ቲክቶክ፡ 170 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣብ ዘለዉዎ ኣመሪካ ክእገድ ቀሪቡ ድዩ?

ቲክቶክ ኣብ ዘመነ ትራምፕ ክፍቀድ ተስፋ ኣሕዲሩ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቲክቶክ ካብ መጀመርታ 2025 ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ክእገድ ወይ ድማ ክሽየጥ ዝገብር ሕጊ ንምስዓር ዝገበሮ ፃዕሪ ስለዘይተዓወተ ኣብታ ሃገር መፃኢኡ ዝፀልመተ ይምስል።

እቲ ዓርሞሸሽ ማሕበራዊ ሚድያ እናዀነ ዝመፅአ ኩባንያ፡ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊኡ ዝተውሃበ ውሳነ ቤት ፍርዲ፡ ናይቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ 170 ሚልዮን ተጠቀምቱ 'ናይ ምዝራብ ነጻነት ዝድርት እዩ' ብዝብል ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ ቅቡል ክኸውን ተስፋ ገይሩ ነይሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ጥርዓን ውድቂ ብምግባር፡ ቲ ኣቐዲሙ ዝተውሃበ ብይን መሊሱ ኣጽዲቑዎ'ሎ።

ቲክቶክ ሕጂ ቃልሱ ናብቲ ዝለዓለ ሕጋዊ በዓል መዚ እታ ሃገር ዝኾነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ከምዘብጽሖ ገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ቲክቶክ ክሽየጥ ወይ ክእገድ ትደልየሉ ምኽንያት ዋናታቱ ምስ መንግስቲ ቻይና ርክብ ስለዘለዎም'ዩ።

እንተኾነ ሰብ ዋና እቲ ትካል ነቲ ምስ መንግስቲ ቻይና ምትእስሳር ኣለዎም'ዩ ዝብል ክሲ ኣይቀቅበሉዎን።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ሕጊ "ብጥንቃቐ ዝተዳለወ፡ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ንዝግበር ተጻብኦታት ንምምካት ዝግበር ሰፊሕ ጻዕሪ ምዃኑን" ተሰማሚዑ።

ቲክቶክ ግን ብሕጋዊ መገዲ ዝጀመሮ ቃልሲ ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ቲክቶክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንመሰል ናጻ ምዝራብ ኣመሪካውያን ናይ ምሕላው ጽኑዕ ታሪኻዊ ሓላፍነት ስለዘለዎ ኣብዚ ኣገዳሲ ቅዋማዊ ጉዳይ ድማ ልክዕ ከምኡ ክገብር ንጽበ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ እቲ ሕጊ ኣብ "ዘይቅኑዕ፣ ጉድለት ዘለዎን ግምታዊ ሓበሬታ" ዝተመስረተን ብምዃኑ ንዜጋታት ኣመሪካ ሳንሱር ዝገብር ከምዝኾነ ገሊጹ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርፃ ኣመሪካ 2024 ዘመዝገቦ ዓወት እውን፡ ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ተስፋ ሂቡ'ሎ።

ኣብ 2020 ኣብ ዝነበረ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ቲክቶክ ንምእጋድ ዝገበሮ ፈተነ እኳ እንተዘይተዓወተ፡ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ መረጻ ወቕቲ ግን እገዳ ቲክቶክ ተግባራዊ ክኸውን ከምዘይፈቅድ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ 'ቲክቶክ ክእገድ ወይ ክሽየጥ ኣለዎ' ዝብል በይን ምስተመሓላለፈ፡ ንጽባሒቱ ጥሪ 20 ስልጣኑ ክርከብ እዩ።

ይኹን'ምበር ነቲ ቅድሚ መረጻ ዝኣተውዎ መብጽዓ ክኽተል ድዩ ኣይክተልን ክርአ እዩ።

ፕሮፌሰር ጀምስ ግሪመልማን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮርነል፡ እቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት፡ ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ዝቕጽለሉ ዕድል ንምፍጣር ኣጸጋሚ ውሳነ ክውስን ምዃኑ ገሊጹ።

"ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ዘሎ ጸረ ቻይና ስምዒት ኣዝዩ ሓያል ስለዝኾነ፡ ኣብ ክልቲኡ ሰልፍታት ቲክቶክ ካብ ዕዳጋ ኣመሪካ ክድረት ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።

ተጠቀምትን ተነሓናሕትን እንታይ በሉ?

እቶም ቲክቶክ ዝጥቀሙ ከምኡ'ውን መነሓንሕቲ እቲ መተግበሪ፡ ንጉዳይ'ቲ ቤት ፍርዲ ብቐረባ ክከታተልዎ ጸኒሖም ኣለዉ።

ተጣባቒት ንኣሽቱ ትካላት ንግድን ተጠቓሚት ቲክቶክን ዝኾነት ቲፋኒ ሲያንሲ፡ በቲ ናይ ዓርቢ ውሳነ "ኣይሰንበድኩን" ኢላ።

እንተኾነ ግን ናብ ከም ኢንስታግራም ዓይነት ተነሓናሕቲ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዘይትሰጋገር ንቢቢሲ ኒውስ ገሊጻ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ካልኦት ሰባት ግን ድሕረ-ቲክቶክ ንዝፍጠር ኵነተ-ማሕበራዊ ሚድያ ንነብሶም የዳልዉ ኣለዉ።

ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ዋትስኣፕን ትሬድስን ዝውንን ሜታ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ገዛእ ርእሱ መተግበሪታት ንሓጺር ቅርጺ ዘለዎ ቪድዮታት ቲክቶክ ብዝጥዕም መገዲ ለውጢ ኣካይዱ'ሎ።

ዋና ተንታኒት ኢማርከተር ጃስሚን ኤንበርግ፡ ይግባይ ቲክቶክ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እንተፈሺሉን እገዳ እንተተግቢሩን "ዓቢ ናዕቢ" ክህሉ'ዩ ኢላ።

እዚ "ንሜታ፡ ዩቱብን ስናፕን ዝጠቅም ክኸውን ከሎ፡ ነቶም መነባብሮኦም ንምምራሕ ኣብ ቲክቶክ ዝምርኮሱ ንኣሽቱ ትካላትን ዝጎድእ" ክኸውን'ዩ ኢላ።

"ቲክቶክ ብቐሊሉ ዳግማይ ኣይክፍጠርን እዩ" ይብል ዋና ስትራተጂስት ዕዳጋ ኤፒስትሮፊ ካፒታል ሪሰርች ኮሪ ጆንሰን።