ኣመሪካ፡ ትራምፕ ናይ ብሓቂ ሚልዮናት ስደተኛታት ክሰጕግ ድዩ?

ስደተኛታት ንክስጐጕ ዝጕስጕስ ጽሑፍ ዝሓዘት ደጋፊት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጓል 47 ዓመት ኖራ፡ ዶናልድ ትራምፕ ተዓዋቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ምዃኑ ስዒቡ፡ ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ እያ ተሕልፍ ዘላ።

ቅድሚ 24 ዓመታት፡ ኣብ ኒካራጓ ዝስዓበ ኣዕናዊ ህቦብላ ስዒቡ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዳ።

ኣብዞም ዓመታት፡ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለወን ጓል 30ን ጓል 19 ዓመትን ክልተ ቈልዑ ወሊዳ ኣዕቢያ።

ንሳ ግን ክሳብ ሕጂ ዘይሕጋዊ ስደተኛ እያ።

“ድቃስ ስኢነ እየ ዘለኹ፤ ዳግም ዝነበረኒ ስግኣት ተመሊሱ ኣሎ” ትብል።

ሕጂ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ተመሪጹ ኣሎ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኣመሪካ ዝነብረሉ ዘለው ሚሊዮናት ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ክሰጐም’የ ዝብል ዝረበረ ጐስጓስ ተግባራዊ ክገብሮ ይኸውን’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ትራምፕ ጐስጓስ መረጻ ኣብ ዘካይደሉ ዘንበረ እዋን፡ “ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝዓበየ ምስጓግ [ስደተኛታት] ክህሉ’ዩ” ኢሉ ነይሩ።

ምኽትሉ ኰይኑ ዝተመርጸ ጄዲ ቫንስ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ፡ “ብሓደ ሚልዮን ንጀምር... ድሕሪኡ ንቕጽል” ክብል ተዛሪቡ።

ይኹን’ምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ስርሒት ርኡይ ሕጋውን ሎጂስቲካውን ማሕለኻታት ከም ዘጋጥሞ ክኢላታት ይሕብሩ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት እዮም ዘለው?

መረዳእታ ክፍሊ ድሕነት ሃገርን ማእከል መጽናዕቲ ፒውን ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 11 ሚልዮን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ከም ዝነበሩ የመልክት።

እዚ ድማ፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ እታ ሃገር ኣስታት 3.3 ሚኢታዊት ይሕዝ።

እቲ ቁጽሪ ካብ 2005 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ጀሚሩ ብተዛማዲ ተመሳሳሊ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣስታት 500 ሽሕ ካብ ኩባ፡ ቬነዙዌላ፡ ሄይቲን ኒካራጓን ዝመጽኡ ስደተኛታት፡ ሰብኣዊ ፍቓድ ተዋሂቡዎም ኣብታ ሃገር ይነብሩ ኣለው።

መብዛሕትኦም ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ንነዊሕ እዋን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣስታት 80 ሚኢታዊት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝጸንሑን ዳርጋ ፍርቈም ድማ ካብ ሜክሲኮ፡ ጓቲማላ፡ ኤል ሳልቫዶርን ሆንዱራስን ዝመጽኡ’ዮም።

መብዛሕትኦም ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት [ካሊፎርንያ፡ ቴክሳስ፡ ፍሎሪዳ፡ ኒውዮርክ፡ ኒውጀርሲን ኢሊኖይን] ይነብሩ።

ሕጋዊ ብድሆታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዘይሕጋዊ ስደተኛታት፡ ካብታ ሃገር ቅድሚ ምስጓጐም መስርሕ ቤት ፍርዲ ሓዊሱ ግቡእ ሕጋዊ ኣገልግሎታት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ዘሎ ምስጓግ ስደተኛታት፡ ነቲ ድሮ ብዙሓት ጥርዓናት ሒዙ ዝርከብ ስርዓት ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ሓያሎ ዕማማት ዝሓትት እዩ ክኸውን።

