‘ከመይ ኢለ ኣብ ሓደ ስኑዕን ናይ ሓሶትን ፍቕሪ ከም ዝወደቕኩ’

ይዛቤል

ምንጪ ስእሊ, YZABEL DZISKY

ፍቕሪ ብድሕሪ ጥበራን ቅጥፈትን ተኸዊሉ ከጓንፈና ይኽእል'ዩ። ኣይኰነን'ዶ ናይ ርሑቕ፡ ናይ ቀረባን ገጽ-ንገጽን ፍቕሪ ዜቐንዙ ሕቡእ ሸነኻት ሒዙ ክሕዘና ይኽእል'ዩ።

ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ርክብ፡ ምናዳ በቲ ከተዓሻሽወና ዝኽእል ኣገባብ - ብምዕቡል መዳይ ቴክኖሎጂ ዝተመስረተ ፍቕሪ ምዃኑ'ዩ።

እዚ ንናይ ልብና ስምዒት ኣብ ጣዕሳ ኣሳጢሑን መዝሚዙን መዓንጣ ከብድና ዝቐርጽ ከኸውን ይኽእል።

እዚ ዛንታ እምበኣር ኣብ ዪዛበል ዚስኪ እትበሃል ፈረንሳዊት ተዋሳኢት ዘጋጠመ ሓቃዊ ዛንታ'ዩ።

ዪዛበል ብ'ኦንላይን ዴቲንግ' ተታሊላ ኣብ ስኑዕ ፍቕሪ ወይ ከኣ ሃተምተም ክትወድቕ ክኢላ።

እዚ ታሪኽ፡ ዪዛበል ከመይ ኢላ ብሓደ መጭበርበሪ ከም ዝተዓሻሸወትን ልባ ከም ዝተሰብረን ንቢቢሲ ብምክፋል፡ ነቲ ዘታለላ ሰብ ብኣካል ንምርካብ ዘካየደቶ ጻዕሪ ከዘንቱ'ዩ።

Short presentational grey line

ብ2017 ዪዛበል ዘይተመርዓወት ጓል 46 ዓመት እያ ነይራ። ኣብቲ ግዜ ኣብ ዙርያ ናይ 'ዴቲንግ' መተግበሪታት ሰነዳዊ ምድላው ክትሰርሕ መደብ ነይሩዋ።

በዞም መተግበሪታት ኣቢሎም ዝተራኸቡን ነዚ ቃለ መጠይቕ ክህቡዋ ዝኽእሉን ሰባት ክትረክብ እኳ እንተተበገሰት፡ ንርእሳ'ውን በዚ ኣቢላ ፍቕረኛ ክትረክብ ከም እትኽእል ተሰምዓ።

"እተን ዘይተመርዓዋ መሓዙተይ ብዛዕባ'ቶም ብናይ ዴቲንግ-ኣፕ ዝተራኸቡ ሰባት ከዕልላን ብዘጋጠሞም ነገራት ክስሕቃን ይሰምዕ ነይረ። መጀመርታ ቃለ መጠይቕ ክገብር'ዩ ነይሩ ሓሳበይ፤ ግን ክኣ ሰባት በዚ መገዲ ፍቕረኛ ዝረኽቡ እንተኾይኖም ምናልባት ኣነ'ውን ክረክብ ይኽእል'የ ኢለ" ትብል።

ድሕሪ'ዚ፡ ዪዛበል ኣብቲ መራኸቢ-ኣፕ ምስ ኣተወት ሓደ ጽቡቕ ዝመልክዑ ቶኒ ኮልቢ ዝተባህለ ሰብኣይ ኣጓነፋ።

እዚ ውልቀሰብ፡ ሽሙ ትኽክለኛ ድዩ ኣይኮነን ዝብል'ኳእንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ ኣመሪካ ሎስ ኣንጅለስ ዝነብር ክኢላ መጥባሕቲ ምዃኑን ናብ ፈረንሳ ንክግዕዝ መደብ ከም ዘለዎን ዝነግር ሓበሬታ ኣለዎ።

ዩዛቤል፡ ነዚ ምስ ርኣየት ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰብ መጀመርታ ዝገብሮ 'like' ገይራቶ፤ እቲ ምድልላይ ሓበራዊ ነበረ።

ስለ ዝኾነ ድማ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣውጊዖም፤ ዪዛበል በቲ ዘጓነፉ ዕድል ገረማ።

"ንሱ ብዛዕባ ህይወቱ ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ህይወተይ ነዕልል። ብኣጋጣሚ ስም ከልቡን ከልበይን፣ ስም ጓሉን ጕለይን ዝመሳሰል ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ምግጥጣም ንፈቱ ኢና፤ እዚ ኽኣ ማሪኹኒ። ስለዚ ነብሰይ ኣብዚ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ክሕምብስ ፈቒደሉ" ትብል።

ድሕሪኡ ብቪድዮ ክትሪኦ ደልያ።

ሓደ ምሸት ምስ መሓዙታ ንክትዘናጋዕ ኣብ ዝወጽአትሉ እዋን ዪዛበል ንቶኒ ብቪድዮ ትድውለሉ፤ ኣብቲ ዓሰርተ ደቒቕ ዘውግዓትሉ ቪድዮ ምስሉ ንመሓዙታ ስእሉ ኣርኣየተን።

እቲ ትርእዮ ዝነበረት መልክዕ ቶኒ ብዙሕ ዝንቀሳቐስ ስእሊ'ኳ እንተዘይነበረ፡ ዪዛበል ነቶም ንኣሽቱ ነገራት ብዙሕ ከየስተባህለት ዕላላ ቀጸለት። ዝኾነ ዀይኑ፡ እቲ ርክቦም ቀጸለ።

"ብቪድዮ ክተውግዕ ከለኻ ንባዕልኻ እንታይ ከም እትመስል እምበር እቲ ተውግዖ ዘለካ እንታይ ይመስል ኢልካ ክትርእዮ ብዙሕ ኣይተድህበሉን። ስለዚ ኣነ'ውን ንዕኡ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገብረሉን ነይረ" ኢላ።

ክሳብ 'ቶኒ' ሃንደበት ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት እንከይሃበ እቲ ብጽሑፍን ቪድን ዝገብሩዎ ዕላላት ዘቋርጾ ርክቦም ቐጺሉ ነይሩ።

ዪዛቤል ምስቲ ብኢንተርነት ዝተላለየቶ ሰብ ብቪድዮ ተውግዕ ነይራ
መግለጺ ስእሊ, ዪዛቤል

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ መጺኡ ክኣ ሽሙ ቶኒ ከም ዘይኰነን 'ሙራት' ትኽክለኛ ሽሙ ከም ዝኾነን ተናዘዘ።

"በዚ ክኣ መሊሰ ሰንቢደ፤ ናይ ቀደም ሰብኣየይ ስሙ ሙራት'ዩ ነይሩ። መበቈሉ ቱርካዊ ምዃኑን ኣብ ኢስታንቡል ከኣ ከም ዝነብር ምስ ሓበረኒ ገረመኒ'ምበር ኣይሓረቕኩን" በለት።

ቐጺላ "ስለ ምንታይ ድኣ ሽምካ ቀይርካ ኢለ ምስ ሓተትኹዎ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ምዃነይ እንተድኣ ፈሊጥኪ ክትነጽግኒ ትኾኒ ኢለ'የ ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ኽኣ ናይ ቀደም ሰብኣየይ ዓረብ፣ ፈረንሳውን ቱርካውን ስለ ዝነበረ ጸገም የብለይን ኢለዮ። ዝገርም ኣጋጣሚ'ዩ . . . ግን ኣይትሰከፍ ኢለዮ" ትብል።

ኣብዚ ግዜ፡ ኢዛቤል ኢዳን እግራን ዓጺፋ ከፍ ኣይበለትን።

"ኣብ ጉግል ኣትየ ብዛዕብኡ ክፍትሽ ጀሚረ፤ ብዙሓት ነገራት ክኣ ረኺበ። ስእልታትን ብቋንቋ ተርኪ ዝተሰርሑ ቪድዮታትን ርእየ። ኣብ ቴሌቪዥን ሓዊሱ ኣብ ብዙሕ ቦታታት'ዩ ነይሩ። ዋላ ሓደ ጥርጥር ኣይነበረንን፤ ትኽልለኛን ፍሉጥ ክኢላ መጥባሕትን'ዩ ነይሩ" ኢላ።

እቲ ርክቦም ብጽቡቕ ቀጸለ።

ሓሓሊፎም ሓጸርቲ ብቪድዮ ዝተሰነዩ መልእኽትታት፡ ከምኡ'ውን ናይ ፍቕሪ ደብዳቤታት ብምልውዋጥ ንዓኣ እኹልን ዜተኣማምን ጕዳይ ኮይኑ ረኸበቶ።

ኣብ ቀረባ ድማ 'ክረኽበኪ ክመጽእ'የ' ኢሉ መብጽዓ ኣተወላ።

ቅድሚ ንፈረንሳ ምኻዱ ግን ናይ ሕክምና ኣቑሑ ክዕድግ ናብ ሻንጋይ (ቻይና) ከላግስ እየ በላ።

ግን እዚ ጉዕዞ ነዚ ሰብ ንክትጠራጠሮ መንቅሒ ደወል ምኾና ነይሩ።

"ስልኪ ደዊሉ ኣብ ሻንጋይ ናውታት ሕክምና ንኽገዝእ ከም ዜላገሰ ሓቢሩኒ። ኣብኡ ኸሎ ናይ ባንክ ካርዱ ምስራሕ ከም ዝኣበዮን 3000 ዩሮ ንኽሰደሉን ሓተተኒ" ኢላ።

ድሕሪኡ ሙራት ካብ ሻንጋይ ናብ ፓሪስ ከም ዝበርርን ብኣካል ክራኸቡ ምዃኖምን ይነግራ።

ዩዛቤል ግን፡ ከመይ ዝበለ ፍሉጥ ሓኪም ካብኣ ገንዘብ ብምሕታቱ ገሪሙዋ'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንሓንቲ መሓዝኣ ኣውጊዓታ።

እቲ ኩነታት ስለ ዘጠራጠራ ድማ 200 ዩሮ ክትሰደሉ ወሲና።

"ንምንታይ ገንዘብ ከም ዝለኣኽኹሉ ንዓይ'ውን ኣይተረድኣንን፤ ምናልባሽ ኣብ ቱርኪ ዝተሓትመ ናይ ባንክ ካርድ ኣብ ሻንጋይ ኣይሰርሕን ይኸውን ኢለ ሓሲበ። ዝኾነ ዀይኑ፡ ኣመስጊኑኒ እቲ ናብ ፓሪስ ዜኺዶ ቲኬት ከኣ ኣርእዩኒ - ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ክንራኸብ ኢና ኸኣ በለኒ" ትብል።

እቲ መዓልቱ ምስ በጽሐ፡ ዪዛበል ንሙራት ብኣካል ንመጀመርታ ክትረኽቦ ተሃንጠየት።

"ክቕበሎ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይደ። ኣብኡ ተጸብየ . . . ተጸብየ ግን ከይመጽአ ተረፉ" በለት።

ዪዛበል በታ መዓልቲ'ቲኣ ክትዛረብ ዝን ትብል፤ እንቅዓ ኸኣ ተስተንፍስ።

"ብድሕሪኡ ደጋጊመ ክድውለሉ ፈቲነ ግን ኣይመለሰን። ሱቕ-ሱቕ ኰይኑ እቲ ጕዳይ ከምኡ ኢሉ ቀነየ፣ ኣነ ኸኣ እቲ ዘይምምላሱ ኣሻቐለኒ፡ ኣሕረቐኒ። ኣነ ዘጥፋእኩዎ ወይ ዝተጋገኹዎ ኣይነበረን፤ እኳ ድኣ ሕያውነት'የ ኣርእየዮ። ንምንታይ ዘይጸሓፈን ዘይመለሰን ግን ኣቘጥዓኒ ... መልሲ ክልእኽ ምተገብኦ!" ትብል ዪዛበል።

ሰባት ከመይ ገይሮም ብመስመር-ኮምፕዩተር ከታልሉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ሓሳባ ክመጻ ጀመረ፣ ኽትቅበሎ ግን ኣይከኣለትን።

"ክኸውን ከቶ ኣይክእልን'ዩ። ብቪድዮ ባዕለይ ርእየዮ፤ ናይ ሓቂ ሰብ ምዃኑ ኸኣ ኣርጊጸ እፈልጥ'የ። መሓዙተይ ርእዮሞ፣ ደቀይ ርእዮሞ። ከመይ ኢሉ ከምዚ ይኸውን ኢለ ንነብሰይ ክጥርጥራ ጀመርኩ" እትብል ዩዛቤል ደጋጊማ እዝስ ከቶ ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ እናበለት ምስ ነብሳ ተባእሰት።

ድሕሪ ሒዶት መዓልታት ሙራት ይድውል።

ዪዛበል ከኣ ንሞባይላ ምስ ዓቢ ስክሪን ብኮምፕዩተራ ኣላጊባ ብግዙፍ ስእሊ ክትርእዮ ተቐረበት።

"እቲ ስእሊ ጽፉፍ ኣይንበረን፤ ክዛረበኒ ምስ ጀመረ ኸኣ ቃዕ-ቃዕ (ክሊክ-ክሊክ) ዝብል ድምጺ ክሰምዕ ጀመርኩ። ናብቲ ስክሪን ቀሪበ እቲ ቃዕ-ቃዕ ዝብል ድምጽን እቲ ሕንቕ-ሕንቕ ዝብል ዝነበረ ስእሊ እንታይ ምዃኑ ክዕዘብ ጀመርኩ" በለት።

እቲ ትርእዮን ትሰምዕን ዝነበረት ስእሊ ምእንቲ ብጉቡእ ንክርድኣ ሓደ ብዛዕባ ኣሳእል ቪድዮ ዝፈልጥ ሰብ ተወከሰት።

እቲ ዝተወከሰቶ ሰብ ብኡ-ንብኡ ሓደ "ኦባማ ዲፕ-ፈይክ" ዘርእቱ ዩትዩብ ንኽትርኢ ሓበራ።

Short presentational grey line
ሰርሰርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዪዛበል ነቲ ቪድዮ ምስ ረኣየት እቲ ካብ 'ሙራት' ትቕበሎ ዝነበረት ናይ ቪድዮ መልእኽትታትን ተመሳሳሊ ኰይኑ ረኸበቶ።

ዝተሰንዐ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ምዃኑ ኸኣ ክርድኣ ከኣለ።

"ሓፈርኩ፣ ዕሽነተይ ድንቍርናይን ተርድኣኒ፣ ጥረ ምዃነይ በሪሁለይ። ኣነ ብቐሊሉ ዘይታለል ናይ ዓለም ሰብ ክነሰይ በዚ ሰብ'ዚ ክታለል ኢለ ምስ ነብሰይ ተበኢሰ። እዚ ሰብ'ዚ ንስምዒተይ ሰሪቑ፡ ንሩሐይን መንፈሰይን ተጋሲሱ ገዲፉኒ። እቶም ንጸሓሓፎም ዝነበርና ናይ ፍቕሪ መልእኽትታት ኣሚነ ኣመንክዎ፣ ኣሳእል ደቀይ ከይተረፈ ኣርእየዮ" እናበለት ብጣዕሳ ተዛረበት።

ብኣመና ሕርቃን ነቲ ሰብ ክትገጥሞ ወሰነት፣ እንተ ንሱ ግን ጠፍአ።

ዪዛበል ደጋጊማ ጸሓፈትሉ፣ ብፍላጥ "ዘድልየካ ክህበካ፡ እንታይ ኢኻ ዄንካ" እናበለት ንክምልሰላ ኣጥቢቃ ተማሕጸነቶ።

ደጋጊማ ድሕሪ ምጽሓፍ ብቪድዮ ዝተሰነየ መልእኽቲ ለኣኸላ። ጽን ኢላ እንተ ሰምዐት እቲ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ቃዕ-ቃዕ ዝብል ድምጺ ከም ዝነበሮ ኣስተብሃለት።

ሽዑ ኣዘንጊዓ "መን ኢኻ?" ኢላ ሓተተቶ።

"ሙራት ከም ዘይኰንካ ኣርጊጸ እፈልጥ'የ ... መን ኢኻ?" እናበለት ኣጥቢቓን ደጋጊማን ሓተተቶ።

ሱቕ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ "ንምንታይ ኢኺ ከምዚ ትገብሪ ዘሎኺ?" ኢሉ ነቲ መስመር ዓጸዎ።

ጸኒሑ መልእኽቲ ልኢኹ ናይ ሓቂ ስሙ ዴቪድ ምዃኑ፡ ንኮምፕዩተራት ጥሒሱ ዝሰርቕ (hacker) ወዲ ዕስራ ዓመት ናይጀርያዊ ምዃኑ ነገራ።

"ንምንታይ ኢኻ ከምኡ ትገብር? ምሳኻ ፍቕሪ ከም ዝሕዘኒ ገርካኒ፡ ገንዘብ ከኣ ሓቲትካኒ" ኢላ ሓተተቶ።

ንሱ ድማ ንሰባት ኣገሪሆም ኣታሊሎምን ብዙሕ ገንዘቦም ከም ዝሰርቁ ... ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተዘርአ ስርዓተ-መርበብ ከም ዘለዎም ነገራ።

በዝን ወድ'ዝን - ናይ ሓሶት መንነታት - ድማ ከም ዝሃብተመ ነገራ። ንሱ ተጻዋታይ ኵዕሶ ክኸውን፡ ኣብ ካናዳ ንክምሃር ሕልሚ ከም ዝነበሮ'ውን ጠቂሱ ብዛዕባኡ ኣዕለላ።

"እቲ ሙራት ዚብል ስም" ይብል ዴቪድ፡ "ብኣጋጣሚ ዝተወስደ ስም'ዩ ... ምሳኺ ይተኣሳሰር'ዩ ብዚብል ቅዲ መደብ ኣይኰነን ቀሪቡ" ኢሉ ነገራ።

እቶም ካልኦት ኣጋጣሚታት'ውን ከምኡ።

ዪዛበል ግን ዋላ'ኳ ብጣዕሳ ተኸኽ ትበል። ምስ'ቲ ሙራት ዝበሃል ኣብ ኢንተርኔት ደልያ ዝረኸበቶ ናይ ሓቂ ሰብ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ስለ ዝሓዛ ነቲ ጕዳይ መዕጸዊ ክትገብረሉ ተበገሰት።

ስልኪ ቍጽሪ ናይ'ቲ መንነቱ ዝተሰርቀ ሰብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ደልያ ረኸበቶ ደወለትሉ ኸኣ።

ኣብ ፈለማ እቲ ናይ ሓቂ ሙራት - ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ናይ መጥባሕቲ ሓኪም - ንመልእኽትታት ዩዛበል መልሲ ክህበሉ ኣይደለየን።

ብርክት ዝበሉ ብስሙ ናይ ሓሶት መንነታት ኣብ ኢንተርኔት ከም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ።

ስለዚ ምስ''ቶም መንነት ዝሰርቁ ሰባት ዝራኸበሉ ምኽንያት ኣይነበሮን።

"ኣነ ግን ቪድዮ-ሓዘል መልእኽቲ ክሰደሉ ወሰንኩ ወሲነ። ኣነ ናይ ሓቂ ሰብ'የ ... እንተ ንስኻ ቀጠፍቲ ሰባት ንመንነትካ ጠሊፎሞ ኣለዉ ... ንክፋእ ኣይኰንኩን መልእኽቲ ዝልእከልካ ዘለኹ ... ብዙሕ ዜተኣሳስረና ጕዳያት ኣሎ። ክረኽበካ እደሊ'የ ... ምስ ተራኸብና ኸኣ እቲ ዝኣከብኩዎ ጭብጥታት ከክፍለካ'የ" ኢላቶ።

ዪዛበል ናብ ኢስታንቡል ገጻ ክትገይሽ ምዃና ንሙራት ሓበረቶ። ኣብ መጠረስትኡ ሙራት ኣብ ኢስታንቡል ንክረኽባ ሕራይ በለ።

ንሳ ኸኣ ናይ ነፋሪት ቲኬት ኣቝሪጻ ንቱርኪ በረረት።

"እቲ ብቦስፈሮስ ዝጽዋዕ ቦታ [ኣብ ኢስታንቡል ብሰሜንን ደቡብን ንክልተ ባሕርታት ዜራኸብ መተሓላልፎ ምዃኑ'ዩ] - ኰይነ ጽብቐኡ እናስተማቐርኩ ንሙራት ተጸብየዮ" ትብል ዪዛበል።

ሙራት ግን ኣብቲ ቦታ ኣይመጸን። ምናልባሽ ንክረኽበኒ ወስዊሱ ከይከውን ኢላ ድማ ባዕላ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ከደት።

Short presentational grey line

ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐት እታ ናቱ ሰክረታሪ ንኽትኣቱ ዓደመታ፣ ይጽበያ ከም ዘሎ'ውን ሓበረታ።

ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ኣተወት ዪዛበል ንመጀመርታ እዋን ነቲ ናይ ሓቂ ሙራት ገጽ-ንገጽ ክትረኽቦ ከኣለት።

ኣብ ቅድሚኡ ተዓኒዳ ኸኣ ደው በለት ... እቲ ናይ ሓቂ ሙራት ረኸበቶ።

ነቲ ብመራኽቦ-ኣፕ ኣቢላ ዝረኸበቶ ሰብ ክሳብ ክንደይ ከተፍቅሮ ከም ዝኸኣለት ዘኪራ ንብዓታ ሰዓራ፣ ድምጻ ፈጥ-ፈጥ እናበለ ኸኣ ተዛረበቶ።

እንተ ንሱ ግን ክሳብ ክንደይ ብርሑቕ ትፈትዎ ከም ዝነበረት ክፈልጥ ስለ ዘይክእል ነቲ ህሞት'ቲ ብዙሕ ኣይተገደሰሉን፣ ይዅን'ምበር፡ ብጽቡቕ ተቐበላ።

ዪዛበል ክሳብ ክንደይ ከም እተፈትዎ ከተርእዮ'ኳ እንተ ዘይደለየት ብዉሽጣ ግን ልባ ኣበርቲዑ ይሃርም ነበረ።

ጸኒሓ እቲ ኹሉ (በቲ መጠፋፍኢ ሰብ ኣቢላ) ዝተጸሓሓፍዎ ደብዳቤታት፡ ዝተመላለሱዎ መልእኽትታት፡ ከምኡ'ውን ዝተላዋወጥዎ ኣሳእል ኩሉ ሓደ-ብሓደ ከተርእዮ ጀመረት።

እቲ ኹሉ መልእኽትታት፡ ብስሙ ስለ ዝኾነ ንፖሊስ ንከረክቦ'ውን ሓበረቶ።

ዶክተር ሙራት ነቲ ዘርኣየቶ ጭብጥታት ርእዩ ገረሞ፡ ገጹ'ውን ክልወጥ ጀመረ። ጸኒሑ ዝጽበይዎ ሕሙማት ስለ ዝነበሩ ንምሸት ንድራር ንክራኸቡ ንዪዛበል ዓደማ።

ኣብ ጊዜ ድራር ኣዕሚቖም ከዕልሉ ብምኽኣሎም ንዪዛበል ኣሐጐሳ።

በቲ ዛንትኣ ሓደ ፊልም ንክትሰርሕ ድልየት ከም ዘለዋ ኸኣ ሓበረቶ። ኣብ ቱርኪ ኸላ ሓድ-ሓደ ተዋሳእትን ኣዳለውቲ ፊልምን ረኺባ መደብ ኣውጽአት።

ብድሕሪኡ፡ እቲ ፊልም እናተሰርሐ ንኢስታንቡል ደጋጊማ እናተመላለሰት ንሙራት ትረኽቦ ነበረት።

ድሕሪ ብርክት ዝበሉ ምርኻባት እቲ ርክቦም ከደስክልዎ ኸኣሉ። እቲ ርክብ ግን ምዑዝ ከም ዝነበረ ባዕላ ትምስክር።

እንተ ዶክ ሙራት ግን በቲ ብስሙ ዝጥቀሙ ዝነበሩ መታለልቲ ሰባት ኣኺሉ ተረፎ።

ቢቢሲ ንዶክተር ሙራትን ጠበቕኡን ክረኽቦም ፈቲኑ'ዩ፣ በቲ ጕዳይ ክዛረቡ ፍቓደኛታት'ኳ እንተዘይነበሩ ብስሙ ዝካየዱ ምጥፍፋኣት ደው ንከብሉ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሓጂ ካልኦት ሰባት - በቲ ዝካየድ ምጥፍፋኣት - ተወኪሶምዎ ከም ዝነበሩ'ውን ሓቢሩ።

ዶክተር ሙራት በቲ ዝተረኽበ ጕዳይ ንፖሊስ ኣመልኪቱ'ዩ፣ ግናኸ ብዙኽ ክግበር ዝከኣል ነገር ከም ዘየሎ፣ ነቶም መጠፋፋእቲ ድማ እኹል መርትዖታት ሒዝካ ከተራኽበሎም ከም ዘይከኣል ተሓቢሩ'ዩ - ምኽንያቱ እቶም ስኑዓት ናይ ኢንተርነት መንነታት ኣብ ወጻኢ ኰይኖም ስለ ዜጭበርብሩ።

ዪዛበል ነቶም ገበነኛታት ክቕጽዑ'ዩ ነይሩ ድሌታ። በቲ ፊልም ኣቢላ ድማ ነቲ ጕዳይ መዕጸዊ ንክትረኽበሉ'ዩ ነይሩ ድሌታ። ብዘይምዃኑ ግን ኣሕዘና።

ነቶም ብመታለልቲ ሰባት ዝተዓሻሸዉ ሰባት ግን መልእኽቲ ኣለዋ። "ብዝከኣለና መጠን ነቶም መታለልቲ ክንቃለሶም ኣለና። ነዞም ኣፍቀርቲ ደቂ መናፍስትና ክንከታተሎም ትግበኣና። ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ እቲ ጕዳይ ስለ ዜሕንኸና ኣይንዛረበሉን ኢና" ትብል ዪዛበል።

ነዞም መታለልቲ ገንዘብ ብምልኣኽና ከሕፍረና ይኽእል ይኸውን፣ ግናኸ በቲ ዘጓንፈና ነገር ምስ መቕርበናን ኣዕሩኽትናን ክንዛረበሉ ይግባእ ትብል ዪዛበል።

"ኩሉ ብዓይኒ ሓቂ ክንርእዮን ክንምክቶን ይግባእ። ኣብ'ዞም ናይ መራኸቢ-ኣፓት እንኣትወሉ ምኽንያት ንክንፍቶን ፈታዊ ንምርካብን'ዩ። እቲ ተመኵሮ ከም ድሮጋ'ዩ ... ደጋጊምና ኢና እንመላለሶ። ከም ሓቁ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ዓለም'ቲ ኣቲና ህልም ኢና ንብል።

"እዞም መድርኻት'ዚኦም ምስ ሓደስቲ ሰባት ከፋልጡና ይኽእሉ'ዮም፣ ይኹን'ምበር ብቕልጡፍ ነቶም ብኢንተርነት እንረኽቦም ሰባት ብኣካል ክንረኽቦም ይግባእ። እቲ ናይ ሓቂ ርክብ ከነቋርጾ ጸገም'ዩ ... ጽምዋ ስለ ዜስዕብ" ትብል ዪዛበል።

** ሙራት ናይ ሓቂ ስሙ ኣይኰነን፣ ብድሌቱ ንናይ ሓቂ ስሙ ክንዕቅበሉ ስለ ዝሓተተ።

ቡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Short presentational grey line

ስኑዕ መንነት እንታይ'ዩ? ብኸመይከ ንውግዶ?

ኣምሰሉነት ወይከኣ ኣብ ኢንተርነት ናይ ሓሶት መንነት ሒዞም ዝዝንብዩ ኢልና እንጽውዖ ጕዳይ ወይ ኵነታት ሓደ ሰብ ንኻልኦት ዝተገርሁ ሰባት ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ፍቕሪ ዘናድይሉ እዋን ኣታሊሉ ብምቕራብ ገንዘቦም ዝምንዝዓሉ ኵነታት ዝፈጥር መታለሊ ሰብ'ዩ።

ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ ብፍቕራዊ ምትዕሽሻው ኣጽኒዖም የጠንቅቑ'ዮም።

እቶም ኣታለልቲ ሰባት ንግዳያቶም ንክኣምንዎም ዘይገብርዎ ነገር ከም ዘየሎ፡ እቲ ዝፈጥርዎ ርክብ ድማ ኮነ ኢሎም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምዃኑ ንከምስሉ ህርድግ ከም ዝብሉ ፖሊስ ይሕብሩ።

እቲ እቶም መታለልቲ ዝጥቀምሉ ቋንቋ ንሰባት ንከእምኑን ከስድዑን ክምዝማዙን ብብልሓት ከም ዝተሰንዑ'ዮም፣ ገንዘብ ምስ ዝሓቱ ድማ እቲ ግዳይ ተዳህሊሉ ገንዘቡ ከም ዚህብ'ዮም ዝገብሩ።

ብ 'ዩ-ከይ ፋይናንስ' (UK Finance) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ሕዳር 2020 ብፍቕራዊ ምትላል ኣቢሉ ዝመጸ ናይ ገንዘብ ስርቂ ብ20% ከም ዝወሰኸ የርኢ።

እዚ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ25 ሚልዮን ዶላር ከም ዝወሰኸ የርኢ።

ብ2019 ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ መራኸቢ-ኣፕ ተጠቒሞም ፍቕሪ ንክደልዩ ዝፈተኑ ሰባት፡ ካባታቶም 27% ናይ ምትላል ፈተና ኣጓኒፉዎም'ዩ።

ኣብ ኢድ መታለልቲ ሰባት ንኸይትኣዉ፥

  • ብዙሕ ሕቶታት ሕተቱ፣ እቲ ዝህብኹም ሓበሬታ ተገሪህኩም ኣይትቀበልዎ።
  • ኢንተርነት ተጠቒምኩም ብዛዕባ እቲ እትራኸብዎ ሰብ መንነት ፈትሹ ... ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣቲኹም ፈትሹ።
  • ንመቕርብኹምን ኣዕሩኽትኹን በቲ ጕዳይ ኣዘራርብዎም። እቲ መንነት ናይ ሓቂ ወይ ፈጠራ ምዃኑ ምዕዶ ኣናድዩ።
  • ኣብ ናይ መራኸቢ-ኣፕ ቅድሚ ናይ ሓቂ መንነት ናይቲ ሰብ ምርካብኩም ቍጽሩኹም ወይ ከኣ ኢመይልኩም ካብ ምሃብ ተቘጠቡ።
  • እቲ እተዛርብዎ ሰብ ገንዘብ ምስ ዝሓተኩም ጠሪስኩም ከይትስደድሉ።

ናይ ሓሶት ቪድዮ እንታይ ኢዩ?

ናይ ሓሶት ቪድዮ ማለት እቲ ቪድዮ ሓዚሉ ዝመጽእ መልእኽቲ ዝተሰንዐ ስእሊ ምዃኑ'ዩ።

እቶም መታለልቲ ሰባት ብሰብ-ሰርሖ ፍልጠት (artificial intelligence) ተጠቒሞም ንስእሊ ሰብ ለዊጦም ወይ ከኣ ብናይ ካልእ ሰብ ስእሊ ተኪኦም ዜቕርብሊ ጥበብ'ዩ።

ኣብ ዕዳጋ ንስእሊ ሰብ ለዊጦም ዜቕርቡ ብርክት ዝበሉ ኣፕስ ኣለዉ።

line

ምንጪ ሓበሬታ፡ ቢቢሲ፣ አይጅ-ዩከይ፣ ዩከይ ፋይናንስ፣ ዮከይ ፖሊስ።