ደቀን በይነን ንምዕባይ ዝመረጻ ኣዴታት፡ 'ዘፍቅሮ ሓደ ሰብ ይደሊ’የ'

ስእሊ ማም ኢሳቤረ

ምንጪ ስእሊ, Mam Issabre

መግለጺ ስእሊ, ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 100 ሚሊዮን ብሕታውያን [ደቀን በይነን ንምዕባይ ዝመረጻ] ኣዴታት ኣለዋ

ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰብኣይ ዘይደልያ፣ ደቀን በይነን ንምዕባይ ዝወሰናን ናይ ዘርኢ ፍረ ካብ ለገስቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝወስዳን ከም ዝኾና ክሪዮስ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ዝዓበየ ባንኪ ዘርኢ ፍረ ዓለምና ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት።

እዚ ትካል ንልዕሊ 100 ሃገራት ዓለም ናይ ዘርኢ ፍረን እንቋቑሖን ዘቕርብ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ቑጽሪ ደቀን ንበይነን ዘዕብያ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝወሰኸ ይሕብር።

እዚ ቑጽሪ ኣብ 2020፡ 54 ሚኢታዊት በጺሑ እዩ።

ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 100 ሚሊዮን ብሕታውያን [ደቀን በይነን ንምዕባይ ዝመረጻ] ኣዴታት ክህልዋ እንከለዋ እዚአን ደቀን በይነን ዘዕብያ ከም ዝኾና ካብ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚአን ክንደይ ዝኣኽላ እየን ብፍቓደን ደቀን በይነን ከዕብያ ወሲነን ዝብል ንጹር ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃለወ በይነን ቖልዓ ንምዕባይ ዝውስና ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ኢሉ’ውን ናይ ሕጊ ጸገማትን ጸቕጥን ይበጽሐን እዩ።

ኣብዚ ዛንታ፡ ኣርባዕተ ደቀን ንበይነን ንምዕባይ ዝወሰና ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ምርጭአንን ዝነበረን ጉዕዞን ኣካፊለን ኣለዋ።

'ብሉጽ ውሳነ ናይ ህይወተይ’

ማም ኢሳበር ፈረንሳዊት እያ። ወትሩ ኣደ ክትኸውን ትብህግ ነይራ።

ንብዙሕ ዓመታት ክተውጽእ ክተውርድ ድሕሪ ምጽናሕ ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት በይና ክትኸውን ከም ዘለዋ ወሲና።

“ብዛዕባ እዚ ንኣደይ ከውግዓ ወሲነ፤ ሽዑ ጓል 38 ዓመት ስለ ዝነበርኹ ድማ ምናልባት እንተፈተንክዮ ይሓይሽ ኢላትኒ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ወሲነ ለካቲት ድማ ጠኒሰ” ትብል።

ማም ኢሳበር፡ ጋዜጠኛ እያ።

ድሕሪ ትሸዓተ ኣዋርሕ፡ ኣደ ኮይና - ኢማ ንዝሰመየት ኣዝያ ጽብቕቲ ቖልዓ ተገላጊላ።

እዚ ቀሊል ይመስል፤ መጀመርታ ብዙሓት ሕልኽላኻት እያ ሓሊፋ።

ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣብ ፈረንሳ ንበይነን ክኾና ዝወሰና ኣዴታት ዝወሃብ ሕክምና ምርባሕ ወይ ዘርኢ ምቕባል ኣይነበረን።

ስለ ዝኾነ ድማ ሓኪማ ዘርኢ ንምርካብ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትጉዓዝ ከም ዘለዋ ነጊሩዋ፤ ዕድል ገይራ ግን እቲ መስርሕ ዝውግነላ ካልእ ዶክተር ረኺባ።

እዚ፡ ኣብታ ሃገር ክሳለጥ ዘይኽእል እምበር ዘይሕጋዊ’ዩ ዝብል ፍልጦ ኣይነበራን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ድማ ፈረንሳ ሓዳር ከይገበራ በይነን ደቀን ከዕብያ ዝደልያን ግብረ ሰዶማውያን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ወሊድ ሕክምና ክረኽባ ከም ዝኽእላ ዘፍቅድ ሕጊ ኣጽዲቓ።

