ቲክቶክ፡ ኣብ ኣመሪካ ናብ 'ኣፕ ስቶር ኣፕል' ከምኡ'ውን ግጉል ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቲክቶክ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንትግባረ እገዳ ናብ ድሕሪ 5 ሚያዝያ ምስ ኣሰጋገሮ፡ ኣብታ ሃገር ኣቋሪጹ ብምጽናሕ፡ ኣብ 'ኣፕ ስቶር ኣፕልን' 'ጉጉልን' ተጽዒኑ።
እቲ ልዕሊ 170 ሚልዮን ኣመሪካውያን ዝጥቀምሉ ስርሓት ቻይና ዝዀነ መተግበሪ፡ ብምምሕዳር ባይደን ተበይንሉ ዝነበረ ገደብ ግዜ ቅድሚ ምእካሉ፡ ኣካየድቲ ናይቲ ትካል ኣገልግሎቱ ክቋረጽ ገይሮሞ ነይሮም።
ብድሕሪኡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ፡ 75 መዓልታት ክናዋሕ ፈጻሚ ትእዛዝ ከም ዝሃበ ይዝከር።
እቲ ፈለማ ንምምላስ ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ዘቃልሐ ብሉምበርግ፡ ኣፕልን ግጉልን እዚ መተግበሪ'ዚ 'ክወርድ' (ዳውንሎድ ክኸውን) ተሓተትቲ ከም ዘይኰኑ ንምርግጋጽ፡ ካብ ምምሕዳር ትራምፕ መረጋገጺ ከም ዝረኸቡ ሓቢሩ።
እቲ ክልተ ሰልፍታት ባይቶ ኣመሪካ ብዝሃብኦ ድምጺ ዝሓለፈ እገዳ፡ ብፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ተፈሪሙ እዩ ሕጊ ኰይኑ።
ወናኒ ቲክቶክ ቻይናዊ ትካል ባይት-ዳንስ ካብ እገዳ ክድሕን እንተዀይኑ፡ እቲ ናይ ኣመሪካ ክፋሉ ንሳልሳይ ኣካል ክሸጦ ኣዚዙ ነይሩ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ቻይና ንቲክቶክ ከም መሳርሒ "ስለላን ፓለቲካዊ ምትላልን" ክትጥቀመሉ ከም ትኽእል እዩ ክምጕት ጸኒሑ።
እዚ ክስታት'ዚ፡ ብቻይናን ቲክቶክን ብተደጋጋሚ ተነጺጉ እዩ። ቻይና፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝነጥፍ ክፋሉ ክትሸጦ ዝቐረበላ ተደጋጋሚ ጻውዒት ነጺጋቶ እያ።
እቲ ብኽልተኦም ሰልፍታት ተቐባልነት ዝረኸበ እማመ እገዳ ድማ መወዳእታኡ ብላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ተቐባልነት ረኺቡ።
ትራምፕ ኣብቲ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ንምእጋድ ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ደጊፉ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ እዋን ፕረዝደንታዊ ውድድሩ ግን ንኣረኣእያኡ ዳግመ ግምት ዝገበረሉ ይመስል።
ንሱ፡ እቲ መተግበሪ "ዕሙር ቦታ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቪድዮታት ናይቲ ዘካየዶ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ኣብ ቲክቶክ ቢልዮናት ከምዝተረኣየ ኣጕሊሑ።
ቲክቶክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዳግማይ ክሰርሕ ምስ ጀመረ፡ ንትራምፕ ዝምጕሱ መልእኽታት ካብ ሚልዮናት ተጠቀምቱ ክውሕዙ ተራእዮም እዮም።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቲክቶክ ሹው ቸው፡ ትራምፕ ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ ዝተራኸቦ ኮይኖም ኣብ ወግዒ ምረቓ ስልጣኑ'ነን ተሳቲፉ እዩ።
ትራምፕ ንዓንቀጻት ሕጊ ዘይኰነስ ንኣተና መንፈሱ ክኽተል ከም ዝደሊ ብምግላጽ፡ ቲክቶክ ብልፍንቲ ክውነን ዝብል ሓሳብ ከም ዝመጽኦ ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኺነታዊ-ብልሒ (AI) ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ንሓደ ሰብ ክብሎ ዝደልዮ ዘለኹ፡ ፍርቁ ንኣመሪካ ሃቦ፣ ንሕና ድማ ፍቓድ ክንህበካ ኢና፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ እቲ መተግበሪ ንሓደ ካብ መስረትቲ ኦራክል ዝዀነ ላሪ ኤሊሰን ወይ ድማ ንኽፍሊ ብቕዓት መንግስቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዝመርሕ ዘሎ ኢሎን ማስክ ንምሻጥ ድልው ክኸውን ተማሒጺኑ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ቢልዮነር ፍራንክ ማኮርትን ካናዳዊ ነጋዳይ ኬቨን ኦሊሪን ምስ ምዕዳግ ቲክቶክ ተተሓሒዙ ስሞም ክርቋሕ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ምርኡይ ዩቱበር ዓለምና ጅሚ ዶናልድሰን (ሚስተር ቢስት)'ውን፡ ቲክቶክ ንምግዛእ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ገሊጹ ነይሩ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







