ኣፍልጦ ሃገርነት ንኽትረክብ ምስ ትራምፕ ትመሓዞ ዘላ ሶማሊላንድ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት፡ ዶናልድ ትራምፕ ወግዓዊ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ኣመሪካ ነታ ንገዛእ ርእሳ ሪፓብሊክ ኢላ እትጽውዕ ርእሰ ምምሕዳር፡ ኣፍልጦ ዝሃበት ፈላመይቲ ሃገር ክትከውን ተዳልያ ከምዘላ ይኣምኑ።
ሶማሊላንድ፡ ቅድሚ 33 ዓመታት ሶማልያ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እያ ናጽነታ ኣዊጃ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ብብዙሕ መዳይ ብተግባር ከም ሓንቲ ብሄራዊት-ሃገር ኰይኑ'ያ ጸኒሓ።
"ዶናልድ መድሓኒና'ዩ። ለባምን ናይ ተግባር ሰብን እዩ። ኣምላኽ ንኣሜሪካ ይባርኽ" ትብል ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዓይሻ እስማዒል። ንሳ፡ እዚ ክትብል እንከላ እቲ ተስፋ ብዘፈጠረላ ታሕጓስ ድምጻ የንቀጥቅጥ ነይሩ።
ዓይሻ ካብ ሞቓዲሾ ንሰሜን 850 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ እያ ትነብር።
ነቶም ኣብ ሞቃድሾ ዝርከቡ ግን ሶማሊላንድ ዘይትምቀል ክፋል ሶማልያ እያ።
"ዶናልድ ትራምፕ ሶማሊላንድ እንታይ ምዃና ወይ'ውን ኣበይ ከምዘላ ዝፈልጥ ኣይመስለንን" ይብል ተንታኒ ዳታ ኣብዲ መሓሙድ ካብ ሞቓዲሾ ድምጹ ክናወጽ እናደለየ።
"ኣዝየ ሓሪቐ'የ ዘለኹ።"
ኣዝዩ ዘሕረቖ ነገር፡ እቲ ዓይሻ እስማዒል ዘለዋ ልዑል ተስፋ፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ክትግበር ዝኽእል ምናባዊ ተስፋ ክኸውን ስለዝኽእል እዩ።
ሓያላትን ጸለውትን ሪፓብሊካን እቲ ሓሳብ ንክፍጸም ይደፍኡ ኣለው። ካብኦም ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣመሪካ ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህብ ዝእምት እማመ ዘቕረበ ኣባል ኮንግረስ ስኮት ፔሪ እዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተሓትመ ፕሮጀክት 2025 እዩ። እዚ ፕሮጀክት ብፍሉጥ የማናዊ ሄሪቴጅ ፋውንዴሽንን ብካልኦት ልዕሊ 100 ዓቃባውያን ትካላትን ዝተወደበ ንኻልኣይ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ዝምልከት ፍኖተ-ካርታ እዩ።
እዚ ሰነድ፡ ኣብ ውሽጡ ዝጠቕሰን ግዝኣታት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ክልተ ጥራይ እየን - ሶማሊላንድን ጅቡቲን። ካብቶም ዘቕረቦም ሓሳባት ሓደ ድማ "ሃገራውነት ሶማሊላንድ ከም መከላኸሊ ኣንጻር እቲ እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ መርገጺ ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ" ዝብል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ይኹን እምበር ኣብቲ ልዕሊ 900 ገጻት ዘለዎ ውጥን ንትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝምልከቱ ገጻት ክልተ ጥራይ ምዃኖም፡ እታ ኣህጉር ትሑት ቀዳምነት ከምዝተወሃባ ዘመልክት እዩ።
ከምኡ'ውን እቲ ዝመጽእ ምምሕዳር ነቲ ውጥን ከምዝኽተሎ ውሕስነት የለን። ንገለ ካብኡ ድማ ትራምፕ ድሮ ነጺግዎ'ሎ።
ግን ሓደ ንጹር ነገር ኣሎ። ኣመሪካ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሶማሊላንድ ዘለዋ መርገጺ ክትቅይር ጀሚራ ኣላ። ካብቲ "ዋን-ትራክ" ፖሊሲ ሶማልያ ብዝፍለጥ ኣብ ሞቃድሾ ዘተኰረ ኣካይዳኣ ትርሕቕ ኣላ።
ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ካብ መጀመርታ 1990ታት ኣትሒዛ ብገንዘብ፡ ብሃብትን ሰብኣዊ መዳይን ክቡር ዋጋ ከፊላ እያ። ሄሊኮፕተራታ ብተዋጋእቲ ዓሌት ሶማል ድሕሪ ምውዳቐን፡ ሬሳታት 18 ኣመሪካውያን ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጎደናታት ሞቓድሾ ተጎቲቶም እዮም።
"ብላክ ሆክ ዳውን" ብዝብል ዝፍለጥ ውግእ፡ ድሕሪ ኲናት ቬትናም ብመንጽር ክሳራታት ኣመሪካ ዘጋጠማ ዝኸፍአ ውግእ ከምዝነበረ ይዝከር።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ዓሊ መሓመድ ዑመር፡ "ንናጽነት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝውሰድ ዝዀነ ይኹን ስጉምቲ፡ ንልኡላውነት ሶማልያ ዝጻረር ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓደገኛ ቅድመ-ኩነት ብምቕማጥ ነቲ ዞባ ናብ ዘይምርግጋእ ከምዝኣቱ ዝገብር'ዩ" ይብል።
ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዓለማዊ ሓይልታትን ግዝኣታዊ ሓድነት ልዕሊ ኵሉ ምዃኑ ይኣምኑ። ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተገንጸልቲ፡ ናትና ንዝብልዎም ግዝኣታት ኣፍልጦ ንክወሃቦም ክጠልቡ ዝገብር ሰንሰለታዊ ግብረ መልሲ ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብተወሳኺ፡ እቲ ቀዳማይ ምምሕዳር ትራምፕ መብዛሕትኦም እቶም ብቐጻሊ ምስ ኣልቃዒዳ ዕውት ምትእስሳር ከምዘለዎም ምስ ዝግለጹ ኣል-ሸባብ ክዋግኡ ዝጸንሑ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶማልያ ክወጽኡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከይድገም ዝብሉ ስክፍታታት'ውን የጉልሕ።
ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣስታት 500 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ዓስኪሮም፡ ፍሉይ ስርሒታት የካይዱን፡ ዳናብ ብዝብል ዝጽዋዕ ፍሉይ ሓይሊ ሶማልያ ከሰልጥኑን ጸኒሖም እዮም። "በርቂ" ዝብል ትርጉም ዘለዎ ፍሉይ ሓይሊ ዳናብ ካብ ስሩዕ ሰራዊት ሶማልያ ንላዕሊ ንኣል-ሸባብ ካብ ሱሩ ንምውጋድ ኣድማዒ ምዃኑ ይእመን።
ኣመሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሞቃድሾ ኣብ ዝርከብ ባሌዶግለ መደበር ኣየር ኣለዋ። ኣብ ልዕሊ እስላማውያን ዕጡቓት ከኣ ስሩዕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ተካይድ።
ንወተሃደራት ኣመሪካ "ምስሓብ ርኡይ ናይ ጸጥታ ክፍተት ዝፈጥር ኰይኑ፡ ንጉጅለታት ግብረ ሽበራዊ ድፍረት ዝህብን ንምርግጋእ ሶማልያ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰፊሕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን'ዩ" ክብል እቲ ሚኒስተር የጠንቅቕ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ሚኒስተር ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ምስቲ ሶማልያ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ንዝተገብረ ስምምዕ ዝሃበቶ ምላሽ ዝመሳሰል እዩ። እዚ ስምምዕ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትረክብን ብኣምሳያኡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብን ዘኽእል ምዃኑ ይንገር።
ብሰንኪ እቲ ኣካታዒ እማመ ድቃስ ዝሰኣኑ ሶማላውያን ተሌፎን ደዊሎምለይ ነይሮም።
ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ኣከባቢ ሶማልያ ዝነበረ ኣደን ኢብራሂም ኣውሂርሲ፡ "ኵሉ ግዜ ኣብ ጸብጻባትካ ብዛዕባ 'ፖለቲካዊ ቦምባታት' ኢኻ ትጽሕፍ" ኢሉኒ።
"ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ግን፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዮም ዝዛረቡ ኣለዉ። እዚ ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ። ሱናሚ'ዩ።"
ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ወጥሪ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ቱርኪ፡ እቲ ቅርሕንቲ ንኸብቅዕ መንጐኛ ኰይና ትሰርሕ ኣላ። እንተዀነ ሶማልያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ቢጂኣር ግሩፕ ዝተበሃለ ትካል ጎስጓስ ኣብ ዓመት 600 ሽሕ ዶላር ዘለዎ ውዕል ምፍርራማ፡ ምስቲ ዝመጽእ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ ዝህልዋ ዝምድና ከምዝተሻቐለት ዘመልክት እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ ምትእትታው ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ንምምዋል ዝዓለመ ውሳነ ድምጺ ካብ ምሃብ ከምዝተዓቀበት ይፍለጥ።
ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ፋውንዴሽን ሄሪተጅ ናብቲ ንየማን ዝጽጋዕ ኢንስቲትዩት ሃድሰን ዝተሰጋገረ ጆሹዋ መሰርቨይ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሶማል ክመጽእ ከሎ ሓደ ቁልፊ ሃንዳሲ ኣተሓሳስባ ሪፓብሊካን ኣፍሪቃ እዩ።
ንሱ፡ "ጉዳይ ሶማሊላንድ ብመንጽር ኣመሪካ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ይምጉት።
"ሕቶ ኣፍልጦ ብርግጽ ክዝረበሉ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ግን ብግብራዊ መዳይ ሃገራዊ ረብሓታት ኣመሪካ እቲ ቀንዲ ጉዳይ እዩ ክኸውን።"
ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣፍሪቃ ነበር ቲቦር ናጊን ልኡኽ ኣፍሪቃ ፒተር ፋምን ዝርከብዎም ኣብ ትሕቲ ትራምፕ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣፍሪቃ፡ ንናጽነት ሶማሊላንድ ኣጽኒዖም ዝድግፉ እዮም።
ከም ብዙሓት ኣመሪካውያን ሪፓብሊካን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን ዳሂር ኣዳን ነቲ ዝምድና ብመዳይ ምሃብን ምቕባልን እዩ ዝገልጾ።
"እቲ ውዕል ንዓና ጽቡቕ እንተዀይኑ ክንቅበሎ ኢና። ኣመሪካ ኣብዚ ወተሃደራዊ መዓስከር እንተደልያ ክንህባ ኢና" ይብል።
ንኣፍልጦ ሶማሊላንድ ዝድግፉ ሰባት፡ እታ ርእሰ ምሕደራ ኣብቲ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራውን ስትራተጂካውን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ረብሓታት ኣመሪካ ዝረኣየሉ ቦታ ከምዘላ ይምጉቱ።
መርሰቨይ ብወገኑ፡ እቲ ግዝኣት ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ብምጽጋዓን ንእሽቶ መንግስቲ ስለዘለዋን ዘይኰነስ፡ ዲሞክራስያዊ መትከላት ብምኽባራ "ስልማት" ክትረክብ ከምዘለዋ ይዛረብ።
እቲ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ እታ ግዝኣት ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብዙሓት መራኽብ ዝሓልፋሎም ጽዑቓት መስመራት እዩ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ ንሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ተኪኦም ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ናይቲ ከባቢ ክዋስኡ ይኽእሉ እዮም። እቶም መጥቃዕቲታት ንዓለምለኻዊ ንግዲ ዓቢ ስግኣት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ዞባ እውን ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝቐርብ ዝገብር እዩ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ መደበራት ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ምትህልላኽ፡ ነታ ኣብ 2002 ኣብታ ኣህጉር ዝዓበየ ወተሃደራዊ መሳለጥያኣ ኣብ ጅቡቲ ዝመስረተት ኣመሪካ ዘተሓሳስብ እዩ።
ሩስያ ኣዒንታ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይራ ኣላ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣንጻር ሑቲ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ኤርትራ ንዓሰብ ተጠቒማ እያ። ጅቡቲ ድማ ጽቡቕ ኣቀማምጣ ወተሃደራዊ መሳለጥያ ጥራይ ዘለዎም ዘይኰኑስ ነቲ ገዚፍ ወደብ ዘመሓድሩ ቻይናውያን ብዝርከብዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተመሊኣ ኣላ።
ቱርኪ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዘለውዋ ዝዓበየ መደበር፡ ካብ ሞቓድሾ ቁሩብ ንደቡብ ርሒቕ ኢሉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ይርከብ።
ትራምፕ፡ ጽልዋኣ ንዝዓቢ ዘሎ ቻይና ምግጣም ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ እዩ።
ኣመሪካ፡ ቻይናውያን ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝገብርዎም ንጥፈታት ጣልቃ ብምእታውም ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዝ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ'ያ።
