ዓወት ትራምፕ ንኣፍሪቃ እንታይ ማለት እዩ?

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ እዋኑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ምዕዋቱ ምስ ተረጋገፀ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ‘እንቋዕ ሓጎሰካ’ ክብሉ ይቀዳደሙ ኣለዉ።

ምምላስ ትራምፕ ግን፡ ነታ ኣህጉር ጽቡቕ'ዶ ይኸውን?

ነቐፍቱ፡ ኣብቲ ፈለማ ናብ ዋይት ሃውስ ዝመፀአሉ እዋን፡ 'ንኣፍሪቃ ኣግሊሉ'፣ 'ምወላታት ቆሪጹ'፡ 'ንስደተኛታት ኣጋፊዑ'፤ 'ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቕሉዕ “ድርባያት" ክብል ኣናሺዉ' ክብሉ ይነቕፍዎ።

ይኹን እምበር ኣብ ኣፍሪቃ ወፍሪ ንምዕባይ ዝሕግዙ መደባት'ውን ኣተኣታትዩ እዩ። እቶም መደባት ከኣ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት'ውን ኣብ ባይታ ኣለዉ።

ትራምፕ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኣፍሪቃ ብኸመይ ክሕዛ ይኸውን?

ንግድን ወፍርን

ኣብ ማእከል ዓለማዊ ልምዓት ዝሰርሕ ሚኒስተር ላይበርያ ነበር ዳብሊው ጂዩድ ሙር፡ እቲ ዝፋነው ዘሎ ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ "ኣፍሪቃ ኣገዳሲት መሻርኽቲ ምዃና ንምርኣይ ናይ ብሓቂ ብዙሕ ፈቲኑ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ባይደን ነዚ መደቡ ብገለ ውዕላትን ሽርክነትን ንምትእስሳር ከምዘተቓለሰ ይገልጽ።

እዚ ስትራተጂኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዀነ ፍረ ኣየፍረየን ማለት ኣይኮነን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንኣብነት፡ ኣመሪካ ኣብቲ ‘ሎቢቶ ኮሪደር’ ብዘብል ዝፍለጥ መደብ፡ ብኣንጎላ፣ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዛምብያን ኣቢሉ ዝተዘርገሐን ኣገደስቲ ንጥረ ነገራት ንምጉዕዓዝ ዝውዕልን ሃዲድ ባቡር ንምህናፀዕ ወፍሪ ገይራ።

ኣመሪካ፡ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ልዕሊ 22 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዝገበረት ኣብ 2023 ገሊጻ ነይራ።

ትራምፕ ግን ነዚ ወፍርን ንግድን ንድሕሪት ክመልሶ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ መንበር ዝመፅእ መንግስቲ ዝያዳ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝጥምት ፖሊሲ እዩ ዘለዎ።

ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ጭርሖታቱ "ቀዳምነት ንኣመሪካ" ዝብል ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 2000 ጀሚሩ፡ ግብሪ ከይከፈላ ገለ ካብ ፍርያተን ናብ ኣመሪካ ንምልኣኽ ዘኽኣለን ዝነበረ መደብ ዕብየትን ዕድልን ንኣፍሪቃ (ኣጎዋ) ከይቋረጽ ስክፍታ ኣሎ።

ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ምምሕዳሩ መሊኡ'ኳ እንተዘይኣቋረጾ፡ እቲ መደብ ድሕሪ 2025 ከምዘይሕደስ ኣእንፊቱ ነይሩ።

ከምኡ’ውን ኣብቲ ሎሚ ንመረጻ ዝገብሮ ዝነበረ ጎስጓስ ኣብ ኩሎም ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት፡ 10 ሚኢታዊት ቀረጽ ከኽፍል ተሓንዩ።

ስለዚ ኣፍሪቃውያን ኣፍረይቲ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣመሪካ ፍርያቶም መወዳደሪ ቦታ ከይስእን ይሻቐሉ።

ወሃብቲ ርእይቶ፡ ብመደብ ኣጐዋ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ተረባሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ ምቑራጽ እቲ ዕድል ኣብ ቁጠባኣ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል የተንብሁ።

ትራምፕ ኣብ መደብ ኣጎዋ ድሌት እኳ እንተዘይነበሮ፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ክትገትእ እንተኾይና፡ ብዝዀነ መገዲ ምሕዝነታ ከተቕፅል ከመዘለዋ ይርዳእ እዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ 2018 ‘ፕሮስፐር ኣፍሪቃ’ ብዝብል ውጥን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ወፍሪ ክገብራ ንዝደልያ ኩባንያታት ኣመሪካ ዝሕግዝ ተበግሶ ሓንጺጹ።

ከምኡ’ውን፡ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝካየዱ ፕሮጀክትታት ልምዓት ዝምውል ልምዓታዊ ፋይናንስ ኮርፖሬሽን (DFC) ኣቚሙ።

ባይደን ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ንኽልቲኦም ውጥናት ኣቐጺልዎም'ዩ። ልምዓታዊ ፋይናንስ ኮርፖሬሽን (DFC) ድማ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘፍሰሰ ይገልጽ።

ትራምፕ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እትፈጥሮ ዘላ ፅልዋ ኣብ ግምት ብምእታውን ነዚ ቅድሚ ምቑራጹ ክልተ ግዜ ክሓስበሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ረድኤት

ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ረድኤት ካብ ኣመሪካ እያ እትረኽቦ። ኣመሪካ፡ ኣብዚ ፋይናንሳዊ ዓመት ዳርጋ 3.7 ቢልዮን ዶላር ከምዘወፈየት ትገልጽ።

