ምእንቲ ፍቕሪ ዝተኸፍለ ዘደንቕ ዛንታ ኤርትራዊት-ጣልያናዊት ማሪያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ1941 ሓንቲ ብፍቕሪ ዝተጸምደት ማርያ እትበሃል ኤርትራዊት/ኢጣልያዊት ጐርዞ ንህይወታ ንሓዋሩ ዝጸለወ ሓደ ዘስተንክር ስጕምቲ ወሰደት። ብሰንኪ እቲ ዝሓደራ ፍቕሪ ከኣ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ኣሰር ሞይታ ነይራ።
ኣደይ ስላስ ገብረጽየን ዝተባህላ በዓልቲ እምኒ ጸሊምኤርትራዊት ኣደ፡ ብ1923 ካብ ሓደ ኢጣልያዊ ዝወለድኣ ጓለን ነበረት።
ኣብ ሞንጎ መንግስታት ጣልያንን እንግሊዝን ውግእ'ኳ ይካየድ እንተነበረ፡ ማርያ ምስ ሓደ ካብ'ቶም ንኤርትራ ዝኸተቱ ኣባል ኣጋር ሰራዊት እንግሊዝ - ሌፍተናንት ዝመዓርጉ መኰነን - ፍቕሪ ሓዛ።
ዝተራኸብሉ ዕለት ልደት መዓልቲ (1941) ነበረ፣ ሽዑ ማሪያ ጓል 18 ዓመት ነበረት።
ብ11 ለካቲት 1946፡ ወስተርን ሞርኒንግ ኒውስ (The Western Morning News) ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ-እንግሊዝ '700 ማይልስ ኣብ ሳንዱቕ' ዘርእስቱ ሓደ ፍሉይ ናይ ፍቕሪ ዛንታ ኣቕረበ።
እቲ ዛንታ ብዛዕባ ማሪያ ኰይኑ ከመይ ኣቢላ ንእንግሊዛዊ ኣፍቃሪኣ ንክትስዕቦ ብ1942 ካብ ኣስመራ ከም ዘምለጠት ኢዩ ዜዘንቱ።
እቲ ናይ ወስተርን-ሞርኒንግ-ኒውስ ጋዜጠኛ ንማሪያን ሰብኣያን ኣብ ፖርትስካቶ እትበሃል ኣብ ገምገም ደቡባዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ኣብ ሆቴሎም ረኺቡ'ዩ ኣዘራሪቡዎም።
ኣብቲ እዋን'ቲ ማሪያ ድሮ ጓል 24 ዀይና፡ ሓደ ወዲ ክልተ ዓመት ንኽመልእ ዝቐረበ ደይቪድ ዝበሃል ቈልዓ ከም ዝነበራ ይጠቅስ።
ልዕል ኢሉ ከም ዝተገልጸ፡ እቲ ዛንታ ብ1941 ኣብ ኣስመራ'ዩ ዝጅምር - ብካልኣይ ዉግእ ዓለም፡ እንግሊዝ ንጣልያን ኣብ ዓውደ ውግእ ዝሰዓረሉ እዋን።
ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ዛንታ ምኻድና ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ንርአ።
ብ1941 እቲ ንኣርባዕተ ዓመት ዝተኻየደ መሪር ካልኣይ ኵናት ዓለም ዘብቀዓሉ፡ ሓይልታት ኪዳን (ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ሶቬትን ፈረንሳን) ንሓይልታት ኣክሲስ ( ጀርመን ኢጣልያን ጃፓንን) ዝሰዓርሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ስለ ዝኾነ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሓይሊ ጥልያን ብኢንግሊዝ ምስ ተሸነፈ ብዙሕ ሕንፍሽፍሽ ከም ዝኣተወ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይጠቕሱ።
ህይወት እታ ንሓደ ኢንግሊዛዊ ብምፍቃራ ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሕ ስጉምቲ ዝወሰደት ኤርትራዊት/ኢጣልያዊት ማሪያ እውን ብእኡ እዩ ዝጽሎ።
