ቻይናውያን ቢልየነራት ስለ ምንታይ'ዮም ዝስወሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መስራቲ ዓሊባባ፡ ጃክ ማ ድሕሪ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ንፈለማ እዋን ምስ ተራእየ፡ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኾይኑ ቀንዩ ኣሎ።
እቲ ሓደ ካብ ፍሉጣት ሰብ ሃብቲ ዝዀነ ጃክ ማ፡ ኣብ 2020 ንፋይናንሳዊ ጽላት ቻይና ድሕሪ ምንቃፉ ካብ ኵሉ መድረኻት ተኸዊሉ እዩ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ኣብታ ሃገር እናተለመደ ዝመጽአ ኣካታዒ ክስተት ምስዋር ቢልየነራት ሓያለ ክትዓት ከልዕን ስንባደ ክፈጥርን ተዓዚብና ኢና።
ንኣብነት: መሪሕ ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ ዝዀነ ቻይናዊ ቢልየነር ባኦ ፋን ለካቲት 2023 ዓ.ም ደሃዩ ምስ ጠፍአ ብዙሕ ክትዓት ተላዒሉ።
ባኦ ፋን፡ መስራቲ ኵባኒያ ቻይና ሬናይሰንስ ሆልዲንግስ ዝተባህለ ኵባኒያ'ዩ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ገዘፍቲ ኵባኒያታት ኢንተርነት ዝዀኑ ቴንሰንት፣ ዓሊባባን ባይዱን ዓማዊሉ ኰይኖም ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እታ ሃገር ድማ ከም ሓደ ዓብዪ ሰብ ይርኣይ።
ኣብቲ እዋን፡ ባኦ ፋን ንመዓልቲታት ምስ ጠፍአ፡ እቲ ኵባኒያ "ሰበ ስልጣን ቻይና ኣብ ዘካይዱዎ ዘለዉ መርመራ ይተሓባበር ኣሎ፡" ዝብል መግለጺ የውጽእ።
ኣብ ቻይና፡ ከምቲ ልሙድ ኣየናይ ኣካል መንግስቲ መርመራ የካይድ ከም ዘሎ፡ እቲ መርመራ ኣብ ምንታይ ዘተኰረ ከም ዝዀነ ከምኡ'ዉን ባኦ ፋን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይተገልጸን ነይሩ።
ምስዋር ባኦ ፋን ክሳብ ሕጂ ሕንቅልሕንቅሊተይ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይግመት።
እዚ ንኽልተ ዓመታት ድሃዩ ጠፊኡ ዝጸንሐ ቻይናዊ ቢልዮነር ባንከኛ፡ ኣብ ዝሐዓለፈ ዓመት ኣብ ትካሉ ቻይና ረናሳንስ ሆልዲንግስ ካብ ዝነበሮ ኵሉ ሓላፍነታት ከም ዝተሰናበተ ተገሊጹ።
"ብምኽንያት ጥዕናን ኣብ ጕዳይ ስድርኡ ዝያዳ ግዜ ንምሕላፍን፡" ብዝብል ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝወረደ እቲ ባንኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ባኦ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ምስ ጠፍአ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ንግድን ወፍርን ቻይና ልዑል ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ።
ጕዳይ ድሃዮም ዘይፍለጥ ወይ ዝስወሩ ቻይናውያን ቢልየናት ትዅረት ዝረክብ ጕዳይ እኳ እንተዀነ፡ ኣብታ ሃገር ድሃዮም ዘይፍለጥ ብዙሓት ውልቀሰባት ኣለዉ'ዮም።
እዚኦም፡ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ምስ ዘካይዱ ወይ ኣብ ወፍሪታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዝሳተፉ'ዮም ዝስወሩ።
