ትራምፕ ብታሪፍ ኣመሪካ ኣብ ዝተጸለወ መሸጣ ቲክቶክ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳነ

ቲክቶክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኣዝዩ ተፈታዊ ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢ - ቲክቶክ - ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ስርሑ ክሸይጥ ወይ ድማ ኣብታ ሃገር ክእገድ ኣብ ዝሓለፈ ውሳነ ካልኣይ ናይ 75 መዓልታት ምንዋሕ ፈቒዱሉ።

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ትሩዝ ሶሻል "ቲክቶክ 'ክጽልምት' ኣይንደልን ኢና" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት "ነቲ ስምምዕ ንምዕጻው ምስ ቲክቶክን ቻይናን ክንሰርሕ ብሃንቀውታ ንጽበ" ክብል ኣስዒቡ።

እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብቻይናዊ ኩባንያ ባይትዳንስ ዝውነን እዩ።

ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስልጣኑ ድሕሪ ምሓዙ ናይ መጀመርታ ምንዋሕ ግዜ ዝተፈቐደ ኮይኑ፡ ሰንበት ክዛዘም ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ልዕሊ 170 ሚልዮን ተጠቀምቲ ከምዘለውዎ ዝገልጽ ቲክቶክ፡ ዓዳጊ እንተዘይተረኺቡ ብመሰረት ኮንግረስ ዘጽደቖ ሕጊ ኣብ ኣሜሪካ ክዕጾ ምዃኑ ይግለጽ።

ኩባንያ ባይትዳንስ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ክዘራረብ ከምዝጸንሐ'ኳ እንተሓበረ "ስምምዕ ግን ኣይተፈጸመን" ኢሉ።

"ክፍትሑ ዘለዎም ወሰንቲ ጉዳያት ኣለዉ። ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ኣብ ሕጊ ቻይና ተመስሪቱ እዩ ክጸድቕ" ኢሉ ወሃቢ ቃል እቲ ትካል።

ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን፡ ቻይና ንቲክቶክ ከም መሳርሒ ስለያን ፖለቲካዊ ምዝመዛን ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኮንግረስ ኣመሪካ ዝሓለፈ ዓመት ሕጊ ብምጽዳቕ፡ ባይትዳንስ ኣብ ቲክቶክ ዘለዎ ናይ ተቖጻጻርነት ብጽሒት ክሸይጥ ወይ ድማ እቲ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ኣብ ኣሜሪካ ክዕጾ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ገደብ ግዜ ምሃቡ ይፍለጥ።

ተቓወምቲ እቲ እገዳ ግን፡ እቲ መድረኽ ክፉት ከይዕጾ ኣብ ዝገብርዎ ሞጐት ንመሰላት ናጽነት ምዝራብ ይጠቕሱ።

እዚ ሓድሽ ብትራምፕ ዝተወሰነ ምንዋሕ ገደብ ግዜ፡ ነቲ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢ ናብ ትሕቲ ዋንነት ኣሜሪካ ንምእታውን ኣብ ኣሜሪካ ስርሑ ንክቕጽልን ብምሕሳብ እዩ።

ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ትሩዝ ሶሻል "ኣብቲ ስምምዕ ኩሉ ኣድላዪ ፍቓድ ንኽፍረም ዝያዳ ስራሕ ይሓትት" ክብል ጽሒፉ'ሎ።

ውዕል ቲክቶክ ብረቡዕ ዳርጋ ክዛዘም በጺሑ ምንባሩ ይንገር፤ ግን ከኣ ትራምፕ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ትርከበን ሃገራት ሰፊሕ ዓለማዊ ቀረጽ ድሕሪ ምግላጹ ግን ፈሪሱ።

ወከልቲ ትካል ባይትዳንስ [ወናኒ ቲክቶክ] ምስ ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ቻይና ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ቀረጽ ድርድር ክተካየድ እንተዘይክኢላ ንስምምዕ ቲክቶክ ከምዘይትጽድቖ ምሕባሮም፡ ሓደ ነቲ ስምምዕ ዝፈልጥ ምንጪ ንኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ - ሲቢኤስ ኒውስ - ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ውጥን ትራምፕ ስምምዕ መፈጸሚ ዝኸውን ናይ 120 መዓልታት ግዜ ዘፍቅድ ትእዛዝ ክፈርም ከምዝነበረ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ምንጪ ሓቢሩ። እዚ ድማ ሰነዳት ንምውዳእን ፋይናንስ ንምውሓስን ግዜ ከምዝህብ ገሊጹ።

እቲ ስምምዕ ብነባራት ኣውፈርቲ፣ ሓደስቲ ኣውፈርቲ፣ ባይትዳንስን መንግስቲ ኣመሪካን ቅቡልነት ረኺቡ እኳ እንተነበረ፡ ትራምፕ ነቲ ዓለማዊ ግብሪ ወግዓዊ ምስገበረ ግን ቻይና ንድሕሪት ከምዝተመልሰት ሲቢኤስ ጸብጺቡ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መሰረታዊ መትከላት ቁጠባ ዕዳጋ ዝጥሕስ ተግባራት ከምዝቃወም" ገሊጹ።

ቻይና ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኣትዉ ፍርያታ 54 ሚኢታዊት ጠቕላላ ቀረጽ ክንበረላ ከሎ፡ ከም ግብረመልሲ ድማ 34 ሚኢታዊት ታሪፍ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ብምውሳን ሕነ ከምዝፈደየት ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓያሎ ዓደግቲ ቲክቶክ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ድልየቶም ከምዘርኣዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣማዞን ነቲ ማሕበራዊ መድረኽ ንምግዛእ ኣብ መወዳእታ ረቂቕ ናብ ዋይት ሃውስ ከምዘቕረበ እንተተገለጸ እኳ እቲ ትካል ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ፍሉጣት ቢልዮነራት ዓለም ብውልቆምን ብሓባርን ንቲክቶክ ክዕድጉ ድልየት ዘርኣዩ ኮይኖም፡ ትካል ኮምፒዩተር ማይክሮሶፍት ዝርከቦም ዓበይቲ ኩባንያታት እውን ኣብ ውድድር ከምዘለዉ ይንገር።

ትራምፕ ምምሕዳሩ ምስ ኣብ ስምምዕ ዕድጊት ቲክቶክ ዝግደሱ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ርክባት ከምዝገበረ'ኳ እንተገለጸ፡ ስሞም ግን ኣየነጸረን።

ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ፡ ዓዳጊ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብላዕለዋይነት ይመርሕ ምህላዉ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሸቐጣት ቻይና ዝተደንገገ ቀረጽ ብምትራፍ፡ ቻይና ንመሸጣ ቲክቶክ ከተጽድቕ እትኽእለሉ ስምምዕ ከተቕርብ ከምእትኽእል ኣተንቢሁ ኣሎ።