ኣብ 1930'ታት ማእከላይ ገምጋም ተቐማጦ ኢጣልያውያን ኣብ ኣስመራ ዳርጋ 30,000'ዩ ነይሩ።
ብ1941 ግን ቍጽሮም ናብ 55,000 ደይቡ፣ እዚ ኣብ ኣስመራ ጥራይ'ዩ።
ብዙሓት ካብኣቶም ብውትህድርና ንኤርትራን ዝመጹ ንጽል ሰብኡት (ስካቡሊ) ነበሩ።
ኣብቲ እዋንቲ ኢጣልያውያን ሓደስቲ ከተማታት መስሪቶም፡ ብመርሓ ፋሺስቲ ንደቀባት ገሊሎም፡ ኣጣጢሖም ይነብሩ ነበሩ።
እንተኾነ ኢጣልያውያን፡ ብስራሕ እንተ ማሕበራዊ መዳያትን ምስ ኤርትራውያን ደቀባት ቀጥታዊ ርክባት መስሪቶም ነበሩ።
ኰይኑ ድማ ንጽል ሰብኡት ምስ ደቀባት ኣዋልድ ብናብራ-ሓባር ይነብሩ ስለ ዝነበሩ ካብ ሕውስዋስ መውስቦ ዝተወልዱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቘልዑ ነበሩ።
ብጥሪ 1941 ጀነራል ፕላት ሱዳናውያን ወተሃደራት ሒዙ ብምዕራብ ኤርትራ ምስ ደፍአ፡ ወታሃደራት ጣልያን ኣንስሓቡ። ሽዑ እንግሊዝ ንከተማ ከረን ተቖጻጸሩዋ።
ኣይጸንሐን፡ እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሮም ብ 1 ሚያዝያ 1941 ንኣስመራ ኣተዉ።
ዘይተጸበይዎ'ኳ እንተነበረ ሽዑ ኣስመራ እተብለጭልጭ ከተማ እያ ነይራ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘንቈረ ሕብረተሰብ ጣልያን ንኣስታት 59 ዓመት ስለዝተቐመጠ ሱር ሰዲዱ ነበረ።
ምስ ምእታው እንግሊዝ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ዓሳክር ጣልያን ተረፈቱ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢጣልያውያን ከኣ ንዓዶም ክምለሱ ጀመሩ። እቲ ተሓኒጹ ዝነበረ ቍጠባ ሃገር ከኣ ከንቈልቍል ጀመረ።
ወታሃደራዊ ስርዓት እንግሊዝ ተተኺሉ ክነሱ እቶም ዝተረፉ ኢጣልያውያን ግን ጌና ንኤርትራ የመሓድሩዋ ነበሩ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ እንግሊዝ ንኤርትራ ብግቡእ ንከመሓድሩ እኹል ሰብን ዓቕምን ስለ ዘይነበሮም እዩ።
ኢንግሊዝ ንሓይሊ ጣልያን ንክስዕሩ'ምበር ነቶም ደቀባት ካብ መግዛእቲ ንከናግፉ ኢሎም ዘካየደዱዎ ኵናት ከም ዘይነበረ፡ ጸሓፊት ታሪኽ ሚኪኤላ ሮንግ ኣብታ "ምእንቲ ረብሓይ ዝገበርኩዎ እዩ" ብዝትርጎም ኣርእስቲ ዝጸሓፈታ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ።
ዝዀነ ዀይኑ ብዙሓት ጣልያን ንዓዶም ክምለሱ እንከለው ካብ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝተወልዱ ቘልዑ ግን ሓዲግ ተረፉ።
ጉዳይ እታ ብሰንኪ ፍቕሪ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዘእተወት መንእሰይ ማርያ እውን ሽዑ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣፍቃሪ ማርያ ኣብ ዉሽጣውን ሚስጢራውን ጕዳያት መንግስቲ ኢንግሊዝ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ከይጸንሐ ብሚያዝያ 1942፡ ንግብጺ ክግዕዝ ተኣዘዘ። ሽዑ ንማሪያ ሓዲጉዋ ክኸይድ ኣይደለየን።
