ውን ጽቡቕ ኣይነበረን።

ብ2007/08 [ኣ.ኤ] ዘጋጠመ ዓለማዊ ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ብርክት ዝበሉ ዘቤታዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ጸገማት ክፍጠሩ ገይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩ መንግስታት መሰረታዊ ቀረባት ትምህርቲ፡ መጓዓዝያ፡ ሕክምና፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ክቦኽሩ እንከለዉ ፖለቲከኛታትን ጕጅለታትን ንስደተኛታት ከም መመሳመሲ በትሪ ክጥቀሙሎም ከም ዝተራእየ ክኢላ መጽናዕቲ ስደትን ስደተኛታትን ዶ/ር ተስፋኣለም ገሊጹ።

ሓንቲ ሃገር፡ ብቐንዱ ኣብቲ ቍጠባዊ ውጥረታት ክትገብሮ ዝግብኣ ክትቦክር እንከላ፡ 'ላህመት ፖለቲካ' ወይ'ውን ማእከላይ ደርቢ ፖለቲካን ቍጠባን ዝዀኑ ሰባት እዚ ጕዳይ ከም መመሳመሲ ንምጥቃም ይምዝምዙዎ።

"ቍጽሪ፡ ናብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝኸይድ [ስደተኛ] ውሑድ'ዩ፤ እዚ ከሕድሮ ዝኽእል ጽልዋ ስነ-ህዝብን ቍጠባን ውሑድ እዩ። ካብ 77- 80 ሚእታዊት ኣብ ዓለም ብኣስገዳድ ተሰዲዱ ዝነብር ዘሎ ሓታቲ ዕቝባ ኣብተን ዝተሰደደለን ሃገራት እዩ ዝነብር -ኣብ ቀረባኡ ዘለዋ። ብዙሕ ናብዚ ዳርጋ ኣይመጽእን'ዩ" ብምባል መብዛሕትኡ ግዜ መሳርሒ ፖለቲካ ከም ዝኸውን እዩ ዘረድእ።

ኢሎን መስክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ምስ ኣሊስ ቃለ መጠይቕ ዘካየደ ኰይኑ፡ ኣብቲ ን74 ደቓይቕ ዝጸንሐ ዕላል ኣብ ዙርያ ፖሊሲ ጸዓት፡ ቢሮክራሲ ጀርመን፡ ኣዶልፍ ሂትለር፡ ማርስን ትርጕም ህይወትን ተዘራሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኢሎን መስክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ምስ ኣሊስ ቃለ መጠይቕ ዘካየደ ኰይኑ፡ ኣብቲ ን74 ደቓይቕ ዝጸንሐ ዕላል ኣብ ዙርያ ፖሊሲ ጸዓት፡ ቢሮክራሲ ጀርመን፡ ኣዶልፍ ሂትለር፡ ማርስን ትርጕም ህይወትን ተዘራሪቦም

ሕጂ ኣብ ኣውሮጳ [ንኣብነት ዓዲ እንግሊዝ]፡ ብዙሕ ቍጠባዊ ሽግር ከም ዘሎን ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ናብራ እቲ ሕብረተሰብ መዓልታዊ እናንቈለቈለ ከም ዝመጽአን ይዝረብ።

"እቲ ደርቢ ሸቃላይ እንብሎ ናብራኡ እናደኸመ ኣብ ዝኸደኡ እቶም ኣብ መሪሕነት ዘለው ስለ ምንታይ የንቈልቍል ኣሎ ዝብል ንምምኽናይ ስደት ይጥቀምሉ" ዝብል ዶ/ር ተስፋኣለም፡ እቶም ስደተኛታት ነታ ሃገር ፋይናንሲያዊ ጾር ስለ ዝዀኑዋ፡ ኣብ ጽርግያ፡ ትምህርቲ፡ ክውዕል ዝግብኦ ጸጋታት ስደተኛታት ኣብ ምጥዋር ይውዕል ኣሎ ዝብል "ጭብጢ ዘይብሉ" ተረኻት ክምዕብል ምኽንያት ኰይኑ ከም ዝርአ ሓቢሩ።

ሰልፊታትን ጕጅለታትን ሕሉፋት የማናውያንን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ቍጠባዊ ሕርቃን ወይ ዘይዕግበትን መረረታትን እቲ ሕብረተሰብ ተበሊጾም ናብ ስልጣን ምምጻእ ከም ሓደ ናይ መረጻ ስትራተጂ እዮም ዝጥቀምሉ።

እቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽኡ ስደተኛታት ዝስልዓሎም ደሞዝ ብሕሪ ቆርበቶም ስለ ዝውሰን፡ደሞዝ ይትሕት፡ኣብ ዕዳጋ ስራሕ'ውን እናተወዳደሩ ስራሕ ይሕዙዎ፡ ዜጋታትና ንድሕሪት ይተርፉ ኣለው ዝብሉ ፖለቲካዊ ጐስጓሳት ክጥቀሙ ምስማዕ ይልመድ እዩ ዘሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ መዓልቲ - ኣመሪካ፡ "ንኣመሪካውያን ዝኸውን ጸጋታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘየእቱ መንገዲ፡ ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ማሕበረሰባ ናይ ምውሓጥ ዓቕሚ የብላን፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብቶም ቀንዲ ጸረ-ስደተኛታት ዝዀኑ ጸላእቲ ስደተኛታት ዝዀኑ ዩኪብ ዝበሃል ሓይሊ ይፍእ ኣሎ ዝብል ዶ/ር ተስፋኣለም፡ ነዚ ስትራተጂ ከም ዝተጠቀመ ብምጥቃስ ብኣብነት የረድእ።

ብዓቢኡ፡ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ንምዕጋት፡ ኣብ መሰጋገሪ ዝዀና ሃገራት ንዝርከቡ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ልዑል ወፍሪ ከም ዝገብራ ይፍለጥ።

ብመልክዕ ሓገዝ ልምዓት፡ ህንጸት ዓቕሚ ሓለዋ ዶባትን ጸጥታን ተባሂሉ ዝወሃብ ዝተፈላለየ ገንዘብ ኣሎ።

ሊብያ፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ሕብረት ኣውሮጳ ዝምውሎ ፖሊሲ ዝፍጸመለን ዘሎ ሃገራት ኰይና፡ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንከይሰግሩ ሓኒቘም ክሕዝዎም ይድለ።

ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሕቶ ዕቝባ ዝተነጽጕ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቚባን ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ውጥን ኣውጺኣ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ሕጂ'ውን ጽልኢ ስደተኛታትን ናብታ ሃገር ከይኣትው ናይ ምግባር ዝተፈለየ ፖሊሲታትን ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከም ዘሎ ይንገር።

ይዅን'ምበር፡ ዶባት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዕጽዉ ክኸውን ከም ዘይኽእል እቲ ክኢላ የአንፍት።

"ዋላ ዓሌታውን ባህላውን ጽልኣት ይሃልዎም፡ እቲ ዶባት ቅልል ብዝበለ መገዲ ከምዚ መንፊት ጌርና ንርኣዮ። እዚ ኣብ ግሎባል ኖርዝ ዘሎ ርእሰ ማላዊ ዋንነታትን ትካላትን፡ ብሕሱር ገንዘብ ብዙሕ ናይ ሰራሕተኛ መሰል ዘይብሉ፡ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ክትሰጐ እትኽእል ተመዝማዚ ትርፊ ሰራሕተኛ ስለ ዝደሊ፡ ኣብ ኣውሮጳ እናኣረገ ዝኸይድ ብዝሒ ህዝቢ'ውን ስለዘሎ፡ እዘን ሃገራት ዝሰርሕ ሰብ ከድልየን'ዩ፡" ይብል ዶ/ር ተስፋኣለም።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ዶባት ኣብ ውሽጢ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታትን ጠለብ ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕሚ ሰብን ኣብ ግምት ብምእታው ይኽፈትን ይዕጾን ማለት እዩ።