ስግንጢር ትራምፕ፡ ንኣፍሪቃ ክፈጥሮ ዝኽእል ዕድላትን ሓደጋታታትን

 ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምሩጽ-ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ ክወስዶ ዝኽእል ውሳነታት ክትንበዮ ምፍታን ከቢድ እዩ።

ትራምፕ፡ ንመንገዲ ሰላም መትከላዊ ዲፕሎማሲን ትዕግስቲን ዘይምፍታዉ፣ ሂብካ ኣብ ምቕባል ንዝድረኽ ፖለቲካን ህዝበኛነትን ዘለዎ ሕርያን ግን ዘይልወጥ ይመስል።

እዚ ድማ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዕድላትን ሓደጋታትን ክህልዎ ይኽእል።

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ምምሕዳር ኦባማ፡ ተልእኾታት ኣፍሪቃ ረዚን ፋይናንሳዊ መሰረት ንኽህልዎ፡ ንምምዋል ዓቀብቲ ሰላም ዝምልከቱ ሕጊታት ሕቡራት ሃገራት ንምልዋጥ፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ይሰርሕ ነይሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ “ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃ” ንምህናጽ፡ ምስ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ሰሪሑ እዩ።

እዚ ከኣ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን መትከል ሕብረት ኣፍሪቃን መሰረት ብምግባር፡ ካብ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶ ግጭታት ብዝተዋደደ ሽምግልና ምግታእን ዓቀብቲ ሰላም ምውፋርን ዘጠቓልል እዩ።

ቅድም ኣብ ዝነበረ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ድልዱል ዓቃቢ ሰላም ንኽህሉ ዝተትሓዙ መደባት ሃፊፎም እዮም ተሪፎም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ፍቓድ ዝተወሃቦም ሓደስቲ ተልእኾታት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን የለዉን።

ኣብ ዳርፉር፡ ሱዳንን ማሊን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ተልእኾታት ዓቀብቲ ሰላም ተቛሪጾም፤ ካልኦት ድማ ከምዝንከዩ ተገይሩ።

ድሕሪኡ ዝመጸ ምምሕዳር ባይደን’ውን፡ ነቲ ዝነበረ ኣንፈት ኣይለወጦን።

ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ነጻ ዕዳጋን ዝኣመሰሉ መትከላት ማለት እውን - ‘ሊበራል ፒስ’፡ ሓቢሮም ዝጓዓዙን ኣብ ዓለማዊ ስትራተጂ ኣመሪካ ንዓመታት ዝጸንሑን ጽኑዓት ሰንሰለታት እዮም።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንብዙሕነታዊ ምትእስሳር ኣፍልጦ ዝህብ’ኳ እንተዀነ፡ ንሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲን ግን መዓዲ ዝደሊ ኣይመስልን። ኣብ ከም ሊብያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ወተሃደራት ብዝምልከት ስሙር መርገጺ ኣይነበሮን።

ሓደ ሓደ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ግሉጽነትን ግብራዊ ምዃንን ናይ ትራምፕ ሕርያኦም እዩ።

“ሰረተ-እምነት ትራምፕ”፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ንብዙሕነት ንጐድኒ ኣወጊኑ፡ መሻርኽቲ ኣመሪካ ምስ ዝዀና ግብጺ፡ ሞሮኮ፡ ስዑድ ዓረብን ኢማራት ዓረብን፡ ብቐንዱ ድማ ምስ እስራኤል ኣብ ንግዳዊ ልውውጣት ዘድሃበ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁን ፕረዚንደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድን፡ ‘ኣብርሃም ኣኮርድስ’ ዝበሃል ስትራተጂ ከጽድቝ እንከለዉ፡ ሃገራት ዓረብ ነዚ ስምምዕ ኣብ ዝፈረማሉ ትራምፕ ሓጐሱ ገሊጹ እዩ።

እቲ ካልእ ቀዋሚ መርገጺ ትራምፕ ከኣ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ትፈጥሮ ዘላ ጽልዋን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ምውፋር ዘሎ ጽልኢን እዩ፤ እዚ ንትራምፕ ዝዅርኩሖ ጉዳይ እዩ።