ግን ከኣ ብኸመይ ክወስዳ ከምዝኽእል ሓርበቶ። በቲ ዕላውን ግቡእን መገዲ ንከይማልኣ ንሳ ኢጣልያዊት ብምዃና፡ ኢጣልያውያን ከኣ ብጥርጠራ ይርኣዩ ስለ ዝነበሩ፡ ካልእ መንገዲ ክጣበብ ተገደደ።
እቲ ኣብ ጋዜጣ ዝተሓትመ ዛንታ ከም ዜዘንትዎ፡ እቲ መኰነን ነተን ዝነበረኦ ክልተ ኣማራጺታት ክመዝን ጀመረ።
እቲ ቀዳማይ ምርጫ፡ ማርያ መንነታ ከይተለለየ ተዓሚማ ንበይና ዶብ ሱዳን ከምእትሰግር ምግባር ነበረ።
እቲ ካልኣይ ምርጫ ድማ ተሓቢኣ ምስኡ ንክትጐዓዝ ነበረ። ካብ ክልቲኡ ከኣ እቲ ካልኣይ ምርጫ ዝሓሸ ኰይኑ ረኸቦ።
እቲ መደብ፡ ምስ ማሪያ ተማኺሩ፡ ንሳ ካብ ኣስመራ ክሳብ ካይሮ ብባቡሩን ብናይ ጽዕነት መኪናን ክትጐዓዘሉ ዜኽእላ መደብ ነበረ።
ቅድሚ ንካይሮ ምግዓዙ ሓደ ዓቢ፡ ንሰብ ዜእቱ ሳንዱቕ ኣስሪሑ ቀረበ። ድሮ ዝነቕለሉ ምሸት ነቲ ሳንዱቕ ኣብቲ ዝነበረሉ ዝነበረ ክፍሊ ስሒቡ ኣእተዎ።
ኣብቲ መንበሪ ክፍሉ ካልኣይ መዳቕስቲ ወተሃደር ስለ ዝነበረ ንሱ ንከይፈልጥ ንማርያ ሰላሕ ኢላ ኣብቲ ሳንዱቕ ከም ትኣቱ ገበረ። ስለዚ ማሪያ እታ ቀዳማይ ለይቲ ኣብ ሳንዱቕ ሓደረት።
ጕዕዞ ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቕ
ንጽባሒቱ እቲ ሳንዱቕ ኣብ ባቡር ተጻዒኑ ንኣቑርደት ገጹ ኣምርሐ።
ማሪያ ነቲ ዘዛረባ ጋዜጠኛ ብናይ ሽዑ ኵነታታ ክትገልጽ ከላ ኣብ ዉሽጢ'ቲ ሳንዱቕ ብክቱር ሓጐጽጐጽ ከም ዝተሃስየት፡ ብሙቐት ንሰለስተ መዓልታት ከም ዝተዓፈነት፡ ብምሽምቃቕ ጭዋዳ'ውን ከም ዝተሳቐየት ብምዝካር ነቲ ሽዑ ዘሕለፈቶ ተሞኵሮ ካብ ሓንጐላ ክትሓኮ ከም እትደሊ ገለጸትሉ።
ኣብቲ ሳንዱቕ ክትኣቱ እንከላ ልባ ምእንቲ ንከይጠልማ፡ እትውግኦ መርፍእ፡ ሒዛ ከም ዝኣተወት'ውን ይዝከራ።
እቲ ዝሰዓበ ጕዕዞ ብመኪና ኮይኑ ካብ ኣስመራ ብከረን ኣቑርደት፡ ብባረንቱን ተሰነይ ገይሩ ዶብ ሱዳን ሰጊሩ ናብ ከሰላ (ሱዳን) ነበረ።
እቲ ጕዕዞ ብቀትሪ እሞ ከኣ በቲ ዘይምቹእ ሓርፋፍ ጽርግያ ስለዝነበረ እቲ ሓያል ሙቐትን ሓጎጽጎጽን ኣዝዩ ኣድከማ።
ኣብ ካርቱም ዘጋጠመ ሽግር
ማርያ ብክንደይ ሽግር ኣብ ካርቱም ምስ በጽሐት እቲ መኰነን፡ ሕጹያ ንማርያ ማለት'ዩ፤ ተጨኒቑ ነቲ ሳንዱቕ ክወርድ ሓተተ። ጕዕዞኡ ንካይሮ ስለ ዝነበረ ግን ንኣቑሑቱ ኣብ ካርቱም ከውርዶ ፍቓድ ኣይነበሮን።
ማሪያ ተዓፊና ንከይትመውት ፈሪሑ ዕግርግር ምስ ገበረ ግን ወታሃደራዊ ፖሊስ እንግሊዝ ኣሲሮም ናብ ነቝጣ-ፖሊስ ወሰድዎ።
ኣብ እንዳ ፖሊስ ምስ ከደ ነቲ ሳንዱቕ ክኸፍትዎ ለመናኡ ኣቕረበ።
ስለ ምንታይ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ ነቲ ሓቂ ክሓብኦ ስለዘይከኣለ ኣብቲ ሳንዱቕ ሰብ ከምዘላ ተናዘዘ።
ሽዑ እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ንካይሮ ክኸይድ ተጻዒኑ ዝነበረ ሳንዱቕ ካብተን ናብ ካርቱም ዘብጸሐኦ መካይን ኣውሪዶም ናብተን ንካይሮ ዝኸዳ መካይን ንክጽዕኑዎ ዱብ ኣቢሎም ኣውደቑዎ።
ማሪያ እቲ ተዓሺጋትሉ ዝነበረቶ ሳንዱቕ ብቑልቁል ኣፉ ምስ ተደፍአ ሃለዋታ ኣጥፈአት። ብዕድል ግን ፖሊስ ብህይወታ እንከላ ኣርከብዋ።
