ደቂ ሰባት ስለምንታይ ስኑዕ ሓበሬታ ይፈትዉ?

ምንጪ ስእሊ, AI-GENERATED IMAGE
'ሓቂ ገና ሳእኒ ኣብ እትገብረሉ እዋን፡ ሓሶት ድሮ ፍርቂ ዓለም ተጓዒዛ'ላ' - ማርክ ትዌን።
ብሓቂ እዚ ኣገላልጻ ንገዛእ ርእሱ ሓሶት እዩ።
ማርክ ትዌን ከምኡ ምባሉ መረጋገጺ የለን፤ መበቆል እቲ ኣገላልጻ እውን ንጹር ኣይኰነን።
ይኹን'ምበር ሳላ ኣብ ትዊተር ዘሎ ዝርገሐ ዘይቅኑዕ ይኹን ቅኑዕ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብ ሓቂ ንላዕሊ ሓሶት ብቕልጡፍ ከም ዝዝርጋሕ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና።
እዚ ድማ ንሓድሽነት ወይ ብርቅነት ብዘለና ሸውሃት ዝድረኽ እዩ።
ሰለስተ ተመራመርቲ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ (MIT) ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ 2018 ኣብ መጽሔት ሳይንስ ተሓቲሙ እዩ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ መንጐ 2006ን 2017ን ብኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሑ ኣስታት 126,000 ዛንታታት ተንቲኖም።
እዞም ኣሽሓት ዛንታታት ኵሎም ሓቂ ድዮም ሓሶት ዝብል ድማ፡ ስኖፕስ.ኮም (snopes.com) ከምኡ'ውን ፋክትቼክ.ኦርግ (factcheck.org) ካልኦት ኣርባዕተ ቂ መርመርቲ መርበባትን ተረጋጊጾም ነይሮም።
እቶም ተመራመርቲ ነቶም ዝተዘርግሑ ጽሑፋት ብምንጽጻር፡ እቶም ሓሶት ዝዀኑ ካብቶም ቅኑዓት ብዝቐልጠፈን ብሰፊሑን ከም ዝተዘረግሑ ኣረጋጊጾም።
ንኣብነት፡ ሓቀኛ ጽሑፍ ሳሕቲ ናብ ልዕሊ 1000 ሰባት ዝክበጽሑ እንከለዉ፡ ሓደ ብሰፊሑ ዝካፈል ናይ ሓሶት ዛንታ ግን ናብ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ይበጽሕ ነይሩ።
ዝዀነ ሓደ ናይ ሓሶት ዛንታ ካብቲ ሓቂ ንላዕሊ ዳግማይ ናይ ምክፋል ተኽእሎኡ ብ70 ሚእታዊት ዝለዓለ እዩ።
ሓቀኛ ዛንታ ናብ 1500 ሰባት ንክበጽሕ ካብ ሓሶት ዛንታ ንላዕሊ ብማእከላይ ገምጋም ሽዱሽተ ዕጽፊ ግዜ ይወስደሉ።
እቶም ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ክሳብ ክንድዚ ብሰፊሑ ዝተዘርግሑሉ ምኽንያት፡ ብዝያዳ ብህቡባት ወይ ንጡፋት ተጠቀምቲ ትዊተር ስለ ዝተኻፈሉ ክኸውን ይኽእል።
ብሰመረት እቶም ተመራመርቲ ግን እቲ ምኽንያት ብኣንጻሩ እዩ።
ሓሶት ኣብ ምዝርጋሕ ዝነጥፉ ልሙድ ተጠቀምቲ ብተነጻጻሪ ውሑዳት ተኸታተልቲ እዩ ዘለዎም።
ብተወሳኺ ኣብቲ ትዊተር ብተዛማዲ ውሑድ ንጥፈታት ዘርእዩ እዮም።
ኣብዚ ኣውቶማቲክ ኣካውንትታት ወይ ቦት'ውን ክውቀስ ኣይኽእልን፡ ምኽንያቱ እቶም ተመራመርቲ ብቦት ዝተዘርግሑ ዛንታታት ኣልዮም ትንተና ምስ ኣካየዱ'ውን እቲ ውጽኢት ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ።