ብተወሳኺ ነቲ ንመብዛሕትኡ ክፋል ኣፍሪቃ ዝሽፍን ዘሎ ናይ ቻይና 'ቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭ' ክትዕንቅፍ ድሌት ኣለዋ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ በርበራ፡ ከም ኣካል ሶማሊላንድ ይዅን ከም ኣካል ሶማልያ፡ ከም ኣማራጺ ብዙሕ ረብሓታት ዝሓዘ እዩ።
ቻይና ኣብ ወደብ በርበራ ህላወ የብላን፤ ብርግጽ ታይዋን ኣብ 2020 ምስታ ዝተፈልየት ሶማሊላንድ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራታ ኣዝዩ ኣቖጢዕዋ እዩ።
ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ኢማራት ዓረብ፡ እቲ እተመሓድሮ ዝሰፍሐ ወደብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ወደብ ጅቡቲ ከምዝወዳደር ተስፋ ኣለዋ።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን፡ ሓላፊ ትእዛዝ ኣፍሪቃ ኣመሪካ (ኣፍሪኮም) ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኣብታ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ብዘገርም መንገዲ ብሕብረት ሶቭየት ዝተሃንጸት 4 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መውረዲ ነፈርቲ ዘለዋ ወደብ በርበራ፡ ናይ ቦታ ዑደት ኣካይዶም ነይሮም።
እዚ ድሒሩ ብኣመሪካ ከም ህጹጽ መዓርፎ ነፈርቲ ጠፈር ከምዘለለየቶ ይዝከር። እዚ ድማ መሓዛ ትራምፕ ኤሎን ማስክ ኣብ ህዋ ዘለዎ ተምሳጥ ኣብ ግምት ብምእታው ኣዝዩ ሰሓቢ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ 2022፡ ሕጊ ፍቓድ ሃገራዊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ንሶማሊላንድ ከምዘካትት ኰይኑ ተመሓይሹ እዩ። እዚ ድማ ጸጥታዊ ምትሕብባር ብምብራኽ ንዝሓየለ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ምትእስሳር መንገዲ ክጸርግ ከምዝኽእልን ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣፍልጦ ዝድግፉ ሪፓብሊካን፡ ሶማሊላንድ ከም ጽቡቕ ንግዳዊ ረብሓ ዘለዋ ገይሮም ይርእይዋ፡ እዚ ድማ ነቲ ትራምፕ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ስምምዕ ኣገባብ ክስሕብ ተስፋ ይገብሩ።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ዲፕሎማት ሶማሊላንድ፡ እቲ ሓሳብ "ብኸመይ ከምዘቕርብሉ ዝምርኰስ'ዩ፤ መሳጢ ገይሮም ከቕርብዎ ኣለዎም" ይብል።
ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ትራምፕ ነዚ ኣካታዒ ጉዳይ ኣፍልጦ ንምሃብ ክሰማማዕ ይኽእል ይኸውን።
ብርግጽ ኣቓልቦ ክረክብን ኣብዚ ጉዳይ ቀዳማይ ብምዃን ክምካሕን ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ግን ነታ ኣብታ ኣብ 2018 ኣብ ዝርዝር "ሕማቕ" ዝበሃላ ሃገራት ዘእተዋን ከምኡ'ውን ሰነዳት ዘይብሎም ሶማላውያን፡ ናይ ዑቕባ ሕቶታቶም ዝፈሸሎምን ገበነኛታትን ከባርረላ ዝሓስባ ሶማልያ ዘቖጥዕ ክኸውን እዩ።
ድሮ ኣብ ሶማሊላንድ እቲ መሬት ኣፍልጦ ኣመሪካ ንምርካብ ነቲ ቦታ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት "መጉሓፊ ቦታ" ክውዕል ምዃኑ ይንገር ኣሎ።
ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ንጉዳይ ሶማልያ ክከታተል ዝጸንሐ ኣመሪካዊ ምሁር ኬን መንካውስ፡ ኣብቲ ክትዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሚዛን የቕርብ።
"ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሶማሊላንድን ሶማልያን ርኡይ ለውጢ ክንርኢ ኣዝዩ ተኽእሎ ኣሎ" ይብል።
"ትራምፕ ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ዓሚቕ ጥርጣረ ኣለዎ። ብዛዕባ ህንጸት መንግስቲ ተጠራጣሪ'ዩ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ምትእስሳር ከይፍጠር ዝብል ሃገራዊ ፖሊሲ ኒዮ-ተነጽሎ ዝኽተል [neo-isolationist - ካብ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ንላዕሊ ንጸጥታን ረብሓን ሃገሩ ቀዳምነት ዝህብ] እውን'ዩ።"
ብሓጺሩ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንለውጢ ምድላዋት የድልዮ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







