ኣመሪካ፡ ሕርያ ሰብመዚ ትራምፕን ነውጺ ዋሽንግተንን ይቕጽል

ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ20 ጥሪ 2021 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ንፈለማ እዋን ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዶናልድ ትራምፕ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝመጠዎ ሽመታት ስንባደ፡ ምግራምን ተቓውሞን ፈጢሩ ይርከብ።

ይኹን'ምበር እቲ ምሩጽ-ፕረዚደንት ነቲ ኣብ ዋሽንግተን ነውጺ ዝፈጠረ ምዕዳል ስልጣን ንቀንዲን ኣዘራረብትን ደገፍቱ ቀጺልዎ ኣሎ።

ኣባላት ካቢነን ሓለፍቲ ገለ ወሰንቲ ትካላትን ብዝምልከቶም ኮሚተታት ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ክጸድቁ ኣለዎም።

ግና ትራምፕ ዝኾነ ፕረዚደንት ዘይረኽቦ ፖለቲካዊ ዕድል'ውን ተፈጢርሉ ኣሎ- ሰልፊ ሪፓብሊካን ንኮንግረስ (ባይቶን ሰነትን) ከምዝቆጻጸሮ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ንመብጽዓታቱ ዘተግብር ሕግታትን ንመዝነት ናይቶም ዝሓርዮም ሰባት ንምጽዳቕን ከኽእሎ'ዩ።

ናይ ገለ ግን፡ ካብ ኣባላት ሰነትን ባይቶን ሪፓብሊካውያን ከይተረፈ ተቓውሞ ክገጥሞ ምዃኑ ድሮ ኣመታት ይቕልቀል ኣሎ።

ገለ ካብቶም ክሳብ ሎሚ ንሽመት ካብ ዝተሓርዩ ወልቀሳባት፣

ሰፊሕ ተቓውሞ ገጢምዎ ዘሎ ሕጹይ ሚኒስተር ጥዕና

ሮበርት ኤፍ ከነዲ ጁንየር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተሳቲፉ ዘይቀንዖን ኣብ መወዳእታ ንትራምፕ ደገፉ ዝሃበን ሮበርት ኤፍ ከነዲ ጁንየር (RFK Jr) ጸሓፊ ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን ኮይኑ ተመዚዙ'ሎ።

እዚ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝኾነ ሰብ፡ ኣባል ደሞክራስያዊ ሰልፊ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብታ ሃገር ዓቢ ፖለቲካዊ ጽልዋን ተፈላጥነትን ዘለዎ ስድራቤት ዝውለድ'ዩ።

ወላዲኡ ሮበርት ኤፍ ከነዲ (RFK) ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ክዕወተሉ'ዩ ዝብሃል ዝነበረ ፕረዚደንታዊ መረጻ 1968 ኣብ ጓስጓስ እናሃለወ ዝተቐንጸለ'ዩ።

ሓደ ካብ ልሉያትን ህቡባትን መራሕቲ ኣመሪካ ዝነበረን፡ ንዓለም ካብቲ ብኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝተሰነየ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ኣብ ምብላህ ግደ ዝተጻወተን ጆን ኤፍ ከነዲ ድማ ሓውኣቡኡ'ዩ። ንሱ'ውን ቅድሚ መረጻ ኣብ 1963 ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝተቐተለ ይፍለጥ። ኣብ 2009 ዝዓረፈ ንነዊሕ ዓመታት ሰነተር ዝነበረ ተድ ከነዲ'ውን ሓዎም'ዩ።

እቲ ሓድሽ መዝነት ተቐቢሉ ዘሎ ወዲ 70 ዓመት ቀንዲ ኣዘራራቢ ኮይንሉ ዘሎ ነገር ግን ኣብ ጉዳያት ጥዕና ዘለዎ መርገጺታት'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ክታበት ኦቲዝም የስዕብ'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለኒ" ክብል ግጉይ ሓበሬታ ምዝርግሑ ሰፊሕ ነቐፌታ ኣስዒብሉ ነይሩ።

