ስነ ልቦና፡ ቘልዓ ምውላድ የርዕድ ድዩ?

ኬት ሞርጋን

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Kate Morgan

ሂዘር ማርኩስ እተባህለት ጓል 37 ዓመት፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ንበኹሪ ውላዳ ነፍሰ ጾር እንከላ ካልኦት ቖልዑ ትወልድን ትደጋግምን ይመስላ ነይሩ። በዓል ቤታ'ውን ተመሳሳሊ እምነትን ድሌትን ነይሩዎ።

"ልዕሊ ሓደ ቖልዓ ክንወልድ ኢና ዝብል ሓሳብ ነይሩና" ትብል እታ ኣብ ካናዳ እትነብር ሚዘር።

ሕጂ ወዶም ተመሃሪ ቐዳማይ ደረጃ እኳ እንተሎ ካልእ ሓው ወይ ሓፍቲ ግን ኣይወልዱሉን።

"ንሓደ ውላድና ጽቡቕ ህይወት ክንህቦ ንኽእል ኢ። ቖልዑ እንተወሲኽና ግን እቲ እንህቦ ደረጃ ህይወት ክጎድል'ዩ" ኢላ።

ዋላ እውን ናይ ክልቲኦም ደሞዝ ተደሚሩ፡ ቖልዓ ንምዕባይን ቁሩብ ገንዘብ ንምዕቛርን ኣጸጋሚ ስለ ዝኾኖም፡ ብሓደ ሸነኹ ፋይናንሳዊ ኣብ ዝኾነ ውሳነ በጺሖም።

ብተወሳኺ ሕጽረት ሓገዝን ብዛዕባ መጻኢ ካብ ዝህሉ ምጥርጣራትን ዝብገስ እዩ።

"ተወሳኺ ቖልዓ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ሸከም'ዩ ዝመስለኒ። ዝኾነ ሰብ ዘዕብዮ ስድራ ሸከም መሲሉ ክስምዖ ኣይደልን'ዩ። ግን ከኣ ንሓንሳብ ሓደ ቖልዓ ንምዕባይ እነፍስሶ ንዋይን [ሞራላዊ ደገፍን] ኩሉ ከቢድ'ዩ ኢልና ንሓስብ። ገለ ኣባላት ስድራቤትና ብምርጫና ሕጉሳት ኣይኮኑን፤ ግን ሕጂ ዓለም ዝተፈለየት እያ" ትብል።

ዓለምለኻዊ መጠን ወሊድ ይጎድል'ዩ ዘሎ።

ካብ 1950 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ዓለምለኻዊ መጠን ወሊድ ይጎድል ምህላው ሓደ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ብዝሒ ህዝቢ ብምውካስ ዝኣከቦ መረዳእታ የመልክት።

ፋይናንሳዊ ዘይምርግጋእ፣ ክሊማዊ ለውጥን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ብዙሓት ስድራቤታት ክህልዎም ዝደልዩዎ ብዝሒ ቖልዑት ዳግመ ግምት ክገብርሉ ምኽንያት ይኾኑ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፋይናንሳዊ ዘይምርግጋእ፣ ክሊማዊ ለውጥን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ብዙሓት ስድራቤታት ክህልዎም ዝደልዩዎ ብዝሒ ቖልዑት ዳግመ ግምት ክገብርሉ ምኽንያት ይኾኑ ኣለው

ኣብ 1990 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ 3.2 ዝነበረ መጠን ዓለም ለኻዊ ወሊድ ኣብ 2021 2.3 ኮይኑ።

እቲ ማእከል መጽናዕቲ ፒው ዘካየዶ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ 18 ክሳብ 49 ዓመት ዘለው ቖልዓ ናይ ዘይብሎም ሰባት ሚኢታዊት ይውስኽ ኣሎ ይብል።

ኣብ ዓመት 2021 ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ መጠን ወሊድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ብ2.1 ትሒቱ ተራእዩ።

ብሓፈሻ ዓመተ 2021 ኣብ ኩለን ሃገራት ዝወሓደ መጠን ወሊድ ዝተራእየላ ዓመት ኮይና ሓሊፋ።

መንእሰያት ስለ ምንታይ'ዮም ሰፊሕ ስድራ ቤት ንከይህልዎም ሰጋእ መጋእ ዝብሉ፡ ዝብል ሕቶ ብግልጺ ከተቐምጦ ኣጸጋሚ'ዩ።

ፋይናንሳዊ ርግኣት ምርግጋጽ፡ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣጸጋሚ'ዩ።

ሓደ ካብ ዓሰርተ ጥሮታ ዘይወጽኡ ኣመሪካውያውያን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፋይናንሳዊ ዓቕሞም ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋ የብሉን።

ኣብ ኤውሮጳ እውን ዝቕባበ ዋጋ ንከየጋጥም ይስጋእ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ከምኡ'ውን ክሊማዊ ቅልውላው ካብ ዓቐን ንላዕሊ እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ መጻኢ እንታይ'ዩ ክኸውን ዝብል ምስሊ ክህልወካ ከቢድ'ዩ።

ፕሮፌሰር ስነ ህዝቢ ዩኒቨርሲቲ ፍሎረንስ ዳኒኤል ቪንጎሊ "ሕምብርቲ ናይቲ ጉዳይ ካብ ጥርጣረ ዝነቅል'ዩ፤ ናህሪ ናይቲ ምቅይያራት እናወሰኸ ብምምጽኡ ሰባት መጻኢ ህይወቶም ክንበዩ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ ኣሎ" ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ብ2008 ዓ.ም ዘጋጠመ ቁጠባዊ ዝሕታለ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብ ኢንዳስትሪታት ጽልዋ ኣየሕደረን።

"እቶም ኣብ ትሑትን ማእከላይን ደረጃ እቶትን ዝነበሩ ሰባት ዝነበሮም ጽቡቕ ስራሕ ጎዲሉ'ዩ፤ ንኣብነት ኣብ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ፣ ህንጸት፣ ማኑፋክቸሪንግ ነቶም ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ሕማቕ ኣይነበረን" ይብሉ ሰብ ሞያ።

ብ2019 ንማኑፋክቸሪንግ ሓዊሱ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እቲ ዘጋጠመ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሓፈሻዊ መጠን ወሊድ ጽልዋ ከም ዘሕደረ የመልክት።

ብኻልእ ወገን፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ሃገራት ወጻኢ ብተለምዶ ብፈረቓ ዝስርሑ ከም መድሕን ጥዕናን ክንክን ቖልዑን ዝኣመሰሉ ነገራት ሓገዝ ስለዘይግበረሎም ብዛዕባ ቖልዓ ምውላድን ምዕባይን ዝምልከቱ ውሳነታት ይጸልውዎም እዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ሙሁራት ዩኒቨርሲቲ ሳውዝኣምፕተን ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ብዙሓት ሰባት ቖልዓ ቅድሚ ምውላዶም ናይ ባዕሎም ገዛ ክህልወና'ዩ ዝብል ርጉጽ ዘይኮነ ግምት ከም ዝሕዙ የርኢ።

እቲ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ከኣ ነቶም መንእሰያት፡ ንቕድም ገዛ ምግዛእ'ዶ ቖልዓ ምላድ ኣብ ዝብል ነገር ከምዝዋጠሩ ይገብሮም።

ማርኩክስ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ፡ ብሰንኪ'ቲ ገዛ ንምውናን ንባንክ እትኸፍሎ ናይ ልቓሕ ገንዘብ/ ሞርጌጅ ካብ ሓደ ንላዕሊ ቖልዑ ንከይትወልድ ምኽንያት ከም ዝኾና ትዛረብ።

እቶም ቁጠባዊ ስግኣታት፡ ፖለቲካውን ዘይምርጋእን ህዛባዊ ናዕብን ተወሲኹዎም ሰባት ኣብ መጻኢ ጎንጽን ዘይምርግጋእን ክዓቢ'ዩ ብዝብል ስግኣት ቖልዑ ክወልዱን ከብዝሑን

እቲ ኣብ ሚዲያታት ዝጋዋሕ ሓበሬታታት ከኣ ነቲ ነገር ብዝያዳ ከምዘፍርሖም ክኢላታት ይዛረቡ።

ኲናትን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ዋላ'ውን ንዘመናት ምስ ወዲ ሰብ ዝነበሩ እንተኾኑ፡ ኣብዚ እዋን ስድራቤታት ዓለም ኣቦ ሓጎታቶምን እኖ ሓጎታቶምን ካብ ዝነበሩዎ ዘመን ንላዕሊ እተፍርሕ ኮይና ኣላ ኢሎም ይኣምኑ።