መብዛሕትኦም ናብቲ ናይ ምስጓግ ስርዓት ዝኣትዉ ስደተኛታት ምስ ወከልቲ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ፡ ብቐጥታ ብምርኻብ ዘይኰነ ብመገዲ ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ከባቢ እዩ።

ይኹን’ምበር ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታትን ምምሕዳራትን ኣመሪካ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ ምስ ፖሊስ ዝደገብርዎ ምትሕብባር ዝድርት ሕጊ ኣለወን።

ጐስጓስ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እዘን "መዕቆቢ ከተማታት" ስጉምቲ ክወስድ ተሓንዩ ኣሎ።

እንተዀነ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝተሓላለኸ መርበብ ከባብያዊ፡ ግዝኣታውን ፌደራላውን ሕጋጋት ነቲ ኩነታት ዝተሓላለኸ ይገብሮ።

ኣብ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ስደት (MPI) ተንታኒት ፖሊሲ ዝዀነ ካትሊን ቡሽ-ጆሴፍ፡ ዝዀነ ወሳኒ ስርሒት ጃምላዊ ምስጓግ እንተሃልዩ፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣኽበርቲ ሕግን ከባቢያዊ ምምሕዳራትን ዝግበር ምትሕብባር ኣገዳሲ ከም ዝኸውን ትዛረብ።

“ኣኽበርቲ ሕጊ ናይቲ ከባቢ እንተተሓባቢሮም፡ “ኣይስ ንሓደ ሰብ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወስዱዎ ኣዝዩ ዝቐለለ’ዩ” ኢላ።

እንተዀነ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ፖሊስ ፍሎሪዳ ብሮዋርድን ፓልም ቢችን ዝወጽኡ ኣካላት ጸጥታ ኣይነዋፍርን ዝብሉ ኣዋጃት ብምጥቃስ፡ ብዙሓት ምስ ውጥን ጃምላዊ ምስጓግ ትራምፕ ዘይክተሓባበሩ ይኽእሉ'ዮም ትብል።

ዝዀነ ይኹን ውጥን ጃምላዊ ምስጓግ'ውን ካብ ተጣበቕቲ ኢሚግሬሽንን ሰብኣዊ መሰላትን ቅልጡፍ ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ 2022 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ግን፡ ዋላ'ውን ኣብያተ ፍርዲ ሕጋዊ ብድሆታት ይግምግማ እንተሃለዋ እቲ መስርሕ ኢሚግሬሽን ንክቕጽል ይፈቅድ።

ብሰንኪ ስጕምቲ ምስጓግ ስደተኛታት ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ ስጕምቲ ምስጓግ ስደተኛታት ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት

ሎጀስቲካዊ ብድሆታት

ዋላ’ውን ሓደ ምምሕዳር ኣመሪካ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ውጥናት ብሕጋዊ መገዲ ክስጕም እንተኣኽኣለ፡ ሰብ መዚ ግን ኣብ ዶባት ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዓበይቲ ሎጂስቲካዊ ብድሆታት ክገጥሞም ይኽእል'ዩ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደን፡ ምስጓግ ስደተኛታት ኣብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ክሰግሩ ዝተትሓዙ ስደተኛታት ትዅረት ዝገበረ ኰይኑ፡ ካብ ውሽጢ ኣመሪካ ዝግበር ምስጓግ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዓመታዊ ትሕቲ 100 ሽሕ ኰይኑ ጸኒሑ።

ኣብ መጀመርታ ዓመታት ምሕደራ ኦባማ ልዕሊ 230 ሽሕ በጺሑ ነይሩ።

"ነዚ ኣብ ሓደ ዓመት ናብ ሓደ ሚልዮን ምዕባይ፡ ምናልባት ኣብ ባይታ ክህሉ ዘይኽእል ሰፊሕ ጸጋታት ክሓትት’ዩ" ይብል ዳይረክተር ፖሊሲ ናይቲ ንኢሚግሬሽን ዝድግፍ ጉጅለ ዝጣበቕ ቤት ምኽሪ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ዝዀነ ኣሮን ራይክሊን-መልኒክ፡