እዚ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተኻየዱ ሰልፍታትን ክትዕ ኣባላት ባይቶን ዝጸደቐ ሕጊ እዩ።

'ውህብቶ ፈጣሪ'

ድሕሪ ሓደ ዓመት ኢሳበር ጣዕሚ ኣዶነት ተስተማቕር።

“መጀመርታ መዓልቲ ጓለይ ምስ ሓቖፍኩዋ እየ ኣደ ምዃነይ ተሰሚዑኒ። ሽዑ ብዙሕ በኽየ፤ ግን እቲ ዝበለጸ ናይ ህይወተይ ውሳነ እዩ” ትብል።

ኢሳበት፡ ጓላ ምስ ዓበየት ተነጽሎ ከየጋጥማ ንምክልኻል መንነት እቲ ናይ ፍረ ዘርኢ ዝለገሰላ ሰብኣይ ክፍለጥ ኣይትደልን።

ስእሊ ነፍሰ ጾር ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንሱ ክርእያ እንከሎ ከም ኣቦ ዘይኮነ ከም ለጋሲ ንከይርእያ ብዝብል ከም ዝኾነ ብምግላጽ ምናልባት ልቢ ምስ ገበረት ኩሉ ብግልጺ ክትነግራ ምዃና ትዛረብ።

“ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ቖልዑ ክህልውኒ ሕልሚ ኣለኒ፤ ግን ዕድመ’ውን ይደፍእ ስለ ዘሎ ሓደ ቖልዓ ንርእሱ ውህብቶ ፈጣሪ’ዩ” ትብል።

'ንሱ ዓለመይ ኣነ’ውን ዓለሙ ኮይኑ ተሰሚዑኒ'

ጓል 44 ዓመት ኣኔ ማሪ ቫስኮንኤሎስ ኣብ ኣመሪካ ኒው ጄርሲ ትቕመጥ።

ኣደ ንምዃን ብዙሕ ግዜ ወሲዱላን ከበድቲ ጊዜያት ሓሊፋን እያ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣኔ ማሪ ‘ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ዲስኦርደር’ ዝበሃል ምዝባዕ ወይ ዘይስሩዕን ዝተናውሐን ወርሓዊ ጽግያት ሓሓሊፉ ድማ ምብዛሕ ሆርሞናት ወዲ ተባዕታይ ከም ዘለዋ ፈሊጣ።

እዚ ስራሕ ማህደር እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይቲ ዘጥቅዕን ናይ ምውላድ ጸገማት ዘስዕብን እዩ። ውጽኢት እዚ መርመራን ሞት ኣቡኣን ድማ ህይወታ ሙሉእ ንሙሉእ ዝቐየረ ውሳነ ክትውስን ደፊኡዋ።

“ሓኪመይ ኣብ ውጽኢት መርመራይ ተሞርኲሳ ቖልዓ ምስ ምውላድ ጸገማት ከም ዘለውኒ እሞ ምስ በዓል ቤተይ ክዘራረበሉ ከም ዘለኒ ትነግረኒ። ሓዳር እኮ የብለይን ይብላ፤ ቖልዑ ንክህልውኺ እኮ ሓዳር ክህልወኪ የብሉን ትብለኒ። እዚ ፈጺመ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን” ብምባል ትዝክሮ።

ከም ኣማኒት ካቶሊኽ ኣኔ ማሪ ብIVF [ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ መፍረ] ቖልዓ ረኺብካ ናጽላ ኣደ ምዃን ሞራላዊ ሕቶታት እኳ እንተስዐበላ ንሃይማኖታዊ መራሒኣ ብግልጺ ተዛሪባቶም እያ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ዝሓለፈቶ ኢኮኖሚያውን ስምዒታውን ሸኽሚ ቐሊል ኣይነበረን።

