መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ዓወት ትራምፕ ንዓለም ዘለዎ ትርጕም

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምልሶት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ርዱእ'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ኲናትን ዘይምርግጋእን ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ከኣ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።

ቅድሚ ምምራጹ ኣብ ዘካየዶ መስርሕ ጐስጓስ ዝርዝር ዘይብሉ "ቀዳምነት ኣመሪካ" ኣብ ዝብል መትከል ዝተሞርኰሰ ሓፈሻዊ ፖሊሲ ከም ዘለዎ ጥራይ'ዩ ዝገልጽ ነይሩ።

እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ዘይምእታውን ንግዳዊ ምክልኻልን ዝተመስረተ'ዩ።

ኣብዚ ሓያለ ቅልውላዋት ዓለም ተፈጢሮምሉ ዘለዉ እዋን ምዕዋቱ ድማ፡ ንዝጸንሐ ቅኒት ፖሊሲ ዋሽንግተን ዝዘርግ ምዃኑ ዝእምት'ዩ።

ኣብ ጎስጓሱ ካብ ዝህቦም ዝነበረ ኣመታትን ካብ 2017 ክሳብ 2021 ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ካብ ዝወሰዶም ውሳነታትን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክኸተሎም ዝኽእል ኣመታት ፖሊሲ ኣቕሪብና ኣለና።

ሩስያ፡ ዩክረይንን ኔቶን

ኣብ ጎስጓሱ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ኲናት "ኣብ ሓደ መዓልቲ" ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ብተደጋጋሚ ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።

ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ግን 'ስምምዕ ብምግባር' ካብ ምባል ሓሊፉ ዝሃቦ ዝርዝራት ኣይነበረን።

ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ ዝመዘዞም ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፍዎ መጽናዕታዊ ወረቐት፡ ኣመሪካ ንዩክረይን ኣጽዋር ምሃብ ክትቅጽሎ፡ እንተዀነ ኪቭ ምስ ሩስያ ክትዘራረብ ዘገድድ ቅድመ ኩነት ክወሃባ ከም ዘለዎ ይምሕጸኑ።

ሩስያ ንሰላማዊ ፍታሕ ዕድል ክትህቦ ንምትብባዕ ድማ፡ ዩክረይን ክትጠልቦ ዝጸንሐት ኣባልነት ኣብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክዳናጔ ይእምም።

እዚ ማለት ግን፡ ዩክረይን ንኩሉ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬታ ናይ ምምላስ ተስፋኣ ከተቋርጾ ኣለዋ ማለት ከም ዘይኰነ'ዮም እቶም ኣማኸርቲ ጸጥታ ትራምፕ ዝነበሩ ኣብቲ መጽናዕቲ ዘነጽሩ።

እቲ ኲናት ኣብ ዘለዎ እንከሎ ኪቭ ንዝርርብ ድልውቲ ክትከውን ጸቕጢ ክግበረላ ዝብል'ዩ እቲ ሓሳብ።

ደሞክራስያውያን ተቓወምቱ ግን፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ፤ ዝኽተሎ ፖሊሲ ዩክረይን ኢዳ ክትህብ ዝገብር'ዩ፤ ከምኡ'ውን ንኣውሮጳ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ'ዩ ብምባል ይኸስዎ።

ትራምፕ ብወገኑ፡ ኲናት ደው ክብልን ንዕኡ ዝፈስስ ዘሎ ጸጋታት ኣመሪካ ምዕጋትን ቀዳምነት ዝህቦ ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።

እቶም ናይ ቀደም ኣማኸርቱ ኣብ ጽሑፎም ዘስፈርዎ እማመታት ክሳብ ክንደይ ንሓሳባት ትራምፕ ከም ዘንጸባርቕ'ኳ ብንጹር ዝፍለጥ እንተዘይኰነ፡ እንታይ ዓይነት ምኽሪ ክወሃቦ ከም ዝኽእል ግን ክእምተልና ይኽእል'ዩ።