ዘበናዊ ቴክኖሎጅን ቀረብ ዘመናዊ ሕክምናን ናይ ደቂ ሰባት ብህይወት ንናይ ምንባር ዕድመ እኳ እንተመሓየሾ፡ ከም ሕጽረት መግብን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጥም ቅትለትን ኣብ ሚዲያታት ዝቐርቡ ጸብጻባት ንምስሊ ዓለም ኣስጋኢ ገይሮሞ ኣለው።

ኣብ ሲድኒ ዝማእከሉ ኢንስቲትዩት ቑጠባን ሰላምን ዘካየዶ ዓመታዊ ጸብጻብ ዓለማዊ ሰላም ከም ዘመልክቶ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ህዝባዊ ናዕቢ ብክልተ ዕጽፊ ከም ዝዓበየን ኣብ 2020 ጥራይ ከም ዝወሰኸን ይገልጽ።

ብደረጃ ዓለም ድማ ናይ 10 ሚኢታዊት ዕብየት ኣርእዩ።

ኣብተን ጎንጺ ዘአንገዳ ሃገራት ዝተኣከበ ናይ 40 ዓመታት መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ከኣ፡ ኣብቲ ዘይምርግጋእ ዝነበረሉ ግዜ መጠን ወሊድ ብ33 ሚኢታዊት ጎዲሉ'ዩ።

ሰባት መጻኢና እንታይ'ዩ ክኸውን'ዩ ብዝብል ውሑዳት ቖልዑ ክህልዉዎም ይግደዱ ኣለው።

ክሊማዊ ለውጢ

ዳህሳስ መጽናዕቲ ፒው፡ እቶም ኣብ መጻኢ ቖልዓ ብዛዕባ ምውላድና ርግጸኛታት ኣይኮኑን ዝበሉ ሰባት፡ ምኽንያት ተሓቲቶም ክምልሱ እንከለው ሓሙሽተ ሚኢታዊት ከባቢያዊ ጉዳያት ኣልዒሎም።

ማርኩክስ ከኣ መጻእቲ ወለዶታት ብዝኸፍአ ክሊማዊ ለውጢ ክሳቐዩ ከምዝኽእሉ ስግኣት ከም ዘለዋ ትዛረብ።

ካብዚ ብዝብገስ ውላዳን ደቂ ደቃን እንታይ ዓይነት ዓለም'ዮም ክወርሱ ዝብል ዓብዪ ሻቕሎት ከምዘለዋ ትዛረብ።

"ስለምንታይ ናብዛ ዝጭነቐላ ዓለም ካልእ ቖልዓ የምጽእ? ወትሩ ደቂሰ ብዛዕባ መጻኢ'የ ዝሓስብ። በዓል ቤተይ ትኽክለኛ ምርጫ ዲና ወሲድና? ንወድና ነጨንቖ ዲና ዘለና? ንነብስና ዲና ፈቲና? እናበለ ይሓተኒ'ዩ። እቲ ጉዳይ ብቐጻሊ ኢና ነልዕሎን ንዘራረበሉን" ኢላ።

ነዚ ዛንታ ዘዳለወት ኬት ሞርጋን፡ ኣብ መበል 31 ዓመተይ ገና ንትምህርቲ ዝተለቃሕኩዎ ልቓሕ ስለዘይተኸፍለ ብውሑዱ ቖልዓ ምስ ወለድኩ እውን እዚ ዕዳ ምሳይ ክቕጽል'ዩ ዝብል ስግኣታት ነይሩኒ ትብል።

ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ገጠር ፔንሲልቫኒያ'የ ዝነብር፤ ኣብዚ ቦታ ናብራ ቁሩብ ሕስር ስለዝብል መሰረታዊ ክንክን ሕክምናን መግብን ይረክብ እየ ኢላ።

ኣብዚ ዘበነ ኮቪድን ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝበዝሖን እዋን ካብ ቤተ ሰበይ ርሒቐ እናነበርኩ ቖልዓ ምውላድ የጨንቐኒ'ዩ።

ይኹን'ምበር ንደቅና እቲ ንኽእልኦ ክንገብር፣ ደቅና ትኽክለኛ ነገር ንምግባር ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ከነተባብዖም ድኣ እምበር በቲ ኣብዛ ዓለም ዘለው ጸገማት ክንድሃል የብልናን።

ቖልዓ ምዕባይ የርዕድ'ዩ፤ ግን ክኣ ንዓይ እቲ ትኽክለኛ ምርጫ'ዩ። ብዝተወሰነ መልክዑ ክኣ ክልቲኡ ሓቂ'ዩ ትብል።