ምምሕዳር ትራምፕ ግን፡ ናብ መላእ ዓለም ዝግበር ሓገዝ ንምንካይ መደባት ኣለዎ።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ እብረ-ስልጣኑ፡ ኮንግረስ ነዚ ምጉዳል ገቲኡዎ ነይሩ።

ቤት ምኽሪ ርክባት ወጻኢ፡ [CFA] ዝተባህለ ኣብ ሽንግተን ዝመደብሩ ትካል፡ መደብ ትራምፕ፡ ተግባራዊ ኰይኑ እንተዝኸውን ነይሩ “ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓውዲ ጥዕና፡ ንህንፀት ዲሞክራሲን ጸጥታዊ መዳያትን እትገብሮ ሓገዛት ደው ምበላ ነይሩ” ይብል።

ሪፓብሊካን ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ መረጻ ኣብ ኮንግረስ ዓብላሊ ድምጺ እንተረኺቦም ግን ንምቁራፅ ሓገዝ ድፍኢት ክህሉ ይኽእል እዩ።

እቲ ሰልፊ ድሮ ንሰኔት[ላዕለዋይ ባይቶ ኮንግረስ] ኣውሒሱ ኣሎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ [ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ] ዝበዝሐ ድምጺ ኣለዎ።

ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንኤችኣይቪ ንምምካት ዓቢ ገንዘብ ዘፍሰሰ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተበግሶ ኣመሪካ 'ፔፕፋር' ክዓጽዎ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት’ውን ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካን እዚ መደብ- ንምንጻል ጥንሲ ይውዕል ኣሎ -ብዝብል፡ ኣብ ልዕሊኡ ርኡይ ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።

እቲ መደብ፡ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት መጋቢት ክናዋሕ ተፈቒዱ'ዃ እንተሎ፡ እቲ ኣንጻር-ምንጻል ጥንሲ ዝዀነ ትራምፕ፡ ነዚ መደብ ከም ዝዓጽዎ ይመስል።

ስደተኛታት

ትራምፕ ኣብ ዘይሕጋዊ ስደት ዘለዎ ኣረኣእያ ንጹር እዩ።

ኣብ ጐስጓስ መረጻ 2024፡ ኣብ ኣመሪካ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ሓደ ሚልዮን ሰባት ክጥረዝ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እዚ ብፍላይ ንኣፍሪቃ ዝምልከት እዩ።

ምኽንያቱ፡ ኣብ 2022 ጥራይ ኣስታት 13 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ከምዝተመዝገቡ መረዳእታ ጉምሩክን ሓለዋ ዶባትን ኣሜሪካ ይሕብር።

ኣብ 2023 እዚ ኣሃዝ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ ናብ 58 ሽሕ በጺሑ።

እዞም ሰባት ካብ ኲናት ዘምለጡ ከምኡ'ውን ብዙሕ ናይ ስደትን ድኽነትን ዛንታት ኣለዎም።

እዚ ናይ መጀመርትኡ ኣይኰነን። ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣኑ ካብ ናይጀርያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ታንዛንያን ሓዊሱ ካብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝውሕዙ ስደተኛታት ዝገትእ ስጉምትታት ኣተኣታትዩ ነይሩ።

ኬንያዊ ጋዜጣ ታይፎ ሊዮ፡ ካብታ ኣስታት 160 ሽሕ ዝቑጸሩ ስደተኛታት እታ ሃገር፡ ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ተነጽሎ ከይገጥሞም ልዑል ስክፍታ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ጸጥታን ግጭትን

ትራምፕ ካብ ስልጣን ግልስ ኢሉ ኣብ ዝፈንሐሉ፡ ሩስያ ግን ኣብ ኣፍሪቃ ህላወኣ ኣሐይላቶ ኣላ።

ሓደ ካብዚ፡ ከም በዓል ማሊ፣ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ዝኣመሰላ ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝተሃስያ ሃገራት ሰራዊትን ኣጽዋርን ብምሃብ እዩ።

ምትእትታዋት ሩስያ ንኣመሪካ ድቃስ ዝህብ ኣይኰነን፤ ክልቲኦም ታሪኻውያን ተሓናሕቲ ስለዝዀኑ።

ትራምፕ ንሩስያ ንምድፋእ ንሃገራት ኣፍሪቃ ደገፍ ክህብ'ዶ ይኸውን?

ትራምፕ፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝያዳ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ ዝብል ግምታት ኣሎ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንናይጀርያ፡ እቲ ን15 ዓመታት ዝዘረጋ ጉጅለ እስላማውያን ዕጡቓት-ቦኮ ሓራም ንምምካት ኢዱ ዘርጊሑ ነይሩ።

ጉዳይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለን ን18 ኣዋርሕ ዝጸንሐን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ውን ኣሎ።

ሚስተር ሙር፡ "ትራምፕ ልዕሊ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ሱዳን ክግደስ ምዃኑ ብሓቂ እጠራጠር እየ" ይብል።

ኣብ መወዳእታ ግን፡ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ምስ በጽሐ ትኹረቱ ኣብ ምንታይ ከምዝገብር ፍጹም ርግጸኛ ኰይንካ እትዛረበሉ ኣይኰነን።

ከምቲ ሚስተር ሙር ዝብሎ፡ "ትራምፕ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ነገር ኣዝዩ ኢኦርቶዶክሳዊ [ዘይተገማቲ] እዩ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ንሓድሽቲ ነገራት ክዳሎ ኣለዎ። ናይ ግድን ንጽቡቕ ነገራት ዘይኮነስ፡ ንዝይተገመቱ ሓድሽቲ ጽጻመታት" ኢሉ።