ስለዚ እቶም ናይ ሓሶት ዛንታታት እንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ብሰፊሑ ክዝርግሑ ገይርዎም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ንትሕዝቶ ናይ ትዊተር ባዕሉ ብምትንታን፡ ሓሶት ካብ ሓቂ ንላዕሊ ልብወለዳዊን መሳጥን ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘሎ እዮም ተረዲኦም።
ሓሶት ስምዒታዊ ግብረ-መልሲ ኣብ ምልዕዓል እውን ዝሓሸ እዩ፤ ተጠቀምቲ ንሓሶት ዝህብዎ መልሲ መብዛሕትኡ ግዜ ምግራሞም ዝገልጽ ወይ'ውን ጽልኢ ዝገልጹ ቃላት ዝሓቘፈ እዩ።
"ሓድሽነት ኣቓልቦ ደቂ ሰባት ከምዝስሕብ ኣጸቢቑ ይፍለጥ'ዩ" ይብል ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ፕሮፌሰር ሲናን ኣራል።
"ብርቅነት፡ ሓበሬታ ንምክፋል ዘተባብዕ እዩ። ብርቅነት ዝያዳ ዘገርምን ዋጋ ዘለዎን ስለዝዀነ መዛኑና ነቲ ሓበሬታ ብምቕባሎም ከድንቑና እዮም ኢልና ስለንሓስብ ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ዝዘርገሖ ሰብ ብማሕበራዊ ደረጃ ከም 'ፈላጥ' ወይ ድማ ከም ፍሉይ 'ውሽጣዊ ሓበሬታ' ክረክብ ዝኽእልን ተገይሩ ንኽቑጸር ኣበርክቶ ስለዝገብር'ውን እዩ።"
ስለዚ ሓሶት፡ ስምዒታዊነትና ክብርኽ ይገብር እዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓሶት ምክፋል ጽቡቕ ስምዒት'ውን ይፈጥረልና እዩ።
እዚ መጽናዕቲ'ዚ፡ ስለምንታይ ብዙሓት ካባና መጀመርታ ብሓሶት ንደናገር ንዝብል ሕቶ ብግልጺ መልሲ ኣይህብን።
ምናልባት ሓደ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ እንተንፈልጥ፡ ክሳብ ክንድዚ ብዙሕ ግዜ ኣይመካፈልናዮን ንኸውን።
እንተዀነ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስነ-ኣእምሮ ዝተገብሩ መጽናዕቲታት፡ ደቂ ሰባት ክንበሃል እንከለና፡ ቅንዕና ናይቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ምፍራድ ክንድ'ዚ ንፉዓት ከምዘይኰንና እዩ ዘመልክት።
ኣዚና ኣበርቲዕና ምሕሳብ ኣይንፈቱን፤ ስለዚ ናብ መደምደምታ ኢና ንዘልል።
ሓደ ኣገላልጻ ወይ ዛንታ ንምርዳእ፡ ግዳማዊ ረቛሒታት ኢና ንጥቀም። ክሳብ ክንደይ ቀሊል እዩ?
ክሳብ ክንደይ ተፈታዊ ክኸውን ይኽእል? ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረና ወገናውነት ዝድግፍ ድዩ ኣይድግፍን?
ውሳነና ብከምዚኦም ዝበሉ ግዳማዊ ረቛሒታት ዝድረኽ እዩ።
ስለዚ ሓሶት ብቕልጡፍ'ያ ትጓዓዝ ዝበለ ሰብ መን ይኹን ብዘየገደስ ልክዕ እዩ።
ሕጂ እዚ ናህሪ ደው እነብለሉ መገዲ ጥራይ እዩ ዘድልየና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







