ትራምፕ፡ ኣመሪካውያን ስለምንታይ'ዮም ካልኣይ ዕድል ሂቦምዎ?

ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሜላንያ ትራምፕ እናሰዓመ፤ ረቡዕ 6 ሕዳር 2024፡ ኣብ ዌስት ፓልም ቢች፡ ፍላንሲስካ።

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሜላንያ ትራምፕ እናሰዓመ፤ ረቡዕ 6 ሕዳር 2024፡
    • Author, Sarah Smith
    • Role, North America editor

ብርግጽ እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ምልሶትዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዋይት ሃውስ ወጺኡ ኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ ምፅንሑ፡ ሚልዮናት ኣመሪካውያን ካልኣይ ዕድል ስለዝሃብዎ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ይምለስ ኣሎ።

ፍጻመታት’ቲ ጐስጓስ መረጻ፡ ንመጻሕፍቲ ታሪኽ ዝኸውን እዩ።

ካብ ክልተ ፈተነታት ቅትለት ድሒኑ፤ እቲ ነባር መነሓንሕቱ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ውድድር ኣንሳሒቡ።

ዋላ'ኳ ናይ መወዳእታ ድምጺ ገና ይቝጸር እንተሎ፡ ኣብ ወሰንቲ ግዝኣታት ዝርከቡ መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ንዕኡ መሪጾም ኣለዉ፤ ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ምዃኑ ኣብ ዘረጋገጸሉ፡ ብዙሓት ጉዳያት ቍጠባን ስደተኛታትን ከም ቀንዲ ስክፍታ ይጠቕሱ።

ዓወቱ ድሕሪ መስተንክር ውድቀት እዩ ተመሊሱ ዝመጽእ ዘሎ።

ብባይደን ዝተሳዕረሉ ውጽኢት መረጻ 2020 ምቕባል ኣብዩ፡ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ነቲ ውጽኢት ንምቕልባስ ዝገበሮ ፈተነ ገና ኣብ ቤት ፍርዲ ይምርመር ኣሎ።

ንሱ ብ6 ጥሪ 2021፡ ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ዝተልዓለ ናዕቢ ወዲቡ ብዝብል እዩ ዝኽሰስ።

ከምኡ'ውን ካብ ግብሪ መንግስቲ ንምህዳም ኣታዊታቱ ሓቢኡ ብዝብል ክሲ'ውን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ብገበን ተፈሪዱ ናብ መንበር ዝምለስ ዘሎ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኰይኑ ታሪኽ ክሰርሕ እዩ።

እንተዀነ፡ ስለምንታይ ኣዝዩ ኣዛራቢ ከምዝዀነ ምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኰነን።

ትራምፕ ኣብ ምሉእ እዋን ጐስጓስ ‘ሕማቕ’ ቃላት ይጥቀም ነይሩ፤ ጽዩፍ ዋዛታት ይነግርን ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ጸላእቱ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ የፈራርሕን ነይሩ።

ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ናብ ዋይት ሃውስ ዝተመልሰ ካልኣይ ፕረዚደንት ጥራይ ክኸውን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ናብ ዋይት ሃውስ ዝተመልሰ ካልኣይ ፕረዚደንት ጥራይ ክኸውን እዩ።

ቍጠባ- ልቢ ሰባት ዝተንከፈ ዘረባ

መብዛሕትኦም ኣብ እዋን እቲ ጎስጓስ ርእይቶኦም ዝሃቡ መረጽቲ፡ ንትራምፕ “ኣፍካ ሓዝ” ክብሉዎ ኣይጸልኡን ነይሮም፤ እንተዀነ ንድሕሪት ክጥምቱ ዝተገደዱ ይመስሉ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ኣተኵሮኦም ኣብ ሓንቲ ንሱ ደጋጊሙ ዘልዕላ ሕቶ እዩ ነይሩ።

“ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ዝነበርካዮ/ክዮ ሕጂዶ ይሕሸካ/ኪ?”- ዝብል።

ስለዚ ብዙሓት ንዶናልድ ትራምፕ ዝመረጹ ሰባት፡ ንሱ ኣብ ስልጣን እንከሎ ቍጠባ ኣዝዩ ዝሓሸ ኰይኑ ከም ዝተሰምዖምን፡ ሕጂ ምስ ናብራ ይቃለሱ ከምዘለዉን ደጋጊሞም ይዛረቡ።

መብዛሕትኡ ጠንቂ ናህሪ -ወሰኽ ዋጋታት፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝኣመሰሉ ዝመበገሲኡ'ኳ እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር እዮም ዝወቕሱ።

መረጽቲ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ባይደን ክብረወሰን ዝሓዘ ‘ዘይሕጋዊ ስደት’ እውን ሰፊሕ ስክፍታ ኣለዎም።

ከምቲ ትራምፕን ደገፍቱን ዝብልዎ፡ ዓሌታዊ ኣረኣእያታት ኣየነረጸባርቑን፡ ‘ስደተኛታት እንስሳ ዘቤት-ሰባት ይበልዑ ከምዘለዉ” ኣይኣምኑን፤ ተሪር ሓለዋ ዶብ ክግበር ግን ይጠልቡ።

ትራምፕ ዘጋጠሞ ገበናዊ ክስታት፡ መራጽቲ ኣመሪካ ድምፆም ካብ ምሃብ ኣይዓገቶምን።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ዘጋጠሞ ገበናዊ ክስታት፡ መረጽቲ ኣመሪካ ድምጾም ካብ ምሃብ ኣይዓገቶምን።

'ቀዳምነት-ኣመሪካ' ጭርሖ ትራምፕ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

'ቀዳምነት ኣመሪካ' [ኣመሪካ ፈርስት] መለለዪት ጭርሖ ትራምፕ'ያ።

ብሓቂ ንመረጽቲ እትትንክፍ ጭርሖ እያ ትመስል። ኣብ መላእ ሃገር፡ ሰባት ብየማነ-ጸጋም፡ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክውዕል ኣብ ዝጠልብሉ እዋን፡ ናብ ዩክረይን ቢልዮናት ዶላር ምፍሳሱ ባህ ኣይብሎምን።

ኣብ መወዳእታ፡ ነታ ንኣርባዕተ ዓመታት ምክትል ፕረዚደንት ባይደን ኰይና ዘገልገለት ካማላ ሃሪስ ድምጾም ክህቡ ኣይከኣሉን።

ከምኡ ኰይኑ ክቕጽል እዩ ኢሎም ይኣምኑ፤ ለውጢ ክርእዩ ደልዮም።

ምናልባት እቲ ዝያዳ ንለውጢ ዝውክል ሕጹይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ስልጣን ምንባሩ፡ ዘስሕቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ መንጐ ሽዑን ሕጂን ግን ሓያሎ ፍልልያት ኣሎ።

ኣብ 2016 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ጋሻ-ፖለቲከኛ እዩ ነይሩ። እንተወሓደ ንእተወሰነ እዋን ዝገትእዎ፡ መንገዲ ዘርእዩዎን ብገዳይም ኣማኸርቲ ፖለቲካን ሰራሕተኛታትን ተኸቢቡ ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ ብሕጊ እቲ ጸወታ ዝቕየድ ኣይመስልን።

ብዙሓት ካብቶም ኣማኸርቱ ዝነበሩ “ሓሳዊ”፡ “ፋሽሽታዊ”ን “በትኪ” ኢሎም ኣናኢሶምዎ እዮም።

ንሱ ክገብሮ ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ብገለ እሙናት መቕርባቱ ምኽባብ እዩ፤ ካብቲ ዝያዳ ሕሉፍ [ጫፍ ዝረገጸ] ሓሳቡ፡ ዝገትኦ ሰብ ኣይክህሉን፤ እዚ ንብዙሓት ዘሻቕል ነገር እዩ።

