ሽልማት ኖቤል ሰላም 2025 'ንዓይ'ዩ ዝግባእ' ዝብል ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቬነዙወላዊት መራሒት ተቓዋሚ ሰልፊ ማሪያ ኮሪና ማቻዶ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2025 ተዓዊታ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ንምዕዋት ሰፊሕ ህዝባዊ ጐስጓስ ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ንሱ፡ ኣብ ገለ እቶም ንኽሽለም ምኽንያት እዮም ዝብሎም ጭብጢታት ዘካትዑ'ኳ እንተኾኑ፡ ብውሑድ ሸውዓተ ውግኣት ደው ክብሉ ገይሩ እዩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሰለስተ መረጻታት ንፕረዚደንትነት ቅድሚ ምውድዳሩ፡ ሓደ ካብቶም ቢልየነራት ሰብ ጸጋ ኣመሪካ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ ነይሩ።
ህይወት እዚ ኣርሓ ሪል ስቴት ኒውዮርክ፡ ቅድሚ ኣብ 2015/16 ንዋይት ሃውስ ምውድዳሩ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሕተሙ መጽሔታትን መደባት ተለቪዥንን ስሙን ሃብቱን ክለዓል እዩ ጸኒሑ።
ስሙን እቲ ዝተፈለየ ቅዲ ጐስጓሱን ከኣ ንምኩራት ፖለቲከኛታት ክስዕር ሓጊዝዎ፤ እንተዀነ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ትራምፕ ሕጂ ወዲ 78 ዓመት ጸላዊ ፖለቲከኛ ሰልፊ ሪፓብሊክ እዩ።
ወፍሪ ኣቦኡ ዝወረሰ ትራምፕ
ትራምፕ ራብዓይ ውላድ ጐብለል ብዓልቲ ሃብቲ ሪል ስቴት ኒውዮርክ ዝዀነ ፍረድ ትራምፕ እዩ።
ስድራቤት ትራምፕ ኣዝያ ሃብታም እያ።
እንተዀነ፡ ትራምፕ መንእሰይ እንከሎ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ትካል ኣቦኡ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ።
ኣብ 13 ዓመት ዕድመኡ ሕማቕ ባህርያት ከርኢ ምስ ጀመረ ናብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ተላኢኹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቨንያ ብዲግሪ ምስ ተመረቐ፡ ዓቢ ሓዉ ፍረድ ኣብራሪ ነፋሪት [ፓይለት] ክኸውን ምስ ወሰነ ትራምፕ ንኣቦኡ ክትክእ ዕድል ረኺቡ።
ፍረድ ትራምፕ ኣብ መበል 43 ዓመቱ ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ ሞይቱ።
እዚ ኵነታት ሓዉ ኣብ ህይወቱ ካብ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ክቝጠብ ከም ዝገበሮ ይዛረብ።
ትራምፕ ቅድሚ ናብቲ ኩባንያ ምጽንባሩ ካብ ኣቦኡ "ንእሽቶ" ልቓሕ ሓደ ሚልዮን ዶላር ብምውሳድ ናብቲ ሪል ስቴት ከም ዝኣተወ ይገልጽ።
ኣብ ከባቢታት ከተማ ኒውዮርክ ንዝነበረ ሰፊሕ ፕሮጀክትታት ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ኣቦኡ ኣብ ምምሕዳር ከኣ ሓጊዙ።
ኣብ 1971 ነቲ ኩባንያ ምስ ተቘጻጸሮ ድማ ስም ትካል ትራምፕ ናብ ዝብል ቀየሮ።
ትራምፕ፡ እቲ ኣብ 1999 ዝሞተ ኣቦኡ፡ “ጸላዊየ’ዩ” ክብል ይገልጾ።
ምልክት ንግድን ምዝንጋዕን
ኣብ ግዜ ትራምፕ፡ እቲ ትካል ኣብ ብሩክሊንን ኲንስን ዘካይዶ ዝነበረ ህንጸት ኣባይቲ ናብ ማንሃተን ተሰጋጊሩ።
ኣብ ኒውዮርክ፡ “ሓምሻይ ጐደና” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉጥ ጐደና ኣመሪካ ድማ ማእከል ህንጻ ትራምፕ ኰነ።
ንነዊሕ ዓመታት ድማ ትራምፕ ዝቕመጠሉን ፍሉጣት ሃብትታቱ ዘኻዕበተሉን ኰይኑ ጸኒሑ።
ብ1991 ዝተኸፍተ፡ ንዓመታት ከም ፕረዚደንታት፡ ህቡባትን ፍሉይ ቦታ ዘለዎም ሰባትን ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ኣጋይሽ ብምትእንጋድ ዝፍለጥ ሆቴል ኮሞዶር ስሙ ናብ ‘ግራንድ ሓያት’ ተቐይሩ።
ካልኦት ብስም ትራምፕ ዝተሰምዩ - ካሲኖታት፡ ኮንዶሚንየማት፡ ሜዳታት ጐልፍን ሆቴላትን - እውን ካብ ኣትላንቲክ ሲቲ፡ ቺካጐ፡ ላስ ቬጋስ ክሳብ ህንዲ፡ ቱርኪን ፊሊፒንስን ተተኺሎም።
ህቡነትን ጽልዋን ትራምፕ፡ ኣብ ዓውዲ ምዝንጋዕ [ኢንተርተይመንት] እውን ክጐልሕ ጀመረ።
መጀመርታ፡ ዋና ወይዘሪት ዩኒቨርስ፡ ወይዘሪት ኣመሪካን ወይዘሪት ቲን ኣመሪካን ብምዃን ክቕልቐል እንከሎ፡ ድሕሪኡ ሓደ ካብቶም ‘The Apprentice’ ንዝተባህለ ኣብ ተሌቪዥን ኤንቢሲ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ምድላው ዝፈጠሩ ኰይኑ።
ትራምፕ፡ ኣቕራቢ ናይ መጀመርታ 14 ክፋላት እዚ ምድላው’ውን ነይሩ።ደቁ'ውን ኣብዚ 'ሪያሊቲ ሾ' ኣቕሪቡዎም'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉዳይ ስድራቤቱ
ትራምፕ ሓያሎ መጻሕፍቲ’ውን ጽሒፉ፡ ኣብ ፊልምታትን መደባት ቅልስን (ረስ'ሊንግ) ተሳቲፉ፤ ካብ ኣልኮላዊ መስተታት ክሳብ ክራቫታታት ሸይጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ግን ጽሩይ ሃብቱ ወሪዱ ሕጂ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ከም ዘለዎ መጽሄት ፎርብስ ይግምት።
ትራምፕ ኣብ ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክሳራ ከም ዘጋጠሞ ተዛሪቡ እዩ።
ሓያሎ ካብቲ ዝሰርሖ ስራሕ - ትራምፕ ስቴክስን ትራምፕ ዩኒቨርሲቲን ሓዊሱ - ከኣ ፈሪሶም።
ብተወሳኺ ዝኽፍሎ ግብሪ ዝምልከት ሓበሬታ ሓቢኡ’ዩ።
ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ 2020 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ትራምፕ ንዓመታት ግብሪ ኣታዊኡን ፋይናንሳዊ ክሳራኡን ከም ዝሓብአ ኣቃሊዑ።
ሓዳርን ፍትሕን
ውልቃዊ ህይወት ትራምፕ ሰፊሕ ሽፋን ሚድያታት ዝረኸበ እዩ።
ኢቫና ዘልኒኮቫ ዝተባህለት ቼኮዝላቪያዊት ኣትለትን ሞዴልን ናይ መጀመርታን ኣዝያ ፍልጥትን በዓልቲ ቤቱ ነይራ።
ክልቲኦም ኣብ 1990 ቅድሚ ምፍታሖም ሰለስተ ቈልዑ ኣፍርዮም- ዶናልድ ጁንየር፡ ኢቫንካን ኤሪክን።
ኣብ ቤት ፍርዲ ዝገበርዎ ሓያል ክትዕ፡ ሕሜታ ንዝሕትማ ጋዜጣታት ዘዕለቕለቐ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኣብቲ ግዜ፡ ኢቫና ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽ ክስታት ኣቕሪባ ነይራ - ድሒራ ኣቃሊላቶ።
ብ1993፡ ቲፋኒ ምስ ተወለደት ድሕሪ ክልተ ወርሒ ንተዋሳኢት ማርላ ሜፕልስ ተመርዕዩ፤ ኣብ 1999 ድማ ተፋቲሖም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ሕጂ በዓልቲ ቤት ትራምፕ፡ ሞዴል ስሎቬንያ ዝነበረት ሜላንያ ክናውስ እያ።
ክልቲኦም፡ ኣብ 2005 ተመርዕዮም፤ ባሮን ዊልያም ትራምፕ ዝተባህለ ወዲ 18 ዓመት ቈልዓ ድማ ኣለዎም።