ምስዋር ባኦ ፋን፡ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግኀ ቍጠባ እታ ሃገር ንምቍጽጻር ዝጥቀሞ ሓደ መገዲ'ዩ ተባሂሉ ይንገር።
ብ2023 ዓ.ም፡ ንመብዛሕትኦም ዓውዲታት ፋይናንስ ዝከታተል ሓድሽ ተቘጻጻሪ ትካል ከም ዝምስረት ተገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብ2015 ዓ.ም [ኣ.ኤ]፡ ዋና ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዎልቨርሃምፕተን ዋንደርደርስን ኣቦ መንበር ፎሱን ኢንተርናሽናል ኩባንያ ጉዎ ጉዋንግቸንግን ሓዊሱ ሓሙሽተ ቢልየናት ተሰዊሮም ነይሮም።
ጉዎ ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ተሰወረ እቲ ኵባኒያ ሰብ ሰልጣን ኣብ ዘካይዱዎ መርመራ ክሕግዝ ከም ዝጸንሐ ኣፍሊጡ።
እዚ ግን፡ ጉዎ ክርአ ምስ ጀመረ ዝተዋህበ መግለጺ እዩ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ቻይናዊ-ካናዳዊ ቢልየነር ሺያዎ ኣብ ሆንግ ኮንግ ካብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ተወሲዱ።
ኣብ ቻይና ድማ፡ ሃፋትም ካብ መንጐ ዝበሃሉ ሓደ ዝዀነ ሺያዎ ብ2014 ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሩ ተኣሲሩ።
ኣብ 2020 ድማ ካልእ ቢልየነርን ኣብ ዓውዲ ሪል ስቴት ዝለዓለ ሃብቲ ዘጥረየን ሬን ዚቺያንግ ተሰዊሩ።
እቲ በዓል ሃብቲ፡ ቅድሚ ምስዋሩ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ቻይና ኣብ ዙርያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝወሰዶ ስጕምቲ "መስሓቕን ዋዛን፡" እዩ ክብል ነቒፉ ነይሩ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ብገበን ብልሽዉና ማእሰርቲ 18 ዓመታት ተፈሪዱዎ።
መስራቲ ዓሊባኣ ጃክ ማ፡ ብ2020 ዓ.ም ክስወር እንከሎ ግን ጕዳይ ምስዋር ቢልየነራት እታ ሃገር ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ቻይና ብሃብቲ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ ጃክ ማ፡ ኣብ ልዕሊ ተቘጻጸርቲ ፋይናንስ ድሕሪ ዘቕረቦ ነቐፌታ እዩ ተሰዊሩ።
ንሱ፡ ኣብቲ ግዜ መንግስቲ ንዘጣየሾ 'ኮመን ፕሮስፐሪት ፈንድ' ኣስታት ዓሰርተ ቢልዮን ዶላር፡ ንቻይና እኳ እንተለገሰ፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተሰዊሩ ጸኒሑ።
ጃክ ማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ገለ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ንግዲ እታ ሃገርን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ንፈለማ እዋን ድሕሪ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ናብ ዓይኒ ህዝቢ ክርአ እንከሎ፡ ገለ ግምታትን ኣስዒቡ እዩ።
መንግስቲ ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ዝወስዶ ስጕምቲ ሕጋዊ ከም ዝዀነ'ዩ ዝምጕት።
በዚ መሰረት፡ ብልሽውና ካብ መሰረቱ ንምምሓዉ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ።