እቲ "ቀዳምነት ንኣመሪካ" ኣብ ዝብል መትከሉ ዝምርኰስ ምቁራጽ ናይቲ ኲናት'ውን ክሳብ ምውሳን መጻኢ ናይቲ 'ኩሉ ንሓደ ፡ ሓደ ንኩሉ' ዝብል ኪዳን ዘለዎ ኔቶ ዝምቕዳሕ'ዩ።

ወተሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ጽባሕ ምዝዛም ካልይ ኲናት ዓለም ነታ መቐናቕንቲ ኣመሪካ ዝነበረት ሕብረት ሶቬት ንምግታእ ዝቖመ ወተሃደራዊ ምሕዝነት'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኔቶ 30 ሃገራት ሓቚፉ ይርከብ። ኣገዳስነት ናይቲ ኪዳን ብዙሕ ዘይራኣዮ ትራምፕ ግን፡ ሃገራት ኣውሮጳ ብዋጋ ኣመሪካ ሓለዋ ክረኽባ ርትዓዊ ኣይኰነን ክብል'ዩ ዝምጕት።

ኣመሪካ ኣባልነታ ካብ ኔቶ ክትስሕብ ከይውስን ስክፍታ ኣሎ።

ነቲ ስጉምቲ እንተወሲዱ፡ ኣብ መንጎ ስግር ኣትላንቲክ ዝጸንሐ ኣብ ሓበራዊ ምክልኻል ዝተሞርኰሰ ዝምድና ዓቢ ለውጢ ከም ዝኸውን ንክትዕ ዝቐርብ'ዩ።

ገለ ደገፍቱ፡ መርገጺታቱ፡ እተን ኣባል ሃገራት ዝግብአን ክኸፍላ ንምግባር ዝጥቀመሉ ሜላ ካብ ምዃኑ ዝሓልፍ ከም ዘይኰነ'ዮም ዘመልክቱ።

ይኹን'ምበር፡ ዓወቱ ብመንጽር ቀጻልነት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳንን ዝተቐንጠጠ ሓለዋ ኣብ ኣተሓሳስባ ተጻባእቲ ወገናት ዝህልዎ ሳዕቤንን ንመራሕቲ ኔቶ ኣዝዩ ዘሻቕል ክውንነት ከይኰነ ኣይተርፍን'ዩ።

ትራምፕ ኲናት ዩክረይን ደው ከብሎ እየ ይብል

ምንጪ ስእሊ, EPA

ማእከላይ ምብራቕ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከምቲ ናይ ዩክረይን፡ ትራምፕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ'ውን "ሰላም" ከምጽእ ምዃኑ'ዩ ቃል ኣትዩ ዘሎ።

እዚ ማለት ድማ ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ዝቐጸለ ኲናት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሞንጎ እስራኤልን-ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ደው ከብሎ ከም ዝኽእል'ዩ ክዛረብ ጸኒሑ።

ብኸመይ ከረጋግጾ ከም ዝኽእልን ግን ኣየነጸረን።

ኣብ ክንዲ ጆ ባይደን ንሱ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ እንተዝነብር፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘለዎ ተሪር መርገጺ "ዝለዓለ ጸቕጢ"፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣይምፈጸመን ክብል ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ'ዩ።

ብሓፈሻ ናብ ተመሳሳሊ ፖሊሲ ከምለስ ከም ዝኽእል ይግመት።

ፈለማ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ፡ እቲ ኣመሪካ ካብቲ ምስ ኢራንን ካልኦት መሻርኽትን ኣትያቶ ዝነበረት ውዕል ኒዩክሌር ብምስሓብ፡ ጸኒሑ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝነበረ ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሱለይማኒ ብምቕንጻልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓያል ጸቕጢ ክፈጥር ፈቲኑ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ንእስራኤል ዝድግፍ ውሳነታት ብምሕላፍ፡ ኤምባሲ ሃገሩ ካብ ተል ኣቪቭ ናብታ ርእሰ ከተማ እስራኤል ዝዀነት እየሩሳሌም ከም ዝግዕዝ ምግባሩ ንብዙሓት ኣመሪካውያን ወንጌላውያን ኣመንቲ (ቀንዲ ደገፍቲ ሪፓብሊካውያን) ዘሐጕሰ ስጕምቲ ወሲዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ንትራምፕ "እስራኤል ኣብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝነበሩዋ መሓዙት እቲ ዝበለጸ" ክብል ገሊጽዎ ምንባሩ መርኣያ ናቱ'ዩ።