ትራምፕ፡ ግብፂ "ንግድብ ሕዳሰ" ክተፍርሶ ከም ትኽእል ተዛሪቡ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ፡ ግብጺ ንግድብ ህዳሰ ክተፍርሶ ከም ትኽእል ተዛሪቡ እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶናልድ ትራምፕ፡ “ዝፈትዎ ውልቀ መላኺ” ብምባል ዝነኣዶ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ፡ ንጸሓፊ ሃገራዊ ግምዣ ነበር ስቲቨን ምኑቺን ብጉዳይ ማያት ናይል ንዘሎ ምስሕሓብ ግብጽን ኢትዮጵያን ክሽምግል መዚዝዎ ነይሩ።

ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምዝዛም ገጹ፡ ክንደየናይ መጠን ማይ ይሕዝ ዝብል ድማ፡ ቀንዲ ዛዕባ ነይሩ።

እቲ ዘተታት ኣብ ዝተሰናኸለሉ፡ ዋሽንግተን ንኢትዮጵያ እትህቦ ሓገዝ ክትገትእ እንከላ፡ ትራምፕ ድማ ግብጺ “ነቲ ግድብ ክተፍርሶ ከም ትኽእል” ተዛሪቡ።

ኣመሪካ፡ ሞሮኮ ይግበኣኒ ንእትብሎ ምዕራባዊ ሰሃራ ኣፍልጦ ዝሃበት ኰይና፡ ናይዚ ምላሽ ድማ ሞሮኮ ንውዕል ‘ኣብርሃም ኣኮርድስ’ ብምፍራም ንእስራኤል ኣፍልጦ ሂባ።

ብመሰረት ‘ሊበራል ፒስ’፡ ኲናት ሕድሕድ ንምግታእ ዲሞክራስያዊ ሕገ-መንግስቲ ምርቃቕ፡ ተጻባእቲ ጕጅለታት ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ናይ መሰጋገሪ ፍትሕን ዕርቅን ምስፋን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዝሳቐን ብግጭታት ዝተኸፋፈለን ህዝቢ ንምቅርራብን ሰላም ንምስፋንን ሓገዝ ምግባር ኣገደስቲ እዮም።

እቲ ናይ መጀመርያ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ቀጥታዊ ውዕል እዩ ዝመርጽ ነይሩ። በዚ ድማ ምልካውያን ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ውልቀ ስምምዕ ይገብሩ። ምሁራት፡ ነዚ መስርሕ ነጻ ዘይኰነ-ኢሊበራላዊ ሰላም ይብልዎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ማይክ ፖምፔዮ፡ ንወተሃደራውን እስላማውን ስርዓት ዑመር ኣል በሽር ዝዓለወ ሰውራ ምስ ተኻየደ፡ ኣብ ሰዳን ዑደት ከም ዘካየደ ይዝከር። ሱዳን ንኣብርሃም ኣኮርድስ እንተ ፈሪማ ድማ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶም ማዕቀባት ከም ተልዕሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጥቅምቲ 2020 ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሱዳንን “ንዝተኸተመ ታሪኻዊ ሰላም ከም ዘሸማገለ” ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።

ባሕሬንን ኢማራት ዓረብን’ውን ኣብዚ ስምምዕ ኣትየን እየን። ኣመሪካውያን ንፕረዚደንታዊ መረጻ ድምጾም ቅድሚ ምሃቦም ሰሙናት ኣቐዲሙ’ዩ፡ ትራምፕ ነዚ ውሳነ ወግዓዊ ገይሩ።

እንተዀነ እዚ ስምምዕ፡ ሱዳን ካብ ዝጠሓለትሉ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣየናገፋን። ኣብ መረጻ ኣመሪካ 2020 ድማ ጆ ባይደን ተዓዊቱ።

ትራምፕ ኣብ ካልኣይ እብረ ዘበነ ስልጣኑ ተመሳሊ ኣካይዳ ከም ዝኽተል ምግማት ይከኣል።

እንታይ ዓይነት ኣሰላልፋታትን ስምምዓትን ከም ዝህልዉ ምግማት ግን ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ኣብ ወሰንቲ ቦታታት ብዝሽየሙ ሰባት ዝውሰን ይኸውን። እንተኾነ ‘ሊበራል ፒስ’ ሕጂ ሞይቱ ተቐቢሩ’ዩ።