ኣብ ማይ ዝሕወስ 'ፍሎራይድ' ዝተባህለ ኬሚካል ክእገድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶኡ'ውን ተቓውሞ ገጢምዎ'ዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ኬሚካላዊ ባእታ ስኒ ከይበላሾ ዝገብር ምዃኑ ይሕብር።

እቲ መንእሰይ እንከሎ ባዕሉ ን14 ዓመታት ብወልፊ ዕጸ-ፋርስ ዝተሳቐየ ከነዲ ጁንየር፡ ንመንእሰያት ኣመሪካ ዝሃስዩ ዘለዉ ኩሎም ሓደገኛ ወልፍታት ንምጥፋእ ሓያል ቃልሲ ምክያድ ዝብል መርገጺ'ውን ዘለዎ'ዩ።

ንተመሃሮ ዝወሃብ መግቢ ምሳሕ ከይባላሾ ዝገብር ኪሜካላት'ውን ክውገድ ኣለዎ ይብል እቲ ድሮ ሰፊሕ ተቓውሞታት ገጢምዎ ዘሎ ደጋፊ ትራምፕ።

ብሰነት ተቐባልነት እንተረኺቡ ግን ነቲ 1.9 ትሪልዮን ባጀትን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓቕሚ ሰብን ዘለዎ ክፍሊ ክመርሕ'ዩ።

ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ

ማት ጋዝ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ሕሉፍ ደጋፊ ትራምፕ ምንባሩ ዝንገረሉ ኣባል ባይቶ ማት ጋዝ ዋና ኣኽባር ሕጊ (ኣቶርኒ ጀነራል) ክኸውን ተሓርዩ ኣሎ።

ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ክፍሊ (ሚኒስትሪ) ፍትሒ እዩ። ሽመቱ እንተጸዲቕሉ ኣባል ካቢነ ፕረዚደንት ትራምፕ ክኸውን'ዩ።

እቲ ንፍሎሪዳ ዝውክል ኣዘራራቢን ሕጊ ዝተማህረን ወዲ 42 ዓመት ነቲ ጽፍሒ ክሕዝ ምርቁሑ ግን ኣብ ዋሽንግተን ነውጺ ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ኣካታዒ መግለጺታት ብምሃብን ንትራምፕ ብዘለዎ ደገፍን ዝፍለጥ ጋዝ፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ-ዕድመ ቆልዑ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ዝነበረ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣብ ልዕሊኡ ወግዓዊ ክሲ ኣይመስረተን። ኮሚተ ስነምግባር ባይቶ ግን ክሳብ ሎሚ ዘይተወድአ መርመራ የካየደሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ጋዝ ግን እቲ ክስታት ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ'ዩ ብምባል ነቲ ይነጽጎ።

እቲ ኣባል ባይቶ ብፍላይ፡ ኣብ 2023 ብጻዩ ሪፓብሊካን ኣፈኛ ባይቶ ነበር ኬቨን ማካርቲ ካብ መንዝነቱ ክእለ ብዘካየዶ ዕዉት ፖለቲካዊ ስርሒት'ዩ ዝፍለጥ። ምስቲ ዝግበረሉ ዝነበረ መርመራ ብዝተሓሓዝ ኣንጻሩ ከምዝተላዕለ'ዩ እቲ ኣፈኛ ዝዛረብ።

ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ

ቱልሲ ጋባርድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ትራምፕ ናብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ ሃገራዊ ትካል ስለያ ዝመደባ ቱልሲ ጋባርድ'ውን ብፍላይ ኣብ ዓንኬል ጸጥታ ንዘለዉ ኩሎም ኣሰንቢዱ ኣሎ።

ጋባርድ፡ ንነዊሕ እዋን ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ናይ ሰልፊ መረጻታት ንጸጋማዊ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ደገፋ ዝገለጸት'ያ። ኣብ 2020 ባዕላ ንፕረዚደንት ክትወዳደር ዝገበረቶ ፈተነ ድሕሪ ምቁራጹ'ውን ንጆ ባይደን ደጊፋ።

እታ ካብ 2013 ክሳብ 2021 ኣባል ኮንግረስ ዝነበረት ተኸታሊት እምነት ሂንዱ፡ ገስጋሲ ፖሊሲታት ትምህርትን ጥዕናን ክህሉ ትሕለቕ ዝነበረት'ያ።

