“ንመሳርሕተይን ኣዕሩኽተይን ዝነበሩ ብጾተይ’የ ዝናፍቕ” ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ

Saba

ምንጪ ስእሊ, Saba

“ዓለም ሓንቲ ሃገር’ያ፣ ደቂ-ሰብ ድማ ዜጋታታ’ዮም” ንዝብል እምነት ብሃይ ርዒማ “ሱረይ ኤርትራ፡ ጨናፍረይ ድማ ዓለመይ እዩ” እትብል ኣብ ፓሪስ-ፈረንሳ እትነብር ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ ፍሉይ ስነ ጥበባዊ ትዕድልቲ ካብ ዘለዎም ገጠምቲ ሓንቲ እያ።

ሓራም ዝበሃል ዛዕባ ሓኺኻ ብምድርባይ ምስ ጽላሎት ዜናግሩን ዜካትዑን ሓሳባት እትገጥም ሳባ ንኣስመራ ስለእትናፍቕ’ዶ ትኸውን ብገዛውታን ኣተዓባብያኣን እትገጥም? እታ ውቅብትን ግርምትን ኣስመራ’ኸ ትናፍቓ’ዶ ትኸውን? ንክትምለሶ ካብ ዝቐረበላ ሕቶታት እዩ ነይሩ።

“እወ ንናፋፈቕ እመስለኒ። ብሸነኸይ ንኣስመራ ኣዝየ’የ ዝናፍቓ፣ ኣብኡ ተወሊደ ስለ ዝዓበኹ። ምናልባሽ ኣብ ዓመት ሒደት መዓልታት የምልጣኒ ይዀና ኣስመራ ብሓሳበይ ከይበጻሕኩ ዝሓድረሉ፣ ንኣስመራ ዜብጽሕ ናይ ምሸት ፍሉይ ፓስፖርት ኣሎኒ ክብል እኽእል፡ ኣበሃህላይ እንተድኣ ተረዲኡካ" ኢላ ካዕ-ካዕ በለት።

ቀጺላ ድማ “እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሰብ ይዅን ቦታ ብሓሳበይ ሓደ-ብሓደ እበጽሖ'የ - ነቲ ምብጻሕ ዝኽልክል ሓይሊ ስለ ዘየለ። ከምኡ ክብል ከለኹ ግን ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ምፍላይ እቲ ዝተፈጥረ ክዉንነት ዝተፈልየ ምዃኑ ኣይስሕቶን - ተዘክሮታትን ክውንነትን ኣይቃራረቡን’ዮም” ትብል ሳባ።

“ይዅን’ምበር፡ ሕጂ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ኵነታት ማለተይ’ዩ፡ እቲ ኣገባብ ናፍቖት ተለዊጡ ዘሎ እመስለኒ” ዜስምዕ ፍላስፍናዊ ስኽነት ዝሓዘለ መልሲ ሃበትሉ - ብዙሕ ነገር ከም ዝተለወጠ፡ ብዙሓት ደቂ ኤርትራ ከም ዝተሰደዱ፡ ሕመረት ቤተሰብ ከም ዝተበከለ፡ ወለድና ከም ዝሓለፉ፡ ዝዓበየትሉ ጐረቤት ከም ዘይልለ፡ ኣስመራ ድማ ብዓቢኡ ከም ዝተዳህኸት ብምዝካር።

“እቲ ኣስመራ ትናፍቐኪ’ዶ ዝበልካዮ ግን እንድዒ’ዩ መልሱ። ‘ረምታ’ ዝበሃል መደብ ተለቪዥን ኣብ ዘዳልወሉ ዝነበርኩ እዋን ከምዚ ትማል-ትማል ዝነበረ ኰይኑ ይስምዓኒ። ሽዑ’ዩ ምስ ኣስመራ ጽኑዕ ምትእስሳር ዝነበረኒ። እታ መደብ እውን ጌና ትቕጽል ኣላ። እቲ ሽዑ ዝቐርብ ዝነበረ መደብ ዘኪሮም ዜዛርቡኒ ሰባት’ውን ኣለዉ” ትብል።

ንረምታ ብኻልእ ሸነኹ ንምርኣይ ንሓደ ካብ'ቶም ንሳባን ንግጥምታታን ብቐረባ ዝፈልጥን ንፈለማ እዋን ንስርሓታ ኣብ ወጻኢ ዘፋለጠን ኣኪቡ ዜሕተመን፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ልዑል ፍቕሪ ዘለዎ መስራትን ወናንን ኣዝማሪኖ.ኮም ናይ ቴክኖሎጂ ኪኢላ ተስፋልደት ኣለም መሓረና።

“ ንሳባ ኣብ ቅርዓታዊ ምርኢት ረምታ ዝረኣየ ሰብ ንሓዋሩ ካብ ሓሳቡ ትፍለ ዀይኑ ኣይስምዓንን" ይብል እሞ፡ ብሜሎድራማን ርሱን ስምዒታትን ዝተሰነዩ ግጥምታት ኣብ ሓንጐል ተዓዛቢ ተወቂጦም ከምዝተርፉ ይምስክር።

ንሒደት ካልኢታት ሕስብ ኣቢሉ ድማ "ብሓቂ ንልቢ ዝምስጥ፡ ንሕልና ዝጕርጕር፡ ንሕፍረትና ዜየናሕሲ፡ ንሓጥያትናን ዜናስሕ፡ ንመንነትና ዜቃልሕ፡ ኣብ መሽጐራጕራት ልባትና ዝተዓቝቡ ሕንከታትና ዝምርምር፡ ብሓጺሩ ገው ዜብልን ዜቕዝዝን ምርኢት ርእየ ክብል እኽእል" ብምባል ንኣሰዃዅዓ ቃላታን ኣደማምጻኣን ብምድናቕ፡ ብ1996፡ ኣብ ኣስመራ ዜቕረበታ 'ነቦኻ' ዘርእስታ ግጥሚ ከም ኣብነት የቕርብ።

ነቦኻ

ኣብቲ መገዲ ኣርብዓ

ይሓይሽ ኣብ ዝበለቶ ተጸጊዓ፣

ዝፍቀዳ ሰናቲም ኣብ ቅድሚኣ

ዝርካቡ ጉልባባ፡ ንወዳ ኣማሚቛ!

ኣእዳዋ ናብቲ ቀዝሒ ለልኢኻ፣

ዕሸላ ክትዕንግል ስለ ዝነበራ፣

ከይፈተወት ከምኡ ጌራ።

ጌና፣

ጌና: ብሓራሳ’ያ ሓጋዚ ስኢና

ዝርንዛሕ ነቢዓ: ዕድላ ኣማሪራ::

“ሓራስ ጓል ማርያም” ዘበላ

እነሆ ሕጅስ ዓዂኹላ:

የጻውታ ኣሎ የዕልላ።

‘ማማየ’ቲ ጅንሒ ከልኤኪ ...’

“እንታይ? ”

‘ከምጂ ...’

ዝጸምለወ ገጻ፡ ተስፋ ተቐልቂልዎ

ጻዉቱ ርእያ ሰሓቓ ክትትውሖ!

ኣብ ተጠንቀቕ’ያ ኔራ፡ ተዋዲዱ ፍቕራ።

ንሱ ድማ ፍንጭሕ-ጭሕ እናበለ:

ከምቲ ናታ ስለ ዝኸኣለ፣

‘ሽለ ማልያም’ በለ፣ ኢዱ እናሰደደ።

ስንባደ ከምሕሱም ዘበጣ!

ንኸይስበሎ ኣንፈጥፊጣ!

ምስ ተበራበረት ግን ካብቲ ዘኸንደዳ

ገለ ነገር ክትገብር ተገዲዳ።

ጀመረት

ድማ ክትዝርዝሮ

ነቲ ጻውቲ-ቐደማ፡ ነቲ‘ትዝክሮ

“በዚኣ ጻጸ፡ በዚኣ መላጸ እምባሕ!