ሱዳን ኣብዚ እዋን ሕመረት እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኲናትን ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥምየትን እያ ኰይና ዘላ። ትራምፕ እዚ ከም ዘሻቕሎ ዝተርኣየ ነገር ዛጊት የለን።

እቲ ኣስታት 19 ኣዋርሕ ዝገበረ ኲናት ሱዳን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ኣመዛቢሉ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣስታት 19 ኣዋርሕ ዝገበረ ኲናት ሱዳን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ኣመዛቢሉ እዩ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ በቲ ሓደ ወገን ዘሎ ተጻባኢ ኣካል ብኣጽዋርን ገንዘብን ምድጋፋ፣ ግብጽን ስዑድ ዓረብን’ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ኻልእ ሸነኽ ምድጋፈን፡ ቀንዲ ዕንቅፋት ሰላም ኰይኑ ኣሎ። እዚ ብዘለዎ እንተቐጺሉ፡ ሰላም ምስፋን ዘይሕሰብ እዩ።

ብሽርሕን ጽልዋን ኣብ ምክፍፋል ንዝተጸመዳ ኣዕራብ፡ ሱዳን ካብ እስራኤል፡ ፍልስጤምን ኢራንን ቀጺላ፡ ምስ ዋሽንግተን ንዝህልወን ርክባት ትውስን ጂኦስትራተጂያዊት ሃገር እያ።

ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ማእከላይ ምብራቕ እንተተቐይሩ ግን፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስምማዕ ይከኣል ይኸውን። ትራምፕ ትጽቢት ዘይተገበሮ ፈጣሪ ሰላም’ውን ክኸውን ይኽእል።

እንተዀነ፡ ዲሞክራሲ ምምጻእስ ይትረፍ ነቲ ግጭት ንምግታእ እውን ቀሊል ኣይክኸውንን። ኣፍ ደገ ሰላም ከርሕዉ ዝኽእሉ ልዝባት ግን ከምጽእ ይኽእል እዩ።

እዚ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ንትርከብ ብግብጺ ዝምራሕ ኤርትራን ሶማልያን ዝሓወሰ ሓርፋፍ ርክብ’ውን ዝፈትሕ ሜላ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይሕገዝ እዩ። ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስትራተጂአን እንተዘሰማምዓ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዉ ወጥሪታት ምነከዩ።

ምምሕዳር ባይደን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብዙሕነት መትከል ዝገበረ ፖሊሲ እዩ ነይርዎ። ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝነበሮ ረብሓ ንምጥቃም ድሉው ኣይነበረን።

ልኡኻት እዚ ምምሕዳር፡ ግጭታት ኣብ ምግታእን መስመራት ሓገዝ ኣብ ምኽፋትን ብምንጣፍ ጥራይ እዮም ንኣሽቱ ዓወታት ክሕዙ ዝኽእሉ ነይሮም።

ትራምፕ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጐረባብትን ዘሎ ግጭት ንምግታእ ክፍትን ይኸውን’ዩ። ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደጋታት ምብራዕ (ምግዳድ) ግን ልዑል እዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዘሎ ግጭት ደው ከየብሎ ይኽእል እዩ። ኣብ ፈላማይ ምምሕዳሩ፡ ኣብ ምስላፍ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ድሌት ኣየርኣየን። እቶም ኣንጻር ኣል-ሸባብ ዝዋግኡ ዝነበሩ ወተሃደራቱ ካብ ሶማልያ ክወጹ ድማ ኣዚዙ። ምምሕዳር ባይደን፡ ነዚ ውሳነ ገልቢጥዎ።

ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ዝወርድ ልዑል ደረጃ ሓደጋ ክሳብ ዘይሃለወ፡ ነቲ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ሃገራት ሳሕል - ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝግበር ወተሃደራዊ ስርሒት ፔንታጐን ብዙሕ ግምት ኣይክህቦን እዩ።

መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ዋሽንግተን ኣብ ጅቡቲ ንዘለዋ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትቅጽሎ ይምነያ።

የመናውያን ዕጡቓት ሑቲን ኣልሸባብን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወይ ድማ ኣሜመሪካ መራኽብ ኣብ እተንቀሳቕሰሉ ውቅያኖስ ህንዲ ዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት ከይጋደድ ተሰጊኡ ኣሎ።

