ሃገራዊ መዝሙር ኣመሪካ ኣብ ዝዝመረሉ እዋን ዝረበሹ ካናዳውያን

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ዘንበሮ ቀረጽ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኣፍቀርቲ ስፖርት ዝተራእየ ምትህልላኽ

ምንጪ ስእሊ, USA Today Sports

ካናዳውያን ደገፍቲ ፡ጸወታ ኵዕሶ በረድ [ሆኪ] ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዘንበሮም ሓድሽ ቀረጽ ስዒቡ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት እቲ ጸወታ ሃገራዊ መዝሙር ኣመሪካ ንኸይዝመር ረቢሾም።

እቲ ጸወታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኦቶዋ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ጋንታ ሊግ ሆኪ ኣመሪካ ድማ ኣንጻር ካናዳዊት መጋጥምታ ክትገጥም ተሰሊፋ።

ኣብቲ እዋን ዝዝመር ዝነበረ ሃገራዊ መዝሙር ኣመሪካ ግን ድምጺ ተቓውሞ ብዘስምዑ ካናዳውያን ተረቢሹ።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ግጥም ማሕበር ኵዕሶ ሰኪዐት፡ ጋንታታት ቶሮንቶ ራፕሮረስን ሎስ ኣንጅለስ ክሊፐርስን ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን'ውን፡ ብተመሳሳሊ ካናዳውያን ሃገራዊ መዝሙር ኣመሪካ ንኸይዝመር ረቢሾም።

ድምጺ ናይታ ሃገራዊ መዝሙር እተቕርብ ዝነበረት ጓል 15 ዓመት'ውን ብናይ ተቓውሞ ድምጺ ተዋሒጡ ነበረ።

ኣብ መንጎ እቶም ወትሩ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎም ኣመሪካውያንን ካናዳውያንን ከምዚ ዓይነት ተግባር ከጋጥም'ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኰነን።

ተንተንቲ፡ እዚ ካናዳውያን ትራምፕ ብዘንበሮ ቀረጽ ኣዝዮም ከም ዝተቘጥዑ ዘርኢ'ዩ ይብሉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ምህርቲታት ካናዳ 25 ሚእታዊት ቀረጽ ከም ዘንበረ ይዝከር።

እዚ ድማ ኲናት ንግዲ ከየስዕብ ይስጋእ።

ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ሸቐጣት፡ 25 ሚእታዊት ቐረጽ ክኽፈሎም እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ድማ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ክስላዓሎም እዩ።

እዚ፡ ንንግዲ ወጻኢ ካናዳ ጽልዋ ከም ዘሕድረሉ ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ፡ ካብዚ ዘየድሊ ቀረጽ ክትናገፍ ድልየት እንተ`ልዩዋ፡ መበል 51 ግዝኣት ኣመሪካ ክትኸውን ኣለዋ ይብል።

እዚ ሓሳብ፡ ቅድም ኢሉ ከም ዋዛ ክውሰድ ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ ሕጂ ግን ትራምፕ ይዋዘ ከም ዘየሎ ግልጺ ዝዀነ ይመስል።

ተንተንቲ ንግዲ፡ ካናዳ ነዚ ስጕምቲ ኣብ እትህቦ ግብረ-መልሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ተጠቀምቲ ወሰኽ ዋጋ ዘስዕብ'ኳ እንተዀነ፡ ብሓፈሻ ግን በቲ ኲናት ንግዲ እትህሰ ካናዳ'ያ ይብሉ።

እዚ ቀረጽ ንኣዋርሕ እንተ ቀጺሉ፡ ቍጠባ እታ ሃገር ክዳኸም ከም ዝኽእል የመልክቱ።

ቀዳማይ ምኒስትር ጀስቲን ትሩዶ፡ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "በዚ ውሳነ ብዙሕ ሰብ ከም ዝጕዳእ እፈልጥ፣ እንተዀነ፡ ካናዳውያን ሓድሕድና ደው እንብለሉ ግዜ ሕጂ'ዩ፡" ብምባል ህዝቢ ሃገሩ ክተሓጋገዝ ተማሕጺኑ።

ነዚ ስምዒታዊ ዘረባ ትሩዶ ስዒቡ፡ ካናዳውያን ፍርያት ኣመሪካ ዝዀነ ነገራት ንዘይምዕዳግ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጐስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ካልኦት ካናዳውያን ድማ ናብ ኣመሪካ ዝገብሩዎ ጕዕዞታት ከም ዝሰረዙ ይገልጹ።

ካናዳ፡ ኣብ ልዕሊ ምህርቲታት ኣመሪካ [ኣሕምልቲ፡ ዓለባ፡ ናውቲ ስፖርት፡ ጨናን ካልኦት ኣቝሑን ሓዊሱ] ብጠቕላላ ናይ 105 ቢልዮን ዶላር ቀረጽ ኣንቢራ ኣላ።

ኣመሪካ፡ ዝበዝሕ ነዳዲ ካብ ካናዳ እያ ኣታዊ ትገብር።

ካናዳውያን፡ ምስ ኣመሪካ ንዓሰርታት ዓመታት ጥቡቕ ቍጠባውን ማሕበራውን ርክባትን ምትሕብባራት ድሕነትን'ዩ ጸኒሑዎም።

ኣብ ዝመጽእ ቀዳማይ ምኒስትር ክኸውን ዝሕሰብ መራሒ ሊበራል ሰልፊ ፒር ፖሊየቭ፡ ስጕምቲ ትራምፕ "ዘሰንብድ" ከምኡ'ውን "ዘይፍትሓዊ" እዩ ክብል ነቒፉ።

ትራምፕ እዚ ስጕምቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክቕጽል እንተ ገይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ቍጠባ ካናዳ ልዑል ቅልውላው ከስዕብን ሽቕለት ኣልቦነት እታ ሃገር ናብ 7 ሚእታዊት ክዓቢ ክገብር ከም ዝኽእልን ይስጋእ።

ይዅን'ምበር፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካናዳ እዚ ሃንደበታዊ ውሳነ ክትወስድ ዝገበራ፡ ካናዳ ናብ ድርድር ንኽትመጽእ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

ትራምፕ፡ ካልእ ዘልዕሎ ጕዳይ ዘይሕጋዊ ስግረ-ዶብ እዩ።

ፈንታለንን ስደትን ደው ንምባል ጐረባብታ ዝዀና ካናዳን ሜክሲኮን ብቐረጽ ከጨናንቐን እዩ ዝህቅን።

ካናዳ ብወገና፡ ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፈንታነል (ፈውሲ ቃንዛን መደንዘዝን) ብጠቕላላ ሓደ ሚእታዊት ኣይመልእን ትብል።

ትራምፕ ግን እዚ ኣይተወሓጠሉን።

ትራምፕ፡ ትማሊ ኣብ ሶሻል ትሩዝ "ኣመሪካ ምህርቲታት ካናዳ ኣይትደልን፣ ኣመሪካ ንካናዳ ንምድጓም ቢልዮናት ዶላራት እያ ተውፍር። ነዚ ድጋፍ ደው እንተ ኣቢልናዮ ከም ሃገር ኣይትቕጽልን፡" ክብል ጽሒፉ።