ትራምፕ ፖለቲከኛ ምስ ኰነ፡ ምስ ጾታዊ ርክብን ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝፍጸም ርክባትን ዝተሓሓዙ ክስታት ከርክብሉ ጀሚሮም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ዝቐረበሉ ክሲታት እቲ ሓደ፡ ምስ ጸሓፊት ጂን ካሮል ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝተኣሳሰር እዩ።እቲ ፍርዲ ዝተኸፋፈለ ኰይኑ፡ ደያኑ ነቲ ካሮል ተዓሚጻ ዝብል ክሲ ነጺጐሞ፤ እንተዀነ ትራምፕ ብዝተሓተ ደረጃ ጾታዊ ዓመጽ ተሓታቲ ኰይኑ ረኺቦሞ። እዚ ፍርዲ ነቲ ንዓመታት ብትራምፕ ክንጸግን ክናሾን ዝነበረ ክሲታት ካሮል ግምት ብምሃብ ድማ ካሕሳ ክወሃባ ወሲኑ።
ብዘይካ'ዚ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ገበናዊ መስርሕ ፍርዲ፡ ብዅሎም ዝቐረብሉ 34 ክስታት ምትላል መዛግብቲ ቢዝነስ ገበነኛ ተባሂሉ እዩ።
ትራምፕ፡ ኰኾብ ፖርኖግራፊ ፊልምታት ስቶርሚ ዳኒኤልስ ብዛዕባ ምስጢራዊ ርክቦም ንኸይትዛረብ ገንዘብ ብምኽፋል ንዝቐረበሉ ክሲ ስዒቡ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከም ዝተገደደ ይዝከር።
ሕጹይ ኰይኑ መጽአ
ትራምፕ፡ ብ1980፡ ወዲ 34 ዓመት ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ፖለቲካ "ኣዝዩ ረሳሕ ህይወት እዩ" ብምባል ኣብ ክንድኡ “ብቝዓት ዝዀኑ ሰባት” ንግዲ’ዮም ዝመርጹ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ 1987 ግን ናብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክቕልቀል ጀሚሩ።
ኣብ 2000 ናብ ሪፎርም ፓርቲ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ 2012 ናብ ሰልፊ ሪፓብሊክ ተጸምቢሩ።
ትራምፕ ሓደ ካብቶም፡ “Birtherism” ተባሂሎም ንዝጽውዑ ውዲታዊ ክልሰሓሳብ ዝድግፉ እዩ።
እዚኦም፡ ባራክ ኦባማ ንፕረዚደንትነት ኣብ ዝወዳደረሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ኣመሪካ ምውላዱ ኣብ ሕቶ ዘእትው ዝነበሩ’ዮም።
ትራምፕ ክሳብ 2016 ኣብ መረጻ እታ ሃገር ዝወዳደር፡ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳባት ሓሶት ምዃኑ ኣይተኣመነን፤ ይቕሬታ እውን ሓቲቱሉ ኣይፈልጥን።
ሰነ 2015 ንዋይት ሃውስ ከም ዝወዳደር ኣፍሊጡ።
ሽዑ፡ ሕልሚ ኣመሪካ ሞይቱ’ዩ ብምባል “ኣዕብየን ኣመሓይሸን ክመልሶ’የ” ክብል ተመባጺዑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ ሃብቱን ንግዳዊ ዓወቱን ክምድር፡ንሜክሲኮ - ሓሽሽ፡ ገበንን ዓመጽትን ናብ ኣመሪካ ትሰድድ ኣላ ብምባል ክኸስስ ተሰሚዑ። እዚ ንምምካት ከኣ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዓቢይ መንደቕ ከም ዝሃንጽ ተሓንዩ።
ምስ ሕጽይቲ ዲሞክራት ኰይና ዝተወዳደረት ሂላሪ ክሊንተን ዘካይዶም ዝነበሩ መድረኻት ክትዕን ኣካታዕቲ ፖሊሲታቱን ሓያሎ ደገፍቲን ኣቓልቦ ማዕከናት ዜናን ክስሕብ ኣኽኢሉዎ።
ኣብ ትሕቲ እቲ 'ኣመሪካ ዳግም ዓባይ ክንገብራ ኢና’ ዝብል ናይ ጐስጓስ ጭርሖ፡ ተነሓናሒ ሂላሪ ክሊንተን ኰይኑ ክጥመት ገይሩዎ።
እቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓሳት፡ ልሒዀም ብዝወጽኡ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ክጅሃር እንከሎ ዝስምዑ ድምጺታትን ኣብ ምሉእ ሓፈሻዊ መረጻ ዝህቦም ዝነበሩ ርእይቶታትን ዝተዓብለለ እውን ነይሩ።