‘ኛው-ኛው ኣቀናጥዋ ድሙ፡ ቲኽቲኽ!’

ቱፍ እሞ በለለይ ቱፍ እሞ በለይ’

ለመድዎ እቲ ሰሓቕ ለመዶም፡

ለመድዎ ምጽዋት:: ሓደ መዓልቲ ግን ኣይከምቀደሙን

ቀጨውጨው ኣብዚሑ ግዲ ኣይጠዓሞን።

ሽዑ ምስ ተኣበደ ”ቱፍ እሞ በለለይ”

ንሱ ድማ በለ ‘ቡፍ እሞ በልለይ’

“ንመን ዕዕ’ ክብለልኪ ማማየይ?” ምስ በላ..

“ነቦኻ ...!”

በለቶ ሞሊቑዋ፡ ኣፋ ግን ዓበሰት: ነታ ቃል ትመልሳ መሲሉዋ

ጣዕሳ እናለለዋ።

“ሳባ ምስ ብዙሕ ዉጹዕ ሸነኻት ሕብረተሰብና ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዋ፡ ኣእምሮኣዊ ስእሊ ክትስእልን ዓቕሚ ዘለዋን ገጣሚት’ያ።

እታ ግጥሚ ክንዓቢ እንከለና ንደወል ሕልናና ኣይንሰምዖን ከም ዝነበርና’ያ ትሕብር ... ክንደይ ስኡናት፡ ኣብ ጽርግያ ዝልምና ዝነበራ ኣዴታታ፡ እሞ ኸኣ ገሊአን ሓራሳት፡ ረጊጽናየን ክንሓልፍ ይዝከረኒ።

ሳባ ከኣ ኣብ’ቶም ደቀቕቲ ነገራት ብምትኳር ንስምዒታት ምስ ቃላት ኣተኣሳሲራ ንትዕዝብታት ክትገልጽ ብምኽኣላ ዓቢ ጸጋ’ዩ። መበቈላውነት (originality) ዘለዎ ግጥሚ ብምቕራብ ኣብ ስነ-ጽሑፍና ነባሪ ኣስተዋጽኦ ትገብር ዘላ ገጣሚት’ያ።

መልእኽታ ምስጢራዊ ዀይኑ ምስጢራት ህይወት ብሜሎድራማ ዜቃልዑ እንተበልኩኻ ትርድኣኒ’ዶ ትኸውን?” ክብል ደጊሙ ብኣድናቖት ገለጻ።

ሳባ ኪዳነ

ምንጪ ስእሊ, Saba

ሳባ ኣብቲ ኣብ ናፍቖት ዘተኮረ ኣርእስቲ ከምዚ ክትብል ሓሳባ ትምልእ።

“ኣብ መራኸብ ብዙሃን ብዙሕ ጊዜ ስለ ዝሳተፍ ብዙሓት ሰባት ብናፍቖት ክዛረቡ እሰምዕ’የ።

እቲ ዜገርም ግን እቶም ሓሓሊፎም ኣስመራ በጺሖም ንመደበሮም (ኣአንጋዲ ሃገሮም) ዝምለሱ ሰባት ካብ ኣስመራ ሒዞምዎም ዝመጹ: ስጊንጢር ግን ሓቀኛ ትዕዝብትታት ኣለዉ - እዚ ማለት ኣብ ኣስመራ ኰይኖም ነቶም ዘአንገዱዎም ሃገራት ከም ዝናፍቑ ክዛረቡ ምስምዐይ’ዩ” ትብል ሳባ።

“እዚኣ ደኣ ከመይ’ያ?” ንእትብል በዳሂት ሕቶ ከኣ ...