ነቐፍቱ ግን፡ እቲ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ዘስዕብ'ዩ ክብሉ ይምጉቱ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ናብታ ርእሰከተማኦም ምዃና ዝምጉቱላ ዮሩሳሌም ብምግዓዙ ዝተቖጥዑ ፍልስጤማውያን ምስ ምምሕዳሩ ዝነበሮም ርክብ በቲኾም'ዮም።

እዮሩሳሌም ማእከል ሃገራውነትን ሃይማኖታዊ እምነትን ፍልስጤማውያን'ውን ዝዀነት ቦታ'ያ።

ካብዚ ሓሊፉ'ውን ትራምፕ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኣስላም ሃገራት ዓረብን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስረት ዘኽኣለ ታሪኻዊ "ስምምዕ ኣብርሃም" ከምዝፍረም ምግባሩ ንፍልስጤማውያን ፈጺሙ ኣይተዋሕጠሎምን።

እቲ ስምምዕ ፍሉይ ዝገብሮ፡ እስራኤል ነቲ ክትሕተቶ ዝጸንሐት ናጻ ሃገረ ፍልስጤም ክትፍጠር ዝጠልብ ቅድመ ኩነት ዘይነበሮ ምዃኑ'ዩ።

ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዝረኸበ "ፍታሕ ክልተ ሃገራት" ዝብል እማመ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ደገፍ ሃገራት ዓረብ ዘለዎ'ዩ።

እተን ሃገራት ኣምሳያ ንእስራኤል ዝሃብኦ ኣፍልጦን ምምስራት ዲፕሎማስያዊ ርክብን፡ ምዕቡል ወተሃደራዊ ኣጽዋር ካብ ኣመሪካ ክረኽባ ክኢለን።

በዚ ድማ እታ እንኰ ንዘይተወድአ ሕልሚ ሃገርነት ፍልስጤም ንምርግጋጽ ጽልዋ ዝነበራ ኣመሪካ ንፍልስጤማውያን ጥራይ ኢዶም ከም ዝተርፉ ስለ ዝገበረቶም ኣብኣ ዘለዎም እምነት ማህሚኑ።

ኲናት ቓዛ ደው ክብል ከምዝደሊ'ውን ትራምፕ ተደጋጋሚ መግለጺታት ሂቡ'ዩ።

ዋላ'ኳ ምስ ነታንያሁ ዝጸንሖ ዝምድና ስሩዕ እንተዘይኰነን፡ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ ንምግባር ዘኽእል ዕድል ግን ኣለዎ።

ምስቶም ኣብ ልዕሊ ሓማስ ጽልዋ ዘለዎም ዓንተራት መራሕቲ እቲ ዞባ'ውን ተሪር ዝምድና ጸኒሕዎ'ዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ንመሪሕነት እስራኤል ዓቢ ደገፍ ከም ዘለዎ እናገለጸ፡ ብኸመይ ንኲናት ቓዛ ከህድእ ዝኽእል ፍታሕ ክረክብ ከም ዝኽእል ብሕጂ ዝርአ'ዩ ክኸውን።

ደገፍቱ፡ ዘይተገማትነቱ ከም ሓደ ዲፕሎማስያዊ ብልጫ'ዮም ዝርእይዎ።

ግና፡ ኣብቲ ብምስሕሓባት ዝተወጠረ፡ ዘይምርግጋእ ዝነገሶን ኣብ ዓቢ ታሪኸዊ ቅልውላው ዝርከብን ማእከላይ ምብራቕ እንታይ ከፍሪ ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።