"ኣብቲ ሳንዱቕ ን20 ደቓይቕ ከምኡ ኢለ ምጽንሐይ፡ ብማህሰይቲ ሃለዋተይ ስለ ዜጥፋእኩ ኣብ ሆስፒታል ብሓካይምን ፖሊስን ተኸቢበ ክበራበር ይዝከረኒ" ትብል ማሪያ።
"ንሰለስተ መዓልትን ለይትን ኣብ ሳንዱቕ ተዓጽየ ከም ዝተጐዓዝኩ ኸኣ ተነግረኒ" ትብል።
ኣብ ሳልስቱ፡ ካብ ሆስፒታል ምስ ወጸት፡ ብስለያ ተጠርጢራ ተኣስረት።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ን24 መዓልታት ጸንሐት። ሑጹያ ድማ ብስለያ ተኸሲሱ ንወርሕን ፈረቓን ተኣስረ።
ንሕጊ ውትህድርና ጥሒስካ ተባሂሉ ድማ ኣብ ወትሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ቀረበ። ዕድል ጌሩ ግን ብጽኑዕ መግናሕትን መጠንቀቕታን ተገላገለ።
ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ማለት'ዩ፡ ብዕለት 12 ሓምለ 1942 ኣብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ተመርዓዉ።
ማሪያ ከም ዘዘንተወቶ፡ እቲ ዝወሰደቶ ስጕምቲ እንተዘይትወስድ ነይራ ምስ ሰብኣያ ሓዳር ክትገብር ኣይምኸኣለትን።
ብድሕሪኡኸ ...

ምንጪ ስእሊ, St. Mark's Church
ብድሕሪ'ቲ ኹሉ ፈተነ ማርያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ሰብኣያ ሓዳር መስሪታ ቖልዑ ወሊዳ ትነብር ነበረት።
ኣብ 78 ዕድሚኣ ከኣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝሞተት ይፍለጥ። ይኹን እምበር ብዛዕብኣ ዝንገር ካልእ ብዙሕ ዝፍለጥ ሓበሬታ ዳርጋ የለን።
ኣደይ ስላስ'ውን ንማርያ ጓለን ከም ዝረኸብኣ ዜረጋግጽ ሓበሬታ የለን።
ሓዳር ምስ ገበረት ስም ማርያ ናብ ሶልስቢ-ስፑነር ከም ዝተለወጠ ጸሓፊ ዘካየዶ ፍተሻ የርኢ።
ብ30 ሓምለ 2001 ከኣ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ ኣብ ቅዱስ ማርቆስ - ተስት ቫሊ ዝበሃል ቁሸት (ሃምሸር) - ተቐብረት።
ንማርያ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ኤርትራ ብ13 ሰነ 2021 ብሕማም ኮቪድ ዝሞተ ቸዛረ ማነቲ ዝበሃል ሓደ ዉሩይ ንእሽቶ ሓው ነይሩዋ።
ቸዛረ ማነቲ ሓኪም'ዩ ነይሩ። ቸዛረ እውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ማሪያ ሓብቱ ኣይተዛረበን።
ኣብቲ ናቱ ዝቐረበ ዓምደ-ሙታን ግን ስም ሓብቱ ተረቚሑ ይርከብ።
እቶም ንማርያ ኣብ ኣስመራ ብጓላ ዝፈልጥዋ ቤተ-ሰብ፡ እንትርፎ ብዘይ ፍቓድ ኣዲኣ ንሱዳን ሞሊቓ ምኻዳ ካልእ ክዛረቡ ኣይስምዑን።
ማርያ ናብ ዝተወልደትሉ ከተማን ሃገርን ንኣስመራን ኤርትራን ተመሊሳ ከም ዝበጽሐት ዜረጋግጽ ሓበሬታ እውን የለን።
ብወሰነ-ወሰን ዝተኣከበ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ግን፡ ማሪያ ምናልባት ድሕረ-ባይትኣ ሓቢኣ፡ ካብ ናይ ቀረባ ቤተ ሰባ ተገሊላ ክትነብር ዝደለየት ይመስል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