ካብ ባይቶ ድሕሪ ምውጽኣ ግን ናብ ጸጋም ናብ የማን ብምውንጫፍ፡ ብወግዒ ኣባል ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ኮይና።

እዛ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምእትቃወም ትፍለጥ ወተሃደር ነበር፡ ንሽርሓዊ ፕሮፖጋንዳታት ሩስያ ኣጋዊሓ ተባሂላ ክትንቀፍ ዝጸንሐት'ያ።

እቲ መዝነት ብሰነት እንተጸዲቑላ ድማ፡ ሲ-ኣይ-ኤን ዝርከቦም 18 ትካላት ስለያ ኣመሪካ ከተወሃህድ ስልጣን ክህልዋ እዩ።

ኣቕራቢ መደብ ተለቪዥን ሚኒስተር ምክልኻል

ፒት ሄግሰት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝኾነ ምምሕዳር ኣመሪካ ቀንዲን ወሰንቲን ዝብሃሉ ሰለስተ ዓበይቲ መንግስታዊ መዝነታት፣ ምክልኻል፡ ጉዳያት ወጻኢን ኣማኻሪ ጸጥታን እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ሰለስቲኦም ጽፍሕታት ነቶም እኹል ተሞክሮ ዘለዎምን በቲ ፕረዚደንት ተኣማንነት ዘለዎምን ውልቀሰባት'ዩ ዝወሃብ።

ስለዚ ድማ'ዩ ኣቕራቢ መደብ ተለቪዢን ፎክስ ኒውስ ፒት ሄግሰት ጸሓፊ ምክልኻል ክኸውን ምሕራዩ ንብዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ።

እቲ ጋዜጠኛ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ ዘገልገለ'ኳ እንተኾነ ኣገዳሲ ናይ መሪሕነት ቦታ ዘይነበሮ'ዩ።

እቲ ኣብ ኲናት ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝተሳተፈ ወዲ 44 ዓመት፡ "ጽኑዕ፡ በሊሕን ሓቀኛ ኣማኒ ኣመሪካ ትቕደም" ስለዝኾነ ነቲ መዝነት ከምዝሃቦ ትራምፕ ገሊጹ'ሎ።

"መሪሕነት ፒት ንጸላእቲ ኣመሪካ መጠንቀቕታ'ዩ- ሰራዊትና ዳግም ዕብየቱ ከረጋግጽ'ዩ፡ ኣይከድሓርሕርን'ዩ" ይብል ትራምፕ።

እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሓይሊን ኣስታት ሓደ ትሪልዮን ባጀት ዘለዎን ክፍሊ ክመርሕ ዝዳሎ ዘሎ ሄግሰት፡ ኣብ ሰራዊት ብዙሕነት ዓሌትን ጾታ ግድነት ከምዘይኮነ ዝገልጽ ዝነበረ'ዩ።

"ኣብ ፕላነት ምድሪ እቲ ዝደንቆረ ሓረግ ኣብ ሰራዊትና 'ብዙሕነትና ሓይልና'ዩ' ዝብል'ዩ" ክብል ኣብዚ ወርሒ ከይተረፈ ተዛሪቡ ነይሩ።

ገስጋሲ ፖሊሲ ይኽተሉ'ዮም ተባሂሎም ብትራምፕ ዝሕመዩ ላዕለዎት ጀነራላት ካብ ጽፍሕታቶም ክእለዩ ክገብር ከምዝኽእል'ውን ይግመት።

ቅድሚ ስልጣን ምርካቡ ግን ኣብ ቅድሚ ሰነት ብምቕራብ ነዚን ካልእን ዝምልከት ፖለቲካዊ ፈተናታት ክሓልፍ ክግደድ'ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕን ዓመታትን ንኲናት ዩክረይንን ቓዛን፡ ከምኡ'ውን ጉዳይ ኢራን ዝርከብዎም ዓበይቲ ወተሃደራዊ ብድሆታት ከጋጥምዎ እዮም።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ

ማርኮ ሩብዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ ክመርሕ ተመዚዙ ዘሎ ድማ ሰነተር ማርኮ ሩብዮ ኮይኑ ምህላዉ ንብዙሓት እፎይታ ሂቡ ኣሎ።