“ንኡሽቶ ወደይ ንምርካብ ሓሙሽተ ሰብ ዝሰርሖ ዘርኢ እየ ፈቲነ። 95 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ሓቲቱኒ። ዝነበረ ኩሉ ዕቋር ገንዘብን ካልእ ልቓሓትን ተጠቒመ ሸፊነዮ” ኢላ።

ኣኔ ማሪ ናይ መጀመርታ ወዳ ክትወልድ እንከላ ጓል 39 ዓመት ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Anne Marie Vasconcelos

መግለጺ ስእሊ, ኣኔ ማሪ ናይ መጀመርታ ወዳ ክትወልድ እንከላ ጓል 39 ዓመት ነይራ

ብ2016፡ ኣኔ ማሪ ፈላማይ ውላድ ረኺባ። ዊልያም ይብሃል፤ ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ንያት ወሊዳ።

ክልቲኦም ሓደ ናይ ፍረ ዘርኢ [ስፐርም] ካብ ዝለገሰ ሰብ ብሰብ ሰራሕ ምምሕልላፍ ዘርኢ ፍረ እዮም ተወሊዶም።

“ዊልያም ክውለድ እንከሎ ህይወት ኣይነበሮን። ቀልቡ ናይ ምምላስን ደም ናይ ምሃብን ስራሕቲ’ዮም ተገይሮምሉ። ስለዚ ናይ ወሊድ እዋናተይ ጽቡቓት ኣይነበሩን።

በዚ ምኽንያት ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ ካብ ሆስፒታል ወጺኣ። “ሽዑ ንሱ ዓለመይ ኣነ’ውን ዓለሙ ምዃነይ እዩ ተሰሚዑኒ” ኢላ።

'ፈሊጠ’

ሳራ [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] ልክዕ ከም ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ኣዶነት እትምነዮ ጸጋ ነይሩ።

እዛ ጓል 36 ዓመት መንእሰይ “ንጻት’ውን ክኸውን ድየ ኣይኸውንን ዝብል ጥርጣረ ኣይነበረንን፤ ይፍለጠኒ ግን ነይሩ” ትብል።

ንዓኣ፡ ኮሮናቫይረስ፡ ካብዚ ንላዕሊ ክትጽበ ከም ዘይብላ ግልጺ ገይሩላ እዩ።

“እቲ ናይ ለበዳ እዋን ኣደ ምስ ናይ ምዃን ሓሳብ ዳግም ክወሃሃድ ገይሩኒ። ድሓር ንዓርከይ ነጊረዮ [ናተይ ድልየት]፤ ንሱ ድማ ካብኡ ቖልዓ ክወልድ ፍቓደኛ ምዃኑ ነጊሩኒ” ትብል።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ንፍሰ ጾር ምዃና ፈሊጣ። ሳራ ኣብ ሞያ ስነ ጥበብ እያ ዘላ።

ሕጂ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ነፍሰ ጾር ኮይና እዋን ቁልዕነታ ንናይ ሕጂ ውሳነታታ ከም ዝጸልዎ ትዛረብ።

“ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሌባነን እየ ዓብየ። ብ1985 ኣብቲ ውዕውዕ ኲናት ዝነበሮ ግዜ ተወሊደ። ሕጉስ ቑልዕነት ነይሩኒ፤ ግን ክኣ ብዙሕ በሰላታት ኣለዎ” ትብል።

ወለዳ፡ ዳርጋ ን40 ዓመታት ዝዘለቐ ሓዳር እዩ ነይሩዎም፤ ሳራ ግን “ኣብ ሓደ ገዛ ነንበይኖም ዝነብሩ’ዮም ነይሮም” ክትብል ትገልጾ።

ንነዊሕ ግዜ “ጽቡቕ ርክብ ኣይነበሮምን። ዳርጋ መርዛም ዓይነት ርክብ ነይሩዎም ክብል ይኽእል፤ እዚ ድማ ንናተይ ውሳነ ጸልዩዎ እዩ። ይመስለኒ እቲ ርክቦም ስነ ልቦናዊ ሃሰያ ኣሕዲሩለይ እዩ” ኢላ።