ካብ ስልጣኑ ምስ ወጸ፡ ምስቲ ኣብ ናዕቢ ካፒቶል ዝነበሮ ተራ፡ ምስ ኣተሓሕዛ ንሃገራዊ ድሕነት ዝምልከቱ ሰነዳት፤ ንሓንቲ ኮኾብ ግብረ-ጽዩፍ [ፖርኖግራፊ] ኣፋ ንኽትሕዝ ዝኸፈሎ ገንዘብን፡ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ገበናዊ ክስታት ኣለዎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ኰይኑ ብዝፈጸሞ ተግባር ከይግታእ ወሲኑ፤ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝቕጽል ምምሕዳራኡ ክሲ ክምስርተሉ ዓቐብ ክዀኖ እዩ።

ከምኡ’ውን ከም ፕረዚደንት መጠን፡ ነቲ ምስቲ ብ6 ጥሪ 2021 ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ከቋርጾ፡ ንክፍሊ ፍትሒ ክእዝዞ ይኽእል’ዩ።

ማዕረ ማዕረኡ ድማ ምስ ናዕቢ ካፒቶል ብዝተኣሳሰር፡ ማእሰርቲ ዝተፈርዶም ኣማኢት ሰባት ከፍትሖም ይኽእል እዩ።

ነቲ ካማላ ሃሪስ ኣብታ ሃገር ዝተግበረቶ መደብ ስደት ነጺጐምዎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካማላ ሃሪስ ኣብታ ሃገር ዘተግበረቶ መደብ ስደት ተቐባልነት ኣይረኸበን

ክልተ ‘ዓንድታት’ ኣመሪካ

ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሱ ጥራይ ከድሕና ዝኽእል፡ ሃገሮም ‘ፍሽልቲ’ ምዃና ነጊሩ ኣእሚኑዎም ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሃሪስ፡ ትራምፕ እንተተመሪጹ፡ ዲሞክራሲ ኣመሪካ ንባዕሉ ናይ ህላወ ሓደጋ ከምዘጋጥሞ ኣጠንቂቓ እያ።

ርግጽ፡ እዚ ገና ንቕድሚት ዝርአ እዩ።

ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ ዝተዛረቦ ግን፡ ሰባት ከይፈርሑ ዝገብር ኣይነበረን።

ንሱ፡ ንበዓል ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያዊ ኪም ጆንግ ኡንን ዝኣመሰሉ ‘ምልካውያን’ መራሕቲ ዝንእድ እዩ።

“ፈቲኹም ጸሊእኩም፡ ኣብ ናታቶም ልዑል ደረጃ ጸወታ ይዋስኡ ኣለዉ” ይብሎም።

ነቐፍቲ ኣፎም ንኽሕዙ ካብ ምግባር ድሕር ከምዘይብል ተዛሪቡ ኣሎ።

ሒደት መዓልታት መረጻ ቅድሚ ምጅማሩ፡ጋዜጠኛታት እንተተቐተሉ’ውን ዝግድሶ ከምዘይኰነ ዘስምዕ ዘረባ ሞሊቕዎ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ እንተተዓወተ’ውን፡ ንውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን መሰረት ዘይብሉ ምትላል መረጻን፡ ምጕላሕ ቀጺሉ’ሎ።

ሕጂ፡ መረጽቲ ኣብ እዋን ጐስጓስ ዝበሎ ክሳብ ክንደይ ካብ ልቡ ከምዝዀነ ክርእዩ ክግደዱ እዮም።

ምስ ካልኣይ ዕድመ-ስልጣን ትራምፕ ዝገጥሙ ዘለዉ ግን፡ ኣመሪካውያን ጥራይ ኣይኮኑን።

ሎሚ፡ እታ ዝተረፈት ዓለም “ቀዳምነት-ኣመሪካ” ዝብል ጭርሖ ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ከርእያ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣኑ ኵሉ ውጥናቱ ከተግብር ኵነታት ኣይፈቐደሉን ነይሩ።

ሕጂ ካልኣይ እብረ-ስልጣኑ፡ ብኣግባቡ ክጥቀም ምስ ጀመረ፡ ኣመሪካን ዓለምን፡ ትራምፕ ብሓቂ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ክዕዘባ እየን።