ንቲክቶክ መን ክገዝኦ ይኽእል - ኢሎን ማስክ፡ ሚስተርቢስት ወይ ኤሊሰን?

ቲክቶክ ንምግዛእ ዝለዓለ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ኤሎን ማስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቲክቶክ ንምግዛእ ዝለዓለ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ኤሎን ማስክ

እቲ 'ሚስተርቢስት` ተባሂሉ ዝፍለጥ ጂሚ ዶናልሰን ቲክቶክ ንምግዛእ ብዛዕባ ዘካየዶ ጻዕሪ ንዓሰርተታት ሚልዮናት ተኸታተልቱ ክነግሮም እንከሎ እምብዛ ሕጕስ ነይሩ።

ዶናልድሰን ኣብታ ብሕታዊት ጀቱ ኰይኑ፡ "ናትኩም ሓድሽ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ክኸውን እኽእል እየ፣ ኣዝየ ተደሲተ ኣለኹ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ንቲክቶክ እንድሕር ወኒኑዎ፡ እቶም ሽዑ ዝምዝገቡ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ንነፍስ-ወከፎም 10,000 ዶላር ግንዖ ከም ዝህቦም ድማ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ነዚ ዘርኢ ቪድዮኡ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዙ ልዕሊ 73 ሚልዮን ሳዕ ተራእዩ።

ዶናልድሰን ናይቲ ዘቕረቦ ጨረታ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይክእል እኳ እንተ ገለጸ፡ "ንልብኻ ብደስታ ዝመልእ ከም ዝኸውን ጥራይ ፍለጡ፡" ክብል ግን ቃል ኣትዩ።

ዶናልድሰን፡ ነዚ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ዘዛርብ ዘሎ ህቡቡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምዕዳግ ተገዳስነት ኣርእዮም ካብ ዘለዉ ሃብታማት ሓደ እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ቻይና ዝመደበሩ ንቲክቶክ ዝፈጠረ ባይትዳንስ ዝተባህለ ኩባንያ፡ ንቲክቶክ ክሳዕ 19 ጥሪ 2025 ናብ ካልእ እንተ ዘይሸይጡዎ፡ ኣብ ኣመሪካ ክእገድ ምዃኑ ሕጋዊ ክታም ኣንቢሩ ነይሩ።

እቲ ሕግጋት፡ ቲክቶክ ምስ መንግስቲ ቻይና ንዘለዎ ርክብ ኣመልኪቱ ስክፍታቱ ዘስፈረ ኰይኑ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ዘለዎ ስግኣት`ውን ይገልጽ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተላፊንካ ክስራሕ ከም ዝከኣል ኣመት ሂቡ እዩ።

ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣመሪካ 50 ሚእታዊት ዋንነት ክህልዋ እደሊ፡" ይብል'ሞ፡ "ነዚ ብምግባርና ንቲክቶክ ነድሕኖ፣ ኣብ ውሑስ ኢድ ከኣ ነቐምጦን ክሰርር ነኽእሎን፡" ኢሉ።

ትራምፕ፡ ቲክቶክ ንተወሳኺ 75 መዓልታት ኣብ ስራሕ ክጸንሐ፡ ኣብቲ ዘሕለፎ ፈጻሚ ትእዛዝ ከቲሙ እዩ።

ብሉምበርግ፡ ቻይና ነቲ ኣብ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብን ናይ ቀረባ ዓርኪ ፕረዚደንት ትራምፕን ዝዀነ ኢሎን ማስክ፡ ንቲክቶክ ክትሸጠሉ ትሓስብ ከም ዘላ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ጸብጺባ ነይራ።

ኢሎን ማስክ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ቲክቶክ ክእገድ ንነዊሕ እዋን ክድግፍ ከም ዘይጸንሐ ብምግላጽ፡ "ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ክሰርሕ እናተፈቕደሉ፡ ኤክስ ግን ኣብ ቻይና ክህሉ ፍቓድ ክስእን ሚዛናዊ ኣይኰነን። ኣብዚ ገለ ነገር ክቕየር ኣለዎ፡" ክብል ጽሒፉ።

ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማስክ ንቲክቶክ ክገዝኦ ዝኽእል እንተዀይኑ ብሓደ ሪፖርተር ሕቶ ቀሪብሉ።

"ክገዝኦ ዝደሊ እንተዀይኑ እወ፡" ክብል መሊሱ።

"ላሪ እንተ ገዝኦ'ውን ደስ እብለኒ፡" እውን ኢሉ።

ኣቦ መንበር ኦራክል ላሪ ኤሊሰን ንነዊሕ እዋን ንትራምፕ ክድግፎ ዝጸንሐ እዩ።

ኦራክል ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣቕረብቲ ሰርቨር ቲክቶክ ኰይኑ፡ ንብዙሓት ካብቶም ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ቪድዮታት ቲክቶክ ዝኽዘነሉ ማእከላት ሓበሬታ (ዳታ) የመሓድር።

ቲክቶክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኦራክል እገዳ ቲክቶክ ንንግዱ ክጐድእ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እዚ ዓቢዪ ናይ ክላውድ ቅመራ ወይ ኣስልሖት ትካል፡ ኣብ 2020፡ ትራምፕ ክእግዶ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምዕዳግ ቀንዲ ተወዳዳሪ እዩ ነይሩ።

ቢልዮነር ኣውፋሪ ፍራንክ ማኮርት እውን ኣብ ቲክቶክ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ ክውንኖ ዘለዎ ተስፋ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቃለ-መሕትት ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።

ማኮርት፡ ቲክቶክ በቲ ንሱ ዝመስረቶ ፕሮጀክት ሊበርቲ ኢንስቲትዩት ብዝቈጻጸሮ ቴክኖሎጂ ክሰርሕ ከም ዝደሊ ይሕብር።

ኩባንያታት፡ ዳታ ኣኪበን መረዳእታ ዘቕርባሉ ኣገባብ ክነቅፍ'ውን ጸኒሑ እዩ።

ፕሮጀክት ሊበርቲ ብዘይ ኣልጎሪዝም ንቲክቶክ ክገዝእ ጨረታ ይገብር ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣመሪካዊ ዓዳጊ ቲክቶክ ኣብ ምምራጽ ዓቢዪ ግደ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን ፕሮፌሰር ሕጊ ኣኑፓም ቻንደር፡ "እቲ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ብፖለቲካዊ ኣረኣያኡ ዝቃዶ ተዓዋቲ ክኸውን እዩ፡" ይብል።

እቲ ፕሮፌሰር ቀጺሉ፡ እቲ ሓምሳ ብምሓምሳ ብሓባር ክውነን ዝብል ሓሳብ ምስቲ ሕጊ ዝጠልቦ ስለ ዘይሰማማዕ፡ ትራምፕ እቲ ሕጊ ክኽለስ ንኮንግረስ ጸቕጢ ክገብር ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ዛጊት ግን መጻኢ ቲክቶክ ኣብ ደንገርገር እዩ ዝርከብ።