ከም ኣማራጺ፡ ኣመሪካ ንመሻርኽታ ኢማራት ዓረብ ወይ ድማ ንውልቀ ወተደራዊ ትካላት ሓላፍነት ክትህብ ትኽእል እያ።

ፕረዝደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ርክብ ኬንያን ኣመሪካን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ባይደን ሓዪሉ

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ደጋፊ ባይደን ኰይኑ ምቕጻሉ፡ ዋላ ሓደ ኣይጠቕሞን። እንተዀነ፡ ኬንያ ናብ ሀይቲ ዓቀብቲ ሰላም ብምውፋር፡ዘይኣባል ኔቶ ዝዀነት ‘ቀንዲ መሻርኽቲ’ ተባሂላ ምቕጻላ ዝሓሸ ተቐባልነት ክትረክብ ዘኽእላ እዩ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጅሃዳዊ ምንቅስቓስ ንዓለም ካብ ዘሻቕሉ ጉዳያት ሓደ እዩ። እተን ምስ ሩስያዊ ጕጅለ ቫግነር ስምምዕ ዝገብራ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብዝሐን’ውን ተወሳኺ ዛዕባ እዩ።

ትራምፕ፡ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስ ሞስኮ ምስ ዘለዎ ርክብ ዝዛመድን ምስ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ዝገብሮ ስምምዕ ኣካል ገይሩ ዝርእዮ እንተኰይኑ፡ ኣብ ፖለቲካ እቲ ዞባ ዘይተሓሰበ ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ።

መሻርኽቲ ትራምፕ ዝዀነት ሞሮኮ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ ባዕላ ባህጊታት ስትራተጂያዊ መሪሕነት ስለ ዘለዋ፡ ነገራት ክጋደዱ ይኽእሉ እዮም።

ሞሮኮ፡ ሩስያ፡ ኣብ ኣልጀርያ፡ ሊብያን ሳሕልን ትፈጥሮ ንዘላ ጽልዋ ኣይትድግፍን። ትራምፕ ምስ ፑቲን እንተ ዘይተሰማሚዑ፡ እዚ ክጋደድ ዝኽእለሉ ዕድል ልዑል እዩ።

ሂብካ ናይ ምቕባል ፖለቲካ፡ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ዝጨበጡን ብገበናት ሽሞም ምስ ዝተደወነን መራሕቲ ስምምዕ ምኽታም ዘጠቓልል እዩ።

እዚ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ሕገ-መንግስታዊ ለውጢ ንዝነቕፈሉ መትከላት ዝጥሕስ እዩ።

ፕረዚደንት ናይጄርያ ቦላ ቲናቡ፡ ፕረዚደንት ባይደን እዩ ሕርያኡ። ንቅዲ ፖለቲካ ትራምፕ ስለ ዝፈልጥ ግን፡ ምስ ጅሃዳዊ ጕጅለ ቦካሓራም ንዝገብሮ ውግእ ብኸመይ ንኣመሪካ ከሳትፍ ከም ዝኽእል ቀመር ክደልየሉ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ጽንብል ፕረዚደንትነቱ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ለካቲት ኣብ ርእሰከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብምርኻብ ሓድሽ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ክመርጹ እዮም።

ተሳናባቲ ኣቦ ወንበር እቲ ሕብረት ቀዳማይ ሚኒስትር ጫድ ነበር ሙሳ ፋኪ ማሕማት፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ባይደንን ትራምፕን ሰሪሑ እዩ።

ሓድሽ ኣቦ ወንበር እቲ ሕብረት ኰይኑ ዝምረጽ ድማ፡ ንሰላምን ድሕነትን ኣፍሪቃ ዝሓሸ ቀመር ኣየናይ’ዩ ብዝብል ክብዳህ እዩ፤ 2025 ግን ነቲ ፕሮጀክት ንምትንሳእ ዘይትጥዕም ተስፋ ኣልቦ ዓመት ክትከውን እያ።

*ኣሌክስ ደ ዋል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተፍትስ ኣመሪካ ኣብ ፍሌቸር ስኩል ኦፍ ለው ኤንድ ዲፕሎማሲ ኣብ ዝርከብ ፋውንዴሽን ሰላም ሓላፊ እዩ።