እቲ ካብ ኩባውያን ስደተኛታት ዝውለድ ሩብዮ፡ ናብቲ ብዓወት ዝተዛዘመ መረጻ 2016 ንምብጻሕ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሰልፊ ሪፓብሊካን ምስ ትራምፕ ዳርባ ቃላት ዝሰናዶ ዝነበረ'ዩ። ትራምፕ "ዕንጩቚሊት ማርኮ" ክብሎ እንከሎ፡ ንሱ ድማ "ብዓል ዕንጩቚሊት ኣእዳው" ክብል ምግላጹ ንዝነበረ ክርክሮም ዘይርሳዕ ጌርዎ ኣሎ።

እቲ ፍሎሪዳ ዝውክል ሰነተር፡ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ቀልጢፉ ደው ክብል ክጽውዕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ዝዓመት ዝተወሰነ ንዩክረይን ዝወሃብ 6 ቢልዮን ወተሃደራዊ ደገፍ ዝተቓወመ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ቻይና ድማ፡ "ንልኡላውነትን ናጽነትን" ታይዋን ዘለዎ ደገፍ ዝገለጸ'ዩ።

እስራኤል ንሓማስ ምሉእ ብምሉእ ክትድምስሶ ኣለዋ ዝብል ሩብዮ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር የብሉን'ዩ ዝብል።

ንኢራን'ውን "ኣሸባሪ" ስርዓት ክብል'ዩ ዝገልጻ።

እቲ ብቐሊሉ ባርኾት ሰነት ክረክብ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰነተር፡ ንኣንቶኒ ብሊንከን ብምትካ'ዩ መዝነት ክርከብ።

ኢሎን ማስክ ሓላፊ ክፍሊ 'ኣድማዕነት መንግስቲ'

ኢሎን ማስክን ትራምፕን ሕሹኽ እናበሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃብታም ዓለም ቢልየነር ኢሎን ማስክ ዓስቢ ደገፉ ንትራምፕ ዓቢ ስልጣን ክምጠወሉ ምዃኑ ብወግዒ ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ወናኒ ኤክስ፡ ተስላ፡ ከምኡ'ውን ስፔስ-ኤክስ ዝኾነ ማስክ፡ ምስ ካልኣዩ ሓድሽ ክፍሊ (ሚኒስትሪ) ክመርሕ ብትራምፕ መዝነት ተዋሂብዎ።

ክፍሊ ኣድማዕነት መንግስቲ (Departement of Government Efficiency) "ካብ መንግስቲ ወጻኢ ኮይኑ ምኽሪን መምርሒን ክህብ'ዩ" ይብል መግለጺ ትራምፕ።

እንተኾነ ግን ካብ መንግስቲ ናጻ ኮይኑ ብኸመይ ክሰርሕን ክመርሕን ከምዝኽእል ሕቶ ፈጢሩ'ሎ።

ነቲ ስም ጥራይ ዘለዎ ሓድሽ ትካል ምስቲ ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣቶሚክ ቦምባ ንምምዕባል ዝተጠቀመትሉ "ፕሮጀክት ማንሃተን" ብምምስሳል'ዩ ትራምፕ ዝገልጾ።

ካልእ ንገለ ሰባት ግር ዘበለ ጉዳይ እቲ ክፍሊ በቲ ኢሎን ማስክ ዝውንኖ ክሪፕቶካረንሲ 'ዶጅ' (Doge) ዝብል ኣሕጽሮት ስም ተዋሂብዎ ምህላዉ'ዩ።

ቀንዲ ስክፍታ ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ መዝነት ማስክ ግን፡ ነቲ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብጅምላ ካብ ቦትኦም ክጽልጸሉ ኣለዎም ዝብል መርገጺኡ ኣብ ግብሪ ከየውዕሎ'ዩ።

"ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከነጉድል ኢና፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝኸውን መጣየሲ ክንህብ ኢና። ንክልተ ዓመት ገለ ዝኸውን" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወረሒ ተዛሪቡ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ካብ ባጀት መንግስቲ ኣስታት 2 ትሪልዮን ዶላር ክቁጠብ ከምዝክኣል ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ድማ ህዝባዊን ማሕበራዊን ኣገልግሎታት ክጎድል ክገብር ስለዝኽእል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ካብ መቐናቕንቲ ሰልፊ ናብ ደጋፊ ዝተቐየረ ቪቨክ ራማስዋሚ ማንታ ማስክ ብምዃን ነቲ ክፍሊ ክመርሕ ብትራምፕ ተረቚሑ ኣሎ።

እቲ ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎ ቪቨክ ብወገኑ፡ ንቢሮክራሲ ኣመሪካ ንምጽልጻል ፈደራላዊ ትካል መርመራ ገበናት (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ክፈርስ ኣለዎ ዝብል እዩ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ

ካብ ዋይት ሃውስ ዘይፍለ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ካብ ወሰንቲ ትካላት ስለያ፡ ምክልኻልን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ሓበሬታ እናተመገበ፡ ንፕረዚደንት ኣገዳሲ ምኽሪ ዝህብ'ዩ።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ክንፊ (ዌስት ዊንግ) ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ኣማኻሪ እዝኒ እቲ ፕረዚደንት ብቐረባ ዝረክብ ብምዃኑ ኣብ ስትራተጂካዊ ፖሊሲታት ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ይንገር።

ነዚ ቦታ ክሕዝ ብትራምፕ ተሓርዩ ዘሎ፡ ወተሃደር ነበር ማይክል ዎልዝ እዩ።

እቲ ወዲ 50 ዓመት ኣባል ባይቶ፡ ካብ ቀደሙ ደጋፊ ትራምፕ ኮይኑ፡ ከም ኣባል ፍሉይ ኣሃዱ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ተዋፊሩ ዝነበረ'ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ንጉዳይ ኲናት ዩክረይን፡ ቓዛ፡ ሩስያን ቻይናን ዝምልክት ኣብ ዝኽተሎ ፖሊሲ ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ድማ ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ጽፍሒ'ዚ ባርኾት ሰነት ሰለዘየድልዮ ቀልጢፉ መዝነቱ ክርከብ'ዩ።

ዳይረክተር ሲ-ኣይ-ኤ

ጆን ራድክሊፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፍሉጥ ሃገራዊ ትካል ስለያ ወጻኢ ኣመሪካ (ሲ-ኣይ-ኤ) ድማ ጆን ራትክሊፍ ክርከቦ ተሓርዩ ኣሎ።

ራድክሊፍ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ኮይኑ ኣገልጊሉ ዝነበረ'ዩ።

እቲ ኣባል ባይቶ ነበር፡ ኣብ 2019 ነቲ ቦታ ክሕዝ ተሓጽዩ'ኳ እንተነበረ፡ ብኣባላት ክልቲኡ ሰልፍታት ኣብ ሰነት ኣንጻሩ ብዝቐረበ ተቓውሞታት ተሳሒቡ። እዚ ዘይተዋሕጠሉ ትራምፕ ግን ኣብ 2020 መሊሱ ኣቕሪብዎ ተዓዊቱ ድማ።

ትራምፕ ካልኦት ሓለፍቲ ኣገደስቲ ትካላት ጸጥታን ስለያን'ውን ክመዝዝ ትጽቢት ይግበረሉ። ሓደ ካብዚኦም እቲ ራድክሊፍ ዝመርሖ ዝነበረ ሃገራዊ ትካል ስለያ (ካብ ሲ-ኣይ-ኤ ወጻኢ) እዩ።

እቲ ምሩጽ-ፕረዚደንት፡ ነቲ ባዕሉ ኣብ 2017 ዝሓረዮ ዳይረክተር ኤፍ-ቢ-ኣይ ክሪስ ረይ ድሒሩ ምስኡ ስለዘይተቓደወ ከሰናብቶ ምዃኑ ኣሚቱ ነይሩ'ዩ።

ካልኦት መዝነታትከ?