ሳራ ወሲኻ፡ ኩነታት ሃገራን ሞት እትፈትዎም ሰባትን ኣብ ውሳንኣ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ትዛረብ።

ስለዚ፡ ውላድኻ በይንኻ ናይ ምዕባይ ውሳነ ንዓኣ ጽቡቕ ውሳነ ኣይኮነን።

“ሓዳር ወይ ፍቕራዊ ምሕዝነት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንውላደን ስለ ዝሕብሕባ ናተይ ዝተፈለየ ወይ ጅግና ዘብል ኣይኮነን” ኢላ።

እንተኾነ ስድርኣ ከምዚ ዓይነት ማሕበረሰባዊ ቕቡልነት ዘይብሉ ውሳነ ክቕበሉዎ ምኽኣሎም ዓብዪ ነገር ምዃኑ ትጠቅስ።

'ዘፍቅሮ ሓደ ሰብ ይደሊ’የ'

ምርጫ ናጽላ ኣዶነት ምውሳኹ ንቕርጺ እቲ ሓዳር ዝብሃል ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕይሮ እኳ እንተሃለወ ጓል 37 ዓመት ዋርዲያ ንያክኖ ኮኮኮን ግን ካልእ ምርጫ የብለይን ትብል።

“ንዓይ ምርጫ ስለ ዘይነበረ ስቕ ኢለ ብፍቓደይ ቖልዓይ በይነይ ከዕቢ ደልየ ይብል። ግን ክኣ ዕጫይ ንሱ ስለ ዝነበረ ክቕበሎ ኣለኒ” ክትብል ትገልጾ።

ንያኮ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ቖልዑት ዝነበሮ ስድራቤት እያ ዓብያ፤ ኣቡኣ ብዙሓት ኣንሽቲ ነይረንኦ።

ኣዲኣ መበል ራብዐይቲ በዓልቲ ቤቱ እያ።

“ህይወት ንክንደፍእ ብዙሕ ዋጋ ንኸፍል ነይርና፤ በዚ ምኽንያት ጽቡቕ ትምህርቲ ኣይረኸብናን - በቃ መባእታውን ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ጥራይ እየ ረኺበ” ትብል።

ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ብዝብል ድማ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ናይጄሪያ ናብ ዱባይ ከይዳ።

ንያክኖ

ምንጪ ስእሊ, Nyakno Okokon

ን12 ሰዓት ስለ እትሰርሕ ምስ ሰባት ንምርኻብ ዝጥዕም ግዜ የብላን።

ኣብዚ ዓመት ግን ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከፊለስ ቖልዓ ክረክብ ኣለኒ ኢላ ወሲና።

“ድልየቶም ከማልአሎም እንተኽኢለ ቖልዑ ንክህልውኒ ዝዓግተኒ ነገር ከም ዘየሎ ተረዲአ፤ ፍቕርን ጽቡቕ ትምህርትን ክህቦም እንተኽኢለ ዋላ ሓደ ዝዓግተኒ የለን። ሓደ ከፍቅሮ ዝኽእል ሰብ ይደሊ እየ። ቖልዓ እንተዘይሃሊዩኒ ድማ ዝያዳ ጨካን ክኸውን ከም ዝኽእል ይስምዓኒ” ትብል።

ንያክኖ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ እያ ድቂ ክትቛጽር ደልያ፤ እዚ እንተዘይሰሚሩ ድማ ብIVF [ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ፡ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ] ክትፍትኖ ወሲና።

ክሳብ ምጥናሳ እትፈልጥ ግን ነቲ ኣቦ ውላዳ ዝኸውን ሰብ ብዛዕባ ቐጻሊ መደባታ ኣይነገረቶን።

“ንሱ ናይ ባዕሉ ህይወትን መደባትን ስለ ዘለዎ ዝኾነ ሓላፍነት ኣይህቦን” ትብል።