እንተዀነ፡ ብ20 ጥሪ 2017 [ኣ.ኤ] መበል 45 ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።
ግዜ ፕረዚደንትነት
ትራምፕ ፖለቲካዊ ህይወቱ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ መወዳድርቲ ዘይብሉ ድራማ ሒዙ ብምምጻእ’ዩ ዝፍለጥ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትዊተር (ሕጂ ኤክስ) ወግዓዊ ሓበሬታታት ይህብን ምስ መራሕቲ ሃገራት ወጻኢ ብግልጺ ይጋጮን ነይሩ።
ኣመሪካ ድማ፡ ካብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ስምምዓት ክሊማን ንግድን ክትወጽእ ገይሩ።
ካብ 7 ሃገራት ኣስላም ናብ ኣመሪካ ዝግበር መገሻታት ዝእግድ ተሪር ገደባት ኢሚግሬሽን ኣውጺኡ።
ምስ ቻይና ንግዳዊ ኲናት ኣዊጁ፤ ኣብ ኣመሪካ ክብረወሰን ዝሓዘ ምጕዳል ግብሪ ተግባራዊ ገይሩ፤ ምስ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ዝምድና ቅርጹ ክቕየር ገይሩ።
ንኣስታት ክልተ ዓመታት፡ ሓደ ፍሉይ ኣማኻሪ፡ ኣብ መንጐ ትራምፕ ብ2016 ዘካየዶ ጐስጓስን ምትእትታው ሩስያን ይምርምር ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ከም ምስርሳር ኮምፒተርን ፋይናንሳዊ ገበናትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ 34 ሰባት ክኽሰሱ እንከለው፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቐረበ ክሲ የለን።
እቲ መርመራ’ውን ገበናዊ ምትሕብባር ተፈጺሙ ድዩ ዝብል ኣየረጋገጸን።
ድሕሪ ቅሩብ ግዜ፡ ትራምፕ ሓደ መንግስቲ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ መነሓንሕቱ ዲሞክራት ጆ ባይደን ከጸልም ጸቕጢ ብምግባር ክሲ ምስ ቀረበሉ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ሳልሳይ ፕረዚደንት ኰይኑ።
ነዚ ስዒቡ ብዲሞክራት ዝምራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ እንከሎ፤ እቲ ብሪፓብሊካን ዝምራሕ ሰነት ግን ነጻ ኢሉዎ።
ኣብ 2020 ዝተኻየደ መረጻ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተዓብለለ’ዩ ነይሩ።
ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ንዘጋጥም ዝነበረ ሞትን መልከፍትን ብቐዳምነት ትመርሖ ነይራ።
እቲ ቅልውላው ከኣ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣካላት መከላኸሊ ረኽሲ ብምውጋእ ክፍወስ ይኽእል ዶ ዝብል መጽናዕቲ ብምክያድ፡ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል ኣካታዒ ርእይቶታት ይህብን ጽዑቕ ነቐፌታ ይገጥሞን ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኣብ ጥቅምቲ ባዕሉ ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኽፈ ምስ ተረጋገጸ ካብ ንጥፈታት ጐስጓስ ክወስድ ተገዲዱ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መረጻ 74 ሚልዮን ድምጺ'ኳ እንተረኸበ፡ ባይደን ብልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን [81 ሚልዮን] ድምጺ ክስዕሮ ክኢሉ።
ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ከኣ ኣብቲ መረጻ ምትላል ተፈጺሙ እዩ ብምባል ልዕሊ 60 ክስታት ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ።
ትራምፕ ንውጽኢት እቲ መረጻ ነጺግዎ።
ብ6 ጥሪ ኮንግረስ ዓወት ባይደን ንምርግጋጽ ኣብ ዝእከበሉ ዝነበረ እዋን፡ ደገፍቱ ኣብ ኣዳራሽ ካፒቶል ዓመጽ ከም ዘልዓሉ ይዝከር።
እቲ ግጭት፡ ድሕነት ኣባላት ባይቶን ምኽትሉ ዝነበረን ኣብ ሓደጋ ከውድቕ እንከሎ፡ እቲ ክስተት ንኻልኣይ ግዜ ካብ ስልጣን ክእለ ገይርዎ።
በዚ ምኽንያት ክልተ ገበናዊ ጕዳያት ዝለዓሎ ሰብ ኰይኑ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳግም ናብ ንሕንሕ ፕረዚደንትነት ምምላስ
ፖለቲካዊ ህይወት ትራምፕ ድሕሪ እቲ ኣብ ካፒቶል ዘጋጠመ ናዕቢ ዘብቅዕ መሲሉ ነይሩ።
ለገስቲን ደገፍትን ድሕሪ ሕጂ ፈጺምና ኣይንድግፎን ኢሎም ቃል ኣትዮም። ናይ ቀረባ መሻርኽቱ እንከይተረፉ ስሒቦም።
ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ንዕኡ ተኪኡ ዝመጽአ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣይተረኽበን፤ ስድራኡ ሒዙ ድማ ናብ ፍሎሪዳ ግዒዙ።
ትራምፕ፡ ነቲ ን50 ዓመታት ዝጸንሐ ውሳነ ሮይ ቪ ዋይድ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ከይስእና ልዑል ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ።
ይዅን’ምበር፡ ኣብ መፋርቕ 2022 ዳግም ንፕረዚደንትነት ከም ዝወዳደር ኣፍሊጡ፤ ነዊሕ ከይጸንሐ ክኣ ሕጹይ ፕረዚደንት ሰልፊ ሪፐብሊካውያን ኰይኑ።
ትራምፕ ኣብቲ መረጻ ከም ዝወዳደር ወግዊ ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ኣርባዕተ ገበናዊ ጕዳያት 91 ክስታት ይቐርበሉ ነይሩ።
ሕጂ እተን ሰለስተ ክስታት ቅድሚ እቲ መረጻ ኣይክርኣያን እየን።
ኣብ ኒውዮርክ ዝተመሓላለፈሉ ፍርዲ -ድኹም ክስታት ዝበሃሉ- ክሳብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይክርኣይን እዩ።
ብ13 ሓምለ ኣብ ባትለር ፐንሲልቨንያ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ መረጻ ሓደ ወዲ 20 ዓመት ዕጡቕ ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ ቅትለት ፈጺሙ።
እዚ ቶማስ ማቲው ክሩክስ ዝተባህለ መንእሰይ ብሓይልታት ጸጥታ ኣመሪካ ብዝተተኰሰሉ ስናይፐር ቅድሚ ምማቱ፡ ብዝተኰሶም ሸሞንተ ጠያይት ትራምፕ ኣብ የማናይ እዝኑ ተሃሪሙ ነይሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቍጠባን ትሕተ ቅርጽን ምምሕያሽ'ኳ እንተኣርኣየ ብሰንኪ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ፡ ምውሳኽ ዘይሕጋዊ ስደትን ፖሊሲ ጕዳያት ወጻኢ ዝመርሖ መንግስቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ዘይምርግጋኣት ከም ዝንቀፍ ይፍለጥ።
ባይደን ካብ ውድድር እቲ መረጻ ምስ ኣንስሓበ፡ ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ኰይና ክትመጽእ እንከላ፡ ምምሕዳር ባይደን ዘይተዓወተሎም ጕዳያት ዝምልከት ትራምፕ ክነቕፋ ተራእዩ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







