ገጻት ትዊተርን ዩትዩብን ሰራዊት ብሪጣንያ ብሰርሰርቲ ተጠቒዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት ብሪጣንያ ዝጥቀመሎም ናይ ትዊተርን ዩትዩብን ገጻት ብዘይተፈልጡ ኣካላት ከም ዝተሰርሰሩን ነዚ ስዒቡ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎን ተገሊጹ።
እቲ ሰራዊት፡ ናይ ዩትየብ ገጹ ብሰርሰርቲ ምስ ተጠቕዐ፡ ስእሊ ቢሊዮነር ዓለምና ኢለን መስክ ዝሓዙ ምልክታት ክሪፕሮካረንሲ ተራእዮም።
ኣብ ትዊተር ከኣ፡ ብብዝሒ ምስ ኤሌክትሮኒካዊ ወፍሪ ስራሕቲ ጥበብ -ኤንኤፍቲ - ዝተሓሓዙ መልእኽታት ተዘርጊሖምሉ።
እቲ ሰራዊት፡ ዝጥቀመሎም ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘይተፈልጠ ኣካል “ከም ዝተሰርሰሩ” ብምግላጽ ኣብ ድሕነት ሓበሬታ “ጥቡቕ ቁጽጽር” ከም ዝገብርን ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ፍታሕ ንምርካብ ይሰርሕ ከም ዘሎን ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ክልቲኦም ገጻት ናብ ትሕቲ ቑጽጽር እቲ ሰራዊት ከም ዝኣተው ተፈሊጡ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት “እቲ ዘጋጠመ ክስተት ዝምልከት መርመራ ይካየድ ስለ ዘሎ ሕጂ ርኢይቶ ምሃብ ኣድላዪ ኣይኰነን” ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ መን’ዩ ነዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰርሲሩዎም ዝብል ኣይተፈልጠን፣ ሽም እቶም ኣካውንታት’ውን ተቐይሩ’ዩ ነይሩ።
እቲ ናይ ትዊተር ገጽ ‘ባፔስክላን’ ብዝብል ሽም ተቐይሩ ስእሉ’ውን ንህበይ ብዝመስል ናይ ካርቱን ስእሊ ተተኪኡ ጸኒሑ።
እቲ ሰራዊት፡ ትማሊ ሰንበት፡ ነቲ ናይ ትዊተር ገጽ ካብቶም ሰርሰርቲ መንዚዑ መሊሱ ከም ዝተቖጻጸሮ ተሓቢሩ።
“ኣብ ገጽና ኣጋጢሙ ንዝነበረ ጸገም ይቕሬታ ንሓትት። እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ መርመራ ክንገብር ኢና፤ ስለ ዝስዓብኩምና ብምምስጋን ኣገልግሎትና ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ” ኢሉ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ብመገዲ ቢትኮይን ብዝግበር ምትላል ብዝመስል ኩነታት፡ ኣካውንታት ኢለን መስክ፣ ጄፍ ቤዞስ፣ ቢል ጌትስ፣ ባራክ ኦባማ፣ ጆ ባይደንን ካኒዬ ዌስትን ዝርከቡዎም ኣገደስቲ ዝብሃሉ ገጻት ትዊተር ኣመሪካውያን ተጨውዮም ምንባሮም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