“ናተይ ኣብነት ክህበካ ... ኣብ ኣስመራ እነብረሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን ነዛ ሓድሽ ናብራ ንክጅምር ዕድል ዝሃበትኒ ሃገር ፈረንሳ ኣይናፍቓን’የ ነይረ - ኣይፈልጣን ስለ ዝነበርኩ።

ድሓር ግን፡ ኣብ ኤርትራ ክነብር ከም ዘይክእል ምስ ተረድኣኒ ናብ ፓሪስ ንክግዕዝ ዕድል ረኸብኩ፣ እቲ ዕድል ከኣ ተጠቐምኩሉ ... ምሉእ ብምሉእ” ትብል።

ወሲኻ ድማ “ኣብ ኤርትራ ተወሊደን ዓብየን፡ ሕጂ ኣብዚ ሃልየ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራ ኣይጠዓመንን፡ ኣብዚ ግን ብኣንጻሩ ብጽቡቕ እነብር ኣለኹ እናበልኩ ክምስክር እደሊ።

ኣብ ኤርትራ ከም ሓንቲ ዜጋ ዝተነፈጉኒ መሰላት ብዙሓት’ዮም፣ ከም ሰብ መጠን እቶም መሰላት ኣብዚ ምሉእ-ብምሉእ ተኸቢሮምለይ እነብር እኔኹ።

ደቂ-ሰብ ካብ ሓደ ዕቡስ ናብራ ኣልጊሶም ኣብ ሓደ ክፉትን እፎይ ኢሎም ዝሓድረሉን ሃገር ምንባሮም ዝመስልዎ የለን” ኢላ ድሕሪ ምግላጽ ናብ ዛዕባና ትምለስ።

“ዝናፍቖ ሸነኽ ኣስመራ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣደይን መቕርበይን ዜሕለፍክዎ ናብራ፡ ምስ ብጾተይ ሓቢረ ዜዀማሳዕክዎ ህይወት ዜኣመስሉ’ዮም።

ይዅን’ምበር ኣነ ኣየስቈርቍርን’የ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ሓሊፉ፡ ብዝሓሸ ናብራ ኸኣ ተተኪኡ ስለ ዝረኽቦ። ስለዚ እቶም ኣብ ኤርትራ ዀይኖም ንፓሪስ ናፊቕና ዝብሉ በጻሕቲ ኵነታቶም ኣጸቢቐ’የ ዝርድኦ። ሃገርና መናፈቒ ምኽንያት ኣይሃበትናን፣ መህደሚ’ምበር” ኢላ ደርጒሓ ገደፈቶ።

ሳባ ኪዳነ

ምንጪ ስእሊ, Saba

ንግልባጥ ናፍቖት ንምግላጽ ኣብ ፓሪስ ኰይና ግጥምታታ ከመይ ኢላ ከም ዜማዕበለት፡ ከመይ’ላ ቍሊሕ-ምሊሕ ከይበለት ዝደለየቶ ክትሓስብን ክትገጥምን ከም ዝኸኣለት፡ ትርጕም ሓፈሻዊ ዕለታዊ እፎይታ ዓቢ ዋጋ ከም ዘለዎ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ዜኻዕበተቶም ጸጋታታ ሓደ ብሓደ ክትዝርዝሮም ጀመረት።

“ኣርባዕተ ደቀይ ብሰላም ኤዕቢ ኣለኹ፡ እታ ዓባይ ድሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትያትለይ። ካብ’ዚ ዝዓቢ ጸጋ ኣበይ ይርከብ? ጽባሕ ብጭቕ እንተ ድኣ ኢሉኒ ዝኣስረኒ ሰብ የለን። ብፍርሂ ተዋሒጠ ኣይነብርን።

ምስ ክንደይ ፈረንጂ ዀኑ ደቂ ካልኦት ዓልየት፡ ኣብ ግጥሚ-ዓለም ዝመላለሱ ፈላጣት ኰይነ ነብሰይ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኣማዕበልኩ እነብር ኣለኹ። ብሓቂ ኣዝየ’የ ዜመስግን” እናበለት ብዘይ ውልውል መርገጺታት ህይወታ ተነጽር።

“ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ናይ መን ናፍቖት ኣሎኪ ኢልካ እንተድኣ ሓቲትካኒ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝእሰሩ ክሳብ ሕጂ ዘይረኣኽዎም ብጾት ከም ዘለውኒ ድየ ክብል ዝነበሩኒ ናፍቖት ኣለኒ እብለካ፣ ብዛዕብኣቶም ሕልናይ ደጋጊሙ የዘኻኽረኒ’ዩ ... ከም ዝበልኩኻ እናፍቖም ስለ ዝዀንኩ” ትብል ሳባ።

“እዚኣቶም ካብ ኤርትራ ዘይኰነስ ካብ ማሕቡስ ክወጹ ዘይከኣሉ’የ ዝብለካ ዘለኹ” እናበለት ብምረት ትዛረብ።

ድምጻ ፈጥፈጥ እናበለ ኸኣ “ኤርትራ እዞም እሱራት እተዘይብላ ንዓይ ትርጕም ኤርትራ ጥፉእ’ዩ!” በለት። “ንሳቶም ንዓይ ኣንጕዕ’ዮም ከም ሰብ መጠን” ምስ በለት ገለገለ ካብኣታቶም ጦብላሕ ይብሉዋ።

“ዝገርመካ ካብኣታቶም ኣብ ሕልመይ ተመላሊሶም ዝረኣኹም ሰባት ኣለዉ። ብተደጋጋሚ ዝርእዮ ሰብ ኣማኒኤል ኣስራት’ዩ። ካልኦት’ውን ኣለዉ ... ከም መድሃኔ ሃይለ፡ ሳልሳይ ድማ ስዒድ ዓብደልቃድር’ዩ።

“ንኣማኒኤል ኣብ ወጻኢ ሓዉ ኣለዎ። ሓደ መዓልቲ ንኣማኒኤል’ምበር ሓሊመዮ ኢለ ምስ ጸሓፍክሉ ‘ክሊ ኣይተቕንእኒ!’ ክብለኒ ይዝከረኒ። እዞም ሰባት’ዚኦም ኣዝየ እናፍቖም’የ” ትብል።

በሪ-ዉሕጃ ተኸፊቱ ተወሳኺ ዛንታ ኣዕለለትና። “ሓደ መዓልቲ ንፔን-ኤርትራ ዝበሃል ማሕበረይ ወኪለ ኣብ ሓደ ኣህጕራዊ ኣኼባ - መበል 100’ዊ ዓመት ምምስራት ፔን ኢንተርናሽናል ምዃኑ’ዩ - ተሳቲፈ ነይረ። ሓደ ካብ’ቶም ዕማማት ነቶም ኣብ ዓለም ሙሉእ ተኣሲሮም እንጕስጕሰሎም ዝነበና ጸሓፍቲ ደብዳቤ ምልኣኽ ነበረ። ኵሎም ኣብቲ ኣኼባ ምሳይ ዝነበሩ ብጾተይ ደብዳቤ ክጽሕፉ ሸበድበድ ክብሉ ኣነ ግን ንበዓል ኣማኒኤል ኣስራት ብኽያት-ንብኽያት ክኸውን ይዝከረኒ” በለት።

“ንምንታይ?” ምስበልኩዋ፡ “ኣበይ ከም ዝጽሕፈሎም ጠፊኡኒ” ኢላ ዝን በለት።

ካብቲ ዝኣተወቶ ትካዘ ንኸገላግላ ... “ናይ ግጥሚ መጽሓፍኪ ድኣ መዓስ’ያ ትሕተም?” ኢለ ብሃንደበት ዛዕባ ለወጥኩ።

እቲ ምኽንያት ተረዲኡዋ ከኣ “ዉድእቲ’ያ። ኣብቲ ናይ መጠረስታ ደረጃ በጺሓ’ያ፣ እንተዀነ ኣነ ኣይህወኽን’የ” በለት። “ኣንበብቲ ግን ንህወኽ ኢና” ብማለት ሰናይ ትምኒትና ተገላሊጽና ተፈላለና።