ኣመሪካ፡ ቲክቶክ ብወግዒ ቅድሚ ምዕጻዉ ባዕሉ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ኣቢሉ

ቲክቶክ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ንኽዕጾ ዝእዝዝ ሕጊ ግብራዊ ቅድሚ ምዃኑ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ እቲ ማሕበራዊ መድረኽ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ምሃብ ደው ኣቢሉ።

ተጠቀምቲ ተሌፎኖም ክኸፍቱ እንከለዉ፡ እቲ መተግበሪ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣገልገሎት ንኸይውዕል ስለ ዝተኣገደ፡ "ንግዝኡ ቲክቶክ ክትጥቀሙ ኣይትኽእሉን፡" ዝብል መልእኽቲ ይርኣይ።

እዚ ወሲኹ፡ "ፕዚደንት ትራምፕ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ምሳና ብምስራሕ ቲክቶክ ዳግም ክፉት ከም ዝኸውን ምግላጹ ዕድለኛታት ኢና፡" ይብል።

እቲ ኵባንያ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ቲክቶክ ንኸይእገድ መረጋገጺ እንተ ዘይሂቡ ካብ ሎሚ ሰንበት ጀሚሩ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ከም ዘብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ጽባሕ ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣቱ ዶናልድ ትራምፕ፡ ስልጣን ምስ ሓዘ ቲክቶክ ን90 መዓልቲታት ክጸንሕ ዕድል ከም ዝወሃቦ ተዛሪቡ ነይሩ።

ትራምፕ ብቐዳም ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ናይ 90 መዓልቲታት ምንዋሕ ምህላው ዘይተርፍ እዩ፣ ምኽንያቱ ትኽክለኛ ስጕምቲ'ዩ፡" ኢሉ።

"እዚ እንተ ወሲነ፡ ሰኑይ ግብራዊ ክገብሮ'የ።"

ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕጫ ቲክቶክ መጻኢ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ዝወስዶ ስጕምቲ ዝምርኰስ ክኸውን'ዩ ኢሉ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ብዓርቢ ቲክቶክ ዘቕረቦ ሕቶ ይግባይ ብምንጻግ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝጸደቐ ሕጊ ግብራዊ ክኸውን ወሲኑ።

ተጠቀምቲ፡ ቲክቶክ ካብቶም መተግበሪታት ዝወርዱሎም ኣፕልን ጕግልን ከም ዝተኣልየ ገሊጾም።

ብተወሳኺ፡ እቲ መተግበሪ ቪድዮታት ምርኣይ ደው ኣቢሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓገግቲ ኣመሪካ ቲክቶክ ምስ መንግስቲ ቻይና ርክባት ስለ ዘለዎ ክእገድ ኣለዎ ዝብል ኣዋጅ ኣጽዲቘም።

ቲክቶክ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዝዀነ ሓበሬታ ንመንግስቲ ቻይና ኣሕሊፉ ከም ዘይህብ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሚያዝያ ዝጸደቐ ሕጊ፡ እቲ ማእከሉ ኣብ ቻይና ዝገበረ ትካል ባይትዳንስ፡ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ቲክቶክ ክሸጦ ኣለዎ፣ እንተዘይኰይኑ ድማ ኣብ ኣመሪካ ክእገድ እዩ ይብል።

ቲክቶክ ግን እዚ ሕጊ ናይ ምዝራብ ናጽነት ዝጥሕስ እዩ ብምባል ነቲ ውሳነ ተቓዊሙ።

ኣብ ኣመሪካ፡ 170 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣለውዎ።