'ጽቡቕ ጾታዊ ርክብ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክኸውን ይኽእል'ዩ'- ተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሰባት ከመይ ጌሮም ካብ ጾታዊ ርክብ ዕጋበት ከምዝረኽቡ ምምሃር: መልእኽታት ውሑስ ጾታዊ ርክብ ኣብ ምስራጽ ክሕግዝ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሮም።
ነዚ መገዲ ምጥቃም ከኣ፡ ኣብ ምምሕያሽ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ኮንዶም፡ ካብቶም ኣብ ሳዕቤናት ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ዘተኩሩ ኣገባባት ዝበለጸ ውጽኢት ከምዘለዎም እቲ ኣብ ፖልስ ዋን ጆርናል ዝተሓትመ ውጽኢት መጽናዕቲ ናይዞም ሰብ ሞያ የመልክት።
ኣብ ክንዲ ምፍራሕ: ክትሕጎሰሉ ምኽኣል: ጥዕና ዘለዎ መተባብዒ ምዃኑ ይሕብሩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ጾታዊ ርክብ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ውሑስን ዕግበት እትረኽበሉን ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም።
ንኣገልግሎታት ጥዕና ስርዓተ ምርባሕን ጾታዊ ጉዳያትን ተባሂሉ ዓመታዊ ቢሊዮት ዶላራት እዩ ዝወጽእ።
በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኣኔ ፊልፖት ነዚ 'The Pleasure Project' ዝብል ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሰርሐ ጉጅለ ብ2004 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ክተቑሞ እንከላ፤ ምስ ጾታዊ ርክብን ጥዕና ስርዓተ ምርባሕን ጠሚቶም ዝወሃቡ ኣስተምህሮታት ከጽንዕ ጸኒሑ።
ንሳ፡ "ካብ ጾታዊ ርክብ ዝርከብ ዕግበት ንጾታዊ ርክብ ዘለዓዕል ቐንዲ ምኽንያት ኮይኑ እናሃለወ እዚ ምስ ጾታዊ ኣስተምህሮታንን ጾታዊ ጥዕናን ዝተጠቓለለ ኣይኮነን" ኢላ።
ቀጺላ'ውን "ብዙሓት ሰባት 'እቲ ናይ ጾታዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ፍቕራዊ ምሕዝነትኹም ናይ ጾታዊ ርክብ ህይወትን ዝምልከት እኹል ግንዛበ ኣትሒዝኩም'ዶ?' ኢልካ ምስ እትሓቶም 'ኣይፋል' እዮም ዝብሉኻ" ትብል።
ይኹን'ምበር "ጾታዊ ርክብ ውሑስን እትዓግበሉን ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ቀንዲ ነገር ሰባት ብግልጺ ክዘራረብሉን ዓርሰ እምነት ክህልዎምን ምግባር እዩ" ክትብል ተረድእ።
ብደረጃ ዓለም መብዛሕትኦም ምልክታት ዘየርእዩ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት መዓልታዊ'ዮም ዘጋጥሙ።
ኮንደም ብኣግባቡ ምጥቃም ግን ነዞም ሕማማት ኮን ጥንሲ ክከላኸል ይክኣል።
ነዚ ድማ ሰባት፡ ጎና ጎኒ ንጾታዊ ርክብ ፍቓድ ምሕታት፣ ጥዕናን ውሕስናን ምህላው ምርግጋጽ ብዛዕባ ዕግበት፣ ድልየትን ባህታን ክፈልጡ ክግበር ከም ዘለዎ ክኣ ትዛረብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