ኣብዚ እዋን እቲ ኣኽባሪ ጕምሩክ 20 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።

እዚኦም ድማ ነቲ ትራምፕ ዝሓስቦ ኣሃዛት ንምስኻዕ እኹላት ክዀኑ ከም ዘይኽእሉ ክኢላታት ይገልጹ።

ራይክሊን-ሜልኒክ፡ መስርሕ ምስጓግ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ኰይኑ፡ ካብ ምልላይን ምእሳርን ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሉ ስደተኛ ከም ዝጅምር የረድእ።

ብድሕሪኡ፡ እሱራት ቅድሚ ናብ ዳኛ ኢሚግሬሽን ምቕራቦም፡ ኣብ "ኣማራጺ ማእሰርቲ" ዝብል መደብ ክጸንሑ ኣለዎም።

እቲ መስርሕ ምጥራዝ ስደተኛታት ድማ ዲፕሎማስያዊ ምትሕብባር እታ ተቐባሊት ሃገር ይሓትት።

"ኤጀንሲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ኣይስ) ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢታት፡ ሚልዮናት ሰባት ናይ ምእሳር ዓቕሚ የብሉን" ይብል ራይክሊን-መልኒክ።

ትራምፕ ኣብ ምስጓግ ሃገራዊ ሓለዋ ይኹን ካልኦት ወተሃደራዊ ሓይልታት ክሳተፉ ሓሳብ ኣቕሪቡ'ዩ።

ብታሪኽ ግን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዘለዎ ተራ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣብ ዝግበር ደገፍ ጥራይ ዝተሓጽረ ኰይኑ፡ ትራምፕ ከምዚ ዓይነት ውጥን ብኸመይ ክፍጸም ከም ዝኽእል ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ምስ መጽሔት ታይም ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብርግጽ ሓደስቲ መዳጐኒ ማእከላት ንምህናጽ፡ ከምኡ’ውን ንፖሊስ ካብ ክሲ ናጻ ክዀኑን ንክተሓባበሩ መተባብዒ ክረኽቡ ምግባርን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ነይሩ።

ጽኑዕ ምቁጽጻር ኢሚግሬሽን ንክህሉ ኣብ ዝጣበቕ 'NumbersUSA' ዳይረክተር መጽናዕቲ ዝዀነ ኤሪክ ሩኣርክ፡ ሓለዋ ዶባት ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ኣስሚሩሉ።

"እዚ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ፤ ከምኡ እንተዘይኰይኑ ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊ ኣዝዩ ውሑድ ለውጢዩ ዝህሉ" ኢሉ።

እቲ ዝግበር ምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ቈጺሮም ዘስርዑ ኵባኒያታት ዝሓየ ስጕምቲ ብምውሳድ ዝትግበር ክኸውን ከም ዘለዎ'ውን ይዛረብ።

"ስራሕ ደልዮም'ዮም ዝመጽኡ ዘለው፤ ብመሰረቱ ውሽጣዊ ቁጽጽር ስለ ዝፈረሰ ክኣ ዝደልዩዎ ስራሕ ይረኽቡ ኣለው"።

ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ጠለባት

ክኢላታት፡ ሓደ ሚልዮን ወይ ልዕሊኡ ሰባት ንምስጓግ ዓሰርተታት ወይ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ክሓትት ከም ዝኽእል ይግምቱ።

ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኣመሪካ ዝመሓደር ኤጀንሲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ፡ ኣብ 2023 ንመጓዓዝያን ምስጓግን ናይ 420 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከም ዘድልዮ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ እቲ ትካል ልዕሊ 140 ሽሕ ሰባት ሰጒጕ።

ምህናጽ መዳጐኒ ማእከላትን ምስፋሕ ነዞም ስደተኛታት ዝመልሱ በረራታትን ርኡይ ወፍሪ ይሓቱ - እዚ ዓሰርተታት ወይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ክኸውን ከም ዝኽእል ራይክሊን-መልኒክ ይዛረብ።

ካልኦት መብጽዓታት ሓለዋ ዶባት ትራምፕ - ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዝህነጽ መንደቕ ምዝዛም፡ ፈንታኒል ደው ንምባል ዝዓለመ ዕጽዋ ሓይሊ ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ኣሽሓት ወተሃደራት ምውፋር ይርከቦ። እዚ'ውን ልዑል ወጻኢታት ዝሓትት እዩ።

ክኢላ ስደትን ዶባትን ላቲን ኣመሪካ ኣዳም ኢዛክሰን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብዓይኒ ህዝባዊ ርክባት ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ዋጋ ከኽፍሎ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

"ኵሉ ማሕበረሰብ ኣመሪካ ዝፈልጦምን ዝፈትዎምን ሰባት ናብ ኣውቶቡሳት ክስቀሉ ምስ ረኣየ፤ ኣብ ቴሌቪዥን ኣዝዩ መሪር ምስልታት ናይ ዝበኽዩ ህጻናትን ስድራቤታትን ክዝርግሑ'ዮም። እዚ ንምእማኑ ዘጸግም ሕማቕ ምስሊ'ዩ ክኸውን'ዩ - ምኽንያቱ ምፍልላይ ስድራቤት’ዩ" ኢሉ።

ቅድሚ ሕጂ ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ተራእዩ ይፈልጥ'ዶ?

ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ዓመታት ምምሕዳር ትራምፕ [2016 ክሳብ 2020] ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ተሰጒጐም። ምምሕዳር ባይደን'ውን ምስዚ ኣሃዛት ዝጸጋጋዕ ስጕምቲታት ክወስድ እዩ ጸኒሑ።

ባራክ ኦባማ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሎም ሸሞንተ ዓመታት፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ተሰጒጐም።

ካብዚ ብዝብገስ ገለ ጽገና ኢሚግሬሽን ክግበር ዝጕስጕሱ ተሓለቕቲ፡ "ሓለቓ ምስጓግ" ዝብል ሳጓ ሂቦምዎ'ዮም።

ምናልባት ግን እቲ ዝቐረበ ታሪኻዊ ኣብነት ጃምላዊ ምስጓግ ኣብ 1954 እዩ ኣጋጢሙ፡ ኣብቲ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሜክሲኮ ልሙድ ዝነበረ ጸርፊ ብስም ዝተሰየመ ስርሒት ዌትባክ ክሳብ 1.3 ሚልዮን ሰባት ተሰጒጎም።

እዚ መደብ ብኸፊል ገለ ዜጋታት ኣመሪካ'ውን ክስጐጕ ስለ ዝገብር፡ ልዑል ህዝባዊ ተቓውሞ ክገጥሞ ዝጸንሐ እዩ።

ይኹን'ምበር፡ እዚ ስርሒት ብቐንዱ ካብ ርሑቕ ሃገራት ንዝመጽኡ ስድራቤታት ዘይኰነ ካብ ሜክሲኮ ዝመጽኡ ሓዳር ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ዒላማ ዝገበረ ብምዃኑ፡ እቲ መስርሕ ብቐጥታ ምስ ዘመናዊ ጻዕርታት ምስጓግ ዝወዳደር ከም ዘይኰነ ይዛረቡ።

ንኖራ ናብ ትውልዲ ዓዳ ኒካራጓ ምምላስ ኣዝዩ ከቢድ ጕዳይ እዩ።

"ኣብዘን ኣብ ኣመሪካ ዝጸናሕኩለን 24 ዓመታት፡ ሰሪሐን ግብሪ ከፊለን'የ፤ ሕጂ ናብ ኒካራጓ ክትምለስ ምሕሳብ ኣጸጋሚ’ዩ"።

ኣብ መረጻ ኣሜሪካ ንፈለማ እዋን ድምጸን ዝሃባ ደቃ ግድን እንተዀይኑ ምስኣ ከም ዝኸዳ ገሊጹ።

"ንኣዴና ዘድሊ ነገር ክንገብር ኢና"።