እዚ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ቍጠባ ክትዉንን ዝገበራ መስርሕ ሊበራላይዜሽን እዩ።
ቻይና፡ ስርዓት ቍጠባ እታ ሃገር ክፉት ክኸዉን ምግባራ፡ ብዙሓት ቢልየነራት ንክፍጠሩ ዕድል ፈጢሩ'ዩ።
እዚ ድማ ብመንጽር እቲ ዘለዎም ሃብቲ ስልጣን ክህልዎም መገዲ ከፊቱ።
ይኹን'ምበር፡ ዢ ዝመርሖ ኮሚኒስት ሰልፊ ቻይና እቲ ስልጣን ንክብሕቶ ይሰርሕ እዩ ዘሎ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
እዚ ድማ ሚስጥራዊ ብዝዀነ መገዲ ከም ዝስራሕ ይገልጹ።
ዓበይቲ ቢዝነሳት ብፍላይ ድማ ጽልዋ ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ፡ ቅድሚ ዢ ጂንፒንግ ኣብ ዝነበሩ ፕረዚደንታት ጂያንግ ዜሚንን ሁ ጂንታኦን ፖሊሲታት እናዓበየ ምምጽኡ ይፍለጥ።
ቅድሚኡ፡ መንግስቲ ፌደራል ነቲ ስልጣን ክቈጻጸርን ሰራዊት፡ ከበድቲ ኢንዳስትሪታት ከምኡ'ዉን ስልጣን ክልላዊ መንግስታት ኣብ ማእከል ክእከቡ ተገይሩ'ዩ።
ኣብዞም ዓውዲታት ዝግበር ጥቡቕ ቍጽጽር ክቕጽል ብምግባር፡ ፕረዚደንት ዢ ክፉት ኰይኑ ዝነበረ ቍጠባ ናብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ንምምላስ እዩ ዝጽዕር።
እቲ ፕረዚደንት ዝኽተሎ ፖሊሲ 'ኮመን ፕሮስፐሪቲ' ብፍላይ ኣብ ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ ትዅረት ብምግባር ገለ ስጕምቲታት ወሲዱ እዩ።
"እዞም ክስተታት፡ ብፍላይ ንገለ ኢንዳስትሪታት ወይ ጕጅለታት መልእኽቲ ንምሕላፍ ብዘኽእል መገዲ ዝተወሃሃዱ'ዮም። እዚ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ምምሕዳር ዢ እቲ ቍጠባን ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ማእኸላይ መንግስቲ ንክኸዉን ዝዓለመ ፈተነ'ዩ ዘርኢ፡" ክብል ኒክ ማሮ ንዘኢኮኖሚስት ኢንተለሠንስ ዩኒት ወኪሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣማኻሪ ዓለምለኸ ትካላት ናይ ዝዀነ አልብራይት ስቶንብሪጅ ግሩፕን ሓላፊ ቴክኖሎጂን ፖል ትሪሎ ወሲዅ፡ "ቻይና፡ ኵባኒያታትን ሓለፍትን ዓበይቲ ቴክኖሎጂ ናይ ባዕሎም ጽልዋ ንከይውስኽን ንምቍጽጻር ዘጸግሙ ንከይዀኑን፡ ከምኡ'ዉን ኣንጻር ክብርታት እታ ሃገር ንከይኸዱ ዝዓለሙ ስጉምቲታት'ያ ትወስድ፡" ኢሉ።
ቻይና፡ እዚ ፖሊሲ ኣብታ ሃገር እናሰፍሐ ዝመጽአ ኣፈላላይ ሃብቲ ንምጽባብ ዝዓለመ'ዩ ትብል።
ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ጕዳይ ድማ እዚ ናይ ሃብቲ ኣፈላላይ ትዅረት እንተውሒዱዎ፡ መርገጺ እቲ ኮሚኒስታዊ ሰልፊ ከዳኽሞ ዝኽእል ዓብዪ ጕዳይ'ዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ጃክ ማ ዝተወስደ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ቻይና ዓቢይ ውድቀት'ዩ ነይሩ።
ኩባንያታት ኣብ ድሕነት 'ዳታ'ን ሕጊ ውድድርን ቍጽጽር በዚሑወን። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ ድጂታላዊ ንብረታት ምቍጽጻር ከጋጥመን ጀሚሩ።
ካልኦት ኵባንያታት ብሕቲ፡ ከም ትምህርቲን ህንጻን ዝኣመሰላ ዒላማ ብምዃን፡ ኣብቲ "ሓባራዊ ብልጽግና" ተባሂሉ ዝፍለጥ ወፍሪ ከም ዝኣትዋ ኰይነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