ቅድሚ ዝኣገረ፡ ነቲ ብምምሕዳር ባይደን ዝተበገሰ ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ግዳያት ጅሆ ሓማስ ክፍትሑን ዝህቅን መስርሕ እንታይ ከም ዝገብሮ ክውስን ክግደድ'ዩ።

ቻይናን ንግድን

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘለዋ ኣጠማምታ'ውን ርእሱ ዝኸኣለ ስትራተጂካዊ ጉዳይ ፖሊሲ ወጻኢ እዩ።

ኣብ ዓለማዊ ጸጥታን ንግድን እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ዘለዎ ድማ'ዩ።

ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንቻይና "ስትራተጂካዊት መቐናቕንቲ" ክብል'ዩ ዝገልጻ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንብረት'ውን ተወሳኺ ታሪፍ ኣንቢሩ። በዢንግ ብወገና፡ ሕነኣ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ገለ ኣቚሑ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ታሪፍ ወሲኻ።

ነቲ ንግዳዊ ምስሕሕባት ንምድቃስ ጻዕርታት ይግበር'ኳ እንተነበረ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ነቲ ተኽእሎ ደምሲስዎ።

ትራምፕ ነቲ ለበዳ "ቫይረስ ቻይና" ክብል ድሕሪ ምጥማቑ ብኣንጻሩ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እናሓርፈፈ ከይዱ።

ምምሕዳር ባይደን ስልጣን ምስተረከበ፡ ምስ ቻይና ዝነበረ ዝምድና ብሜላ ክእለ'ኳ እንተ ተንቀሳቐሰ፡ ነቲ ብትራምፕ ዝተነብረ ታሪፍ ግን ኣየልዓሎን።

ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ኣብ ንግዳዊ ፖሊሲ ተገዳስነት ዘርኣይሉ ምኽንያት፡ ምስቲ ኣብ ፋሪካታት ዘሎ ዕድላት ስራሕ ዝተሓሓዝ'ዩ።

እዚ ዋላ'ኳ ኣብ ከም ናይ ሓጺን ዝበለ ሕዱር ኢንዱስትሪታት ዝተራእየ ምንቁልቋል ምስ ምዕቡል ቴክኖሎጂን መሳርሒታትን ዝተሓሓዝ እንተዀነ፡ ዓለምለኻዊ ውድድርን ኣፍረይቲ ትካላት ናብ ሕሱር ዕዮ ዝርከበሎም ከባቢታት ምግዓዝን'ውን ግዲኡ ገይሩ ይኸውን'ዩ።

ትራምፕ፡ ንፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ "በሊሕ" ብምባል ይንእዶን "ሓደገኛ" ብምባል ክነቕፎን'ዩ ጸኒሑ።

ነቲ 1.4 ቢልዮን ዝበጽሕ ህዝቡ "ብተሪር ቀላጽም" ዓትዒቱ ዝተቖጻጸረ ኣድማዒ መራሒ ምዃኑ ብምንኣዱ'ውን ትራምፕ ናይ "ውልቀ መለኽቲ" ፍቕሪ ኣለዎ ተባሂሉ'ዩ ዝንቀፍ።

ትራምፕ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ባይደን ዝተበገሰ፡ ንሃገራት ናይቲ ዞባ ብምውህሃድ ንጽልዋ ቻይና ብምድራት ንጸጥታ ኣመሪካ ንምሕያል ዝዓለመ ፖሊሲ ከም ዘለዎ ዝስዕቦ ኣይመስልን።

ኣመሪካ፡ ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዴሳዊ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ዝተነጸለት ደሴት ታይዋን ክትህቦ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ደገፍ ኣየቋረጸቶን።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቻይና ንታይዋን ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ እንተ ኣእትያታ፡ ነቲ ክባ ንምኽፋት ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዘይጥቀም ተዛሪቡ ነይሩ።

ምኽንያቱ፡ ፕረዚደንት ሺ "ጽሉል" ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ክንድኡ ነታ ሃገር ከልምሳ ዝኽእል ታሪፍ ኣብ ልዕሊ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቑሑ ቻይና ከም ዝገብር'ዩ ኣጠንቂቑ።