ኤሊስ ስተፋኒክ፡ ቶም ሆማን፡ ከምኡ'ውን ሱዚ ዋይልስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትራምፕ ንሓያለ ካልኦት ኣገደስቲ ቦታታት'ውን ቀንዲ ደገፍቱ ዝኾኑ ሰባት መዚዝሎም ኣሎ።

ምክትል ፕረዚደንት ክገብራ'ዩ ዝበሃለላ ዝነበረ፡ ኣመሓዳሪት ደቡብ ዳኮታ ክሪስቲ ኖኦም ጸሓፊት (ሚኒስተር) ውሽጣዊ ጉዳያት ክትከውን እያ።

ፍሉጥ ደጋፊ እስራኤል ዝኾነ ማይክ ሃከቢ ኣምባሳደር ኣመሪካ ብምዃን ናብ ዮርሳሌም ከምርሕ'ዩ። እቲ ኣመሓዳሪ ኣርካንሳ ዝነበረ ኣገልጋሊ እምነት ባብቲስት ኣብ ጉዳይ "ፍታሕ ክልተ-ሃገራት" እንታይ መርገጺ ክህልዎ ከምዝኽእል ብዙሓት ብኣንክሮ ዝጽበይዎ ክኸውን'ዩ።

ፍልጥቲ ደጋፊት ትራምፕ ኤሊሲ ስተፋኒክ እቲ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ (ብደረጃ ኣባል ካቢነ) ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣባል ፖሊስ ነበር ቶም ሆማን ድማ ሓላፊ ዶባት ኣመሪካ ብምዃን ንዋሕዚ ስደተኛታት ክዓግትን ትራምፕ ቃል ዝኣተወሉ ጃምላዊ ምጥራዝ ስደተኛታትን ክፍጽም ተመዚዙ ኣሎ።

ድሮ ንነዊሕ እዋን ኣብ ናይ ብሕቲ ትካሉ ዝሰርሐት ሱዚ ዋይልስ፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዋይት ሃውስ ክትከውን ሸይሙዋ'ዩ።

ሓያለ ካብቶም መዝነታት ንኣባላት ባይቶ ይህብ ብምህላዉ፡ ኣብቲ ገና ዘይተዛዘመ መረጻ ኣባላት ኮንግረስ እንታይ ጽልዋ ከምጽኣሉ ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ሪፓሊካን እንተ ተዓዊቶም'ውን ብውሑድ ቁጽሪ ጥራይ ክዕብልሉ ስለዝኽእሉ፡ ምልዓል ናይ ገለ ኣባላት እቲ ሰልፊ ካብ ኮንግረስ ዓቢ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

ትራምፕ ድሕሪ ዓወቱ ንፈለማ እዋን ናብቲ ደገፍቱ ወሪሮሞ ዝነበሩ ህንጻ ኮንገረስ፡ ካፒቶል ሂል፡ ብምኻድ ምስ ኣባላት ሪፓብሊካን ክራኸብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ርክብ ባይደንን ትራምፕን ኣብ ዋይት ሃውስ

ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ20 ጥሪ 2021 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ንፈለማ እዋን ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ።

እቲ ብዕድመ ባይደን ናብ 'ኦቫል ኦፊስ' ዝተመለሰ ትራምፕ ብዛዕባ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ።

ባይደን፡ "ምሩጽ-ፕረዚደንት፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ፡ ዮሃና፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሰለማዊ ምስግጋር ክህሉ ንምግባር ዘድለየካ ኩሉ ክረክብ ክንሰርሕ ኢና" ክብል ቃል ኣትይሉ።

ክሳብ ሎሚ ኣብ መረጻ 2020 ከምዝተሳዕረ ዘይተውሓጠሉ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ባይደን ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ መዓልቲ ምርኽካብ፡ ኣብ ውግዓዊ ጽንብል ተሓሲሙ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ከምዝወጸ ይዝከር።

ብረቡዕ ኣብ ዝተራኸብሉ ግን፡ ንዝግበረሉ ዘሎ ልሙፅ ምስግጋር ስልጣን ንባይደን ኣመስጊኑ።

ትራምፕ፡ "ፖለቲካ ሓያል'ዩ። መብዛሕትኡ እዋን ጽቡቕ ዓለም ኣይኮነን፡ ሎሚ ግና ጽቡቕ ኮይኑ ኣሎ፡ ኣዝየ ድማ የመስግን" ክብል ንባይደን ንኢዱ።