ትራምፕ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ

ነፈርቲ ወግእ

ምንጪ ስእሊ, US Africa Command

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣየር ክፍጸም ከምዝኣዘዘ ተዛሪቡ።

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "እዞም ኣብ በዓትታት ተሓቢኦም ዝረኸብናዮም ቀተልቲ፡ ንኣመሪካን መሻርኽትናን ስግኣት እዮም" ክብል ጽሒፉ።

"እቶም መጥቃዕቲታት ነቶም ኣሸበርቲ ዝነብርሉ በዓትታት ኣዕንዮም፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንሲቪላት ከይጎድኡ ዝፍፀሙ እዮም።"

ትራምፕ ካብቶም ዒላማ ዝኾኑ ሰባት ስሞም ኣይጠቐሰን።

እቲ ፕረዚደንት ግን ነቲ ጽሑፍ ከምዚ ብምባል እዩ ዛዚሙ፡ "ንዳዕሽን ካልኦት ኩሎም ንኣመሪካውያን ዘጥቅዑን 'ክንረኽበኩም ኢና፡ ክንቀትለኩም ድማ ኢና' ዝብል መልእኽቲ ክነሕልፈሎም ኢና"።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣመሪካ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣይኤስ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተሓበሮም ሓቢሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፡ "ኣመሪካ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዓለማዊ ግብረሽበራ እትገብሮ ዘላ ነቕ ዘይብል ደገፍ ኣፍልጦ ከም ዝህብን፤ ኣብ ትሕቲ ወሳኒ መሪሕነት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቀጻሊ ተወፋይነት ከምዝህልዎን" ገሊጹ።

እቲ ጽሑፍ ብተወሳኺ፡ እዚ ስርሒት "ኣብ መንጎ ሶማልያን ኣመሪካን ኣብ ምምካት ስግኣታት ኣኽረርቲ ዘሎ ሓያል ጸጥታዊ ሽርክነት ዘደልድል'ዩ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ናይ መጀመርታ ገምጋምና ኣብቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብዙሓት ኦፕሬተራት ከምዝተቐትሉን ዝኾነ ሲቪል ከምዘይተጎድአን'ዩ" ኢሉ።

ቢቢሲ ብዛዕባ ፀብፃባት ዝበጽሐ ጉድኣት ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ሄግሰት፡ እቲ ስጉምቲ፡ ኣይኤስ "ሽበራዊ መጥቃዕትን ውዲትን ናይ ምፍፃም ዓቕሙ ዝያዳ የጉድሎ" ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣኽራናት ጎሊስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።

መንግስቲ ፑንትላንድ፡ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ፡ ኣብቲ "ላዕለዎት ኣባላት" ኣይኤስ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝተሳተፉ "ዓለማዊ መሓዙት" ኣመስጊኑ።

ኣይኤስ ኣብ 2010ታት ብፍላይ ኣብ ሶርያን ዒራቕን እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ብቐንዱ ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ ጥራይ ዝተሓጽረ ይመስል።

ኣይኤስ-ጉጅለ ሶማልያ፡ ኣብ 2015 ምስ ኣልቃዒዳ ዝምድና ዘለዎ ጉጅለ ኣልሸባብ ተፈንጪሉ ዝወጹ ጉጅለ ዝተመስረተ እዩ።

ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ኣይኤስ ንደቂ ዓዲ ብምቕታል ዕሉል ኮይኑ፡ ብቐንዱ ድማ ናእሽቱን ስፍሕ ዝበለ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም ቤት ጽሕፈት ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ይሕብር።

ሓይልታት ኣመሪካ፡ ብባይደን ብዝተኣዘዘ ስርሒት፡ ኣብ 2023 ኣብ ሰሜን ሶማልያ ኣብ ዝርከብ ርሑቕ ኣኽራናዊ በዓቲ፡ መራሒ ኣይኤስ ቢላል ኣል ሱዳኒን 10 ሰራሕተኛታቱን ቀቲሎም።

ትራምፕ ኣብ 2020 ካብ ዋይት ሃውስ ክወጽእ ከሎ ካብ ዝወሰዶም ናይ መወዳእታ ስጉምትታት ሓደ፡ ኣማኢት ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማልያ ምውጻእ ምንባሩ ይዝከር።

ባይደን፡ ኣብ 2021 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ነቲ ውሳነ ዓጺፉ።

ትራምፕ ሕጂ ድሕሪ ምምላሱ ግን፡ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ክካየድ ኣዚዙ ኣሎ።

ትራምፕ ኣመሪካ ኣብ ግጭታት ካልኦት ሃገራት ክትሳተፍ ከምዘይደሊ ይገልፅ።

ሶማልያ ግን ብዋሽንግተን ዝተፈለየ ትኹረት ይዋሃባ።

ኣመሪካ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ወፍሪ ብምግባር፡ ኣልሸባብ ዘስዕቦ ሓደጋ ንምቁጽጻር ዘሚታ እያ።

ትራምፕ 1.0 [ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ] ንኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝገበሮ ርክብ ቀዳምነት ዝህቦ ኣይነበረን ተባሂሉ እዩ ዝሕመ፤ ንኽልተ መራሕቲ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣአንጊዱ ግን ናብታ ኣህጉር በጺሑ ኣይፈልጥን።

ትራምፕ 2.0 [ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ] ንኣፍሪቃ ብተወዳዳሪ መነጽር ክጥምታ ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ድማ ብሰንኪ ተጻባእቲ ኣመሪካ ዝኰና ሩስያን ቻይናን ኣብታ ኣህጉር ዘለወን ንግዳዊ ጽልዋ ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል።